AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 19 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ዓንዶም ግርማይ: ኣቕራቢ: ዘካርያስ ክብርኣብ


ብ 17 ጥሪ 2015 ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣስመራ ጽዕጹቕ ወተሃደራዊ ግፋ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናይ 17 ጥሪ 2015 ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣስመራ ጽዕጹዕ ወተሃደራዊ ግፋ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ካብ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ዝመጸና ሓበሬታ፥ እቲ ብሰራዊት ጉጅለኣዊ ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ዝተኻየደ ግፋ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተኻየዱ ካልኦት ግፋታት እቲ ዝሰፍሐን ዝሓየለን ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ህዝቢ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ግፋ ሓበሬታታት ብምልውዋጥ ነብሱ ከድሕን ከይክእል ተባሂሉ እቲ ግፋ ክሳብ ዝዛዘም  ኣገልግሎታት ኤለትሪክን  መራኸቢታትን ክዕገት ከምእተገብረ ዘመልከቱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ፥ ህዝቢ ግና ዝተራቐቚ ሜላታት እናተጠቕመን ነንሕድሕዱ እናተሓባበረን ነቲ ናይ 17 ጥሪ ወተሃደራዊ ግፋ ከምዘምከኖ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብፍላይ መንእሰያት ረቀቕቲ ስያሜታት (ኮዳት) እናተጠቕሙ  ድሕነቶምን ድሕነት ብጾቶምን ከውሕሱ ከምዝወዓሉ ፥ እዚ ድማ ንወተሃደራት ጭፍራ  ህ/ግ/ደ/ፍ  ዓቢ ጸገም ክፈጥረሎም ከምእተራእየ  ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ወተሃደራዊ ግፋ ንዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ ፥ ነቶም ናብ መደበራት ታዕሊም ኣይንወርድን ብምባል ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ዘለዉ ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድመ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ድማ ብፍላይ ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ፥ ኣብ’ቲ ግፋ ዝተታሕዙ ዜጋታት ኣዝዮም ውሑዳት ምንባሮም ኣብሪሆም።

ህ/ግ/ደ/ፍ ንናይ ታዕሊም ጻዊዕታቱ  ተቛውሞኦም ብምስማዕ  ትእዛዛቱ ጸማም እዝኒ ንዝህብዎ ዘለዉ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ንምድሃልን ንምብርካኽን ካብ መፋርቕ ናይ 2014 ጀሚሩ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮ ዘይፈልጥ ብዝሒ ወተሃደራዊ ግፋታት የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ። 


ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጀርመናውያንን ንተዝካር ኤርትራዊ ኮተቴ ኻልድ እድሪስ ባህራይ ማእከል ዝገበረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዓሌትነትን ህመሻን ኣካይዶም።

ብ 17 ጥሪ 2015 ፥ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጀርመናውያንን ንተዝካር ናይ’ቲ ኣብ ከተማ ድረስደን ብጭካነ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ኮተቴ ኻልድ እድሪስ ባህራይ ማእከል ዝገበረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዓሌትነትን ህመሻን (marginalization) ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣፍሪቃውያን ድማ ብፍላይ ብ ውጹእ ዓሌትነት ዝልለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ጀርመን ዘለዎም ተቛውሞ ብምግላጽ፥ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ጸለምቲ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝብርኽ ዘሎ ጽላኣት መግትኢ ከናድየሉ ተማሕጺኖም።

ገለ ካብ’ቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፥ ሞት እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ’ታ ሃገር ንዝስዕርር ዘሎ ዓሌታዊ ኣመለኻኽታ  ዘጉልሕ ከምዝኾነ ፥ ብፍላይ  ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቅሉዕ ጽለኣቶም ዘርእዩ ዘለዉ ውድባትን ምንቅስቓሳትን  ጀርመን ከኣ ኣብ’ዚ ዓሌታዊ ክስተት ቀንዲ ተዋሳእቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ኣስሚሮምሉ።

እቲ ኣብ ከተማ ድረስደን ብ 17 ጥሪ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ፥ ሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ’ታ ከተማ ብ “ፓጎዳ” ዝበሃል ዓሌታዊ ምንቅስቓስ ዝተወደበ ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ ሰልፊታት ይካየድ ምህላዉ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ ሞት ናይ’ቲ ኤርትራዊ ስደተኛት እኩብ ርባሕ ናይ’ዚ ጽለኣት ከይኮነ ከምዘይተርፍ እዮም ከገንዝቡ ጸኒሖም።

ምንቅስቓስ ፓጎዳ ኣብ ከተማ ድረስደን ክዉድቦ ዝቐነየ ንስደተኛታት ጽላኣቱ ዘመስክሩ ናይ ተቛውሞ ሰልፍታት ከይዘሓለ እንከሎ ብ 12 ጥሪ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኻሊድ እድሪስ ፥ ጠንቂ ሞቱ ምስዚ ጽለኣት እዚ ምትእስሳራት ከይሃለዎ ከምዘይተርፍ እዮም ንኩነታት እዚ ተርእዮ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት ዝእምቱ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ካሊድ እድሪስ ብ 12 ጥሪ  2015  ገለ ሃለኽቲ ነገራት ክሽምት ምስ ብጾቱ  ካብ ዝነብረሉ መንበሪ ገዛኡ ምስ ወጸ እዩ ብኻራ ተጎዪሑ  ሂወቱ   ስኢኑ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...