ቀዳም   ዕለት  11/06/2011  ጉባኤ   ስልፊ  ናህዳ  ኤርትራ    ጨንፈር   ኢትዮጲያ ( ብናያ ሓባር ቃልስና  ንዲክታቱራዊ ስርዓት ምውዳቅን ሓዳስ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽን )    ኣብ  ትሕቲ  ዝብል ጭርሖ      ጉባኤ ድሕሪ ምኽፋት ::   ተጋባእቲ ጉባኤ  ዝሓለፈ   ንጥፈታቶም  ድሕሪ ምክታዕን ምዝታይን ገምጊሞም    ፡ ጨንፈሮም ካብቲ ዝሓለፈ  ብዝበለጸን  ሓዲሽ ኣገባብ ቃልሲ ብምትእትታው ካብ  ኩለን  ጨናፍር ስልፊ  ዝበርተዕን ዝሓየለን   ክኸውን ሓዲሽ መደባቶም ሓንጺጾም፡  ከምኡ"ውን ብዝሒ መንእሰያት   ዝርከብዋ ሓዳስ መሪሕነት ጨንፈር መሪጾም።

ስንበት ዕለት12/06/2011 ኩለን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፖለቲካውያን ተቃለስትን ስቪካውያን  ማሕበራትን ሓፋሽ ህዝብን  ዕዱማት ኣጋይሽን ተጋባእተን ዝተሳተፍዎ ናይ መዛዘሚ ጉባኤ ተኻይዶ፡   ብተወሳኺ"ውን    ኣብዚ መዛዘሚ ጉባኤ ናይ ስእሊ ምርኢት ብቶም ጀጋኑ ወለድና ኣቦ  ስዉኣት  ጅግና ሼኽ ዓ/ቃድር ከቢረን  ጅግና ታሪኺዊ ኣቦና ራስ  ተሰማ  ጅግና   ስዉእ ሓምደ እድሪስ   ዓወተ ዝተሰነየ ናይ ኩሎም  ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን  ፎቶግራፍ ዝገልጽ  ስእልታት ቀሪቡ ።

   ናይ ጉባኤ መዛዘሚ  ብቁርኣነል ከሪም ድሕሪ ምኽፍት  ቀጾሉ"ውን ናይ ሓዘን  ዝክረ ስዉኣትን  ብምግባር   ቃል   ጨንፈር   ብሓው ጀማል  ኣሕመድ  ናይ እንኵዕ ዳሓን መጻእኩም ንዕዱማት   ናይ  ላዕለዋይ  እስላማዊ   ክፍሊ  ኢትዮጲይ ወኪሉ ዝተሳተፈን ንኹሉም ሓለፍቲ  ፖለቲካውያን  ውድባትን  ስልፍታትን   ሲቪካውያይን  ማሕበራትን ዕዱማት  ኣጋይሽን  ተጋባእትን  እንኴዕ   ዳሓን መጸኩም ድሕር ምባሉ ቀጺሉ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ተሰኪምናዩ ዘሎና ሓላፍነት ንምዕዋቱ  ኣብርቲዕና ክንቃልስ ምዃና  ነረጋግጽ  ጉብኤና  ባዓውት  ክሰላሰል  ዓቢ ጻዕሪ ዝካየደት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ምስጋና ኣቅሪቡ፡ ፤ .ቀጺሉ ብተጋዳልይ  ዓ/ራሕማን ጣሃ ምኽተል ስልፊ ናህዳ ኤርትራን ምክትል  ሃገራዊ  ኮሚሽን  ንዲሞክራሲያዊ  ለውጥን  ኣቀዲሙ  ንተሳተፍትን  ንህዝቢ ኤርትራን ንመብል 20 ዓመት ናጽነትና ዮሃና  ድሕሪ ብምባል ቀጺሉ እቲ ቀድሚ ጉባኤ ዝተዋህበ   ( ኮርስ )  ንመንእሰያት  ተሰኪመሞ ዘለዎ ሓላፍነት ብሓዲሽ ኣገባብ  ምዕባለ ቃልስና  ንምዕዋትን  ኣብ ዓለምና  ዝጽበዮም  ዘሎ  መድረኻት ንምግጣምን  መጻኢት ኤርትራን  ብዲሞክራሲ ንምምራሕ  ኣብ  ተግባር  ምዓልን  ዓቢ ሓላፍነት ሒዞሞ ዘለዎ ዝሕግዞም ትምህርቲ  ኢዩም  ተዋሂቦም    ድሕሪ ምባል ንሕና ስልፊ ናህዳ ኤርትራ ነዚ ዘሎ ስርዓት  ንምውዳቅ  ክብቶም  ቀዳሞት  ተሰሪዕና    ምስ  ኩሎም ተቃለስቲ ደምብ ተቃውሞ  ሓቢርና  ምእንቲ  ህዝብና  ሃገርናን  ሓደ  ኢድ ኮይና ንኽንዕወት ኣትሪርና ንቃለሰሉ  ዘለና  ዕላማ ኢዩ ። ኣብ መደምደምታ መደርኡ ን ዶ. ዓብድላህ ኑር ጀበርቲ ንተጋዳልይ ኢማም ኣቡበክር .ንዝተዋህበ ኮርስን.ጉባኤን ንምዕዋትን ዓቢ ጻዕሪ ብዝገበርዎ ምስጋና ድሕሪ ምቅራብ. ቀጺሉ   ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጲያን ናጽነትና ንምጉንጻፍ ምሳና ድወ ዝበልዎ ሕጂ ዝካይድዎ ዘለዉ ምትሕብባር  ዓቢ  ምስጋና  ኣቅሪቡ ንኹሎም ዕዱማት ዕድመና ኣኽቢሮም ብምምጽእ ኣመስጊንዎም፡ ቀጺሉ ቃል ላዕላእዋይ   እስላማዊ ክፍሊ ኢትዮጲያ ወኪሉ ዝተሳተፈ ሼኽ መሓመደ ደረስ ካብ ዝስመዖ መደርኡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኢትዮጲያን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ  ሓድነት  ዝተረጋገጸ ኢዩ ድሕሪ  ምባል ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ክትርር ኣለዎ  ምእንቲ ንዘሎ ስርዓትን  ንምውዳቅን  ሓዲሽ ምዕራፍ ዲሞክራሲ ኣብ  ኤርትራ ምምስራትን ፡ ክምኡ"ውን ንሓና ሓደ ህዝቢ  ኢና ኣብ ክልተ ገዛ ንነበር ክብል መደርኡ ኣስሚዑ፡፤        

ቀጺሉ መድረ ናይ ኣቦ-መንበር ዲሞክራሲያዊ ክዳን ኤርትራ ኣቶ  ተውልደ  ገብረ ስላሳ  ስልፊ ናህዳ ኤርትራ ደመበ ተቃውሞ ንምሕያልን  ግብራዊ ተሳትፎ  ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን  ኤርትራን  ዝካይዶ  ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ብምንኣድ ዓወት ንስልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምትምናይ መደርኡ ኣስሚዑ።             

ኣብላት ተሳተፍቲ  ጉባኤ ዝቅረብዎ ናይ ግጥሚን ድራማን  ንተሳተፍቲ ዝስሓብን ጥራይ  ዘይኮነስ መጻኢ ክእለቶም  ዓበይቲ  ክኢላታት ንምዃን ዝሕበር ኢዩ ነይሩ።

ኣብ  መዛዘሚ  ንተጋደልቲ  ሳልሕ ሓዮቲ  . መሓመድ ዑመር .   ዓብደላህ ማሕሙድ  ኣቡብከር  ፍረይታይ .  ኣብቲ  ስልፊ ናህዳ ዘደላወቶ ኮርስ  ንመንእሰያት  ዝሃበዎ ናይ ቃልሲ  ተሳትፍኡምን  ተሞክረኡምን ሃናጺ ትምህርትን ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራን   ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት  ተዓዲልዎም፡  ብተወሳኺ ንኹሉ ኣብዚ ኮርስ ዝተሳተፉ ኣባላት ምስክር ወረቀት  ተዓዲሉ።

ስልፊ ናህዳ ኤርትራ
ክፍሊ ዜና
13-06-2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...