ኢሳያስ ጉድ ረኺቡ። ንዓለምን ኤርትራን ሓንሳብ ተዓገሱኒ እዩ ዝብል ዘሎ። ን40 ዓመታት ዝተጠቐመሉ ናይ “ነገራት ከይዓበየ ምጭፍላቕን ምጥፋእን” ስልቲ ምስራሕ ኣብይዎ። ኩል ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ስለዝርከብ ሓንቲ ክንዲ ጣፍ ትኸውን ተቓውሞ ኣይጻወርን እዩ። ለንቅነ እሞ ብእገዳ ዝወረዶ ስምባደ ናይዚ ስልቲ ዘይምስርሑ፣ ከም ኣመሉ መን ኣሎ ብምባል ናብ ሰባት “ከምዚ ዘይትገብሩ፡ ከምቲ ዘይትገብሩ፡ እናበለ” ዘየለ ተቓውሞ ኣብ ሃገር ከምዘሎ ጌሩ ከርኢ ይፍትን ኣሎ። በዚ ከኣ እዩ ኢሳያስን መሰልቱን ብሰብ እዮም ዝዛረቡን ዝገበሩን እቲ ካብኦም ዝጥለብ ዘሎ ግን መትከላዊ  ናይ ሕዝቢ ነብሰ ምምሕዳርን ዕድሉ ብትካላዊ ኣገባብ ናይ ምውሳን ሕቶ እዩ።  


እዚ ብመስከረም 2010 ዝወጸ ጽሑፍ እዩ።
“እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤ ዓይኒ ዘለዎ ይርአ”


ብጀካ ናቱ ቤተ ሰብ፤ እቲ ካልእ ሕዝቢ ጠምዩ፣ ደቁ ተወሲዶም፣ ስድራ ቤት ጠፊኡ፣ ሓዳር የለ ሕዳር የለ፣ ኣብ ስደትን ኣብ ሳዋን በረኻን ዶብን ተደፊኡ፣ ብናይ ስዲ ኣገዛዝኣ ናይ ሓደን፣ ኣተግበርቱን ስለዝሳቐ ዘሎ፣ ነቲ ኣብ ባጽዕ ተሓቢኡ ብተላኣኽቱ ንዝካየዶ ዘሎ ስርዓት ኣብ ምቕያርን መንግስቲ ኣብ ምልዋጥን የልቦን።

ኢንተርነት እውን ፈሪሑዋ (ኣብ ወጻኢ) ነዚኣ ክዓጹ ዘይፍሕሶ እልማ ዘይሓስቦ ወዲት የልቦን። ገረወኛን በርሚልን ሽሓንን ጥርሙዝን ኣብ ጥቕኡ ዘይምጽናሕ እዩ ዝበሃል ዘሎ። እቶም ኣብዚ ስእሊ ዝረኣዩ ናይ 2007 ደገፍቱን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ወጻእቱን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነዚ ብዓለም ለኸ ሕቡራት መንግስታት ዝተበየነሉ እገዳ ንምግልባጥ ኣብ ጽርግያ ዋሺንግተን ክወጹ ይሕተቱ ኣለዉ።
መኸተ ዲሲ ብ2007
“ካብ ሳዕ በሎ፤ ሳዕ ምባል ይቐልል”ን “ዝገበርሲ ነዲኡ ነይነግር”ን ወሲኽካ ሓሸውየ ናይ ህግደፍ ማለት፤ ንመስመር ሓሳባት ደሞክራስን ናይ ደቅ ሰብ ጽቡቕ ድሌት ንዝሓሸ ናብራ ናብ ጎድኒ ከተዛሪ ምፍታን ይገርመናሎ።

መትከል ዲሞክራሲ ብድሌት ሕዝቢ ዝግዛእ መንግስቲ፣ ብወከልቱ መሪጹ ተመሪጹ ዝመሓደር ስርዓት፣ ከምድላዩ ሰሪሑን ሸቒጡን ሚሂዙን ዝህብተመላ ሃገር ዘይደሊ ኣብ ዓለም ዜጋ የልቦን ምተባህለ። ግንከ ነዚ ዘይደልዩ ዜጋታት ኣለዉ። ምኽንያቱ ከይሰራሕካ እትረኽቦ ስልጣንን፣ ኣብ ልዕሊ ፍጡር ሰብ ናይ ምቕታልን ምምሓርን ምቁጽጻርን፣ እንተደሊኻ ሓፍ፣ እንተደሊኻ ኣብ ባይታ ምስማጥ፣ ስሚዒት ዘሕድሮ ፍሉይ ወልፊ ኣሎ።

ብፍቕርን ብሓልዮትን ዘይዓበየ ኣሎ። ግንከ ንህይወቱ ኣማሓይሹን ንደቁ ፍቕርን ሓልዮትን ኣገባብን እናስነቐ ናይ ዝበለጸ ናብራ ምቁማትን ምብጻሕን ይከኣል እዩ። ሓደ እንተዘይበጹሑ መንገዲ ስለዝጅምረሎም ደቁን ተኸተልቱን ብኡኡ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ብተመኲሮ ተራእዩ እዩ።

ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ዝበዝሕ ናይ ዓለም ሃገራት ኣብቲ ሰብ ነጻ ዝኾነሉ ቦታ እዩ እቲ ዝበለጸ ሃብትን ሓጎስን ዝርከብ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...