ናብ ክብርቲ ኣኒስ ዲ. ፓርከር
ከተማ ህዩስተን
ፖ.ቁጽሪ 1562
ህዩስተን, ተክሳስ 77251
 
ዝኸበርኪ ከንቲባ፣
 
እዚ ብውድብ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ንፍትሕን ደሞክራስን ምዕባለን ዝለኣኽ ዘሎ ደብዳበ እዩ። ትሕዝትኡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን: ብደገፍቲ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ: ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ተድሮስ መንግስቱ ወንደፍራሽ ንዝወረደ መጥቃዕቲ ኣቃልቦን ኣተኩሮን ንኽትህብሉ ንምሕታት ኢዩ።
 
ተድሮስ መንግስቱ ኣሰንዳእን ሓታምን ናይ ሓደ ብትግርኛ ዝዝርጋሕ ወርሓዊ መጽሔት ኣብ ህዩስተን ኢዩ።
 
እዚ ፍጻመ እዚ ዝተረኸበሉ፡ ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ሕዝባዊ ኣኼባ ምዃኑ ዝገልጽ ወረቓቕቲ ኣብቲ ከተማ ተበቲኑ ነይሩ። ኣብ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ደጋፊ ዝኾነ መርበብ ድሃይ እውን ከም “ክፉት ሰሚናር” እዩ ተገሊጹን፡ ንኹሎም ኣብ ህዩስተንን ከባቢኡን ንዝቕመጡ ዝተገብረ ጻውዒትን ዕድመን ብወግዒ እዩ ወጺኡ። እቲ ኣኼባ ዕለቱ ግንቦት 9፡ ሰዓት 12፡ ዝካየደሉ ቦታ ድማ ኣብ ክራውን ረሰፕሽን ሃልል ከምዝጅመር ብዕሊ ተነጊሩ ኢዩ።። እቲ ሰሚናር ቅድሚ ምጅማሩ ኣዳለውቲ ኣኼባ ኣብቲ ቦታ ኣትዩ ንዝነበረ ተድሮስ ረኣይዎን ኣለለይዎን። ተድሮስ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ብዝገብሮ ነቐፈታዊ ጽሑፋቱ ፍሉጥ እዩ ኔሩ። በቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ ጌሮም ንተድሮስ ክውጽእ ደፋፊኦምን ብድሕሪ’ዚ ድማ፣ ገለ 20 ዝኾኑ ካብኣታቶም ብቡኛ ሃሪሞሞን ፋሕንጢሮሞን። ናይ ዓይኒ መነጽሩ ሰቢሮም ዝሓዞ ኖትቡክን ተፕሪኮርዱን ወሰዱሉ።
 
ናይ ህዩስተን ፖሊስ ተጸዊዖም ቃል ተድሮስን ካልኦትን ክወስዱ እንከለዉ፤ እቶም ሃረምቱ ነቲ ስቡር መነጽሩን ኖትቡኩን መሊሶምሉ። ተፕሪኮርድ ግን ኣይመለሱን።
 
ብድሕር’ዚ ተድሮስ ናብ ኢመርጀንሲ ሆስፒታል ከይዱ ኣብ ልዕሊ ገጹን ርእሱን ክሳዱን ተሓኪሙ። ሕጅ’ውን ገና ብናይ ክሳዱ ጉዳይ ሕክምና ይገብር ኣሎ።
 
ከንቲባ ፓርከር፡

ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ከማና ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ብዛዕባ እዚ ዝተገብረ ዘይፍትሓዊ ማህረምቲ ኣቶ ተድሮስ መንግስቱ ኣተሓሳሲብዎም ኣሎ። ኣውራ ድማ ከተማ ህዩስተን ኣንጻር እቶም ሃረምቲ ክግበር ዝግብኦ ጉዳይ እንተድኣ ኣደንጉዩዎ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ምግባር ኣብቲ ከተማን ኣብ ሃገር ኣሜሪካን ከም ቅቡል ክውሰድ ይካኣል ዝብል መልእኽቲ ዝሰድድ ይመስል።
 
ምስኡ ዝኸይድ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ክቕጽልን ጸረ መሰል ዘረባን ሓሳባትካ ምግላጽን ማዕጾ ከ ከም ዝኸፍት ኮይኑ ይረአ ኢዩ። ፖለቲካዊ መርገጽኡ ብዘየገድስ፡ ማህረምቲ ክወርደኒ እዩ ከይበለ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ክፉት ኣኼባ ከይዱ ክሳተፍ ክኽእል ኣለዎ።
 
ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ተደሮስ መንግስቱ ዝተፈጸመ ገበን ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡና ከምዘሎ ደጊምና ክንገልጽ ንደሊ። ኣብ ኤርትራ ንጋዜጠኛ ምቅታልን ምህራምን ንቡር ስራሕ ናይ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ተኸትልቱን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ኣብ ከተማ ህዩስቶን ግን ኣይተጸበናን። እዚ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መሰል ነጻ ሓሳብ ምግላጽን ምዝራብን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣኽብሮት ጎደል ኣብ ልዕሊ እዛ ዘለናያ ዓባይ ሃገር ኢዩ።
 
ስለዚ ነዚ በደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ንኹንን። ከምኡ እውን ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ህዩስተን፡ ነዞም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት ኣብ ፍትሒ ንምቕራብ ሓያል ስጉምቲ ንኽወስድ ነተሓሳስብ።
 
ምስ ዝለዓለ ሰላምታ
 
ረዘነ ሃብተ

 

[ረዘነ ሃብተ ምስ ብጾቱ ቅድሚ ወጋሕታ ብዕለት የካቲት 22፡ በረድ ኣብ ዝመልኦ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተወሰነ ናይ ሕ.መ. እገዳ ንምቅዋም ንዝወጹ ተሳተፍቲ ህ.ግ.ደ.ፋ.ዊ ሰልፊ፡ ክስንድ ዝመጸሉ ስኢሊ ተመልከቱ። ናይ ረዘነ ሃብተ ኣበርክቶ ብግብሪ እዩ። ረዘነ ሃብተ ኣክቲቪስት እዩ። ንዝያዳ ብዛዕባ ናይ ከም ረዘነ ዓይነት ጠባይ "ጋድፍላይስ" ዘለዎም እንታይ ከምዝበሃል ኣብ ታሕቲ ዊኪፒድያ ተመልከት።ምስጋናና ንረዘነ ሃብተ ንዘይሰልክይነቱን ግብራዊ መርገጺኡን]

 

ረዘነ ሃብተ ናይ ስራሕ ሰብ ኢዩ። ኣብ ዝኣመነሉ ብወግዒ ይሳተፍ። ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ፋላስፋታት ከም ማሕበራውያን ጋድፍላይ ኢሎም ይጽውዕዎም። ናይዚ ንምፍላጥ ኣብዚ ተወከሱ። ደሞክራሲ ናይ ብዙሓትን ምስ ጊዝያዊ ተረኽቦ ዝኽተሉ ሰባት ጥራሕ ኣይኮነን። ደሞክራሲ፣ ካብቲ ኣብ ማእከል ዘሎ፡ ፍልይ ዝበለ ዘለዎ ርእይቶ ንዘለዎ ባእታ መሰሉ ፈሊጥካ ግቡእ ማሕበረ ስብኣዊ ቦትኡ ናይ ምኽባር ጉዳይ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ህዪስቶን ጉዳይ ካብ መፈለምታ ብግብሪ ይከታተል ኣሎ። ብኹሉ ክገበር እየ ዝብል ድማ እንሆ ሜዳ እንሆ ጎልጎል። 

ኣዝማሪኖ 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...