ታሓሳስ 6: 2009

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን - ተሳተፍቲ

ሳልሳይ ዓመታዊ ኣኼባ ዓለምለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን/EGS

ድሕሪ ነጻነት ከምቶም ጀጋኑ ደቂ ሃገር ተረሲዑ ተሪፉ ዘሎ፣ እቲ ዘይሕለልን ብዜማ ሃገር መዳርግቲ ዘይተረኸቦን ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ፣ ኣብ ናይ ሓምሳታት “ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ” ትብል ህያው ደርፉ ፥

“…ዓድና-ዓድና ናይ ቀዳሞት ቅያ
ሓላዊት ነጻነት ናይ ኣፍሪቃ ኩቕያ፣
መደበር ባቡራት ባሕሪ ኤሪትረያ
ሞቓድሾ ጠረፍ ሃገር ሶማልያ
ናይ ቀደም ልማዳ ስርዓት ደሞክራሲያ
ኣምላክ ኣልቢሱዋ ናይ ነጻነት ሞያ።”
…ብመሰንቆ ዕንዝራ ዳዊት ዝነበያ
ያሬድ ዘመረላ ብሃሌ ሉያ
ከም ሓሊብ ከም መዓር እዝጊ ዝሰሰያ
ከም ገነተ ሰማይ ኩሉ ዝምነያ…።”

ኪብል ደሪፉላ።

*********

ሎሚ: ሃገርና ኤርትራ ብፍጹም ምጽልማት ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ትሕቲ እግሪ ውልቀምልካዊ ስርዓት ትስሓግን ትሳቐን ዘላ ሃገር ኢያ። መንሽሮ ታይሎኖል ወሲድኻ ኪሓዊ ዝኽእል ሕማም ኣይኮነን። እቲ ሕሙም ክፋል ተቐንጢቡ ኪድርበ ኣለዎ፤ እቲ’ኳ ኣብ ምሉእ ኣካላት ከይተዘርወት ከላ እንተ ኾይኑ ኢዩ። ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምልእቲ ሃገር ሰሪጹዋ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ኢዩ። ሃገር መርድእ ሓመድ ድቤኣ ከይበጽሐ ኸሎ ተቘሪጹ ምድርባዩ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ሃሰስ ኢልካ ኪርከብ ዚከኣል ኣማራጺ የሎን። ኣብ ጀነቫ ኴንካ ደብዳበ ብምልኣኽ ኪጥዒ ዝኽእል ኣካል የብሉን፤ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኤርትራውያን ዜጋታት እንተ ኣሊዮም ኣብ ክውን ዓለም ዘይኮነ ኣብ ናይ ብሕቶም ናይ ሕልሚ ዓለም ዝነብሩ ዘሎዉ ጥራይ ኢዮም። ናብዛ መራር ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኪበራበሩ ኸኣ አማሕጽኖም። ካብ ዘርኢ ክርዳድ ስርናይ ኪሕፈስ፣ ካብ እሾኽ መርገም ወይኒ ኪቕንጠብ ከም ዘይከኣል ኤርትራ ትፍደዮ ኣላ። እዚ መሪር ሓቂ’ዚ ኸኣ ብመረጽየን ህይወት መንእሰያት ምስ ዝጥመት ኢዩ እቲ ንድየት ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘስዕቦ ዘሎ ጕድኣት ዕምቈቱን ስፍሓቱን ዝነጸረ ዝኸውን።

1. ታሪኻዊ መበገሲ መንእሰይ ኤርትራ’ኸ እንታይ ይመስል?፥

ኣካሉ ዝኾንኩ ናይ 50ታትን 60ሳታትን መንእሰይ፣ ኣብ እዋን ተዛማዲ ርጉእ ህይወትን ዘይተበከለ ምዕሩግ ባህሊ ፍትሕን ሓቅን፣ ባህሊ ፍቕርን ስኒትን፣ ባህሊ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ኢዩ ዓቢዩ ኪበሃል ይከኣል። ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ግዳም ካብ ዓይኒ ወለድቲ ዘይኽወለሉ፣ ብሓቂ - ቈልዓ ንምዕባይ ምሉእ ዓዲ ይሓትት - ብናይ ዚብል መንፈስ ዝልለየሉ፣ ስነ ስርዓት ሓሊዩ ኪዓቢ ኣብ ዝድረኸሉ እዋን ኢዩ ዓቢዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ: ሓላፍነትን መሰልን ኣዛሚዱ፣ ምስ ኣረገ ጥራይ ዝትካእ ክዳውንትን ሳእንን ብምውናንን፣ መሐሸሺ ትኾኖ 25-ሳንቲም ኣብ ጁባኡ ሒዙ ተሓጒሱ ዝነብር ዝንበረ መንእሰይ ኢዩ።

በዚ ኣተዓባቢያ’ዚ ቀልጢፉ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ኪበስል ይኽኣል’ምበር፣ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ዝተጻወቶ ተራ እወንታውን ኣሉታውን፣ ጽቡቕን ክፉእን ጐድንታት ከም ዝነበሮን ከም ዘሎዎን ብታሪኽን ብህሉው ኩነታትን ዝተጋህደ ሓቂ ኢዩ። በቲ ጽቡቕ ጐድኒታቱ ኪረአ ከሎ፣ ንዓመጽ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣለሊዩ፣ ኣብ ጐድኒ ማሕበር ሸቃሎ ተሰሊፉ ኣብ 1958 ንነጻነት ዝጠልብ ምንቅስቓስ ከም ዝተሳተፈ ይፍለጥ። ምስ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ELM) ተኣሳሲሩ ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ምስጢራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብምፍጣር ኸኣ ንስርዓት ሃይለስላሴ ዘይሓዊ ሕማም መርዘን ክፈጥረሉ ክኢሉ። ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መንእሰይ ንምድኻም ተባሂሉ ዝተኣልመ፣ ተማሃሮ ናብ ፈቐዶ ኣውራጃታት ኢትዮጵያ ናይ ምብትታን ሜላ ስርዓት ሃይለስላሴ እውን ናብ ረብሓኡ ብምቕያርን፣ ምንቅስቓሱ ኣብ ዝኸዶ ክፍሊ ኢትዮጵያ ከም ዝዝርጋሕ ብምግባርን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጭቁናት ብሄራት ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትግራዎትን ኦሮሞን ዘመዝገቦ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ፣ ንስርዓት ሃይለስላሴ ዘነቓነቐ ናይ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኣብ ምፍጣር ኣካላውን ኣብነታውን ዘይከሓድ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ። ብዓቢኡ ኸኣ፣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ንነጻነት ንህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምዕጣቕን ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ፣ ሰንኪሉን ተሰዊኡን፣ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ኮይኑ ነጻነት ኣምጺኡን ኢዩ። እዚ ዘይከሓድ መስዋእቲ’ዚ ናይቲ መብዛሕትኡ ናይ 50ታትን 60ታትን መንእሰይ ባህሪ ኢዩ ምስ ዚበሃል ቅኑዕ ኣገላልጻ ይኸውን። በዚ መርኣያ’ዚ: ሃገራውነት ናይ 50ታትን 60ታትን መንእሰይ ንሓርነትን ደሞክራስን፣ ንሰላምን ምዕባለን ዝሓለመ ንጹህ ፍቕሪ ሃገር ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተ ኾነ ግን፣ ነቲ ጽቡቕ መዕበያ ባህሊ ዝበከለ፣ ንደሞክራሲያዊ ባህሊ ቃልሲ ዝመረዘ፣ ጠንቂ ናይ ምፍንጫል ግምባር ዝኾነ፣ ኣብ ክልቲኡ ግምባራት ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን መላኺ ዕሩቕ ስልጣን ምእንቲ ኪብሕት ፋሺስታዊ መኣዝን ብምሓዝ ተጋደልትን ህዝብን ዘሳቐየ እውን፣ እቲ ገና ህግደፍ ኮይኑ ስልጣን ሒዙ ንምልእቲ ሃገር ናብ ቤት ማእሰርቲ ቀዪሩ ዘሎን፣ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ብተቓወምቲ ዝፍለጣ ውድባት መሪሕነት ሒዙ ዘሎ’ውን ኣካል ናይ’ዚ እንዛረበሉ ዘለና ወለዶ’ዚ ምዃኑ ዝተፈለጠ ኢዩ። “ከስዐ ኣደስ ጉራጉራ” ዝበሃል ከኣ ከምዚ ኢዩ። ልክዕ: ኤርትራ ብደሞክራዊያዊ ኣብነታ ተስፋ ኣፍሪቃ ክትከውን ዕድል ይንበራ’ምበር፣ እቶም ደሞክራሲያዊ ዝምባሌ ዝነበሮም ደቃ በቲ ውልቀመላኺ ኣብ እዋን ቃልሲ ነጻነት በልማማ ስለ ዝተወቕዑ ዕድላ መኺኑ ተሪፉ። ብሰሪ’ዚ ስልጣን ዝበሓተ ውልቀምልካዊ ውሽጣዊ ገዛኢ ኸኣ፣ እቲ እጅጌኡ ሰብሲቡ ድግድጊት ተዓጢቑ ንዚዓነወት ሃገሩ ኢደይ-ኢድካ ኢሉ ኪሃንጽ ኣንጊሁ ኪወፍር ተዳሊዩ ዝነበረ፣ ሃብታም ባህሊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፣ ህርኩትናን መሃዝነትን፣ ዝውንን ህዝባ ተዀሊፉ ተሪፉ።

3. ዕጫ መንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነትን ጽልሙት ኩነታት ሃገርን፥

ኤርትራ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ምኽፋላ፣ እቶም ኣብ ዕሸልነቶም ዝተሰዉኡን ንሳቶም ክፈርዩዎም ዝነበሮም ወለዶታትን ብምኽሳራ፣ ሃገር ዘዝፈረየቶም ግዳይ ኲናት እናኾኑ፣ ወድ መኻን ኮይና ብብዝሒ ህዝባ ከይትማምቝን ኣብ ምዕባለ ከይትዋፈርን ተዀሊፋ፣ ድሕሪኣ ዝነበራ እናሓለፋኣ ተዓኒዳ ተሪፋ ኣላ። እዚ ኸኣ ሳዕቤን ስምብራት መስዋእቲ ኣብ ምዕባለ ሃገር ክሳብ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብረና። ስለዚ: ሰላም ከይሰፈነን ፍትሒ ከይነገሰን ቍጽሪ ህዝቢ ኪስስን፣ ምዕባለ ሃገር ኪርከብ ከም ዘይከኣል መሪር ታሪኽን ኩነታትን ኤርትራ ብቑዕ ምስክር ኢዩ።

ብዛዕባ መንእሰያት ኤርትራ ክንዛረብ ከለና ግን ዕጫ ናይ ስደት ኩነታቶም ስለ ዝፈላለ: ምንጻሩ ኣገዳሲ ይኸውን። ስለዚ፥

ቀዳማይ፥ እቶም ብፍላይ ኣብ ግዜ ደርግን ክሳብ ቅሩብ ዓመታት ድሕሪ ነጻነትን ዝተወለዱ መንእሰያት ኮይኖም፣ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓቢዮም ዝጐበዙን ብዋርሳይ ዝጽውዑን፣ ዕጫ ፍጹም ምጽልማት ሓርነትን ምግፋፍ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተዓደሉ መንእሰያት ኢዮም። ብጕልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ምስ ተቘጻጸሮም፣ “ንበዓል ነጐዳስ ሓዊ ተኵሶ ከም ዝበሃል”: ኤርትራ ናይ ነጻነት ቃልሲ ቍስላ ከየሕወየት ከላ፣ ብስም ምክልኻል ሃገር፣ ግን ብሓቂ ተጻብኦ ነድሪ መንእሰያት ብምርሓቕ፣ ኢሳያስ ንዕምሪ ውልቀ ምልካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝማሃዞ ተንኰል ናይ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ኲናት፣ ክሳብ ሕጂ’ውን እንተ ኾነ እቲ ብትዅረት ዘይተጠመተ ሓቂ፣ ኣንጻር ስርዓት ኢትዮጵያ ዘይኮነ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ኣንጻር መንእሰያት ኤርትራ ዝቐንዐ ኲናት ምንባሩ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንእሰያት ደቁ ኣብ ሰላምን ርጉእ ኩነታትን ምስ ዝህሉ: ኢሳያስ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንኽተክል ዝጋጠሞ ጸቕጢ ክጻወሮ ስለ ዘይኽእል፣ ምልካዊ ግዝኣቱ ኪቕጽል እንተድኣ ኽይኑ፣ ንኣትኵሮ ህዝቢ ናብ ምክልኻል ሃገር ሓጺሩ፣ ንሓይሊ መንእሰያት ብመስዋእትን ብወትሃደራዊ ማሕዩርን ከማስን ግድን ኢዩ ነይሩ። ገይሩዎ ኸኣ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ኣጽናቲ ተግባር ወልቀ መላኺ ኢሳያስ: መንእሰያት ብስርዓት ህግደፍ ዝጥቅዑን ዝሳቐዩን ዘለዉ ወረስቲ ኩሉ ሕሰም ብምዃኖም፣ ኣእጋሮም ናብ ዝመርሖም ጕዕዞ ስደት ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ኣለዉ። ናይ መንእሰያት ዋሕዚ ናብ ስደት ካብ ሞት ንምምላጥ ይኹን እምበር፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ብተመልከተለይ ግዳያት ምርሻን ምዃኖም፣ ምድረ በዳታትን ባሕርታትን እውን ዘይተኣደነ ቍጽሪ እጃመን ይወስዳ ስለ ዘሎዋ፣ ዘይትካእ ሰብኣዊ ምብሕጓጕን ምጽናት ስድራ ቤትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዚዝምብየሉ ዘሎ እዋን ጸሊም ደመና ኢዩ።

ዝኸሰርናዮም ክምለሱና ስለ ዘይኽእሉ፣ እቲ ኣብ ስደት ኣብ ዝሓሸ ህይወት ኣጣጢሑ ዝርከብ ዘሎ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዝለዓለ ዕቱብን ህጹጽን ቈላሕታ ኪህበሉ ዝግብኦ ጉዳይ ናይዞም ኩሉ ወጥሪታት ሰጊሮም ካብ ኣፍ ሞት ብምውጻእ ብቐረባ ኣብ ኣካባቢኡ (ብፍላይ ኣብ ሕ.መ.ኣ.፣ ኤውሮጳን ኣውስትራሊያን) ክበጽሑ ናይ ዝኸኣሉን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕሱም ናብራ ናይ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት ሃለዋት ህይወት ኢዩ። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝንን ከም ሕብረተሰብ ዘሕፍርን ግን፣ “ወድ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይውቃዕ” ከም ዝበሃል፣ እቶም ካብ ሞት ኣምሊጦም ናብ ሃገራት ምዕራብ ኪኣትዉ ዝኸኣሉ መንእሰያት፣ ኣብ ክንዲ እፎይታ ዝህቦም ድንጋጸን ማይ ህይወትን ዝረኽቡ፣ ብደገፍቲ ህግደፍ “ኸሓድትን ሃደምትን” ዝብል ብደዐ ዘረባታትን ጸርፍታት ይእንገዱ፣ በቶም ንውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ’ውን ዝግባእ ቈላሕታን ምትሕግጋዝን ዘይረኽቡ ምህላዎም ኢዩ። መቸም ንምርድኡ ዘሽግር ግርምቢጣዊ ተርእዮ እውን ኣሎ። ካብዞም ካብ ፍርዲ ሞት መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦምን፣ ካልእ ብድሆታት ሰጊሮምን ኣብ ሃገረ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸብረሉ መሬትን ምስ በጽሑ፣ ተመሊሶም ኣብ ደምበ ህግደፍ ጠኒኖም ብምእታው ኣብ ጓይላኡ ዝዘሉን መህረሚ ኣብ ሃገር ንዝተረፉ የሕዋቶም ገንዘቦም ይኸፍሉ ምህላዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ግዜ ወሲድካ ሽግሮም ክትርዳእ ኣብ ክንዲ ምፍታን፣ “ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝበሃል፣ ኣልሚምካ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ጨቋኒ ስርዓት ዝኾኑ ኣሕዋትካን ኣሓትካን በደል ምፍጻም መንነት ሰብኣውነትካ ዝብሕጕግ፣ ትሕቲ እንስሳ ዝገብረካ ጠባይ ብምዃኑ፣ ብቶሎ ኪውገድ ይግባእ።

ካልኣይ፥  እቶም ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ምስ ወለዶም ተሰዲዶም ኣብ ሰደት ዝዓበዩን፣ ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ሃገረ ስደት ተውሊዶም ዝዓበዩን መንሰያት ኢዮም። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ ሰላምን ራህዋን: ዕድል ናይ ብቑዕ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ዝረኽብሉ ሃገራት እኳ ይሃሉዉ እምበር፣ ሓቀኛ ኩነታት ትውልዲ ሃገሮም ብግቡእ ናይ ዘይምፍላጥ ግዳያት ብምዃኖም፣ ንኤርትራ ዓብይ ወጽዓን ክሳራን ምዃኑ ኪኽወል ዘይኽእል ሓቂ ኢዩ። ቅኑዕ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዝነበሮም ከኣ ብመጀመርያ ወለድቲ፣ ቀጺሎም ከኣ እቶም ብጉዳይ ሃገር ልዑል መንቋሕቋሕታ እናሃለዎም ከጽቅጡ ዝመረጹ ኢዮም። መንእሰያት ሓቂ ሃገሮምን ህዝቦምን ተደፊኑዎም ምስ ዝጐዓዙ ክሳራ ስድራ ቤትን ሃገርን ምዃኑ ኪከሓድ ኣይኽእልን። እዞም ብትምህርቶም ዓብይ መጸበይታ ኪግበረሎም ዝከኣል መንእሰያት እዚኣቶም ሓቂ ኣፍሊጡ ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ቃልሲ ብኣድማዕነት ከዕጥቖም ዝተዳለወ ሓይሊ ብዘይምርካቦም፣ ህግደፍ ዝብድሆ ዘይብሉ ናይ ሃገረ ሰደት (ዳያስፖራ) ሰራዊቱ ኪኾኑዎ ኣእምሮኦም ብቐሊሉ ይምርዞም ኣሎ።

ሃገርካ ክትዓኑ ህዝብኻ ኪጸንት ትም ኢልካ ምዕዛብ ኤርትራዊ ባህሊ ስለዘይኮነ፣ እዚ ተታሒዙ ዘሎ ካብ ጸቢብ ረብሓን ማሕለኻ ፍርሃትን ዝብገስ ምስ መጥፊኢኻ ስርዓት ናይ ምዕንዳር ድንቍርናን፣ ተቓዋሚ ኢየ እናበልካ ግፍዒታት እናተፈጸመ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ናይ ምዕዛብን ዘመን ኣካሒዳ፣ ሳዕቤኑ ፍጹም ጥፍኣት ሃገር ከይኮነ ኸሎ፣ ብኣግኡ ንምፍዋሱ ነፍስ ወከፍና ርእሰ ምብርባር ክንገብር: ሃገር ብመሪር ኣውያታ ትጽውዓና ኣላ። ልግሲ ፍሉጥ ኤርትራዊ ኣመል’ዩ፤ ኣብ ህይወት ከኣ ካብ ምቕባል ዘይኮነ ካብ ምልጋስ ዝርከብ ደስታ እቲ ሓቀኛን ዝለዓለን ትፍስህቲ ምዃኑ ኣስተውዒልና፣ ካብ ሽግር ዘሊሎም ንዝመጹ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መጀመርያ ብውሑዱ ብተስፋን ብፍሕሹው ገጽን ክንቅበሎም ይግባእ። ዘይሓልፍ ጸገም ዘይወግሕ ለይቲ የለን’ሞ፣ ኣብ ዘለና ኣሊና ብሓድሕዳዊ ምውህሃድ ንጸልማት ሃገርና ነውግሓያ። ንሱ ኢዩ እቲ ንወለዶታት ኪወራረስ ዚጸንሐ ዘዅርዕ ታሪኽናን ሃብታም ባህልናን። ኣርኪመደስ ዝተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ፥ ደው ዝብለላ ባይታ ሃቡኒ’ሞ ንምልእቲ ዓለም ብባላ ከንቀሳቕሳ ኢየ”1 ይብል ነይሩ ይበሃል። ስለዚ: መንእሰያት ደቅናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እፎይታ ረኺቦም ከምብሓዲስ ህዝቦምን ሃገሮምን ንምድሓን ምእንቲ ኪበቕዑ፣ ቅድም ኣደልዲሎም ዚረግጹሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ዓቕምና ብዝፈቕደልና ምሕጋዞም ኣማራጺ ዘይህብ: ነግፈረግ ክንብለሉ ዘይግባእ ቅዱስ ሃገራውን ሰብኣውን ሓላፍነትና ኢዩ።

ኤርትራ ንኹሉ ብፍቕሪ ሓቒፋ ብሰላም ትነብር ዝነበረት ሃገር ዘይኢዳ ረኺባ’ላ። እዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ ኸኣ ነቲ ኹሉ ጥልመትን ክሕደትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጃንዳኡን መንቀሊኡ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ዝገብሮ። እዚ ኮይኑ እቲ: እቲ ዝኸበደ ሓላፍነት ኣብ ዝባን ናይቶም ነዊሕ ወለዶታት ንጽብጽብ ደቀባት ኤርትራ ኢና እናበሉ ንመንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘሳቕዩ ዘሎዉ መራሕቲ ሰራዊትን፣ ኣብ ሃገራት ስደት ሰብኣዊ ክብረቶም ተሓሊዩ ብሰላም እናነበሩ፣ ብጸቢብ ግዜያዊ ጥቕሚ ሕልናኦም ዓሚቶም ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ንዝፈጠሮ ጸልማት ሃገር ብርሃን፣ ንድሕረትን ዕንወትን ሃገር ምዕባለን ህንጸትን፣ ንስቓይ ህዝቢ ከም ራህዋን ክብረትን ዝርእዩዎ ዘሎዉ ዜጋታት ኢዩ። ግን ንያቶም ይዓብር፣ ዝረገጹዎ መሬት ንውሽጢ ይሃምም፣ ኣብ ሃ…ህ ዝበለ ኣፍ ሓርገጽ ይኣትዉ ምህላዎም ከስተውዕሉዎ ይግባእ። ብግብሪ ዓገብ ዘይምባል ከኣ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዕምሩ ከናውሕ ምሕጋዝ ምዃኑ ኪበርህ ይግባእ።

እወ! ብሰሪ ሸለልትነት ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነታ ዝዓረበት ባህሪያዊት ጸሓይ ከይትበርቕ ኪኽልክል ዝተመከሐ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፤ ነታ ብኽቡር መስዋእቲ ዝበረቐት ጸሓይ ነጻነትሲ ልዕሊ 18 ዓመታት ከጸልምታ ክኢሉን ገና’ውን ኣጸልሚቱዋን ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብነት ናይቲ ኣብ ሓድሕዳ ዝተመቓቐለት ቤት ወይ ሃገር ደው ክትብል ዘይትኽእል፣ ህዝቢ ኤርትራ ብፍቓድና ብነጻ ናይ ምሕሳብ ጸጋና ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣረኪብና ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ኪፈላልየናን ንሓድሕድና ብኽፉት ኣእምሮን ንጹህ ልብን ከም ዘይንዋሳእ ገይሩ ከናቝተና ዕድል ብምሃብና ዝፈጠርናዮ ጸሊም ደመና ኢዩ። እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍ ነገር ከኣ፣ ብህግደፍ ተኣታቲዩ ዘሎ ጸልማት ባህሊ ምዕፋን መሰል ነጻ ኣተሓሳስባ ከም ልሙድ ተወሲዱ ኣብ ህዝቢ ብምስራጽ ሱር ከይተክል ኢዩ። እንኮ መንገዲ ድሕነት ሃገር እምበኣር ምሉእ ህዝቢ ጸጋ ነጻ ኣተሓሳስባ ወኒኑ ብሓባር ዘቲዩ ዝሓሸ ምውሳን ኢዩ።

እዚ ብጥልመት ሕድሪ ስዉኣትን ሃንቀውታ ህዝብን ዝተፈጠረ ጸልማት ኢዩ ኸኣ ነቲ ኣብ ኩነታት ርጉእ ሰላምን ብርሃን ሓርነትን ናብ ትምህርትን ስራሕን ኪወናጨፍ ዝነበሮ መንእሰይ ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ምእንቲ ሓርነት ህዝቡን ድሕነት ሃገሩን ዳግመ ዕጥቁ ግድነታዊ ጽዋእ ታሪኽ ዝገብሮ።  ኣብ ርእሲ’ቲ ብንኡስ ኣንጉዕ ጕልበቱን በሊሕ ኣእምሮኡን መንኰርኰር ምዕባለ ሃገር ዝኸውን፣ ንድሕነት ሃገሩ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እውን ንሱ መንእሰይ ብምዃኑ፣ ሕጂ’ውን ሃገር ናብ መንእሰይ ውላዳ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ከርህወላ ትጽበዮ ዘላ።

4. ስርዓተ ትምህርቲ ንጹር መለለዪ ህይወት መንእሰይን፣

ቅኑዕ ሓባሪ መጻኢ ዕድል ሃገርን ኢዩ፥

ኣብ ውሽጢ ህግሓኤ ካብ ’73 ጀሚሩ ደሞክራሲያዊ ሓይሊ ምሁር ኣካል ተሃሪሙ ምስ ተረመሰ፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓተ ትምህርቲ’ውን ንሞት ተፈሪዱ ኢዩ። ድሕሪ ነጻነት ከኣ ህግደፍ እቲ ናይ ምጽልማት ዕጥቁ ብምቕጻል፣ ነታ ብቓልሲ ተስፋ ደናግል ዝተተኽለት፣ ደርጊ’ኳ ዝነሓፋ ኣስመራ ዩኒበርሲቲ ብምዕጻው፣ እትው ከይበለ ኣብ ምሁራትን ተመሃሮን ዘሎዎ ጽልኢ ኣጕሊሑዎ። ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ንምሉእ መሬት ሃገር ወኒኑ፣ ብነጻ ምሕሳብን ምግላጽን መሰል ደፊኑ፣ ኣሎ ዝበሃል ነውሪ ተግባራት ዝፍጽም ዘሎ ነውራም ስርዓት ኢዩ።

ኣብ ፍጹም ጸልማት እትርከብ ሃገር ኢርትራ እምበኣር እዚ ዓይነት ትምህርቲ ጥራይ ኢዩ ተሪፉዋ ዘሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እቲ ዝነበረ መሓውራት ትምህርቲ ከይተረፈ ዓኒዩ፣ ንኣእምሮ ኣደንዚዙ ምእዙዛት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራይ ዚፈርዩሉ ሃሜናዊ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ን 18 ዓመታት ኪስርሓሉ ብምጽንሑ ወለዶ ምሉእ ተሃሲዩ ኢዩ። እቲ ካብ ግዜ ቃልሲ ንነጻነት ጀሚሩ ዝተፈጥረ ምዕባስ ናይ ርእይቶ ሓርነት ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ ኸኣ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝወረደ ማህሰይቲ ዕምቈቱ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ኣይኸውንን።

ከምቲ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝዘመረላ፣ ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ኣብ ጩራ ትምህርትን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድም ተሰሪዓ ከም ዘይነበረት፣ ሎሚ ኣብቲ ብ”ነጻነት” ዝፍለጥ ዘመነ ግርምቢጥ፣ ኣሎ ዝበሃል ዓይነት ትምህርትን ደረጃ ፍልጠትን “ሀ” ኢላ ካብ ምጅማር ካልእ ኣማራጺ ኣይክህልዋን’ዩ። እዚ’ውን ከም ሃገር ትንፋሳ ከይሓለፈ ካብዚ ኣቲያቶ ዘላ ጸልማትን ጥፍኣትን ምልካዊ ስርዓት ብኣጋ እንተ ተጋላጊላ ኢዩ። ድሕሪ ነጻነት ብኹሉ ሞያታት መዓርግ ሊቅነት ለቢሶም ኣብ ኣገልግሎት ሃገሮም ዝተዋፈሩ መንእሰያት ወለዶ ኣበይ ኣሎዉ?!

ብኽቡር መስዋእቲ ነጻነቱ ኪጭብጥ ዝበቕዐ ህዝቢ፣ ግድን ንሓራ ህይወት ዘውሕስ ናይ ደሞክራሲ መሰረት ከንጽፍ፣ መንእሰይ መርማርን መሃዝን ዓቕሙ ዘማዕብለሉ ስርዓተ ትምህርቲ ምርካብ ኢዩ። ትምህርቲ መሰረት ሃገራዊ ህይወት ኢዩ። እዛ ብውሽጣውያን ጠለምቲ ናብ ዝኸፍአ ጸልማት ተሸሚማ ዘላ ውጽዕቲ መሬት ኤርትራ እምበኣር፣ ዘድልያ ሓራ ኣእምሮታት ዘፍሪ ስርዓተ ትምህርቲ ኢዩ። ሓራ ኣእምሮ ርእሲ ኹሉ እዱብ ወይ ዕቱብ ኣእምሮ ኢዩ ይብል ሮበርት መይናርድ ሃቺንስ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ናይ ስነትምህርቲ ዓቢ ሊቅ ። ቅዱስ ኣጋስቲን እውን - ንጽህና ወይ ጽቡቕ ልምዲ ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ናይ ሓርነትና  ኢዩ ይብል። መንእሰይ ኤርትራ ዘድልዮ ስርዓተ ትምህርቲ እምበኣር፣ ፋሉል ሓርነት ዝወልድ ትምህርቲ ዘይኮነ እዱብን ስነምግባራውን ዝገብሮ ትምህርቲ ሓርነት ኢዩ። ትምህርቲ ሓርነት እቲ ብሰናይ ጻዕርን ምህዞን ክብጻሕ ዝከኣል ዝለዓለ ዕላማ ህይወት ወድሰብ ክውን ንምግባር ኢዩ። እዚ ትምህርቲ ሓርነት ኢዩ ኸኣ ነቲ ዘይፍንቀል እምኒ ኵርናዕ፣ ዘይፍልሕ ዓንዲ ማእከል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተረጋገጸን ውሑስን ክገብሮ ዝኽእል።

ጃክ ማርተይን ዝተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ - መሰረታዊ ዕላማ ትምህርቲ ናይ ውሽጢ ሓርነት ንምጭባጥ ኮይኑ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ምንጻር ማሕበራዊ ሓርነትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ኢዩ ይብለና። ትምህርቲ እቲ ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ንምህናጽ ኣብ ዝገብሮ ደፋእታዊ ምንቅስቓስ፣ ሓቂ ንምፍላጥ ዝምርሓሉ ቀንዴል ኢዩ። ሓድነት ህዝቢ ዝረጋገጽ እምበኣር ኣተሓሳስባ ብምምዕባል ድኣ’ምበር ሓዲስ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብምፍጣር ኣይኮነን። ሓደ ህዝቢ ፍልጠት ምስ ዓጠቐ ኣብ ጐደና ምዕባለ ይርከብ፣ ሓይሊ ልቦናዊ ፍርድን ስነምግባራዊ ንጽህናን ምስ ወነነ ኣብ ሓድሕዱ ብስኒት ይነብር፤ ብጐረባብቱ ኸኣ ይኸብር። ፍልጠት ዝሰፍሕን ዝዓሙቝን ብእንታይ ከም ትሓስብ ዝድርኽ: መማህራን ዘስንቑዎ ትምህርቲ ቃል ብቓሉ ብምውጻእ(ምሽምዳድ) ዘይኮነ፣ ብኸመይ ከም ትሕስብ ኣስተምሂሩ፣ ኣብ መርማርን: ተንታንን: ኣወሃሃድን ኣገባብ ኣሳቲፉ፣ መረዳእታ ዘዕምቝን ንቕሓት ዘማዕብልን ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ዚትከል ኢዩ።

ስለዚ: ናይ ትምህርቲ ዕድል ክሳብ ምውዳእ ካልኣይ ደረጃ ግድነታውን ነጻን ኪኸውን ይግባእ። ከምኡ’ውን ተራ ባህሊ ኣብ ምዕባለ ሃገር ዘሎዎ ሓያል ጐድኒ ብግቡእ ተለለልዩ፣ ናይ ምሉእ ሃገር ባህልን ያታን ብምውህሃድ ካብቲ ዝተሓተ ደረጃ ጀሚሩ ብስሩዕ መደብ ትምህርትን ብተዋስኦታትን ኣብ ኣእምሮን መንፈስን ዕሸላትን መንእሰያትን ከም ዚሰርጽ ምግባር የድሊ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ: ተመሃሮ ናይ ክርክር ክበባት መስሪቶም፣ ኣብ ባህልን ፖለቲካን: ኣብ ታሪኽን ናይ ህይወት ፍልስፍናን ደሞክራሲያዊ ክርክራት ብምክያድ ርትዓውን መርማርን ክእለቶም ከማዕብሉ ይግባእ። እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሮም ኪህሉ ንዝግብኦ ንጡፍ ተሳትፎኦም ግቡእ ምቅርራብ ይኾኖም።

ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ዝወሃብ ትምህርቲ ንህልው ግዜ ንኸገልግል ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ትምህርቲ ኣብ ህሉው ግዜ ከተኵር ይግባእ፣ እቲ ምንታይ እዛ ህልውቲ ግዜ ኩሉ ኢያ - ትማሊ: ሎሚ: ጽባሕ ኢያ  እዛ ህልውቲ ግዜ እንተ ተዘንጊዓ: ጽባሕ የላን፣ ኣሰር ከይገደፈት ስለ ትሓልፍ ከኣ ትማሊ ምስ ኮነት ኣይክትዝከርን ኢያ። ስለዚ ተመሃራይ ናይ ሎሚ: ናይ ህሉው ግዜ ክብሪ ኩሉ ምዃና ኪመሃርን ከስተውዕልን ይግባእ።

5. መሰላትን ሓላፍነታትን መንእሰያት፥

እቲ መንእሰያት ንመጻኢ ዝጽበዩዎ፣ ኣብቲ ናይ መሰላቶም ዝህልዎም ሚዛን መረዳእታን ኣብቲ ናይ ብድልየትን ብብቕዓትን ዝገብሩዎ ምስካም ሓላፍነቶምን ዝተመስረተ ኢዩ ዝኸውን። መንእሰያት ንህሉውን መጻእን ሃገሮም ብመሪሕነት ዝውክሉ ዘወርቲ ሓይሊ ኢዮም። ኣበር ናይ ሃይማኖታውን ወገናውን ጸቢብ ኣረኣእያ ዘይብሎም ንጹሃት ሕልና፤ ጽቡቕ ሕልሚ ዘሰራጭዉ፣ ማዕከን ተስፋን ብሩህ መጻእን ኢዮም። መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ብርሃን ሓርነት ተፈሲሆም፣ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ግዝኣተ ሕጊ ቀሲኖም ጉዳይ ትምህርቶምን ህይወቶምን ምስ ዝገብሩ ዕድሎም ብሩህ ስለ ዝኸውን፣ ብእኡ መጠን ከኣ መጻኢ ምዕባለ ሃገር ትስፉው ይኸውን። ሃገር ደሞክራሲያዊ ምምሕዳር ምስ ዝህልዋ፣ መንእሰይ እውን መሰሉ ተሓሊዩ ይነብር። ሓንቲ ሽምዓ ወይ ጥዋፍ ንብዙሓት ከተብርህ ከም ትኽእል መጠን፣ መንእሰያት ንሓዲስ መንፈስ ለውጥን ፍልጠትን ከም ንፋስ በረኻ ብፍጥነት ናይ ምዝርጋሕ ክእለትን ዓቕምን ስለ ዘሎዎም፣ መንፈስ ናይ ሰላምን ትግባረ ጽቡቕ ምምሕዳርን ከም ዚሰርጾም ምግባር ኣብ ምዕባለ ሃገር ኣዚዩ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን።

ሀ. መሰላት መንእሰያት፥ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ማህሰይታ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይኮነ፣ ካብ እዋን ቃልሲ ንነጻነታን ድሕሪ ነጻነታን ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ገፊፉ፣ ንመንእሰያት ደቃ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብወፍሪ ባርነት ቈሪኑ ኣጸልሚቱዋ ዘሎ ውሽጣዊ ምልኪ ኢዩ። ህግደፍ ብዘይካ ብዛዕባ ሓልፍነት ህዝብን መንእሰያትን፣ ብዛዕባ መሰላት ህዝብን መንእሰያትን ተዛሪቡ ኣይፈልጥን’ዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ዕንወት ሃገርን ስቓይን ጥፍኣትን ህዝቢ ኮይኑ እነሆ። ግን ከምቲ መሰል ብዘይ ሓላፍነት ኪህሉ ዘይኽእል፣ ሓላፍነት ብዘይ መሰል ከኣ ኪህሉ ፍጹም ኣይግባእን። ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕባለ ሃገሮምን ኣገልግሎት ህዝቦምን ግቡእ ተራኦም ከበርክቱ ምእንቲ ኪኽእሉ፣ ኣብ ትሕቲ መሰል ውሑዳት ብምኽባርን ብምሕላውን ዝፍተን ሓቀኛ ደሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ብግዝኣተ-ሕጊ ዝተሓለወ ሚዛን መሰልን ሓላፍነትን ህያው ኪኸውን የድሊ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ 10:1948 ብሓፈሻዊ ጉባኤ ሕ.መ. ዝጸደቐ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፣  ብፍላይ ንመንእሰያት ዝምልከት ብዛዕባ መሰል ምምርዓውን ህይወት ስድራ ቤትን2: መሰል ስራሕን ዕረፍትን3: መሰል ትምህርትን4 ዓንቀጻት ይርከቡዎ ኢዮም። ንህዝብን ንመንእሰያትን ኤርትራ ግን ትሕዝቶ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ፍጹም ጓና ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ልዑል ሕጊ ኢዩ።

ለ. ሓላፍነት መንእሰያት - ሕማቕ ዕጫ ታሪኽ ንኸይድገም ምርግጋጽ’ዩ፥

እቲ ዝኸፍአ: ኤርትራ መንእሰያት ደቃ ራሕርሖማ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ፈቐድኡ ክፍሊ ዓለም ይዝረዉ ብምህላዎም ትባድምን ትዝኽትምን ምህላዋ ኢዩ። ንዓኣ ከማዕብሉን ከማምቑን ዝግብኦም ደቃን ደቂ ደቃን፣ ከምቲ ካብ እዋን መግዛእቲ ዝጀመረ፣ ድሕሪ ነጻነት እውን ብዝለዓለ ጠንቂ ሰደት ጕልበቶምን ፍልጠቶምን ንኻልእ ከገልግል ምስ ዚነብር፣ እቲ ዝዓበየ ክሳራ ሃገር ከም ዚኸውን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣመሪካ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ዝሰልጠነትን ዝሓየለትን ሃገር ዝገበራ ተክኖሎጂያዊ ምዕባለ ክትበጽሕ ዝኸኣለት፣ ኣብርእሲ’ቲ ሃብታም መሬት ምዃና፣ ብሳላ’ቶም ካብ ምሉእ ዓለም ተሰዲዶም ኣብ ማዕጾኣ ምስ ኳሕኵሑ ዝተቐበለቶም በላሕትን መሃዝትን ኣእምሮታት ሰፊሕ ፍልጠት ክትቀስም ብምኽኣላን፣ ብናይ ጕልበት ስራሓት’ውን ኣብ ኩሉ መዳያት ደው ዘብሉዋ ዜጋታት ሳልሳይ ዓለም ስለ ዝረኸበትን ኢዩ። ብመሰረቱ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ቀዳማይ ወለዶ ስደተኛታት ኣብ ናይ ትውልዲ ሃገሮም እቲ ናይ ህይወት ትንፈስ ዝኾነ ሓርነት  ስለዝሰኣኑ ጥራይ ኢዩ። እምበኣር: እቲ ዝዓበየ ድኽነት ሃገር ብመስዋእቲ ኲናትን ብምኽንያት ስደትን መንእሰያታ ስኢና ናይ ኣእምሮ ምብሕጓግ ምስ ዘጋጥማ ምዃኑ ኤርትራ ሃገርና ባዕላ ምስክር ኢያ። መልሲ ግን ኣብ ኢድ ህዝቢ’ዩ።

ስለዚ: እዚ ሕማቕ ዕጫ ታሪኽ ንኸይድገም ንምርግጋጽ፥

  1. ካብ ሕማቕን ጽቡቕን ታሪኽካ ብዕቱብ ምምሃር የድሊ።
  2. ምሉእ ሓርነት ካብ ግዳም ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ዝምንጭን ኪምዕብል ዝግብኦን ጸጋ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እቲ ዝለዓለ ኣቓልቦና ናብ ውሽጣዊ ርእሰ ጠመተ ምስ ዝኸውን ኢዩ ኸኣ ርትዓዊ ፍታሕ ሃገራዊ ሽግርና ኪረጋገጽ ዚኽእል።
  3. ኩሉ ሰብ ብሓቂ ብሃገሩ ኪዀርዕ እንተ ድኣ ኾይኑ፣ ቅድም ግድን ብመበቆሉ ኪዀርዕ ይግባእ። ብቑዕ ሃገራዊ ንምዃን ግን ካብ ጸቢብ ኣውራጃነት፣ ካብ ጸቢብ ብሄርነት፣ ካብ ጸቢብ ሃይማኖትነት፣ ከምኡ’ውን ካብ ጸቢብ ሃገራውነት ሓራ ምዃን የድሊ። ሃገርካ ብምልእታ ክትፈልጣን ንህዝብኻ ብማዕረ ክትርእዮን ዘብቅዓካ ደረጃ ንቕሓት ወትሩ ምምዕባልን፣ ካብ ኣነነት ሓራ ምዃንን ይሓትት።
  4. ባህሊ ኣኽብሮት ወለድትቲን: ዓበይትን: መማህራንን ኪምዕብል፤ ምዕሩግ ባህሊ ምክብባር፣ ባህሊ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን፣ ባህሊ ፍቕርን ስኒትን፣ ባህሊ ፍትሕን ሰላምን፣ ባህሊ ትሕትናን ምቕሉልነትን፣ ባህሊ ሓቅን ቅንዕናን ኪሕደስን ኪምዕብልን ይግባእ።
  5. ነፍስ-ወከፍ መንእሰይ ንኣገልግሎት ህዝቡን ሃገሩን ምስ ዝዕጠቕ፣
    ኣብ ዝቕበሎ ሓላፍነት፣ ይንኣስ ይዕበ፣ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ከዘውትር ይግብኦ። እቲ ምንታይ ብዘይ ተሓታትነትን ግሉጽነትን: ደሞክራሲ ህይወት ኪህልዎ ስለ ዘይኽእል።
  6. ንወላዲት ሃገርካ ብሓቂ ከተፍቅራን ከተገልግላን ትደሊ እንተ ድኣ ዄንካ፣ ንናይ ካልኦት መሬታት ኣህዛብ ካብ ምጽላእን ብሕማቕ ካብ ምልዓልን ክትቍጠብ፣ ናይ ካልኦት እምነታትን ባህልታትን ከኣ ከተኽብር ይግባእ።

ህይወትና ጸጋ ቅሳነት ምእንቲ ኪረክብ: ጽቡቕ ተግባር ልዕሊ ዕብየት  ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግባእ። ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትን ኣብ ቅድሚ መሪር ንብዓት ህዝብን ውልቀ ምልካዊ ህግደፍ ዝገድፎ ዘሎ ሓድጊ ምሉእ ምጽልማት ሓርነት ርእይቶን ምግባእን፣ ሓድጊ ግህሰት ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፣ ሓድጊ ፍርሃትን ራዕድን፣ ሓድጊ ድኽነትን ዓጸቦን፣ ሓድጊ ስደትን ጥፍኣትን፣ ሓድጊ ኣረሜናዊ ግፍዕን ጭቆናን፣ ሓድጊ ባህላዊ ብልሽውናን ስርቅን ….ወ.ዘ.ተ. ርዒምካዮ ብዘይ መኸተ ዕቱብ ተቓውሞ ምጕዓዝ፣ ናይ ህሉዋት ምዉታት ካብ ምዃን ኣይፍለን ኢዩ’ሞ፣ ሃየ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፍና ከይንሓልፍ ንበራበር። ብኣገላልጻ ምስሉይ መልሓስ ውልቀመላኺ ኢሳያስ: ህዝቢ ኤርትራ ዝለዓለ ሃብቲ ሃገር ኢዩ። እቲ ዝተረጋገጸ ሓቅን ቅኑዕን ኣረኣእያ ግን ህዝቢ ሃብቲ ዘይምዃኑ ኢዩ፣ ህያው ወናኒ ሃብቲ ሃገር ድኣ’ምበር። ስለዚ: ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ መሬቱን ህይወቱን ክሳብ ዘይኮነ፣ ኩሉ ነገር ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ ከም ዘሎ ተረዲእና ንምቕንዑ ካብ ምቅላስ ክንስልኪ ኣይግባእን። ለውጢ ባህሪያውን ዘይተርፍን ብምዃኑ፣ ዝጸልመተ እንተ ጸልመተ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ናይ ምጽቃጥ ደልሃመት ምስ ተባራበረ፣ ነዚ መንድዓት ኮይኑዎ ዘሎ ስርዓት ደርቢዩ ዋና ህይወቱን ቤቱን መሬቱን ደቁን ዝኾነላ መዓልቲ ሓርነት ክትበርቕ ግድን’ዩ።

ኣብ መደምደታ: ኣብ(1847-ተወሊዳ ብ1933 ዝሞተት) ኣኒ በሳንት ዝተባህለት ኣባል ኣድማሳዊ ሕውነት  ዝብል ማሕበር ዝነበረትን ኣብ ምሕላው ሰብኣዊ መሰላት ነዊሕ ቃልሲ ዘካየደትን፣ ኣብ ቅኑዕ ዜግነት ዝብል መጽሓፋ ካብ ዝሃበቶ ቃል ሓሳበይ ክዓጹ፥ “ምህናጽ ጠባይ ውልቀሰብ ኣብ ምቕራጽ ሃገር ሓጋዚ’ዩ። ካብ ሕማቕ ወይ ዘይግዱስ ጠባይ ዘሎዎም ዜጋታት ዓባይ ሃገር ክትሃንጽ ኣይከኣልን ኢዩ። እቶም ዜጋታት እታ ሃገር ኢዮም፣ ጠባዮም ከኣ ጠባይ እታ ሃገር ኢዩ። ስለዚ: ብሃገር ንመንእሰያት ዝወሃብ ትምህርቲ ብሃይማኖታውን ስነምግባራውን ኣገባባት ጠባይ ኪሃንጽ ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ። ዓባይ ሃገር ክትህነጽ እንተ ድኣ ኾይና: በዚ ቅኑዕ መንገዲ ብዝሰልጠኑ ዜጋታት፣ ጠባዮም ልዑል: ትጽቢት ዝግበረሎምን እሙናትን ብዝኾኑ ሰባት ጥራይ ኢዩ ኪትግበር ዝኽእል።” ክትብል ትገልጽ።

እምበኣር ልቦናዊ ትምህርቲ ምስ ተመክሮ ህይወት ኣወሃሂድና ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ዝለዓለ ዋኒንና ኪኸውን ብዓሚቝ ተስፋ ጽሑፈይ ኣብዚ እዛዝም።

ክቡር ዝኽሪ ንስዉኣት!

ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...