ወፍሪ ዋርሳይ(8ይ ክፋል) “ኤርትራ ህዝባዊ፡ ብመለክዒኡ ከም ሓንቲ ዓዲ ብዘይ ገለ ናይ ጸጥታ ብመላእ ህዝቢ ትመሓደርን ቅርጽን ጥሙር ማሕበራዊ ህይወት ትምራሕ ስለ ዝነበረት ኣስጋኢትን ዘይተዋጽእን ስለ ዝኾነ ክትልወጥን ማሕበራዊ ባህላስ ክፈርስ ኣለዎ ኢሉ ንክልውጣ በብእብረ ዝቑርመምን ዝሽርምምን ሜላ ተጠቒሙ እንሆ ሎሚ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዮዋ ኣሎ”።

“ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ ናብ ህዝባዊ ግንባር ትሰጋገር 16 ናይ ሞት ፍርዲ ዝብይና ሕግታት ሓንቲ ድማ ርፍትያ ትብል ጥራይ ኢየን ነይረንኣ። እዘን 17 ሕግታት ካብ 1970 ክሳብ ጥሪ 1977 ኢየን ክሰርሓ ተመዲበን ነይረን። ኣብቲ ና 6 ዓመታት እተን ናይ ሞት ሕግታት ኣብ ምቕንጻል ተጋደልቲ ኣዝየን ነጢፈን። እታ ናይ ርፍትያ ትብል ግን ኣብ ገለ ገለ ዝፍርሑን ሓያል ቀቢላዊ ጸግዒ ዘለዎም እንተዘይኮይኑ ዳርጋ ኣይሰርሐትን። ኣብቲ ኣሰራርሓን ኣተጋብራን ድማ መን ኢዩ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብይን፣ መዓስን ኣበይን መጋባእያ ዝብል ሕቶ ተላዒሉን ተሰሚዑን ኣይፍለጥን። ከምኡ ዝብል ሕቶ እውን ተሓቲቱን ከም ኣርእስቲ ተላዒሉ ኣይፈልጥን። እፈልጥ እየ ዝብል ሰብ ፈረዲ ነይሮም፣ ናይ ምክልኻል መስርሕ ፍቑድ ነይሩ ዝብል ፍጢር ደሊኹም ኣይትረኽቡን። ዝተቐንጸሉ ኣዲኦም ትቑጸሮም። መን ክቕንጸሉ በየናይ ዓንቀጽከ ተበይንሉኩም ተሰሚዑን ተኣዊጁን ኣይፈልጥን። ተሳሒቡ ንውሽጢ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ኣተወ ብኡ ኣቢሉ ዝተሸርባ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ እቲ ዝኣተዉ መን ሓቲቱ ይፈልጥ። ብፍርድን ራዕድን ዝፍለጥ ዘበነ ጥፍኣት ኢዩ ድሕረ ባይታ ህዝባዊ ሓይልታት።”

“ማሕበረ-ሰብ ወይ ማሕበረ-ኮም ናይ ስለላ መርበብ ኣብ ኤውሮጳ።
 (ምስጢራዊ ስርሒት ህግደፍን ናይ ስለያ ማሕበራት ዘቃልዕ ስጉምቲ)

“ገለ ካብ ስጉምትና ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።
  1. ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ኣብቲ ጻውዒት ማሕበረ-ኮም ዝሳተፉ ንብንድስ ኣምት ምሕባርን።
  2. ቅቡላት ኮይኖም ከብቅዑ ኣብቲ ጽውዒት ዝሳተፉ ኣስማቶም ምግላጽን ዳግመ ጠመተ ክግበር ንጠልብ።
  3. እዚ ናይ ግብረ-ሽበራ እንዳ ተዋህቦ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ዝለኣኾም ሰለይቲ ዝበሓትዎ ከም ዝኾነ ምሕባር።
  4. ብዝከኣለና ናይ ህዝባዊ ሓገዝ ዝወሃቦም ካብ ደቆም ቀንጢቦም ንብረት ህዝብናን ጥሪቱን ዓዲጎም ናይ መጻኢ ህይወቶም ከጣጥሑ ዝርከቡ ምስጣሕ።
  5. ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) ቀረጽ ዘኽፍሉ ግን ኣብ ዕለታዊ ተግባሮም ዘይኮነ ተዋፊሮም መሳርሒ ህግደፍ ዝኾኑ ምግላጽ።
  6. ነዝን ከምዝን ንምስላጥ ኣድላይ ኣብ ጎድንና ዝካፈሉ ጀርመናውያን ማሕበራትን ትካላትን ምሕባር። 
  7. ጭቡጥ ናይ መሰኻኽር ሓበሬታታት ስለ ዘለና ነቶም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ስድራ-ቤታት ዑቕባ ዝሓተቱ ዝረኽብዎ ዘለዉ ባርባራዊ ግፍዕታት ምግላጽ። ……………………………..ከተማታት ዘለዉ በብሓደ ክንቆምሎም ሙዃና ከምኡውን ኣስማቶም ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክንህብ ኢና። ከምቲ ገለ ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ናይ ዜግነት ምምንጣል ዝተራእየ ኣብዚ እውን ዘይድገመሉ ምኽንያት የለን። ንጨቛኒ ዝድግፍ ባዕሉ ክስሕና ኣለዎ።”

“ብግዳም ዓወት ብውሽጢ ጥልመት ታሽዓይ ክፋል።
ብስራት ጥልመት ድማ ማይ ሓባር ዓባይ ምስክር እያ። እቶም ዛጊድ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ዝሰንከሉ ተሰውኡን ጀጋኑ ሓርነት እውን ከም ንሰደቓ ወይ ፋሲካ ዝተሓርደ ገንሸል እውን ተረሲዖም። እቲ ምጅማርን ምውፋይን ክርሳዕ ዘስተብሃለ፣ እንታይ ኢና ኮይንና ናይ ምርሳዕ ክእለትና ማዕቢሉ? ዝብል ሕቶ ከልዕል ይግደድ። ምውፋይን ንውፉይ ምርሳዕን መዓስ ካብ 1970 ኮይኑ ተጀሚሩ። እቲ ክዓጥቕን ከድምዕን ዝወፈረ ካብ መስከረም 1961 ከም ዝጀመረ ከይተረፈ እኮ ኢዩ ተረሲዑ። ዜጋ ሓሓዲሽ ኩነታት ጥራይ ጸልይዎ ዘዝሓለፈ ክርስዕ ታሪኽን ክውንነትን እንዳ ሃሰሰ ከም ዝኸይድ ክፍለጥ ነይርዎ። እንርስዓሉን መስመርና እንበትከሉን መስመር ኮነ ኢሉ እኩይ መራሕን ትካሉን ከም ዝተወፈይልና እንተዘይ ኣስተብሂልና ከም ሃገርን ህዝብ ቀጻልነትና ዘጠራጥር ኢዩ። ህርፋን ናጽነት እንበር ህርፋን ናይቲ ብቐዳሞት ወለድና ዝተመስረተ ብሕጊ ዝመሓደር ህዝብና ተኸቲልና ማሕበራዊ ምሕደራና ክንቀርጽ ብዘይ ምኽኣልና ሎሚ ዘይተጸበናዮ ገበል ንግስተ-ሳባ ከም ጽውጽዋይ መንእሰያት መግቡኒ ክብል የጽንተና ኣሎ። ርሱን እምኒ ክንዲ ነኾልሶ ንሞትናን ጥፍኣትናን ነጣቓዓሉ ኣለና።”

“ብግዳም ዓወት ብውሽጢ ጥልመት 13ይ ክፋል።
ንረብሓ ሃገሮም ከይድግፉ ዝደቀሱ ግን ኣይተሳእኑን። ንሶም እዮም እቶም ቀንዲ መተባባዕቲ ኮይኖም ነዚ ኩሉ ምጽሕታር ባይታን ዶሮናን ዝፈጠሩ። ኩሉ ግዜ መገዲ ሓልዮትን ለውሃትን ብምኻድና ከም ዕሽነት ተቖጺሩ ብዙሓት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ከይተረፉ ነቲ ወሳኒ ጉዳይ ሃገር ረሲዖም ኣብ ሕቑፊ ሳጥናኤል ኣትዮም። ወፍሪ ርእሰማል፣ ንብረት፣ ቤት ውይ ገዛ ስለ ዝሰርሑ ነቲ ዘፍሰስዎ ንዋይ ክብሉ ንሃገሮም ክሳብ ትደክምን ትምህምምን ንሕሰም ኣሕሊፎም ሂሆማ ሸይጦማን። መሬት ሓረስታይ ህዝብና ተማሲሖምን ገዚኦምን ነቲ ክሓልፈሉ ዝጽበ ዝነበረ ህዝቦም ደቁ ከፊሉ ዝለኣኾ ዝሰኣነ ህዝብና ዝምገበላ ቃጽዖኡ ኣግዲፎሞ። ነባርን ዘይቅህምን ሽግር ምፍጣሮም ኣይተገንዘቡን። መሬት ጥራይ ኣይኮነን ገዚኦም፣ ንመሰል መንነትን ህዝብና ዘቃልዑ ዝኸድዑን ናይ ጥልመት ቆፎ ከም ዝኾኑ ኢዮም ኣረጋጊጾም። ሎሚ እውን እቶም መሬቶም ተሸይጡን ብቕንብጣብ ብባዕዳዊ ባጤራ ተሓርጁ ጠፊኡስ መንነቶም ክጠፍእ “ሰፈራ” ብዝብል ጉልባብ ክሃልቁ ኢዮም ከም ዝነቐጸ ዕንጸይቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ሕንፍሽፍሽን ህልቂትን ዝኽፈተሉ ዳስ ዘምርሑ ዘለዉ።”

“ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ጊላነት
ኢሳያስ 20 ደማሙ ኣብ ኣዳራሹ ይውንን፣ ዝብል ጽሑፍ ካብ ሓደ ከም ዓጃቢ ዝተዋፈረ ዝሃቦ መግለጺ ኣንቢበ ነይረ። ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረእሙ ትብል ምስላ ጠበሽ በለትኒ። ከም ሰብ ተጻናጻናይ ባህሪ ኣለዎ። ንኹሉ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዘገድሶ ቦታ ኮይኑ ዕለታዊ ጸብጻብ ዝቕርብሉ ኣዋፊሩ ንሰብ ብከመይ ኣብ ልዕሊኡ ብስዉር ፍሕሶታት ዘርጊሑ። ብልጫታቱ ድማ ናይ ብሓቂ ዘይደክም ናይ ስራሕ ሰብ ኢዩ። ንሰብ ናቱ ኣይተጥፈኣሉ ትብል ሓቀኛ መግለጺት ክትከሓድ የብላን። ኣድብዩ ምስ ኩሉ ኣብ ኩናት ከም ዘሎ ገይሩ ይወስድ፣ ናይ ጽላሎት ውግእን ህውከትን ዝንስንስ ተወሳኺ ዕቡድ ወፍርን ዝመስል ህይወትን ዘሕልፍ ባዕላዊ ህሞትን ጥፍኣትን ፈጢሩ ይነብር። ንነብሱ ባዕሉ ዝኣሰራን ከም ዘይትዓግብ ጥራይ ዘይኮነስ ድቃስ ዝኸልኣን እንስሳ ኢዩ። ብሓጺሩ ኣይድቅስ ንካልእ እውን ኣየደቅስ። ጸለውቲ ነገራት ከም ብብዝሒ ቡን ምስታይ፣ ሽጋራ ምትካኽ፣ ኣልኮል ምጩንጋዕ የዘውትር። ኣብ ኣንስታይ ጾታዊ ዘለዎ ኣረጋእያ ድማ ወሲባዊ ተወልፈፉ ግን ንቅንዝርነቱ ዝተሓንገሮን ደረትን ዒብን ዘይፈልጥ ዝንባሌኢ ኢዩ። ሃገር ኣብ ጸበባ ኣእትዩ ከብቅዕ፣ መንእሰያት ኣብ ጎዳጉድን ስንጭሮታትን ጎቦታትን ቆጥቃጥን ይምክቱ፣ ጎይታና ድማ ኣብ ፍራሽ ምስ ቆናጁ ይገላበጥ።”

ስድራ ቤታትን ጾታዊ ሽጥሓንን 3ይ ክፋል
“(1) ምፍንጣሕ ስድራ-ቤት፡- ስድራ ትብል ብንጽል ትጽዋዕ መግለጺት መሰረት ናይ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ መባእታዊት ትካል ኢያ። ብዘይከኣ ዝቐውም የለን። ናይ ሽዑ ህዝባዊ ሓይልታት ግን ኣዝዩ ንኡስ ጉጅለ ናይ ሎሚ ህግደፍ ኣብ መንጎ ሓንቲ ስድራ-ቤት ከመይ ገይራ ትኣቱ? ብኣቦ ገይራዶ ብኣደ? ነየናዮም ምሓዝ ኢዩ ንዓና ዘዋጽኣና ዝብል ካብቲ ግቡእ ኣፈታትሓ ወጻኢ ጠዊኻ ንሕብረተ-ሰብ ኣብ ዓዘቕቲ ምሽማሙ ዝተሰረተ ኢዩ። መልሱ ድም ቀሊል ኢዩ። ኣቦ ናይ ግዳም ሰብ፣ ናይ ቤት ኣዛዚ ስለ ዝኾነ ካብ ክልቲኦም ንሓደ ከም ጨቋኒ ነቲ ካልኣይ ድማ ከም ተጨቋናይ ገርና ነቕርቦም። ስድራ-ቤት ምምቃል። ብሓጺሩ ናብቶም ቆልዑ ንምእታው መኖም ዝያዳ የርበሓና። ናብታ ቤት ክንኣቱ ኢና ደሊና። ዘገድሱና እቶም ናኣሽቱ ኢዮም እሞ ቆልዑ ብሓፈሽኦም ነቦኦምዶ ነዲኦም ይፈትዉ? ነዲኦም ኣንበር። ስለዚ ሰተት ኢልና ገዛ ክንኣቱ ንኣደ ንሓዝ ትብል ትዕወት። ….መን ረቢሑ መንከ ተጎዱኡ። ዝረብሐ ፈጺሙ የለን። ዝተጎድአ ግን ክልቲኡ ደምበ።”

“መድሃኒት ክንረክብ ሕማምና ንድሕሪት ተመሊስና ሃሰስ ንበሎ።
ኣብ ሃገራዊ ቅርጺ ምቕራጽ ኣብነት ዝኾኖ ኣመራርሓ ከም ስታሊን ዝመሳሰል መንገዲ ኢዩ ቀይሱ። እቲ ፍልልይ ከም ዓይነት ዝፍለየሉ መዐቀኒ እውን ኣለዎ። ቀንዲ ፍልልይ ናይ ክልቲኦም ስታሊን ክመርሓ ዝደሊ ሃገር ዓባይን ሰፋሕን ክትከውን ከላ፣ ብስልጣኔ ምስ ኤውሮጳ  ምትስሳር ዘለዋ፣ ናይ መሬት ጸጋታት ድማ ናብ ምብራቕ እንዳ ኣስፋሕፍሐት ንኣሲያ ገጻ ከተስፍሕ ዝወሰነት ነይራ። ሩሲያ ብነጋውስ ትምራሕ ናይ ዛር ዲናስቲ (ስርወ-ስርዓት) ዝነበራ ሃገርውን። ናይ ኢሰያስ ድማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ግን ካብ ናይ ዘርኢ ሱር ምስ ዓረባዊ ክፍለ ዓለም መቦቀል ዘለዋ ኤርትራ ኢያ። እንተ ንምስፍሕፋሕ ብናተይ ጸብጻብ ናብ ኢትዮጵያ እንተ ተኻኢሉ እውን ንሱዳን ዝሓለነ ዓንዳሪ ሕማም ኢዩ ነይርዎ። እዝን ክንድዝን ተደራራቢ ሕማም ንምርዋይ መበቆል ቀይሕ ባሕርን ንደቡብን ምዕራብን ዝጠመተ ሕውስዋስ መሪሕነት ከቕውም መሪጹ። ስለዚ እቶም መሪሕነታት ካብቲ ዘስፍሕፋሓሉን ኣገዲዱ ምስ ናቱ ግዝኣት ዝዋፈሩ ልኡኻት ዝኾኑ ግን ብሕታውን ውልቃውን ዝንባሌታት ዘለዎም ስሱዓት ከጥሪ ኢዩ ሓንጺጹ። ከም ናይ ንግድን ሸቐጥን ትካላት ዝይኮነ ወፍሩ ኣብ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎ ምስፍሕፋሕ ዘለዋ ትካል ኢዩ ከቐምጥ። ብግዳም ሲቪላዊ ምምሕዳር ከም ዘለዋ ሽፋን ይገብር፣ ብውሽጢ ግን ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ ዘለዋ ፖለቲካዊት ኣሃዱ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ኩሉ ዓይነት ምሕደራዊ ቅርጺ ዓለምና ትኽተሎ ኣሰራርሓን ቅርጽን ትካሉ ኣይትቕበልን። መንግስታዊ ቅርጺ፣ ናይ ሚኒስተራት፣ ምክፍፋል፣ ክፍለ-ምምሕዳራት፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ ዝበሃል ምስ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ዘይምቕባል መደብ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ብሄር፣ እንዳ፣ ስድራ-ቤት ይነጽግ። እታ ናብ ኩሉ መሳገሪት ኤርትራ ስለ ዝኾነት፣ ከም መደብ ኣብ ናቱ ላቡራቶሪ ብስነ ፖለቲካዊ ስነ-ቀመማት ዝተማህዘት ክትከውን ኣለዋ።


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...