ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንዓመታት ዝኣክል ብስርዓት ኢሰያስ ዝወረዶን፡ ዝወርዶ ዘሎን ኣደራዕ ስቓይ ዘብቅዓሉ ግዜ ንምርኣይ ዝኣክል ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ ብተስፋን ሰናይ ትምኒትን ክጽበዮ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እንሆ እቲ ግዜ ኣኺሉ ጉባኤ ንምጅማር ፡ገለ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ይርከብ ፡ በዚ ኣጋታሚ’ዚ ውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝባውያን ትካላትን ፡ ንኹሎም ብሄራት ኤርትራን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ሃገራዊ  ሓድነትና ዓቢ እምነመሰረት ከንብርን ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታትና ውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን  ኣስፊኑ፡ ነቲ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፡ ፈላሊኻ ግዛእ ዝሰረቱ ኣዕናዊ ሽርሒታት ንኸብቅዕን ፡ ድሕሪ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ውን ስምብራቱ  ንኽይገድፍ ፡  ኣብ ምግባር ሓጋዚ ክኸውን ስለዝኽእል  ፡ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ፡ ብተገዳስነት ክስረሓሉ ይግባእ።

1. ንኹሉ መሰላዊ ጉዳያት ህዝብና ፍታሕ ንምንዳይ ፡ እቲ ኣማራጺ ዘይብሉ መንገዲ ወይ ኣገባብ ፡  ንፍትሒ ዕላማ ዝገበረ ሓባራዊ ዘተ ጥራይ እዩ ኢልና ንኣምን ። እዚ ምስ ዝኽወን ውን ደገፍ ናይ መላእ ህዝቢ ኣብ ምርካብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።

2. ድልየታት ህዝቢ ብዝምልከት እቲ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ባዕሉ ደኣምበር ፡ ካልእ ኣካል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ውሳኔ ናይ ምንባር መሰል ከምዘይብሉ ምፍልጥ የድልይ ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሎና ኣኽብሮትን ሓልዮትን ዝገልጽ ክንዲዝኾነ ፡ ኩለን ፖለቲካውያን ሓይሊታት ከም ዕላማ ክግደሳሉን ክሰርሓሉን ይግባእ።

3. ዝኾነ መሰላዊ ጉዳያት ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ብሄራዊ መሰላት ዝተኮሩ ጉዳያት ፡  ስርዓት ኢሳያስ ምስ ወደቕ ክርኤ ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምባል ፡ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ መንገዲ ቀዳምነት ተዋሂብዎ  ፡ ፍትሓዊ መዕለቢ ክግበረሉ ይግባእ ። ምኽንያቱ መዕለቢ ከይተገብረሉ ተንጠልጢሉ ንጽባሕ ክጽበይ እንተበቒዑ ፡ ናይ ሓደጋ ጥጁእ ካብ ምኳን ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ከምዘይኮነ ንኣምን ።

4. ህዝቢ ኤርትራ ንጹር ዝኾነ መንነት ዝውንን ክንሱ ፡  ስርዓት ኢሰያስ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ብቛንቛ ብምፍልላይ  ሃለዋት ህዝቢ ንምህሳስ ዘካየዶ ተንኮለኛ ስርሓት እናኣወገዝና ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጹር ቦታን ሃለዋትን ክህልዎ ንጽዕር ።

5. እንታይነት ብሄር ዝገልጹ ፡ ህሉው ኣቃውማ ህዝብና ኣብ ግምት ዘየእተዉ  ፡ ካብ ደገ ብልቓሕ ዝመጹ መለክዒታት  (DEFINITIONS) ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ቅቡል ከምዘይኮኑ ንሕብር። ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ኣቃውማ ናይ ዝተፈላለዩ ህዝቢታት ዝተሞርኮሱ ፡ ንብሄርነት ዝገልጹ ርድኢታት ስለዘለዉን ፡ ንሕና ውን ናይ ገዛእርእስና መለክዒ ስለ እንውንንን።

6. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ ንመንነት ጀበርቲ ኤርትራ ብዝምልከት  ከምቲ ኣብ 1ይ ጉባኤኡ ዘረጋግጾ ፡ መንነት ጀበርቲ ኤርትራ ፡  ከምቲ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ንብሄር ጀበርቲ ኣካል ናይ ብሄር ትግርኛ ንምግባር ብሓይሊ ኣገዲዱ ዝወሰኖ ውሳኔ ዘይኮነስ ፡ ጀበርቲ ኤርትራ ብሄራዊ ምልክታት ዝውንን ነብሱ ዝኸኣለ ብሄር ምኳኑ ደጊምና ነረጋግጽ ። ነዚ ብዝምልከት ውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ምስ ኩሎም ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ መቃልስቱ  ብምትሕብባር ክሰርሕ ጸኒሑን ከምዘሎን ይሕብር ።

7. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ መስል ብሄራት ምሕላው ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሃገራዊ እዩ ኢሉ ይኣምን ። ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ፡ መሰል ብሄር ጀበርቲ ምሕላው ሓላፍነት ናይ ሰልፊ ናህዳ ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ሓላፍነት ናይ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ሰላምን ደሞክራሲን ንምስፋን ዝቃለሱ ሃገራውያን ባእታታት ምኳኑ ይኣምን።

ዓውት ንሃገራዊ ጉባኤ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

27/10/2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...