ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽና ፍሉይ መለለዪ ኣለዋ። ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ ንሓርነት፣ ሰብኣዊ ክብርን ርእሰ-ውሳኔን፡ ንምርግጋጽ  ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብወግዒ ተጀሚሩ።
 
ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ከኣ  ብ1991፡  ልኡላውነት ሃገርና ኣረገጋጊጽና። እቲ ዝተገብረ ቃልሲ ግን  ልኡላዊት መሬት  ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዓቢኡ ንናጽነትን ሓርነትን ሕዝቢ ምርግጋጽን ፣ መሰረታዊ መሰል ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ  ዜጋ  ንምውስሓን ኢዩ ነይሩ።  ሎሚ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ሓደ መስከረም 1991 ዝተበገስናሉ ዕላማ ጨሪሹ ኣየንጸባርቕን ኢዩ ዘሎ ፤  ምኽንያቱ ሃገርና ሓንቲ ካብተን ብ ምግሃስ መሰረታውያን ሰብኣዊ  መሰላት ዝተፈልጣ ሃገራት ዓለም  ኮይና ኢያ ትርከብ ዘላ ። 
 
እቶም ቀንዲ ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ወይ ተጋሂሶም ዝርከቡ መሰላት ድማ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን፣ ምእካብን ፡ ናይ  ሃይማኖትን  እምነትን፤ መሰል እሱራትን  የጠቃልል። ነዘን መሰላት ክሓቱ  ዝፈተኑ ዜጋታት ኸኣ ዕጫኦም ማእሰርትን ምጭዋይን መግረፍትን ብዓቢኡ ከኣ ቅትለትን ይኸውን ኣሎ።

ሰብኣዊ መሰን  ክብሩን   ህዝብና ብሓፈሻ፡  መሰል መንእሰያትና  ድማ ብፍላይ፡  ካብ  መጠን  ንላዕሊ ይገሃስ ኣሎ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ኤርትራውያን  ኣብ ታሪኽና ተራኢዩ ብዘይ ፈልጥ ናህሪ ይቕጽል ኣሎ።  ማሕበራዊን፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ሃገርና  እውን ንድሕሪት ተመሊሱ ኢዩ፡ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣትዮም ኣብ  ህይወቶም ምምራሕ ዘይክእልሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ።ኣብ ሕበረተሰብና ተራኢዩ ዘይፈልጥ  ናይ ምልማን ባህሊ እናዛየደ እናተለምደን ይኸይድ ኣሎ፤ ብኡኡ መጠን ከኣ ፍቕሪ ሃገርን ፡ ኒሕን ሓቦን፡ ኣብ ሃገርካ  ናይ ምቕማጥ ድሌትን እናዛሕተለ ይኸይድ ኣሎ። ስርዓት፡ ሕጊ-ግደፍ  ንምልክነት ፤ ንሕጊ ኣልቦነት ፡ ንማእሰርቲ ፡ ንጥሜት ፤ ንሓሶት፤ ንኢሰብኣዊ ተግባራት ከም ቀንዲ መሳርሒ ናይ ስልጣኑ መናውሒ መሳርያ ይጥቀመለን ምህላዉ ንኩሉ ኤርትራዊ ግለጺ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ዕለት 18 መስከረም 2001 ጀሚሩ፡  ን11  ኣባላት  ማእከላይ ሽማግልኡ ዝነበሩን ናይ መዋእል  መቓልስቱን፤ ብዙሓት ዓበይቲ  ዓድን ፣ ነጋዶን ፣ መራሕቲ  ሃይማኖትን ጋዘጠኛታትን  ካልኦትን  ካብ ዝእሰሩን እኒሆ 10 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። 
 
እዚ ተረኽቦ’ዝን ካልኦት  ብድሕሪኡ ዝሰዓቡ ናይ ስብኣዊ መሰላት ምግሃስ  ምስሊ ሃገርና ኣብ ዓለም ተደኒሱ ኢዩ፡ ንተስፋታትናን ሃንቀውታናን ፡ ምዕባለ ሃገርናን እውን ኣበርዒንዎ ኢዩ ። እቲ ንዓመታት ዝተቃለስናሉን ኣብ ሪፈረንደም ድምጽና ዝሃብናሉን ቅዋምናን፤ ሰብኣዊ ናጽነትን ክብርን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ተጋሂሱ ኢዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ከም  ኤርትራውያን ዜጋታት እንታይ ኢዩ ሓላፍነትና ?
 
 ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ዕለታት ዝተኣስሩ ዜጋታት፡ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ይኹኑ ካልኦት ብሰንኪ ሃይማኖታውን ሕልናውን እምነቶም ደሃይ ዘጥፍኡ ዜጋታት፡ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን፤ ብዙሓት ብህይወቶም የለዉን፤ እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ እውን ህልዉንኦም ክራጋገጽ ኣይተካእለን። ሰብኣዊ ክብሮም ተነፊጎምን ኣብ ናጻን ርትዓውን ፍርዳዊ ኣካል ናይ ምቕራብ መሰሎም  ተሓሪሞም፡ ኣብ ስቃይ ይርከቡ ኣለው።  ስድርኦም ከይረኣዩ ዓመታት ኣቑጺሮም ይርከቡ። ኣብ እስሪ ቤት ዝሞቱ ዘለዉን ብሕቡእ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝሓቁን ዝቕተሉን ዘለዉ ቁጽሮም ማእለያ የብሉን።
 
ሎሚ ነፍስ-ወከፍና ንነብስና ነቶም ሰብኣዊ መሰልን ፍትሒን ስኢኖም ኣብ ጎዳጉዲ ዔራዔሮን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝሳቀዩ ዘለው ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዓቅምና እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ንነበስና እንሓተሉ እዋን ኢዩ። እንተዘይኮይኑ ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ክንከውን ኢና ።
 
ብተወሳኺ እዞም ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ንናጽነትን ርእሰ-ውሳኔን  ንዓመታት ዝተቃለሱ ዘቃለሱን፡ ጀጋኑ ምዃኖምሲ ኪሒድናዮ ማለት ዲዩ ? 
 
ከመይ ኢልና ኢና’ኸ ክሳብ ክንድዚ  ክንጭክነሎም በቒዕና ? 
 
ሕጂ’ኸ ምትሕብባርና ምስ ዘይፍትሓዊ  ስርዐት  ክንቅጽሎ ዲና መሪጽና ? 
 
ዋላስ ካብ ከቢድ ድቃስና ተበራቢርና፡ ንሓቅን ቅኑዕ ተግባራት ደው ክንብል ኢና ? 
 
አረ እንታይ እዩ እቲ ቐንዲ ረቐሒ ሰብኣዊ ክብሮምን ኣብ ናጻን ርትዓውን ፍርዳዊ ኣካል ናይ ምቕራብ መሰሎምን  ኣብ ግብሪ ክትርጎም ዘየሕትተና ?
 
ሎሚ ዕለት 16.09. 2011 ሎምስ ይኣክል! ብዝብል ጭርሖ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅዋም ኣብ ቅድሚ ቤት ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ኤርትራን ቤት ጽሕፈት ሕጊ-ግደፍን ፍራንክፈርት ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
 
ካብቶም ቀንዲ ዝነበሩ ጭርሖታት
 
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ጎነጽ፡ ከም ብሃውሪ ምእሳር፣ ደሃይ ምጥፋእን
        ምቕታልን ብዘይቅድመ-ኩነት ደው ይበል
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኩሎም ናይ ፖለቲካ፣ ሕልናን ሃይማኖትን እሱራት
        ብዘይቅድመ-ኩነት ይፈትሑ
ኣብ ሃገርና ኤርትራ  ኣብ መስርሕ  ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዝተመርኮሰ፡
        ንመሰልን ክብርን ነፍስ-ወከፍ  ኤረትራዊ ዜጋ ዘውሕስ ስርዓተ-ምሕደራ ይተኽል 
ኩሎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስቲ ጀርመንን ኣንጻር እዚ ዘስደምም
        ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጠጠው ክብላ ንጽውዕ ወዘተ…. ዝብሉ ነበሩ።

ትዕዝብተይ
 
ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ፍሉይ ዝገብሮ፤ መንግሰቲ ሕጊ-ግደፍ ካብ ዓለም ተነጺሉ፡ ነብሰ ተኣመንነት ኣጥፊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን  ኢዩ ተኻዩዱ፤ ከምቲ ሓደ መንእሰይ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝበሎ „ቀደም መንግስቲ ሕጊ ግደፍ በቶም ዑስባቱ ገይሩ ከፋራርሑ ቪድዮ ከልዕሉን ላዕሊ ታሕቲ ክብሉን እዮም ዝርኣዩ ነይሮም፤ ሎሚ ግን ሕብኡና!!  ሕብኡና!! ኣብ ዝብልሉ ግዜ ኢዩ ተበጺሑ ዘሎ፤ ብፊንስትራ ቅልቅል ዝብል ሰብ እውን ኣይራኣናን  ኤረ ! እቲ ቤት ጽሕፈቶም ሰብ  ዝነበሮውን ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ፤ እዚ መርኣያ ውድቀት ሕጊ ግደፍ ኢዩ“ በለ።
 
ሎሚ ኣብ ኣካባቢናን ጎረባብትን ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ ሕዝባዊ ናዕብታትን ቃልስታትን ብፍላይ ክኣ ውድቀት ቃዛፊን ምዕዋት ህዝቢ ልብያን ራዕዲ ንሕጊ ግደፍ መራሒኦምን፤  ፍናን ክኣ ንተቓወምቲ ሓይልታትን ሕዝብናን ከይኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ብምዃኑ፤ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዓቢ ሞራልን ተስፋን ዝመልኦ ነይሩ።
 
ኣብ  ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መዓትን አደራዕን ክነድሕን፤ ዓው ኢልና ድምጽና ከነስማዓሉ ዝግባእ ግዜ ሎሚ ኢዩ።
 
ዓወት ንሕዝብና
ውድቀት ንስርዓት ሕጊ-ግድፍ

ኣብራሃም ተኽለ
16.09.2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...