ምሕጽንታ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድስ

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድስ፡-

ብቐዳምነት ዝዓዘዘ ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ፡-

ስመይን ኣድራሻይን ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ሓውኹም፡ ንገለ ኣዋርሕ ዝቕጽል ኣካዳምያዊ ምርምር ንምክያድ፡ ኣብ ቲልቡርኽ ዩኒቨርስቲ (Tilburg University) ናይ ሃገረ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ፡ ኢንተርቪክት (INTERVICT) ዝተበሃለ ናይ ምርምር ትካል ይርከብ ኣለኹ። ዘካይዶ ዘለኹ ምርምር፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ (asylum seekers) መሰል ዝምልከት ኢዩ። ካብ 2002 ጀሚሩ ናብ ኔዘርላንድስ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ኤርትራ እንከለዉ፣ ንስደት ኢሎም ካብ ኤርትራ ኣብ ዝተገበስሉ ግዜ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኔዘርላንድስ ምስ በጽሑ፣ ንዘጋጥሞም ገለ-ገለ ጸገማት፡ ብፍላይ ከኣ ናይ መሰልን ግዳይነትን (ግዳይ ናይ ምዃን) ሕቶታትን ካልእ ተዛማዲ ነጥብታትን ንምፍታሽ ዝዓለመ ምርምር ኢዩ።

ነዚ ምርምር’ዚ ዝሕግዝ ሓበሬታ፡ ብቐንዱ ካብ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኢዩ ዝርከብ። እቲ ቀንዲ ሓበሬታ ዝርከበሉ ኣገባብ ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ሓተትቲ ዑቕባ  ዝግበር ዝርዝራዊ ቃለ-መጠይቕ ኢዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ቃለ-መጠይቕ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ይደሊ ስለ ዘለኹ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ምትሕብባርኩም ብትሕትና እንዳሓተትኩ፡ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ምዝርጋሕ ‘ውን ክትተሓጋገዙኒ እምሕጸን። ንቓለ-መጠይቕ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኣሓዋት ወይ ከኣ ኣሓት፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ቁጽሪ ስልክን ናይ ኢመይል ኣድራሻን ክረኽቡኒ ከም ዝኽእሉ አዘኻኽር።

እዚ ዘካይዶ ዘለኹ ምርምር፡ ውጹእ ኣካዳምያዊ መጽናዕቲ ኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ውድባዊ ወይ ካልእ ጸግዕታት ናጻ ከም ዝኾነ ከዘኻኽር እደሊ። ተሳተፍቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ መጽናዕቲ ክሳተፉን ዘይክሳተፉን ኣብ ወለንታዊ ፍቓዶም ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ዝህብዎ ሓበሬታ ብጽኑዕ ምስጢር ክተሓዘሎም ምስ ዝደልዩ ድማ ምሉእ ውሕስነት ከም ዘሎ ክጠቅስ እደሊ። ብዛዕባ’ዚ ዘካይዶ ዘለኹ ምርምር ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዘድሊ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ ከህብ ዝኽእል ምዃነይ ‘ውን ከዘኻኽር እፈቱ። ዝርከበሉ ቁጽሪ ስልክን ናይ ኢመይል ኣድራሻን ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-

ቁጽሪ ስልኪ፡- 00 31 61 22 02 44 6
ናይ ኢመይል ኣድራሻ፡- This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ንእትገብሩለይ ምትሕብባር ኣቐዲመ አመስግን።

ሓውኹም ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...