ቀዳማይ ቅጽል።

ግንቦት 24 – 1991 መላእ ኤርትራ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ኣተወት እቲ ሰፊሕን ርሒብን ህዝብና ንዘበናት ዝተቓለሰላ ናጽነቱ ብዳንከራን ፈንጠዝያን (Euphoria) ኢዩ ተቐቢልዋ። ህዝቢ ንዓወቱ ብከመይ ተቀቢልዋ ኣብ መላእ ኤርትራ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተሪኢና፣ ኩላህና ክልተ ኣእዳውና ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርና ምስጋና ንኣምላኽና ንኣላህና፣ ብሓባር ኣቕረብና። ነቶም ምእንቲ ዓወትናን ሓራ መሬትናን ዝተበጅዮም ዝወደቑን ዝሰንከሉን፣ ከይረሳዕና ብመንጸር ሓጎስና ብሓደ ወገን፣ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ኣብ ገጽና ብዙሕ ስክፍታ፣ ከም ዝነበረና ዝገልጽን ዝሕብረና ብዙሕ ውሽጣዊ ዘይተገልጸ ፍርሒ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ህርፋን ጸባስ ጓጉደ ማይ ኣወደአ ከም ዝብሃል፣ ግን ነታ ንጽል ዓወት እንበር፣ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ስክፍታታት ብጽቡቕ ትምኒት ተኪእና፣ ሸለል ዝበልናዮ ንመስል ነርና ክብል እደፍር። ኣብ ነፍስ-ወከፍና ነናህና መግለጽን፣ ብድሕሪ ሓንጎልና ዝተቐርቀረ ናይ ፍርሕን ቀዝሕን ሓሳብስ ነይሩና ኢዩ። ጸላኢ ካብ ወጸ ካልእስ እደለ ይኹን በሃልትስ ኣይነብርናን። ገለና እንፈልጦ ጉዳይ ስለ ዝነበረና፣ ናይ ኣንዊሕካ ምግምጋምን ምምዳብን ዝሓረመና ኩነታት፣ ኣቐዲሙ ሓሳብና ናይ ምግላጽ ልምድና ተቕጽዩ ስለ ዝነበረ፣ ምስቲ ሓጎስን ደስታን፣ ንጎድኒ ዝነበረና ትብዓት ተሎ ኢላ ክንመልሳ ኣይከኣልናን።  ብሓጺሩ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስና ዝተፈጸመ ሕቡእ ፍጻሜታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ድርብ ዓወት ክገብሮ ዝኽእል ናይ ኩሎም ደቅና ብሓባር ዘይምእታዎም፣ ነተን ዝወለዳ ከስዕታት ይስመዐን ነይሩ ኢዩ። ዓወት ንኹሉ ሃገራዊ ተአንግድ ክትከውን ዝብል ትጽቢትና ከም ዘይተማልአት ስለ ንፈልጥ ኢዩ። ህዝብና ለባም ስለ ዝኾነ ላም ፍርቂ ጎድና ኣይትሰብሕ፣ ኣቲ ካልኣይ ግድና ድማ ኣይዓብርን ዝብል መግለጺታት ኣብ ገጹ ብግሊጽ ይንበብ ነይሩ። ገሊኡ ንምጥቃስ ድማ ሓሳበተይን በቲ ድሩት ዓቕመይን ተመርኩሰ እገልጽ። ናጽነት ሰላምን ዕርቅን ምስቲ ሓጎስ ከተውሕስ ነይርዋ። ናጽነት ንሓደ ወገን ጥራይ ከተገልግል፣ ህዝቢ ትጽቢቱ ከም ዘይኮነ ክበርህ ኣለዎ፣ ዝብል ኢዩ መበገስየይ። ንኹሉ ፈታው ናጽነት ብሓባር ተአንግድ ሃገር ኢያ ፍታሕ ትቕርብ።

ኣብቲ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብ1952 ብፈደራላዊ ሞቕረንቲ ምስ ኢትዮኦያ ክትተኣሳሰር ዝተገብረሉ፣ ሃገርና ከም ፈደራላዊት ኤርትራ ናይ ባዕላ ባይቶ ክህልዋ ዝወጸ ሕግን ዓንቀጽን ዝተደንገገ 67 ዝኣባላታ ባይቶ ኣቖመት። ኣያይ  ኣቶ ተኽለ ዘውደ ድማ ምስቶም ኣብቲ እዋን እቲ ንሓጺር ግዜ ስራሓ ዝጀመረት ባይቶና ስልጡንን ዘበናውን ኣሰራርሓን ኣገባብን መታን ከተኣታትዉ፣ ክሰርዑ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝተመደቡ እንግሊዛውያን ብምንባሮም፣ ኣያይ ከም ተርጓሚ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ኮይኑ ኣገልጊሉ። እዚ ምኩርን ማዕከን ታሪኽን ዝኾነ ዓቢ ሓወይ  ኣብ እዋን ናጽነት (1991) ምስ ተራኸብና ዝበለኒ ቃል ከቕርብ ኢዩ ቀንዲ መበገሲየይ። ንኹሉ ስክፍታና ብንጹር ዝገልጽ ቃሉ ንኹላህና ዝምልከትን ናይ ብዙሓት ድልየትን ግን ዘይተተበረ ጉለትና ንምስትብሃል ስለ ዝእምተልናን።  ምስ ብዙሓት መማህራነይ ዝነበሩ እውን ተዛራሪበ ኢየ። ግን እታ ናይ ገዛና መግለጺት ናይ ሓባር ስክፍታና ብምንባራ ከካፍለኩም እፈቱል።

ነቲ ለባም መግለጺኡ ሽዑ መዝጊበዮ ስለ ዝነበርኩ ድማ እንሆ ከም ዘላታ የቕርባ።……..(እጠቅስ) ተስፉ ,,መጋድልትኻ ሕጂ ብዓቢ ዓወት ኣትዮም ኣለዉ። ጎነጻዊ ቃልሲ ተስፋ እገብር ኣኽቲሙ ክኸውን። ግን ዘይተፈጸመ ጉዳይ ህዝብን ፍርቂ ጎድኒ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ይዕዘብ ኣሎ። ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ወተሃደራዊ ግጥማት ክዕወት ዝኸኣለ ሳላ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ኩላህና ዝተኻፈልናዮ ናይ ሓጎስ መግለጺ ህዝቢ እፎይትኡ ንስንብታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሓግሒጎም ምጽራጎም ዝምልከት ጥራይ ኢዩ። ግን እዛ ሃገር ናበይ ገጻ ኢያ ዝብል ሕቶ፣ ኣብ መጻኢ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ዕማም ከም ዝኾነ ኣይትረስዕ። ተስፉ ብዕድመ ወደይ ኢኺ። ኣብ ምዕባይካ እውን ድሕሪ ሞት ኣቦኻ ዝተጻወትክዎ ግደ ኣብ ጎድኒ ኣደኻ ፋና ኮይነ ትከልጦ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ኣብ እዋን ንእስነትካ ብዙሕ ዝዝክሮ ናይ ኣተሓሳስባኻ ቅርጺ ዝድግፎ’ውን ነይሩ። ብዘይገድስ ግን ሕጂ እዛ ሃገር በዚ ሰራዊትን መራሕቱን ዝተባሕተን ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፣ ሃገርና ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ኢያ። ሰራዊት ምምራሕን፣ ህዝቢ ምምሕዳርን ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ። ናይ ሰራዊትን መራሕቲ ሰራዊትን ኣብ ዕጥቂ ዘለዎም እምነት ሰፍ ዘይብል ኢዩ። ናይ ጠበንጃ ፍልስፍና ኢዮም ዝኽተሉ። ኣብ ባጽዕ ዝተመሃርክዮ ናይ ሰብ ጥብቆን ጀላብያን ሓድነት ንረብሓ ፖለቲካ ኤርትራ ኣገዳሲ ምንባሩ ዘይርሳዕ ሓቂ ኢዩ። ጥብቆን ጀላብያን ምልክት ህዝቢ ኢዩ። በርገሳዊ ልባስ ምልክት ሓድሕዳዊ ፍቕርን ሓልዮትን ኢዩ። እዚ ናይ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ግን ምልክት ኣዛዝን ተኣዛዝን ዝተመቕለ ስለ ዝኾነ ብናይ ስልጣን ህርፋን ተጸልዩ ሓይልን ምርጋጽን ከም ቀንዲ ተግባር ይሰርዕ። ተጻዋርነትን ምይይጥን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቦታ የብለንን።

ሓጎስን ፍንጠዝያን ኣንቢብና ንትርጉም ናጽነት ከም ሽፋን ሃገር ክንጉልብባ ኣይግባእን። ካብ ኢትዮጵያ ተላቒቕና ንውጻእ እንበር ፈቲና ጸሊእና ገረባብትና ኢዮም። ጉርብትና ክሳብ ዘሎ፣ ናይ ሓብር ዶብ ጥራይ ዘይኮነ ብሓባር ዝኣስረና ረቛሒ ከም ቀደሙ ኣብ ቦቱኡ ኢዩ ዘሎ። መግዛእት ከም ምስ ጥልያን ወይ እንግሊዝ ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን ጥራይ ካልእ መምዘኒ ምሃለዎ። ስለዚ ምስ ጎረቤትካ ተጎራቢትካ ክትነብር ከለኻ ናይ ሰላም ህይወት ክትፈጥር ናይ ግድን ይኸውን። ቅድሚ ናይ ጉርብትና ሰላማዊ ዕርቂ ምፍጻምና ግን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስ ኣለዎ። ህዝቢ ምስ ጎረቤቱ ህዝቢ ኢዩ ዝዕረቕ። ህዝቢ ድማ ብመጀመርያ ጉዳይ ሃገር ኣብ ንቡር ክመልስ ክኽል ይግባእ። ብወከልቱ ኣቢሉ ዝሓለፈን ዘሎን ክግምግም ይግባእ። ውሽጣዊ ጥጡሕን ሰላማውን ቅርጽን ምስ እንተክል ጥራይ ኢና ምስ ከባቢና ብሰላም ክንብር እንኽእል። መቐረት ሰላም ልዕሊ ኩሉ ኢና ንሪኣ። ሰላም ስለ ንብህግ ድማ ገረባብትና ሰላም ክረኽቡን ክቐስኑን ከለዉ ኢና ንተኣማመን። ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ምምሕዳር ምስ ዝኣቱ ኢዩ ብሰላም ወሰን ዝሕሉ። ሰራዊት ናይ ዶብ ምሕላው እነብር ከም በይናዊ ሓይሊ ክኸውን ህዝባዊ ስልጣን ኣየፍቅድን። ተስፉ ሕሰብ ደም ዝተቓበአ ህዝቢ ካብቲ ዝተፈጸመ ፍጻሜታት ንምልቓቕን ንምሕጻብን ፖለቲካዊ ሽብጢ ከም መጽረይ የድልዮ። ኣብ ክልትኡ መዳያት ድማ ምሁራትን ለባማት ውርዝዋትን ኣለዉ። ተስፋ እገብር ከም ናይ ቀዳሞት ተጋደልትን ናይ ተመሃሮ ናዕቢ ኣባል ብምንባርካ፣ ገለ ሚዛን ዘለዎ ዝምድና ምስ እዞም ሰበ-ስልጣናት ግዝያዊ መንግስቲ ክህልወካ። ተራኻ ክትጻወት ትኽእለሉ ግደ ምስ ዝህሉ ግን ቁሩብ ክትገብሮ ትኽእል ክሕብረካ። ኣነ ዓዲ እዝጊሄር ክኸይድ ሓጺር እዋን ኢዩ ተሪፉኒ ዘሎ። ንመጻኢ ወለዶ ዝኸውን ሕጂ ምንጻፍ ኣንጽፉ በሎም። ህዝብኹም ኣኽቢርኩም ካብ ጎነጻዊ ኣተሓሳስባ ተኣለዩ ዝብል መግለጺ ብተደጋጋሚ ከተስምዕ ፈትን። ንሰራዊት ካሕስኡ  ንዝጠፍአ ግዜኡ ዕድሜኡ ህዝቢ ክኽሕሶ ይግባእ። ግን እቲ ምምሕዳር ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝምለስ ጥራይ ኢዩ ኩሉ ክትግበር ዝከኣል። ካሕሳ ሰራዊት ብዝያዳ እታ ዝዓጠቁላ ናይ ናጽነት ድልየቶም ኢያ። እሱ እውን ከም መርገጺ ንናጽነት ኢሎም ስለ ዝተቐለሱ፣ ዓባይን ሽጣዊት ካሕስኦም ናጽነት ኢያ። እቲ ንዋታዊ ደገፍ ናይ መነባብሮ ፍታሕ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ከምቲ ተላኢኾም ዝሓፈስዎ ምህርቲ፣ ህዝባዊ ዓውዲ ዝከኣላ ትገብረሎም። ስለ ዝተቓለስና ካሕሳና ስልጣን ኢዩ ምስ ዝብሉ ግን ውዒሎም ሓዲሮም ከምቶም ተሳዒሮም ዝተሓግሓጉ ንሶም እውን ንኹሉ ዝፈጸምዎ ታሪኽ ደምሲሶም፣ ለካሚቶም ድርዕቶ ተጎምጊሞ ኢዮም ዝጠፍኡ። መንግስቱ ሃይለማርያም ናይ ኢትዮጵያ መኮነን ድሓር ድማ ኣብዮት ዝወለዶ መራሒ ኢዩ ነይሩ። ንህዝባዊ ስላጣን ብሒቱን ኣድምዩን ዘመሓደረ፣ ሎሚ ሃገሩ ኢትዮጵያ ዘይኮነትስ፣ ካብ ኩሉ ተነጺሉ ኣብ ዚምባበ ተሓቢኡ ክነብር ተገድዱ። ካብዚ ዝኸፍእ ሕማቕ ፍጻሜ የለን። ካብ ናይ መንግስቱ ታሪኽ ክመሃሩ ተላብዎም። ስለጣን ዝኣምን ናይ ሰራዊት መኮነን፣ ሓንሳብ ምስ መቀረቶ ልሕግ ክነብር ይመርጽ። ከምታ ብሓይሉ ዝደየባ ድማ ካልእ ሴፍ ዝዓጠቀት ቅልጽም ብሓይሊ ትኣልዮ። ናይ ምፍሳስ ደም ጠንቂ ድማ ንሱ ባዕሉ ኢዩ። ሕማቕ ልምዲ ድማ ኣብ ህዝብን ሃገርን ይገድፍ። ኣብ ርሑቕ ከይከድና ናይ ሞሶሊኒ ህትለር ታሪኽ ዘየንበበ ዘለዎም ኣይመስለንን። ጠበንጃ ከም ስዋድያ ብዕራይ ተሓንጊጥካ፣ እምነትካ ኣብ ባሩድ ምስ ተንብር፣ ጽባሕ ንዓኣ ዝሕነጋጣ ካልእ ኣካል ከም ዝፍጠር ኣቐዲምካ ክተስተብል ይግባእ። ግን ከምቲ ኣጀማምርኦም እንተኾይኑ መንገዶም እዛ ሃገር ብዙሕ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከጋጥማ ኢዩ። ምስ ህዝቢ ዘለዎም ርክብ ብትዕዝብተይ ኣብ ኣዋጃቶም ጥራይ ዝተገደሱ ኮይኖም ረኺበዮም። ንኹሉ ኣዋጃት እኮ ከም ናይ ጸጥታ ሕቶ ጥራይ ገይሮም ክወስድዎ ኣይግባእን። ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ንግዝይኡ እውን እንተኾነ ነቲ ዝተጨፍለቐ ህዝቢ ብለባማቱ ኣቢሉ ሓበሬታ ክህቦም ክውከስዎ ምተገበአ። ኩሉ ኣሰራርሕኦም ከምቲ ነተን ዓድታት ዝገብርወን ዝነበሩ እንተደኣ ኮይኑ ግን ትግርኛ ዝዛረቡ ደርጋውያን ጥራይ ኢዩም ክኾኑ። ንኣሓቶምን ኣሓዋቶምን ብዓይኒ ንዕቀት ክጥምቱ ስለ ንርኦም ዘለና፣ ገና ከሎ ተመለሱ ክትብልዎም ፈትኑ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ምዕዋት፣ ዓወት ናይ ሰብ ጠበናጁ ጥራይ ክትከውን ዝብል ፍልስፍና፣ ናብ ቀጻሊ ደምን ምዝራግ ሃገርን የኸትል። ወተሃደርዊ ዲቪዛ ህዝባዊ ጥብቆ ማለት ኣይኮነን፣ እሞ ሃግር ሲቪላዊ ምምሕዳርን ምዕቡል ቅርጺ ኣመሓዳድራ ብውክልና ህዝቢ ስልጣኑ ኣረክብዎ ክበሃሉ ኣለዎም። ከም ዝሰንከልካ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኩሉ ብመራሕቲ ሰራዊት ዝወረደካ ሓደ ብሓደ ሰሚዐዮ ኢየ። ለጊብካ ትገብሮ ነገር እንተሎ ፈትን። ጥንቅቕ ድማ በል። ዝዓበደ ኣራዊትን ኣብ ዕጥቂ ዝኣመነን መኮነን ተዛማዲ ባህሪ ኣለዎም። ህዝቦም ክሓቕፈኦም፣ ስልጣን ንህዝቢ ይሃብዎ። ሰራዊት ንሃገር ይከላኸል ኣንበር ብሓይሊ ህዝቢ ክሓቁፍ ኣይክእልን። ፈትዩ ጸሊኡ ሰራዊት ወዲ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ምስ ዝጥዕሞ ድማ ኢዩ ብሰላም ዝነብር። ጠበንጃ መከላኽሊት እንበር መማሓደሪት ክትከውን ኣይተሰርሐትን። እቲ ዝመሓደር ህዝቢ ጠለባቱ ዓረርን ቅልጽምን ባሩድን ኣይኮነን። ብሰላም ክነብር ሓደ ህዝቢ ናይ ሰላም ኣየር ብኹል መዳይ ከተንፍስ ይግባእ።“ ክብል ደምደመ።

ብወገነይ ድማ እዛ ትስዕብ መልሲ ሃብክዎ፣ ,,ኣያ ኣነ ኣብ ሜዳ ብዙሕ መከራን ስቓይን ኢየ ኣሕሊፈ። ብፍላይ ካብ ምብቋል ህዝባዊ ሓይልታት፣ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ተራን ኣዝዩ ጸቢብን ዳርጋ ዘየሎ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ ተሳታፍነት ክህሉ ዝጸዓሩ ፈለምቲ ተጋደልቲ ርእይቶኦም ኣብ መጻኢ ክኸውን ዘለዎ ህዝባዊ ተሳተፍነት ሕጂ ክህሉ ኣለዎ ዝብል መግለጺ ብኣግኡ ክህቡ ጀሚሮም። ኢሰያስ ነቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ ስለ ዘይተደልዮ፣ ንጠለባቶም ብረቒቕ ሜላን ሰበብን ፍሕሶን ብዘይ ክሲ ኣሲሩ ጽህይዎም። ዘየስተብሃልናሉ መልኡ ከምዚ ዝሰዕብ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ካብ ተሓአ ምድፍላይ ሓይሊ ናብቲ ከበሳዊ ከም ዝዛዙ ኢዩ ዝካይድ ነይሩ። ነዚ ብኣጋ ዝጠመቶ ንሱ ጥራይ እንበር ካልእ ዋላ ሓደ ስብ ኣይነበርን። መፍለይ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ዘበነ ክፍልታት ናይ ብሄራት ፍልልይ ንምውጋድ ኢይ ዝብል ጻውዒት ንኽተል ዝነበርና ኮይኑ ይስመዓና ነይሩ። ጀብሃ ምትሕፋጽ ሰራዊት ክትክተል ጻውዒት ብግሉጽ ኣቕሪባ ነይራ። እቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ብሰፊሑ ተጀሚሩ ነይሩ። እቲ ናይ ምፍላይ ተንኮል ግን ብረቂቕ ተዘርጊሑ ምንባሩ ዘማዕደዎ ሰብ ኣይነበረን። ብስነ ኣእምራዊ ጽልዋ ዝተረበሸ ሃንጎል ርትዓዊ ገምጋም ክህልዎ ኣይከኣለን። ናይ መንእሰይ ኣተሓሳስባ ድማ ጠንቂ ክጥምት እንበር ፍታሕ ብጥበብ ከምጽኣ ተመክሮኡ ኣየፍቅድን ነይሩ። ግን እዛ ናይ ሓይሊ ናብ ሓደ ክትዛዙ ትብል ዝገመታ ብዘይክኡ ካልእ ኣይነበረን። ካልእ ዝኸፍአን ኣዕናውን ጥጅእ ጸኒሕካ ዝምዕዶ ክገልጸልካ። ብመጀመርያ ድሕሪ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ከም ተሳተፍቲ ዝመጹና ዝነበሩ ሓደስቲ ተጋደልቲ መበቆሎም ይሕተቱን እሞ፣ ነቶም ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተወልዱ መታን ከነጽሩ፣ ኣቦኻ መበቆሉ ካበይ ኢዩ፣ ተባሂሎ ይሕተቱ ነይሮም። ሳዕብና ከም ዝረኣናዮ እዚ ሕቶታት ኦርነክ ንምምላእ ዘይኮአንስ ካልእ ተንኮልን ፍሕሶን ነይርዎ። እዚ እውን ድሕሪ ብዙሕ ገምጋም ኢና ክንፈልጦን ከንስተብህለሉን ዝጀመርና። ናይ መንነት ሕርኽራኽ ዘኸተሎ ተንኮል ኢዩ ነይሩ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ነቶም መበቆል ወለዶም ካበየናይ ዓድን ከባብን ዘረጋግጹ ኢዩ እቲ ሽርሕን ወጥርን ዘጋጠሞም። ንተንኮሉ መሳርሒ ድማ ንድሕነት ሓዳስ ውድብ ብጀብሃን ኢትዮጵያን ዝተላእኩ ጀዋሲስ መርበቦም ከይዝርግሑ ብዝብል ምስምስ ተጋደልቲ ናይ ምንቅስቓሶም ናጽነት ተሪፉ ክብ ዝበለ ምቁጽጻር ክግበር ተመዲቡ። ርክብ ተጋዳላይ ምስ ብጾቱ ኣዝዩ ብረቂቕ መጻወድያ ስለ ዝተቐርጸ ፈጺሙ ናይ ሓሳብ ምግላጽን ብግሉጽ ምዝራብን ጠፊኡን ተሒኺኹን። ተግዳላይ ኣብ ውግእ ጅግናን ሓርበኛን ይኹን እንበር፣ ብውሽጢ ግን ብርፍሕን ራዕድን ዝተዋሕጥ ከም ዝኸውን ተገይሩ። እዚ ኣሰራርሓ ሕጂ’ውን ድሕሪ ናጽነት ከይተረፈ ብግሉጽ ምስ ህዝቢ ርክብ ሰራዊት ከም ዘየፍቅድ ንሪኦ ኣለና። ናጽነት ዘለዎም ዝገርመካ ነቶም መበቆሎም ከነጽሩ ዘይክእሉ ኣባላት ግን ሓለፋ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ይወሃቦም ነይሩ ኣሎን። ንመስዋእቲ መብዛሕትኩ እቶም ስድርኦም ካብ ገጠራት ኤርትራ ዝኾኑ ኢዮም ዝብሕትዎ ነይሮም። እቶም ምስ ናይ ገጠራት ኣተዓባብያን ወይ ካብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መቦቆል ኣቦ ዘይነበሮም ንሶም ኢዮም ኣብ ነፍስ-ወክፍ ዓዲ ሰሊኾም ሽማግለ ዓድታት ክኾኑ ብሕቡእ ተመዲቦም። ሰራዊት ግን ኣፍልጦ ኣይነብሮን። ከም በርገሳውያን ኮይኖም ኣብ ንፍሲ ወከፍ ዓዲ ዝምደቡ ነይሮም። ነዚ ዘይተረደአ ክፍሊ ህዝቢ ዝበሃል ወተሃደራዊ ምድብ ኣላል ነቶም ብስወር ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሑ መርበባት ኢሰያስ ኢዩ ዝበልዎ ዘተግብር ዝነበረ። ህዝቢ ከመይ ኢሉ ይፍንጣሕ ብመደብ ኢዩ ተኻይዱ። ማለት ንነፍስ-ወከፍ ዓዲ ሽማግለታታ ኣፍሪስካ፣ ነቶም ምስ መነባብሮን ሕግን ልምድን ዓድታት ጓኖት፣ ንዓድታት ክፈላልይወን ኣብ ህዝቢ ነቓዓት ክፈጥሩን ተዋፊሮም። ንኹሎም ሽማግለታት ሃገርና ሕተቶም፣ ብርግጽ ስእሊ ህዝባዊ ግንባር ንምልላይ ምስ ትደሊ ኣብርህ ኣቢሎም ክሕብሩኻ ዝኽእሉ ዘርካ ነተን ዓድታትና ርኣየን እሞ ቁልጭ ኢሉ ነቲ ዝነበርን ዘሎን ኣመዛዚንካ ክትርድኦ ኣይጽግመካን። እቲ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ድማ ንነዊሕ እዋን ድቃሰ ክኸላኣናን ከሳቕየናን ኢዩ። ኣያ ከም ውልቀ-ሰብ ዝከኣለኒ ክገብር ኢየ። ኣቦይን ሓወቦይን ኣብ ክልተ ቀጽሪ ስለ ዝነበሩ ዘጋጠመ ስለ ትፈልጦ ክደግሞ ኣይደልን። እዚ ናይ ሳሕል ፍልስፍና ዝፈጠሮ ግን መዘና የብሉን። ኣቦይ ኣብ ቀጽሪ ኤርትራ ንኤትራውያን፣ ሓወቦይ ግን ሰኣን ምርድኦም ኣባል ማሕበር ኣንድነት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ነይሮም። ናይ ክልቲኦም ዝምድና ግን ከም ፍጡራት ዘየራኽብ ኣይነበረን። ልክዕ ማሕበር ኣንድነት ናይ ኢትዮጵያ ወካሊ ኣብ ኤርትራ ንገለ ብረት ኣዕጢቑን ንቤተ-ክህነት ሒዙ ዝኣጎዶ ሓዊ መን ይርስዖ። ግን ካብ ናይ ኢትዮፕያ ዝኸፍአ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ዘተኣታተዎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ኢዩ። ናይ ተሓአ ውድባት ማሕበራት ብወረጦ ኢየን ከም እሾኽ በለስ ዝውረጣ ነይረን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብጻይና ኢሎም ተገሪሆም ዘጸግዕዎ ዝቐንጸለ ዕዋላ መራሒ፣ ናይ  ህዝቢ መሰልን ናይ ሕጊ ተማእዛዝነት ድሕሪ ናጽነት ከተኣታት ኢዩ ኢልካ ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ። ዝብኢ ስጋ ምብላዕ ገዲፉስ ክጸውም ጀሚሩ ኣሎ ከም ምባል ኢዩ ዝቑጸር።

ኣነ እውን ኣዐርየ ኢየ ንህዝብዊ ግንባር ከም ወተሃደራዊ ውድብ ዝፈልጣ። ግን ከምቲ ካልኦት ኣብ ዙርያ ዓለምና ዘለዋ ህዝባዊ ቃልስታት ዝገልጽኦ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ውግእ ዝብል መግለጺ ሂብካ ንህዝባዊ ሓይልታትን ህዝብዊ ግነባርን ክትዕይራ ዘይርትዓዊ ትንታኔ ኢዩ። ህዝባዊ ሰራዊትናን መሪሕነት ግንባርን ክልተ ነንበይኑ መግለጺ ኣለዎም። መራሒ ህዝባዊ ግንባር ዓመጽ ዝኣመሉ፣ ብዘይካ ንኣታሓሳስብኡ ዝጻረር ምቕንጻልን ምህጣምን እንተዘይ ኮይኑ ካልእ መግለጺ ክትህበሉ ኣይትኽእልን። ብግሉጽ ንዝቃወም ኣካል ኣብ ናይ ፍትሒ መደብ ዘይገጥም፣ ጨውዩን ቀይዱን፣ ኣፍ ዝኾነ ተቓዋሚ ተህጥም እንበር፣ ተቐይዱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ዝተፈሐ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ክሳብ ሎሚ ኣይረኣኹን። ከም ሰብ መሰሉ ተገፊፉን ብገለ ምኽንያት ግን ምቕንጻሉ ንግዝይኡ ዘየዋጽኣ ኮይኑ ዝረኸቦ ውልቀ-ሰብ ወይ ድማ ኣብ ሰራዊትን ኣብ ገለ ካባቢ ጽልዋ ዘለዎ ኮይኑ ዝረአ መግለጺ ከይተዋህቦ መሰሉ ተገፊፉ ይፍታሕ ይኸውን። መላእ ታሕተዎት ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብድሕሪኦም ዝፍጸም ሰሚዖምን ተገሊጹሎም ኣይፈልጠን። ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ኮነ ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ከይተረፈ ከይተነግሮምን ከይተገጸሎምን ኩሉ ነገር ካብ ፋሕ ብኢሰያስ ኢዩ ዝካይድ ነይሩ። ፈጺሙ ኣፍልጦ ኣይነብርምን። ንክፍጸብ በበይኖም ምስኡ ኣብ በይናዊ ዝርርብ ኣትዮም ዘካይድዎ ኣደናጊሩን ሓቢሉን ዝፍጽሞ ብዙሕ ጉዳይ ኢዩ ተኻይዱ። ድሕሪ ካብ ማእሰርቲ ምንጋፈይ ኣብ ፋሕ ብዓይኒ ሓለዋ ንምቁጽጻረይ ተባህሉ ተመዲበ ነይሩ። ብዙሕ ግን ብትዕግስቲ ተዓዚበ። ተነጺለ ስለ ዝነበርኩ ስቅያተይ ወሰን ኣይነበሮን። ገመድን ካራን ኣብ ልዕለይ ይረኣናኒ ነይረን። ግን ፍሉይ ሜላን ብልሃትን ክውንን ክኢለ። ነታ ብድሕሪት ተሓቢኣ ትንቀሳቐስ ስውርቲ ሰልፊ ንኤርትራ እንድሕሪ ብሒታታ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ወይ ሃገርና ዘሕለፈቶ ዝኸፍአ ሕሱም ግዜ ከም ዝጸበየና ዘሎ ኣርሒቐ ከማዕዱ ኣኽኢሉኒ። ቤት ምህርቲ ካድራት ኣብዚ እዋን እዚ ኢያ ተጀሚራ። ድሩዕ ድሕሪ ካብ ተማሪኽዎ ዝነበረ ብተሓአ ምፍትሑ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ካድር ተመዲቡ ክምህር ምምዳቡ ንዓይ ኣብ ፋሕ ብዘይ ፍሉጥ ስራሕን ዕማምን ከምኡ ውን ካልኦት ኣብ ዘይምልከቶም ቦታ ምምዳብን ተዓዚበ ናይ ቃልስና መኣዝን ዘምጽኦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ቀደድ ኢሉ ተራእዩኒ። ዓቕመይ ፈጽሙ ዘየፍቅዶ ኩነታት ኢየ ከቢቡኒ። ሓለዋ ፋሕ ብኣዝዩ ትሑት ዕድመ ዘለዎም ቆልዑ ኢዩ ተሓጺሩ ዝነበረ። ኩሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ናይ ቁጠባ ዓቃቢ ብረት፣ ኮነ ምልክት ዕጥቂ ዝበሃል ኣይነብሮምን። ዝወርር እንተ ዝመጽእ ኢድካ ኢኻ ትህብ። ኣብቲ መእተዊ ፋሕ ዝረከብ ሓለዋ ዘለዉ 16 ኦውይ 17 ዓመት ዝዕድመኦም፣ ምስ ዝኾነ ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ፍልጠት ዘይብሎም ሕጻናት፣ ብገለ ካብ ውግእን ተኹስን ክነብሩ ዘይከካሉ ፈራሓት ዝእዝዝዎም ኢዮም ዝምርሑ ነይሮም። እቶም ቆልዑ ነቶም ዝመርሕዎም ከም ፈራሓት ስለ ዘይፈልጥዎ ኣኽብሮቶም ልዑል ኢዩ ነይሩ። እቶም ፈሪሖም ክሃድሙ ዝተታሕዙ ነቲ ሕማቕ ታሪኾም ክብሉ ንኢሰያስ ንዘላለም ከገልግልዎ ዝመረጹ ኢዮም። እቶም ካድራት ክኾኑ ዝምረጹ ድማ ፍሉይ ንዓይኒ ኢሰያስ ዘካልኡ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ጀሚሮም ተማእዛዚ ጠባይ ዘለዎም  ኢዮም ፍሉይ ሓንጎል ዝሓጽብ ትምህርቲ ክወሃቦ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ክመሃሩ ዝምረጹ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካድራት ኢላ ብምስልጣን ኣብ ሰራዊት ኣዕናዊ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ክቕረጽ ዝተመደበ። እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ዝምህሩ ተመሃርኦም ክመርጹ ዕድል ማለት ንቀይስን ድሩዕን ዝበሃሉ ተዋሂብዎም ኣይፈልጥን። ኣያ ካልእ ዕድል ስለ ዘይበረረኒ ኢየ ነቲ ዝገልጸካ ዘለኹ ከጽንዕ መዲበ። ምጽነዕይ እውን ሎሚ ኣይጠዓሰሉን ኢየ። ነቶም ካድራት ብኸመይ ሓንጎሎም ሓጺባቶን ክርደኣካ ኣዝዩ የጸግም።

ድሕሪ 1970 ክልተ ውድባት ኣብ ሜዳ ምህላው፣ ብመጀመርያ ቅድሚ ውግእ ሓድሕድ ምውልዑ ነፍስ-ወከፍ ተጋዳላይ ምስ ብጾቱ ዘለዎ ርክብ ኣዝዩ ዝተደረተን ከም ዝኸውን ተገይሩ። ካልእስ ይትረፍ ኣባላት ምስታ ዘለዋ መስርዕ ዘካይዶ ምይይጥ ብስለላዊ መርበብ ዝተኸበ ኮይኑ ስለ ረኸብክዎ፣ ገለ ተጋደልቲ ብእዋኑ ሕግን መሰል ተጋዳይ ክኽበር ምንቅስቓስ ኣልዓሉ። ነቲ ምልዕዓሎም ኢሰያስ ደጋፊ ክመስል ተሓባበሮም። ቀንዲ ገሃስ መሰል ንሱ ከሎ ስለ ምስኦም ኮይኑ ደላይ ፍትሒ ክመስል ብድሕሪት ተነሳቐሰ። ቀንዲ መበገሲኡ ነቲ ምልዕዓል ንምብርዓን ክዋፈር ሱር ናይቲ ጠለባት ክብርብር ዝቐለለ ኮይኑ ዝረኸቦ ደጋፊ መሲልካ ምጽጋዕ ኢዩ መሪጹ። እዚ ተግባር እዚ መግትኢ እንተዘይ ተገይሩሉ፣ ፈኸም እንዳ በለ ናብ ህዝቢ ክልሕም ኢዩ ዝብል ፍርሒ ብኣግኡ ተላዕሎ። ተጋዳላይ መሰሉ ተጋሂሱ፣ ክመያየጥን ክእርምን ግቡኡ ኢዩ በሃልቲ ኮይኖም ንዝተበገሱ፣ ብግርህነቶም ኣጻዊዱ ኢዩ ንኹሉ በርቢሩ ክጉሕግሖ ዝኸኣለ። ኣብቲ ደሞዝ ዘይክፈሎ፣ ንሃገር ትብጀወሉ መን ኣብ ከዳዕ መሪሕነት ክህሉ ይኽእል ኢልካ ትግምግም። ሰባትን ፍጡራን ስለ ዝኾና ናይ ነብያት ዓቕሚ ኣይነበረናን። ከም ዕሱብ ሰራዊት ናይ ምግላጽን ምዝራብን ዘይብሉ ናጽነቱ ስለ ዝተመንጠለ፣ ህዝብዊ ናጽነት ከውሕስ ኢዩ ዝብል ለዋህ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኣብ ኩላህና ስለ ዝነበረ፣ ንሱ እውን ከማና ኢዩ ኣተሓሳስብኢ ኢልካ ክትግምት ጥራይ ኢካ ትኽእል። ቀጺሉ ዝተኻየደ፣ ነባሮ ሓንቲ መስርዕ ብድልየቶም ዘይእከቡን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ክመያየጡ ከም ዘይፍቀድ ኢዩ ቅዲ ተኣታትዩ። ናይ ምእካብ መሰል ብትእዛዝ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኢዩ ዝመሓላለፍ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ኢዩ ሎሚ ኣብ ኩለን ዓድታት ገጠራትና ተኣታትዩ ዘሎ። ኣብ እዋን ገድሊ ህዝቢ ከይመያየጥ ዝተኸልከለ መታን ጸላኢ ሰለይቲ ሰዲዱ ንዓድታት ከይብሕተን ዝብል ናይ ጸጥታ ምስምስ ዝወሃብ ነይሩ። ህዝቢ ሰውርኡ ከም ዝሓቁፍ ንጸላኢ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር ግን ብዝኸፍአ ሕቡኣት ዋህዮታት ፈጢራ ኣብ ደገፍቲ ጀብሃ ዝኾኑ ወለድን ኣባላትን ወይ ናጻ ኣራኣእያ ዘለዎም ባእታታት ትወስዶ ዝነበረት ቅንጸላ፣ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትፍጽሞ ብዕጽፍታት ብዓቐኑ ኮነ ብመጠኑ ዝተዓጻጸፈ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ስለላ መርበብ ህዝባዊ ሓይልታትን ግንባርን ጎዘምኡ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ተሓአ ዝቃውምዎን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነይሩ። ንናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍቲ ግን ኣፈራርሕካ ኣባላት ግንባር ትገብሮምን። ኣንጻር ህዝቦም ከም ዝኾኑ ትሰርዖምን ዝብል መምርሒ ብሰፊሑ ይስረሓሉ ነይሩ። ምስ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሕስዉ ዝነበሩ ደምበ ቀይሮም ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ወይ ግንባር ክሕስዉ እንታይ ጸገም ኣለዎም። ሰራዊት ኮነ ኣብ ጸፍሒ መሪሕነት ዝነበረ ሰብ ነዚ ኣፍልጦ እዚ ኣይወነን። ኣብ ውሽጢ ውድብ ካልእ ውድብ ነይራ። መሪሕነት ውድብ ዝበሃሉ ኣየስተሃሉሉን። ጸኒሖም ዘስተብሃሉ እውን ገለ መፍትሒ ክፈጥሩሉ ዝኽእል ባይታ ፈጽሙ ኣይነብረን።

እቲ ቅኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎ ግን ጠቢርካን ጠባቢርካን ዝዕሾ ኣይኮነን። ዘበገሶ ዕላማን ዘፍቅራ ሃገርን በጃ ህዝቢ ክሓልፍ ዝተበገሰ ስለ ዝኾነ ኣስጋኢ ተባህሉ ይቕንጸል። ብጻይካ ተሰዊኡ ዲዩ ወይ ተሳሒቡ ተቀንጺሉ ከይተፈልጠ ቁጽኒ ዘብሉ ንጹህ ተጋዳላይ ብዘይ ጸብጻብ ተጻህዩ። ውድብ ክገፍሕን ቅርጹ ክቕየር ከሎ መሪሕነት ዝነበሩ ከም ኣወንታዊ ክርእዎ ፍሉይ ስዉር ሜላ ኣብ ልዕሊኦም ይካየድ ነይሩ። ባጀት ወድብ እውን ካበይ ይመጽእ ዘይፈልጡ መሪሕንት ኢዮም ነይሮም። ጸዊኻ ዘይውዳእ በይናዊ ጎድና ተኻይዱ። እንሆ ምልካዊ ስርዓት ደርጊ ቀይርካ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ከም ዝተኣታቶ ብግልጺ ርኡይ ይንበብ ኣሎ። ቀስ ገርና ንኹሉ ከነዐርዮ ኢና ዝብሉ ኣባላት መሪሕነት ምህላዋም የሕዝነካ። አርክቦ ረቢ ኣርከቦ ይብሉኻ እዚ ዘለናንዮ እዋን ኢዩ።

ድሕሪ ዓወታት ደርግን ናይ ህዝባዊ ግንባር ናብቲ ዝተወልደትሉ ምንስሓብን ኣያ ታሪኸይ ኣብ 1979 ብግሉጽ ክቃወም ጀሚረ ነይሩ ኢየ። ስልታዊም ምዝላቕ ዝብል ጠበረ ተሳዒርና ክብል ክገልጽ ጀሚረ። ብሓት ስልጣን ክሳብ ንህይወተይ ዘስግእ ስጉምቲ ከም ዝውሰደኒ እንዳ ፈለጥኩ ኢየ ተደቕዲቐዮ። ኣብ ዝኾነ ሰሚናሮም ብግሉጽ ኢየ ዝብድህ ዝነበርኩ። ኢሰያስ ዕላምኡ ወቒዑ ኢየ ዝብል። ሎሚ ንህዝቢ ከም ዝበታተን ተገይሩን ተወዲኡን። ህዝቢ ብጥርኑፍ ተወዲቡ ዝብሃል ናይ ሓሶት መናፍሕ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓዲ ነቲ መላእ ነባራይ ትቆጻጸር ኢያ እታ ዋህዮ ዝብልዋ በይና ክትሰርሕ ጸኒሓ። ህዝቢ ኣጽቂጡ ኣብ መነባብሩኡ ዘድሃበ ኮይኑ ተደሪቱ። ንኹሉ ስለ ዝፈልጦ ክመጽእ ዝኽእል ኣሚቱ ተነጺሉ ንብረታዊ ቃልሲ ብምድጋፍ ተርኡ ኣበርኪቱን ኣዐዊቱን። ክልተ ዝጠመተን ዘየድልያ ስእልታት ወይ  ኣካላት ነይረን። ግን ገለ ከም ናቱ ብምውሳድ ነቲ ካልእ ድማ ካብ ኣህገር ሓግሒጉ ከባርር በቲ ሓደ መዳይ ሃይለስላሰን ደርግን፣ በቲ ካልእ ኣብ ቃልሲ ፈለማ ሓይልታት ቀጺላ ግንባር ኣለልዩ ነይሩ። ንግንባር ትዕረ ዝብል ግምት ግን ነይሩ ኢዩ። ድሒሪ ናይ ተሓአ ካብ ሜዳ ምውጻእ ንግንባር ህዝቢ ክፈልጣ ክኢሉ። ምስ ደርጊ ኣዋዳዲሩ ግን  ካብ ክልተ ሰይጣውንቲ መኖም ይዓቢ መኖም ይንእስ ድሕሪ ዝብል ገምጋም ርክባቱ ኣላሕሊሑ ነቲ ዝውፈረረ ሰራዊት ግን ከዕውቶ ክብል ኩሉ ተጻዊሩ። ከይመያየጥ ስለ ዝተበታተኸ ሽግሩ ዝፈትሕ ጥምረት ብስለላ ኣብ ዝሩይኡ ምንባሩ ከየስተብሃለ ኣይተረፈን። ምብትታኹ ናብ ሓድነት ክመልሰሉ ዝኽእል ባይታ ከየዕንዎ ብጉሁዩ ንኹሉ ተጻዊሩ ዝከኣሎ ሃገራዊ ዕማሙ ኣካይዱ። ምይይጥን ርክባትን ዝተበትኮ ህዝቢ ድማ ኣብ ብጥስጣስ ዘይራኸብ መላግቦ ስለ ዝወድቕ፣ ሽግሩ ንምፍታሕ ዘለዎ ተኽእሎ ከም ዝጽንቀቕ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። ትኣምኖ ብጻይ ካብ ሰኣንካ ናይ ቃልሲ ትርጉም ፈጺሙ መኣዝኑ ዝሰሓተ  ዝግምት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኢሉ ኢሉ እውን ስልጣን ብመጀመርያ ኣብ ሓደ ጉጅለ ቀጺሉ ድማ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ከም ዝወድቕ ይርድኣኒ ነይሩ። ሕራይ ንዝበለ ኣካል ናይ ስልጣን ምጥውና ብቐሊል ዝረኽበሉ ሃዋሁ ኢዩ ተፈጢሩ። ንዓይ እውን እቲ ዕድል እቲ ዝተሓረመ ኣይነበረን። ኣያ ሓራ መሬት እንበር ናጻ ሃገር ከም ዘይረኸብና ብርግጽ ኣቐዲመ ዝተዓዘብክዎ ኢዩ። ይኹን እንበር ትዕዝብተይ ጉጉይ ክኸውን ካባይ ንላዕሊ ዝምነ የለን። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንሱ ኢዩ“ ክብል መሊሰሉ ነይረ።

እቲ ምስ ለባም ምኩርን ኣያይ ዝተዛራረብናሉ ደምዲመ ኣብ ቀጽሊ ትንታነይ ከድህብ። ይኹን እንበር ኣብታ ሎሚ ተቐይዳን ተሰዊራን ዘላ ጉጅለ ምስ ገለ ርክባተይ ኣይተበትከን ነይሩ። ተስፋን ጩራን ነይርዎም፣ ኣነውን ነይሩኒ። ከም ማዓዳ ኣያይ ክለግቦም ዝመረጽኩ ነይሮም። ካብ እዋን ፈስትቫል ቦለኛ ኮነ ብድሕሪኡ ኣብ እዋን ናጽነት ርክብ ነይሩኒ። እዚ ከም ታርኽ ቀስ ኢለ ዝገልጾ ሓቂ ኣሎ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከም ኣባል ሰራዊት ዝተሰለፈ ዜጋ ናይ ርእሰ-ምትእምማን ብቕዓቱ ዘጥፈአ ኣባል ሰራዊት ከም ዝኾነ ገና ቅድሚ 1974 ኣረጋጊጸ ይፈልጥ ነይረ። ሎሚ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ከም ሞያውያን ልዑል ቦታ ሒዞም ዘለዉ ኣሕዋት ገና ኣብ ብለቓት ከለና ምስኦም ሕሹኽ ኣይተረፈን። ናይ ሲኣያኤ ኣባላት ተባህሎም ብሓሶት ስለ ተቐብኡ ፍርሕን ራዕድን ዓሲልዎም ኣሚኖም ክዛረብኻ ጸገም ዝነበሮም ብጾት ነይሮም። እንተበዝሐ ናይ 10 ደቒቕ ብሕትዎ ኢልካ ምዝራብ ከዘውት ፈቲነ። ካብ መግለጺኦም ንላዕሊ ስእላዊ ቅርጾም ዝህብ ስእሎም ከተንብቦ ብቐረባ ክኢለ። ግን እቲ ዘገርም ዝተመቕለን ዘይተረጋገጽን ባህሪ ዝዓሰልም ብምንባሮም፣ ካብ ብባህሪ ዝተፈጥሩ ክትብሎም ኣብ ፋብሪካ ህዝባዊ ሓይልታትን ኣብ ሳሕልን ዝተሰንዑ ክትብሎም ይቐለካ። ተታባቢዕካ ብጾት ከተጥሪ ቁሩብ ኣንፈት ምስ ትህቦም ኩሉ ኣካላቶም ከም ሓማም ባርያ (ኤፕለብሲ) ዝሓዞም የንቀጥቅጡ። ክሳብ ሎሚ እውን ሽበቶም ንኹሉ ጸሊም ርእሶም ተኪእዎ ከሎ፣ ኣብ ናጻ ሃገርን ኣብ ስደትን እንዳ ነበሩ ክርዕዱ ክትሪኦ ከለኻ፣ ናይ ህግደፍ ምስማር ክንደይ ዝኣክል ሰንቲመተር ንውሓት ከም ዘለዋ ንምግማቱ የጸግመካ። ኣብ ተራ ተጋድላይ ተንብሮ ጽልዋ ዝሓሸን ኮይኑ፣ ካብቶም ልዑል ትምህርቲ ዘለዎም ኣባላት ኣዝዩ ዝቐለለን ዝፈኾሰን ነይሩ ክብል እደፍር። ገለ ዝፈተንክዎ ድማ ክገልጽ እደፍር። ኣብተን ብርክት ዝበላ ሓይልታት ክፍሊ ታዕሊም ኣብ ብለቓት ጽልዋይ ከንብር ፈቲነ። እዚ እውን ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ሜላ ኢየ ተኸቲለ። ብመጀመርያ ምስቶም ዝዕለሙ ኣዝዩ ምውቕን ጽቡቕን ርክብ ምፍጣር። እሱ እውን ነቲ በብዕለቱ ዝረአ እሱር ገጽ ተሰለፍቲ ናብ ፍሽሕው ሕብሪ ምልዋጥ ዝብል ተበግሶ ወሲደ። ካብቲ ዝወሃብ ብኮምሽነራት ፖለቲካዊ ትምህርቲ ወጻኢ ዘሎ ግዜ፣ ጥዑም ዕላላትን ፍሽኽታን ሰሓቕን ምስ ዳእላን ምቅርራብን ዝኸፍት ህሞት ክፈጥር ጀሚረ። ናይ ናብራ ሕመቕ ኣረሲዕካ ሕጉስ ሃዋሁ ምስፋን ሰሪሐሉን ተዓዊተሉን። ክሳብ ሎሚ ኣብቶም ብህይወቶም ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ኣብ ደገን ኣብ ሃገርን በብዕለቱ ዘዕልልዎ ግሁድ ሓቂ ኢዩ። ዝኾነ ወጥሪ ዘለዎ ሓዲሽ ተጋዳላይ ናብ ናይ ስድርኡን ዝዓበየሉ ዓድን ዘኪሩ ናፍቖት ኣቦን ኣደን ኮነ ናይ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ምርሳዕ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ዘበራብር ሜላ ፈጢርካ፣ ምርሳዕ ቤተ ሰብካ ገዲፍካ ንማሕበራዊ ተነጽሎ ምፍሻል ዝብል ሜላ ክጥቀም ፈቲነ። ስድራኻ ኣይትረስዓዮም መታን ህዝባዊ ጎድንኻ ከይደክም ኢየ ዝብሎም ነይሩ። ተሰዋእ ግን ምስ ጽቡቕ ተዘክሮኻ ድማ ደቅስ ዝብል ጭርሖ ይዝርግሕ ነይረ። እዚ እውን ንስድርኡን ቤተሰቡን ክርስዕ ዝካየድ ዘመተ ንምፍሻል ኢየ ተቓሊሰ። ህዝቡ ዝረሰዐ ተጋዳላይ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ህዝብና ዝጻወቶ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብኣጋ ኣስተብሂለሉ ነይረ። ኣብ ዘሩያ ህዝቦም ዝርከበሉ ግዜ ተጋደልቲ ካብ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ምሕብኦም የጉህየኒ ነይሩ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ድማ ምስ ትሓቶም፣ ኩላተን ኣዴታትን ኩሎም ኣቦታትን ናይታ ሃገር ኢዮም ስድራና ዝብል መልሲ ኢዮም ዝህቡ ነይሮም። እዚ ኣገላልጻ እዚ ካብ መላግቦ ህዝቦም ንምብጣስ ዝተገብረ ሕማቕ ጽልዋ ኢዩ። ሳዕቤኑ ድማ ሓደገኛ ምንባሩ ገሚተ። እቲ ለውሃት ስድርኡ ረሲዑ ንኹለን ስድራታት ጥራይ ከም ቤተ-ሰቡ ዝቕበል ዝብል ፍልስፍና ሓሶትን መስመሩ ዝሰሓተን ከም ዝኾነ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይነበረን። ከይዱ ከይዱ ድማ ኣቦኻን ኣዴኻን ውድብካ ጥራይ ኢያ ዝብል ኣዕናዊ ባህሪ ንምንጋስ ዝሓለነ ምብትታኽ ኤርትርዊ መበቆል ከም ዝኾነ ብኣጋ ክርደኣካ ዝኽእል ስእሊ ነይሩ። ብዝያዳ ኣብቶም ኣብ 1974 መወዳእታ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ፊተውራሪ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ዝነብሮም ፍቕሪ ተደምሲሱ ክሳብ ንወለዶም ምንዓቕ ዘርእይዎ ኣዝዩ ኢዩ ዝሕዝነካ። ኣብ ተጋደልቲ እውን ነቲ በርገሳዊ ሕብረተሰቦ ክገልጽዎ ከለዉ ገባር ደንባር ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህቦ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣዘራርባ እዚ ክሳብ ሎሚ ብሕቡእ ተጋደልቲ ነበር ዝዛረብሉ ሓቂ ኢዩ። መግለጺኻ ናበይ ዝቐንዐ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ሓታቲ ድማ ,, መምዘኒ ሕብረተ-ሰብና“ ኣብዚ እዋን እዚ ብርግጽ ብስእላዊ መሐበሪ ክንበብ ይከኣል። ፈቲና ጸሊእና ሳዋ ኣቀዲማ ኣብ ሳሕል ኢያ ተመስሪታ። ስድራ  ቤታት ከም ደርሁ ጫጪሓን ንህግደፍ ሎሚ ዘቕርበኦም መንእሰያት ከም መምዘንን መለክዕን ገርካ ክውሰድ ይከኣል።

ናይ ህግደፍ ጭርሖ ክትወጽእን ክትቅልቀልን ኣስተብህሉላ። እታ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሰብን መሬትን በብቑሩብ ሓራ ምውጽእ ትብል ትርጉም ዝሓዘለት ኢያ። ነተን ዓድታት ኤርትራ ካብቶም ዝመርሕወን ሽማግለታት በብቑሩብ ናጻ ትገብረን፣ ናትካ ውሽጣውያን ውድባት ድማ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዓዲ ተታኣታቱ። ምስ ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ነቲ መሬት ህዝቢ ትምንጥል። ንደቀባት ካብ ምምሕዳር ዓዲ ምስ ጸልጸልካዮም ዘመሓድርዎ መሬትን ዝጥቀሙሉ ሕጊ ዓደባ ኣሊኻን ኣወጊድካን ኣብ ቤተ-መዘክር ዘይኮነስ ኣብ ፍሉይ መዕቀቢ ተእትዎ፣ ምስ ተረስዐ ድማ ተንድዶ። ዝተርፍ ዕማም ድማ ሓንትን እንኮን ጥራይ ኢያ። ምብሓት ሃገርን ህዝብን። ቀጺልና ድማ ነስተብህለላ።

ካልኣይቲ ጭርሖ ትስዕብ። ,,ሓዳስ ኤርትራ“። እታ ብኹሉ መለክዒ ዝፈረሰት ኤርትራ፣ ኣብታ ብኢሰያስ ዝዓነወት ሃገር፣ ነቲ ታሪኹን ባህሉን ዝተደምሰሰ ህዝቢ ምምብርካኹ ክረጋገጽ ዝህነጽ ናይ ህግደፍ ሓድሽ ትርጉም ዘለዋ ህንጻ ኣልቦነትን ባዶሽን ቅርጺ ተንብር። ንሳ ድማ እታ ኣብ ድሮ ሓራ መሬት ዝተጨረሐት፣ ,,ሓዳስ ኤርትራ“  ትእወጅ። ቀጻሊ ጉዕዛ መሬትን ቅርጺ ሃገር ምስ ፈረሰት፣ ንኹሉ ህግደፍ ተካይዶ መስርሕ ዝጻባእ ህዝቢ መታን ከይህሉ፣ ናጻ ኣተሓሳስባ ክድምሰስ ኣለዎ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ካብ ውጥን ናብ ተግባር ምቕያር ዝብል መደብ ይስዕብ።

ለባማትን ሙኩራትን ወለዲ ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ሃገር ዋላ እውን ቅድሚ ኤርትራ ከም ሃገር ሙቛማ ዘውጽእዎ ሕግታትን ልምድታትን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምጥፍኡ። እንድሕሪ ልምድን ኣመሓዳድራን ዓንዩ፣ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ሓዲሽ ወለዶ ዝወርሶን ዝርከቦን ስለ ዘይብሉ፣ ሓንጎሉ ከም ዘይትጻሕፈ ቆጽሊ ወረቐት፣ እቲ መዳቢ ኣካል ከም ድላዩ ክጽሕፈሉ ዘኽእል ላቦራቶሪ ይዋፈር። መለክዒ ቅኑዕን ጌጋን ድማ ክህሉ ኣይክእልን። ዝነበረ ትድምስስ፣ ዘድለየካ እኩይ ቅርጺ ድማ ትስእል ትብል ኢያ እታ ቀንዲ መበገሲት ኢሰያስን ደገፍቱን። እቲ ቀንዲ ደራኺን ኣዕናውን ናይ ኢሰያስን ሰዓብትን ሸርሒ፣መቦቀል ከምቲ ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ዝቦቐለ ማሕበርነት ዝብል ክልሰ-ሓሳብ መርገጺን ኢዩ። እታ ማሕበርነት ትብል ብማዕረ ተካፋፍሎን ተመቕሎን ነገር ኣሎ። መሃዝነት ተወዳዳርን ህዝቢ ባህሩ ተቐይሩ፣ ትእዛዝ ቕበልን ቀይርካ ሃገር ብመደብ ሓደ ሰብ ዝደልዮ ትሰኣል። እንድሕሪ ምውድዳርን መሃዝን ህዝቢ ክህሉ ተፈቒዱ ስልጣን ኢሰያስ ክረጋገጽ ኣይክእልን። መሃዝነትን ምውድዳርን ካብ ናጻ ኣእምሮ ኢዩ ዝምንጩ። ናጻ ኣእምሮ ድማ ምልክን ምብሕታውን ኣይቅበልን። መሃዝነትን ውድድርን ናይ መነባብሮ ዕብያት የኸትል። ናይ መነባብሮ ዕብያት ድማ ጸጋታት ስለ ዘበርክት ህዝቢ ናይ ረብሓ መቐረት የዕስል። ረብሕኡ ዝተተንከፈ ህዝቢ ድማ ሕግን ፍትሕን ይጠልብ። ምስ ኩሉ መናብርቱ ናይ ምንቅስቓስን ናይ ርእይቶ ምግላጽን ዓቕሙ ኣዝዩ ልዑል ይኸውን። ክድረትን ክሕጸርን ኣየፍቅድን። ንዕቃቤ መሰላቱ ዝድግፍ ጽሑፋትን መግልጸታን ብንጹር የቐምጥ። እዚ ኩሉ ክገብር ግን ክውክልን ከውከልን ዘፍቅድ ንብረት ህዝቢ ዝኾነ ምምሕዳር ብምልኪ ክዝወር ኣየፍቅድን። ደገፉቱ ናይ ምክፋል ስልጣን መንግስቲ ክብሕቶ ኣለዎ ይብሉ። ህዝቢ ዘይወነኖስ ሓደ ሰብ ወኒኑ ጸጋታት ከካፍል ዝብል ግልቡጥ ስነ መጎት ህግደፍ እንታይ ተካፍል? ብሓጺሩ ጸጋን ሃብትን ምክፋል ይትረፋ ስሩዕ መነባብሮ እውን ኣይተፈቅድን። ኣብ ደገ ዝርከቡ ደገፍታ እውን ብዝተኸልዎ ትካልን ኣባይትን  ቀሲኖም ኣይነብሩን። ህግደፍ ማሕበርነት ኢላ ትሰምዮ ናይ ሓባር ድኽነት ኢዩ። ህግደፍ ድኽነት ናይ ምክፋል ዓቕማ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ቤቱ ክሰርሕ ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ኣብ እዋን መግዛእቲ ሰብ ቤቱ ክሰርሕ ዘኽእል ዕድል ነይሩ ኣብ ሃገርና ሳላ ህግደፍ ድኽነት ከም ልብኻ ኢያ ንኹሉ ትብጽሖ። ወለዲ ውደይ ኣብ ኣመሪካ ኣሎ፣ ኣብ ኤውርጳ ኣሎ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ኣሎ ዝብል ናይ ስደት ኢንዱስትሪ ኢዩ ትካላም። ኣብ 18 ዓመታት ናጽነት ሃገር ከም ሰደድ ትጽወዓሎ ምህርቲ እውን የብላን። ቀረብ እውን ሳላ እቲ ብደገ ዝቐርብ ሸርፊ ኢዩ ዝዕደግ። ነጋዶን ምህሩትን ካብ ጽባሕ ናጽነት ከም ዝዓበደ ኢዮም ብዘይ መጽናዕቲ ናብ ሃገር ውሒዞም። ኣብ እዋን ቃልሲ እውን እንተኾነ ብዙሓት ኢዮም ምእንቲ ሃገሮም ክብጀዉ ካብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ኣሃራት ኣዕራብ ንሜዳ ተሰሊፎም። ሎሚኸ ድኽነት ክካፈልንሃገር ክኣትዉ። ቅድም ምሁራትን ነጋዶን በሪሮም፣ ንጁባ ደቡብ ሱዳን፣ ንኡግንዳ ንከንያ፣ ዛምብያ፣ ደቡብ ኣፍርቃ በሪሮም ጠፊኦም። ንኹሉ 09 ትካል መንግስቲ ወሪሳቶ ድኽነት ሳላ ኢሰያስ ዝተሳእነ የለን። ካብ ግዳም ዝኣትዉ መንእሰያት ከም እዋን ቃልሲ ይትረፍ፣ ሎሚ ስድራ ቤታት ,,በጃኻ ሓደ ቆልዓ ንስደት ውሰደና ክብላ ካብ ዝጽሕፋ ልዕሊ 10 ዓመት ገይሩ ኣሎ።“ ሲኣይኤ ዓዲማቶም ዝብል መግለጺ ኢሰያስ ብተለቭዥን ተዓዚብና። ልዕሊ ኢሰያስ እሞ መን ኣሎ ሲኣይኤ? ዋሕዚ መንእሰያት ንምህዳእ’ዶ ኣይኮነን ብመጀመርያ ሱዳን ቀጺላ የመን ስዒባ ኢትዮጵያ ክውረራ ተገይሩ። እተን ናይ ሳዋ ዝርያታት ንምንታይ ዲየን ተማሂዘን?

ኣብ እዛ ሓራ ዘውጻእናያ ሃገር ናይ ማዕርነትን ናይ ሕብረተ-ሰብ መሰልን ዘረጋግጽ ሕግታት ምንባሩ ከም ሕማም ኩርምቲ ዘሰቐዮም ጉጅለ ንኤርትራውያን ካብቲ ቀንዲ መለለይኦም ኣተሓሳስባ ምቕያሮም። እሱ እውን እቲ ናይ ሓባር መሬት ህዝቢ ዝብል ዘብቆሎ መሰል ካብ ኣእምሮኦም ምሕካኽ ኢዩ። ገዛእቲ ስርዓታት ከም እንግሊዝ ጥልያን፣ ኣቐድም ኣቢሎም እውን ኣብ ገለ ቦታታት ጽልዎኦም ዘሕደሩ ቱርካውያን ኮኑ ግብጻውያን፣ ቀጺሎም ስርዓት ሃይለ-ስላሰን ደርግን ዘይተዳፈርዎ ባህሪ ኤርትራውያን ምስ ልምዶምን መሬቶን ክነብሩ ዘፍቀዱ ነጺግካ ንኹሉ መለክዒታት ደቂ ሃገር ምሕካኽን ምስራዝን ዝብል እኩይ ስጉምቲ ምትግባር ዝብል ኢዩ። ካብቲ ናይ መሬት ምምንዛዕ እቲ ዝኸፍአ ኣታሓሳስባን ልምድን ሃገር ምድምሳስ ኢዩ። ሃይለስላሰን ደርግን ዘይጠመትዎ እቲ ኣዕናዊ ጉጅለ ገና ኣብ ሜዳ ኮነ ቅድሚ ሜዳ ምውጽኡ ዝመደቦ ውጥን ንምትግባር በቲ ሰብን መሬትን በብቕሩም ሓራ ምውጻእ ዝብል ኢዩ ተሰንዩ። ካብ ኢትዮጵያ ምልቓቕ ማለት ግን ኣይኮነንን። እንታይ ደኣ ንኤርትራውያን ንዘልኣለም ዘንበርክኽ መደብ ኢዩ ነይሩ። ኤርትራውያን ብባህሎምን ልምዶምን ዝቦቐለን ዝዓንበበን ሓያል ጎድኒ ነይርዎም። እዚ ጎድኒ እዚ’ዩ ንሃጸያዊት ኢይትጵያን ደርጋዊ ስርዓት ከም ቀጥዒ (ፎርሙላ) ዘየስተብሃሉሉ። ኤርትራውያን ምስ እንግሊዝን ጥልያንን እውን እኮ ከርፋሕን ናይ መግዛእቲ ህይወት የሕልፉ ነይሮም ኢዮም። ግን ነቲ መለክዒኮም ብዓቐናዊ ደረጃ በብእዋኑ እንዳ ዓበየ ይኺድን እንበር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ኣይድይበን። ዓቐን ተቓውሞ ይዓቢ ምንባሩ ዘይርሳዕ ይኹን፣ ኣብቲ ዓይነታዊ ዝላ ግን ግዜን ኩነታት ዝተርፎ ገለ ራሕቂ ነይሩ። ኣብ ገለ እውን ሓርበኛታት ኣቦታት ኣብ ወራር ምነሊክ 1890ታት ኮነ ኣብ ናይ 1935 ወራር ጥልያን ነጺጎም ንመንግስቲ ምነሊክን ሃይለስላሴን ክተሓባበሩ ምስ ዕጥቆም ኢዮም ዝተሓባበሩ። እዚ እውን ናይ ተቓውሞ መለክዒ ኢዩ። ይኹን ግን ብዝተወደበን ብዝለዓለን መለክዒ ግን ተጠርኒፉ ሓደ ሃገራዊ ቅርጺ ዘማልአ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ኢዩ እቲ ስልጡን ናይ ሓባር ተቓውሞ ተበግሶ ዝደየበ። ኣብ ከርሲ ናይ እንግሊዝ መግዚታዊ ስርዓት ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕማማ ብሸርሕን ሽፍትነትን ከተካይድ ምጅምራ፣ ነቲ ዘበናዊ ናይ ደሞክራስን ሰልፋዊ ናይ ፖለቲካ ዝቕርጹ ኤርትራዊ ተቓውሞ ከተጎናድብ ፈቲና። ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ትንታኔኦም ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከም መበል 13 ጠቕላይ ግዝኣት ክትርከባ ስለ ዝደለየት ወይ ከም ውላዳ ክትሓቕፋ ስለ ዝደለየት ኢያ ንኹሉ ሸርሓዊ ተግባራታ ዘካየደቶ ይብሉ ይኾኑ። ይኹን እንበር እቲ ቀንዲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። መግዛእቲ ማሕበራዊ ጸጋታት ዘኸትል ኣወንታዊ ጎድኒ ኣለዎ ክንብል ኣይንኽእልን። ይኹን እንበር ኣብ ናይ ጉልበት ኮነ ናይ ኣካል ኣገልግሎት ክትዋፈር ከለኻ፣ ትመሃሮን ትዕዘቦን ብዙሕ ኣወንታዊ ነገር ኣሎ። ኣብ ናይ ጥበብን ህንጸትን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትምህርቲ እውን ትሑት ይኹን ግን ብትሪኦን ትምኮሮን ዝጸልወካን ነገር ኣሎ። ኣብ ናይ ምምሕዳር ብሪጣንያ ናይ ሰረሓተኛታት ሰልፊ (ለበር ፓርቲ) ከምኡውን ናይ ዓቃባውያን ሰልፊ (ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ) ከም ዘለዋ ኣብ ጥልያን እውን ብምኽሪ ጠላይን ምምሕዳርም ዝጽሎ (ፕሮ ኢታልያ) ከምኡ እውን ናይ እስላማውያን ምትእስሳር (ራቢጣ ኣል ኢስላሚያ) ዝጠልቡን ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝጸልዋ ሊበራላዊ ሰልፊ ካልኦት በብዓይነተን ሰልፍታት ከም ዝቖማ ሕሉፍ ታሪኽና ይምስክሮ። ኢትዮጵያ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ወይ ድማ ኣንድነት ዝብል ማሕበር ከም ደጋፊኣ ኢያ ኣቑማ። ኣብዚ ግዜ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝተበገሳ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ባህሪራ ምንባራ ኣብ ጽሕፉ መመራንዱም ታሪኽ እታ ሃገር ኣሎ። ንኤርትራ ከም ናይ ባሕሪ መሰጋገሪት ጥራይ ገይራ ክትጥቀመላ ምድላያ ጥራይ ዝቐርብ ምኽኒት ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ንግስነት ሃይለስላሴ ዘርዓዶ እቲ ፖለትካዊ ኣንፈትን ጽልዋ ኤርትራውያን ከም ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ ነይሩ። ኤርትራ ናጻ ሃገር ክትከውን ንፖለቲካዊ ጽልዋ ኢትዮጵያ ከም ጎረቤት ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ሓደገኛ ኩነታት ስለ ዝኾነ፣ ንኤርትራውያን ከም ኣካልካ ኣቕሪብካ ሙግባጥ ኢዩ እቲ መበገሲ ዝነበረ።   

ኣብ ካልኣይ ቅጽል የራኽበና (ተስፉ ዘውደ)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...