ክቡራት ኤርትራውያን ብቐዳምነት ሰላም ፣ ብምቕጻል ንሕና ከም ህዝቢ ዓለም ክዛረበሉ ዝኻኣለ ሓያልን ፍትሓዊ ንኽኸውን ህዝብና ተስፋ ዘንበረሉን፣ ንህዝቢ ዓለም ካኣ ብፍትሓውንውቱ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝልለ ኮይኑ ዝተራእዮን ቃልሲ ኣካይድና ኢና።

ይኹን እምበር እቶም ብረታዊ ቃልሲ ዝመርሑ ዝነበሩ፣ ከም እቲ ንህዝብና ዝርኣዮን ንህዝቢ ዓለም ዘንጸብርቖን ዝነበረ ካብ ምዃን ተፈልየን ምስ ፍትሓውነት ዘይዛመድን ስውር ሕሰም እንከለዎም ቲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ጌግኦም ንምስዋር ዝሕግዝን ኣቀራርብኦም ከምኡ ይመስል ኔሩ እምበር እቲ ሓቂስ ከምኡ ኣይኮነን።

በዚ ንህዝቢ ኣብ ሓቂ ዘይተመስረተን ፣ ካብ ክውንነት ብዝርሓቐን ኣጋኒኖም ብምቕራብን፣ክኽውን ዘይኽእል ተስፋ ብምሃብን ክፍጸም   ዘይኽእል መብጽዓታት ብምድርዳርን ንህዝብና ነቲ ዘቕርብዎ ኩሉ ኣሚኑ ከም ዝስዕቦም ጌሮምዎ ኔሮም ኢዮም።

ብኸምቲ ብቓላት ዝገልጽዎ ግን ንኻልኣዊ ግርጭት ብዘተ እምበር ብጎነጽ ክፍታሕ ከምዘይግባእ ብኹሎም ብዙሕ ይዝረበሉ ኔሩ ኢዩ ኣብ ምትግባር ግን፣ እቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ዘይብሉን ካብ ድንቁርና ዘይተላቐቐን እኳ ዘይገብሮን ዘይቅበሎን ውግእ ሓድሕድ ኣሳዊሮም ዳኣ ንህዝቢ ከም ዝፋለስ ገበርዎ፣ በዚ ድማ ወዲ ሰብ ኣሽንኳይ ብሂወቱ ከሎ ንሪውሳኡ እኳ ዝልዓለ ክብሪ ዝዋሃቡ ዝነበረ ብቐሊል ምኽንያታት ሂወት ኤርትራውያን ክቕዝፉ ተራእዩ።

ካብ ክልቲኦም ወገን ካኣ መን ኢዩ እቲ ቀንድን ነዚ ከም ዝኸውን ዝገበረን ውግእ ሓድሕድ ዘሳውርን ዝነበረ ህዝቢ ጭቡጥ መርድኢ ኣብቲ እዋኑ ክረክብ ኣይከኣለን ክሳዕ ሕጂ’ውን እንተኾነ ካብ ናይ ባዕሉ ግምት ሓሊፉ ዝፈልጦ ስለ ዘይብሉ እቲ ሓቅነት ናይቲ ሽዑ ነበረ ኩነታት ንታሪኽ ዝግደፍ ጥራይ ኢዩ፣ ነዚ ንምብራህ ውሩይ ደራፊ፣ ተኽልንኪኤል ገብሩ፣ ንመኖም ክሒድካ ንመኖም ክእመን  ካብ ሓድሕድ ዘይሕሹ ዕንቅርቢት ተመን ኢሉ ደሪፉሎም።                                     

ንህዝቢ ዓለም ካኣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ምሁራት ኤርትራውያን ከም መሳርሒ ብምጥቃም እቲ ቃልሲ ውሕልነት ዝመልኦ ንሕሉፍ ዲሞክራሲ ዝቃለስ ፍትሓውነት ዝሕመረቱ ኣምሲሎም ብምቕራብ ንዓለም ኣደናጊሮም ኣብ ኣፍሪቃ ተስፋ ዘለዎም ኢዮም ተባሂሎም ክጽውዑ ጸኒሖም ኢዮም፣ እቶም በቲ እዋን’ቲ ብዘለዎም ዓቕሚ ነቲ ቃልሲ ኣሰንዮም ዝሓገዙ ኤርትራውያን ዝምጎሱ እምበር ዝው ቀሱ ኣይኮኑን፣ ኣብቲ እዋኑ ኩሉ ህዝቢ ብፍረ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ክቐስን ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን ኔሩ።

እዚ ኩሉ ሕልኽላኻት ኣብ ቦትኡ እንከሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኽን ተመላኽን ወይ መን ኣውዲቑ ሓለፈ ምስ ተወድኤ ውን እቲ መላኺ ኣካል ኣብ መንግስትነት ምስ ደየበ ክፍጽሞ ዝራኣይ ዘሎ ተግባራት ካብ ዓይኒ ህዝብን ካብ ዓይኒ ዓለምን ስውር ስለ ዝኾነ ዳኣምበር፣ እቲ ሕጂ ዘለዎም ባህርያት ፍጥር ክብል ጀሚሩ ምስኦም ዝነበረ ኢዩ።

ንሳቶም ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ኩሉ ሂወቱ ሂቡ ህዝብን ሃገርን ካብቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ሕሰም ንምድሓን ክጋደል ናብኦም ምስ ወፈረ በቲ ናይ ምድንጋር ልምዶም ካብ ዓይኒ ህዝብናን ህዝቢ ዓለምን ብምኽዋል ብሕሰም ዝመልኦ ኣታሓሕዛ ኢዮም ዝሕዝዎ ኔሮም፣ ንህዝቢ’ውን ኣብ’ቲ እዋን እቲ ተወሳኺ ናይቲ ዝነበረ ሕሰም ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኮይኖምዎ ኢዮም ኔሮም፣ ብሓጺሩ ጥዑይ ነገር ምግባር ካብ ባህርያቶም ወጻኢ ኢዩ። 
                                     
እዚ ኩሉ ክገብሩ ከለው ነቶም ብእዋኑ እቲ ጌጋታት ተራዩዎም ኣካይዳኦም ኣሪሞም ኣብ ንቡር ኣካይዳ ንኽምለሱ፣ ኣብ ስርዓት እተመስረተ ኣማሓዳድራ ጌሮም ቃልሲ ክመርሑ ንምግባር ጻዕሪ ዘካየዱን ሕቶ ዘቕረቡን ኩሎም ተቓለስቲ እውን ግደ ስቓይን ሞትን ኮይኖም ከም ዝተረፉ፣ ናይ ትማሊ ተዘክሮ ኢዩ።

ስለ’ዚ ንሱ ተሞክሮ ኮይኑና ኣብ’ዚ እዋን እዚ ክጎድኣና ንዝኽእል ነገር ኣለልዮም ሕቶ ንዘልዕሉ ብኣኽብሮት ክንሰምዖምን ካብ ኣብ ጒድኣት ከስዕብ ዝኽእል ጌጋ ክንጥንቀቕን ኢዩ ዘለና።

እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘውድዎ ዘለው ሽግር ክኸውን ዝኻኣለ እኮ ብእዋኑ ማለት ካብ ክጅምርዎ ጅሚርና ምስቶም ኣብቲ በብእዋኑ ዓገብ ዝብሉ ንዝነበሩ ሰሚርና ዘድሊ ስጉምቲ ኣንጻር እቲ ናይ ተንኮል ተግባራቶም ክንወስድ ስለዘይካኣልና ኢዩ።

እስከ ንሱስ ስኣን ክእለትና ዲዩ ስኣን ንቕሓታና ሓሊፉ ሃገር ምስ ኣተው ናብ ጅብሃ ዝወፈሩ ዓዲ ክኽልከሉን ጉጅለ 15 ንለውጢ ሕቶ ከልዕሉ ከለው ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምንዳይ፣ ነቶም ሕቶ ዘልዓሉ ኣብ ድዓት ከም ዝተረኽቡ ብምጽላም፣ ክስምዑ ዘይኮነስ ክፍረዱ ከም ዘለዎም ምግባርን ክውን ንዝገበራ ተርእዮታት ዓገብ ብምባል ሓደ ኮንካ ተሪር መርገጽ እውን ኣይተራእየን፣ እዚ ካኣ ኣብ ሃገር ዝኾነ ተርእዮ እንተተጋህደ ዘይትግደስ ህዝቢ ምዃንካ ዘርኢ ኢዩ።

ሓደ ህዝቢ ነዚታት ኣለልዩን ስዒሩን ዓገብ ክብል ክኢሉን ጥራይ ኢዩ፣ናብ ሓደ ኣወንታዊን ዕሩይን ውጽኢት ክርከቦ ዝኽእል ዕውት መድረኽ ክሰግር ዝኽእል፣ ስለ’ዚ ኢዩ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ናብቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ታሪኽ ተመሊሶም ኣብ ምትንታን ክኣትዉ ዝግደዱ፣ ሕሉፍ ታሪኽ መስትያት ናይ ዝሓለፈ ጌጋኻን መነጸር ናይ መጻኢ ጉዕዞኻን ኢዩ።

ካብ’ዚ እምበኣር ጌጋ ካብ ምድጋም ክንጥንቀቕን ከጋግዩና ንዝደልዩ ትኩርነት ጠሚትና ካብ ክፍጽምዎ ንዝደልዩ ምድንጋራት ጠጠው ከነብሎም ወይ ክንዓግቶም ዘኽእል ንቕሓት ከነጥሪ እሞ፣ ኣብ ጉዕዞ  ንቓልሲ ህዝቢና ኣንፈቱ ክጥምዝዝ ዝሓስብ ወይ ዘዳናግር ወይልኻ ክንብሎን ብንቕሓት ክንብድሆን ኢዩ ዝግብኣና።

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሕጂ ከም መወዳእታ መፍትሒ ክንጥቀመሉ ዘለና ሃግራዊ ዋዕላ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ኢዩ፣ ካብቲ ሕሉፍን ጠንቂ ናይ ኩሉ እቲ ሕሱም ናይ ቃልሲ ጉዕዞናን ሽግርናን ኮይኑ ዝሃስየና ዘሎ ኩነታትን ተዳጋጋሚ ሕሉፍ ጌጋታትን ብሓቂ ተማሂርና እንተ ዳኣ  ኰንና እንምዘነሉ መሳብሮ ዝኾነ ጊዜ ይቕልቀል ኣሎ።

ንሱ ካኣ እዚ ሕጂ ኣብ ዝመጽእ ክካየድ ብኹሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ብውሕሉል ኣገባብን ብርጡብ ኣሰራርሓን ኣብ ምክያዱ ክንበቅዕ ኣለና ፣ እንተዘየለ እቲ ጉዳይ ኣድካምን ቀጻሊን ቃልሲ ዝሓትትን ዝኸበደን ክኸውን ኢዩ።

ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ክግበር ኣለው ንዝብል ግን፣ ብመጀመርታ ነቲ ክግበር የብሉን ዝብል ኣካል ምስዓር እሞ ኩልኻ ኣብ ነጥበ ስምምዕ ክትበጽሕ ኣድላይነት ኣለዎ፣ ድሓር ካኣ እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዝምልከትን ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ ክፍጸም ከም ዘለዎን እምነት ኩሉ ኤርትራዊ ክኸውን ኣለዎ፣ ሓደ እምነት ዘለዎ ህዝቢ ነቕ ዘይብል ድልዱልን ውጺኢታውን ስራሕ ኢዩ ዝሰርሕ።

ኣብ’ዚ እምብኣር መላእ ህዝቢ ብኸመይ ክሳተፍ ኣለዎ ንዝብል ኣብ ዓቢ ስራሕ ዘእቱ ቅድመ ተደላይነት ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፣ ንሱ ካኣ ነቲ ናይ መላእ ህዝቢ ንጹር ዝርዝራዊ ( categorical ) መደብ ምውጻእ ከም ኣማራጺ ዝውሰድ ስለ ዝኾነ ዕምቆት ዘለዎን ሓደ ኣካል ሕብረ ተሰብ ከይዓገበ ንኸይተርፍ ብጥንቃቐ ከፋፊልካ ንምድላው ብዙሓት ለባማት ምጽዋዕ ዘድልዮ ስራሕ ኢዩ።

እዚ ብጥንቃቐ ክግበር ምስተኻእለ ግን ጉዳይ ኤርትራ ኣብቲ ኩሉ ክዓግበሉ ዝኽእል ደረጃ በጺሑ መላእ ህዝብና ኡፈየ ዝብለሉ እዋን ንኽንበጽሕ ዘደንጒ ኣይኮነን፣ ነቲ በዚ ኣገባብ’ዚ ዝተወድኤ ስራሕ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ካኣ ህዝብና ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ዘጠራጥር ከም
ዘይኮነ ርግጽ ኢዩ።

እቲ ህዝቢ ዘይቅበሎ ዘሎ እኮ ብቕንዕነት ናይ እቲ ኣሰራርሓ ስለ ዘይትኣማመንን ብዓል መን ይሰርሕዎን ካብ ዝብል ሓድሕዳዊ ምጥርጣር ኢዩ፣ ብምልኣት ተሳትፎ ህዝቢ ከም ዝውዳእ እንተ ዳኣ ተጌሩ ግን ኩሉ ዓቢ እምነት ከም ዝገብረሉን ብሓጎስ ከም ዝቕበሎን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ዝኾነ ኤርትራዊ ብዝለዓለን ከም ረቋሒ ውልቀ መሰሉን ጌሩ ብምርኣይ ንተሳትፎኡ ወይ መን ንኣይ ወኪሉ ይሳተፍ ኣሎ ዝብል ዕግበት ክሳዕ ዝረክብ መሰሉ ምዃኑ ኣሚኑ ብጽንዓት ክቃለሰሉ ዘለዎ ዕላማ ከም ዝኾነ ፈሊጡ ኩሉ ህዝቢ ንትግባሬኡ ክብ ብዝበለ  ኣቓልቦ ጌሩ ክጽዕረሉ ኣለዎ ፣ ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዕወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...