ህዝቢ ኤርትራ ዓቐኑን ዓይነቱን ዝተፈላለየ ጸገማት በዲሁን ስዒሩን ንዝነበረ ሓይልታት መግዛእቲ ጸራሪጉን መሬታዊ ናጽነት ካብ ዘረጋግጽ እነሆ ግንቦት 19 ዓመታት ይኸውን ኣሎ፡፡ ኣብዚ ፍርቂ ዕድመ ኤርትራውያን ዝኾነሉ እዋን እዚ፣ ኣብ  ሃገራዊ መዝሙርና ተጻሒፉ ዘሎ ግን ኣንጻር ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዝኾነ ንዕኡ ብተግባር ናብ ሓቀይና ትርጉሙ ንትርጉመሉ ሰዓት ሕጂ ኢዩሞ ንበገስ፡፡ እቲ ዘሎና ሃገራዊ መዝሙር ንተበለጽትን ጓሓላሉን ዘገልግልን ብግብሪ ዘይተተርጎመን ኢዩ። ስለዚ ሓዲሽን ግብራውን የድልየና`ሎ!!
 
እሞኸ እዚ መዝሙር እዚስ ምስ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ይኸይድዶ`ሎ? ኣብ ዓለም “ግቡእ ስፍራዶ ጨቢጣ” ኣላ? መልሲ፤ ኤርትራ ብሰንኪ መራሕ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍን ጭፍርኡን፣ ብተናኻሲትን ጻሕታሪት ኩናትን ምስ ጎረባብትን ተወንጂላስ ክሳብ ካብ ኢጋድን ሕብረት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ መወዳእታ ድማ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ተበይኑላ ኣሎ፡። እዚ ማዕቀብ እዚ ንስነ-ምግባርን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከትን ዝትንክፍን ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ሃገራት ብመራሕተን ስለ ዝግምገማ ይትንክፈና። ስለዝኾነ እምበኣርዩ ሓዲሽ መዝሙር ዝጥለብ ዘሎ!! እሞ እንታይ ዝብል መዝሙር?
  • ብግዝኣተ ኣህጉራዊ ሕጊ ምኻድን ብግዝኣተ ሕጊ ተቐይድካ ኣብ ማዕርነትን ልዑላውነትን ሃገርካ ኣሚንካ ንመሰልን ፍትሕን ቀዳምነታት ዝህብ መዝሙር።
  • ስላም ፍትሒ ሓርነትን ናጽነትን ዘማዕብል መዝሙር፡።
  • ንህንጸት ንልምዓት ቀዳምነት ሂቡ ኣእዳው መንእሰያት ኣብ ክንዲ ጠብንጃ ፒሮን ጥራዝን ሒዘን ክፈልጣን ክመሃራን ክመራመራን ዘተባብዕ መዝሙር፡፡
  • ኣእዳው ሰራሕተኛታት ኣብ ክንዲ ጠበንጃ ማርተሎን ሞዶሻን ሒዘን ንምዕባለ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ዘማዕድዋ ዝገብር መዝሙር፡፡
  • ነእዳው ሓረስቶት ኣብ ክንዲ ጠበንጃ ዕርፍን ዘመናዊ ትራክተራትን ሒዘን ዘመናዊ ሕርሻ ኣስፋሕፊሑ ሃገር ልምዓት ዝስልም ንኽኸውን ዘተባብዕ መዝሙርን ተግባርን የድሊ ኣሎ፡፡
  • ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል መዝሙር፡፡
  • ንዓዱ እሾኽ ኮይናቶ ናብ ፈቐዶ ስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ብዘይ ፍርሕን ራዕድን ኣብ ዓዱን ሃገሩን ኮሪዑ ኣፍራዪ ዜጋ ዝኾነሉ መዝሙር።
  • ኣብ ስደት ዘሎ ምሁርን ብዓል ሞያን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ንሃገሩ ዘመዕብለሉ መዝሙር ብቕዋምን ብፍትሕን እናተመራሕና መንፈሳዊ ሓርነትና ዓምቢቡ ባይቶና ሰፊሑን ተርኡ ደሚቑን ንዜጋታቱ ዋና ሃገሮም ሙዃኖም ዘረጋግጽ መዝሙር የድልየና ኣሎ፡፡

"ብዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ"፡፡  እወ። ቀዳማይስ ተደምሲሱ ግን ካልእ ዘይተጸበናዮ እንደ`ሞ መጺኡ!! ናይ ታሪኽ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ካብቲ ዝተደምሰሰ ዝብኣሰ ነኻስ ጡብ ወላዲቱ “ህ.ግ.ደ.ፍ” ዝብሃል ዝያዳ  ደም የንብዓ ኣሎ ንሃገር፡፡  ነቲ መስዋእቲ ከፊሉ ትእምርቲ ጽንዓት ኮይኑ ዓወቱ ዘረጋገጸን ዘመስከረን ሓርበኛ፣ ብኣብ ጽንኩር ኩነታት ተሓብኢኦም ጊዜኦም ዘሕለፍዎ ጎራሓት ተጠሊሙ ዳግማይ መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ፡፡ ገሊኡ ኣብ ፈቐዶ ሸላታትን ጎዳጉድን ገሊኡ ከም ከብቲ ብሓጹር ጨዓ ተሓጺሩን ተቐይዱን ኣሎ፡፡ ገሊኡ እውን ካብ ብደሙ ናጻ ዝገበራ ሃገሩ እሾኽ ስለ ዝኾነቶ ሃጽ ኢሉ ናብ እግሩ ዝመርሖ ይነፍጽ ኣሎ፡፡ ስለዚ እምብኣር`ዩ ብተግባር ዝትርጎም መዝሙር ዘድሊ ዘሎ፡፡
 
እዚ ንጽንብሎ መበል 19 ዓመት ናጽነትና ናብ ሓቀኛ ናጽነት ንክንቅይሮ ብሓባር ንኸይንልዓል ዝጽግመና ኩነታት ኣለሊናን፣ ንድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት ያዕ ኢልና፣ ጸባ ሓንቲ ላምን እቶት ሓንቲ ግራትን፣ ኮይና ምስ እንልዓል። ሎሚ እውን ከም ትማሊ እቲ ዓወት ዓወት ህዝቢ ኢዩ፡፡ ኣብ ክንዲ እዚ ውድብ`ዚ ከምዚ እንትዝገብር እቲኦም ከምዚ ምባሎም ጌጋ ኢዩ እቲኦም ከምዚ ምምላሶም ጌጋ ኢዩ እንዳበልና ንኻልኦት ክነቅፍ ንውዕል ነብሰ ነቐፌታ ጌርና እዛ ብመስዋእቲ ብሉጻት ዜጋታታ ዝተረኽበት ሃገር ናይ ዋናታታ ክንገብራ ንበገስ፡፡

ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ዘይምውህሃድን ዘይምስምማዕን እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንህ.ግ.ደ.ፍ ስለ ዝሕግዝ እቲ ብምጽውዋር ክሕለፍ ዝግብኦ ብትዕግስቲ ሓሊፍና ነዚ ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ጉጅለ ኣብ ምቅላስ ቀዳምነታት ሂብና ክንምርሽ ኢዩ ዘሎ ኩነታት ዝጠልብ፡፡

እቲ ብሓርበኛታት ዝኽፈል ዘሎ ዳግማይ መስዋእቲ ንኹሉ ዜጋ ዝኽእሎ ክገብር ይጽውዕ ኣሎ፡፡ እቶም ኣብ ሕሱም ቤት ማእሰርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታት ዝፈጸምዎ ሓጥያት የብሎምን። ንሕና ስለ ዝሓመቕና ኢዩ ስቓዮም ዝናዋሕ ዘሎ፡፡
 
ቢተወደድ ኣብርሃ 19 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበሊ እንከሎ ንብመስዋእቲ ብጾቱ ዝተማረኸ ንብረት ብኣብ ወረቐት ዘይተጻሕፈ ዘይወግዓዊ ዕርክነት ኢሳያስን መለስን ተቓዊሙ ነቲ ብመስዋእቲ ብጾቱ ዝተማረኸ ንብረት ንብረት ሃገር ኢዩ ብምባል ብዘይ ወግዒ ናብ መሸጣ ከይውዕል ስለ ዝተቓወመ ጥራይ ኢዩ፡፡
 
ሃይለ ድሩዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒላዒሮ ዓይኑ ዓዊሩ ዝሳቐየሉ ዘሎ ምኽንያት ጉድለታትና ንኣርም ሕድሪ ስውኣትና ከምዚ ኣይኮነን ስለ ዝበለ ኢዩ፡።

ጴጥሮስ ሰለሙን ኣብ ዒላዒሮ ብሓጺን ፌሮ ተኣሲሩ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ዝሳቐ ዘሎን ደቁ ዘኽቲሞም ዘለውን ብብልሑ ንሕንጻጻትን ሜላታትን ኩናት ጀነራላት ሶቬት ሕብረት ነበር ኣፍሺሉ ናጽነት እሙን ዝገበረ ጅግና ኢዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ እውን ከም ሸሪፎን ካልኦትን መብጽዓና ንጠልም ኣሎና ስለ ዝበለ ኢዩ ሓንሳብ ብሲኣኤ ሓንሳብ ብዕልዋ መንግስቲ ዝኽሰስ ዘሎ።

ብሪጋደር ጀነራል ኢስቲፋኖስ ስዩም ካብ ሕቡራት ኣሜሪካ ነቒሉ ናብ ጎቦታት ሳሕል ተመሊሱ ምእንቲ ሃገሩ ክቃለስ እንከሎ ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣይኮነን ንባዕሉ ክእሰርስ ካልኦት እውን ክእሰሩ ትጽቢት ኣይነንበሮን፡፡
 
መምህር በራኺ ገብረስላሴ ዘረባ ማሕበረሰብ ዓለም ንስማዕ ስለ ዝበለ እምበር ብኽሕደት ሃገር ኣይኮነን መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ክንደይ ኢልካ ክትንተን፡፡ ንምዝኽኻር ግን እኹል ይመስለኒ ስለዚስ ብታሪኽ ከይንሕተት ሃየ ተቐላጢፍና ንበገስ፡፡
 
ዝኽሪ ንሰማእታትና
ፍትሒ ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሳቐዩ ዘለው፡፡

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...