ካብ ኩሉ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋታትን ስቱትጋትን ከባቢኡን፣ ብሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ሽማግለታት ንመሰረታዊ ለውጢ ብትሪ ዝቃለሱ፣ ካብ ባዝል፣ ስወዘርላንድ ዝተኻፈልዎ ዕዉት ኣኼባ ብዕለት 18/07/2010 ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ተኻይዱ። ውጺኢቱ ነቲ ንደሞክራስን ንመሰልን ንራህዋን ንለውጥን ዝቃለስ ዘሎ ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ብስራትን ዓቢ ተስፋን ሞራልን ዝህብ እዩ ነይሩ።

ምርጫ ወኪላት ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

እዚ ዕዉት ህዝባዊ ኣኸባዚ፣ ኣብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን፣  ንኹሉ ንመሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ብጽንዓትን ብምጽውዋርን ብምክብባርን ኣንጻር ጨቛንን ጨፍላቕን ወተሃደራዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓሪኑ ንዝቃለስ ዘሎ ህዝብና፣ እተማእክልን ብእምነት እተገልግልን ዓቕማ ጸንቂቓ እትዋደቕ ሽማግለ ካብ ትቐውም ጀሚራ፣ ዓቕማ ኣዋሃሂዳ ብስኒትን ልዝብን ክትሰርሕ ዝጸነሐተን ዘላን እንዳተመርሐ እዩ እቲ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ብልዙብን ሓላፍነታውን ብጽቡቕ ክዛዘም ዝኸኣለ።

ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝገለጽናዮ፣ ንደላይ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ዝቃለስ ዘሎ ህዝብና ብዝተፋላለየ መራኸቢታት ክንሕብሮን ከነታኣሳስሮ ዝጸናሕና፣ ማለት እቲ ንነዊሕ መዋእል መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝምነዮን ኣጥቢቑ ዝቃለሰሉ ዝነበረ መኣዲ ዘተ፣ ንኹሉ ሕብርታትን ዝንባሌታትን እምነታትን ህዝብና ብማዕረ ዘሳትፍን ዘዛትን ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ እዋኑ መተካእታ ዘይብሉ ቀንዲ ውራይን ዕማምን ህዝባዊ ቃልስና ምዃኑ ተራእዩን ተኣሚንሉን ምስ ተኣወጀ፤ እዛ ሽማግለ ብንጽህና ንዝተዋህባ ህዝባዊ ሓላፍነት ተግባራዊ ንምግባር ብዘይ ዕርፍቲ ለይትን ቀትርን ስጡም ኣኼባታት፡ እንዳ ኣካየደት ኣብ መፈጸምትኡ ከተብጽሖ ዝበቐዐት።

እዚ ማለት ድማ ሰፊሕ ጎስጓስን መጽናዕትን ብምክያድ፣ ካብ ግዱሳትን ህዝባዊ ሓላፍነት ተሰኪሞም የገልግሉ እዮም ኢላ ዝርኣየቶም ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ድሕሪ ምቕራብ፣ 6 ዜጋታት ንሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ድሕሪ ምድላው ናይ ህዝቢ ኣኸባ ብምጽዋዕ ናይቲ ኣኸባ ዛዕባታት ብናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሽማግለ ምስ ተገለጸን ምስ በርሀን ካብ ህዝቢ ዝቐረበ ሕቶታትን ርእይቶታትን ምስ መለሸት ንተሳተፍቲ ዋዕላ ናብ ህዝቢ ኣቕሪባ በብሓደ ብምልላይ ንመጓዓዚ ዝኸውን ማተርያላዊ ሓገዝ ካብ ህዝቢ ብምሕታት ዕማማ ምስ ወደአት ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝካፈሉ ወከልቲ ህዝቢ መድረኽ ብምልቃቕ ነቲ ካብ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘሰኒ ርእይቶታን ለበዋታትን ንምእካብን ምስናድን ሓላፍነታ ኣስረከበት። 
           
ድሕሪ እዚ እቲ ኣኸባ ብሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ብምቕጻል ብጉዳይ ኣብ ካምፓላ ርእሲ ከተማ ዩጓንዳ ንዝተፈጸመ ባርባራዊ ቅትለት ኣልዒሉ ምስ ህዝቢ ብምልዛብ፣ መላእ ኣኸበኛ ነቲ ኣረሚናዊ ፍጻሜ ኣልሸባብ ብምሉእ ድምጺ ብምዅናን፣ እዚ ግብረ ሽበራ ስርሒታት ናይ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዘውረዶ ጃምላዊ ቅትለት ብመትከል መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ኣስሚሩ ብምዅናን፣ ናይ ሓዘን መግለጺ ጾሎት ክእውጅን ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ከንጠልጥልን ከሎ ብፍላይ እተን ዜጋታተን ዝጠፍእወን ሃገራት ብኽብሪ ድሃዮም ንምፍላጥ ክጓየያ ከለዋ ወኪል ዝሰኣነ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ግና ደም ከልቢ ከም ዝፈሰሰ ዘእውየሉ ሕጋዊ መንግስቲ ስኢኑ እነሆ ኣብ ስደቱ ውን ፈቐድኡ ይዝሕዛሕ ኣሎ።

እዞም ኣብ ካምፓላ ሂወቶም ዝተዛሕዝሑ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ብርክት ዝበሉ ቁሱላት ዝርከብዎም ካብ ዝተፋላለዩ ዜጋታት ክኾኑ ከለዉ ልዕሊ 8 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰንኪ ጨቋንን ጨፍላቕን ወታሃደራዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ካብ ዝፈትውዋ ሃገሮም ሂወቶም ከድሕኑ ዝተሰደዱ ውን ይርከብዎም። ብጻሕታሪ ኲናትን ጸረ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሃገርናን ጎራባብትናን ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝምወን ጸቢብ ሃይማኖታዊ ናይ ሶማል ጉጅለ ኣልሸባብ ዝተጻወደ ነታጒ ክንድ’ዚ ዝኣክል ኤርትራዊ ህይወት ክሓልፍ ከሎ፣ ካብቲ ቀንዲ ዘሕዝንን ፍሉይ ዝገብሮን ወኪል ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ካምፓላ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ ናይ ሐራይ ኮኑ መርገጽ ብምውሳድ ብምስቃጡ እዩ።

ካብዚ ዘሕዝን ኩነታት ብምብጋስ እቲ ኣኸባ ብምስትታንን ብውሽጡ ብምትንካፍን ህዝብና ኣብ ሃገሩ ዘሕልፎ ዘሎ ግፍዓዊ ምሕደራ ከይኣኽሎ ኣብ ስደቱ ብሰኪ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቅሳነት ከይረክብ ይኸውን ስለ ዘሎ ብሓባር ናይ ሓደ ደቂቕ ጾሎት ብምግባር ነቲ ናይ ኣልሸባብ ድሑርን ባርባራዊ ፍጻሜን መወንቱን ኣጥቢቑ ብምዅናን ሽግር ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ እንኮ ኣማራጺ ብስምረት ተቓሊስካ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምውጋድ  ምዃኑ እቲ ኣኼበኛ ኣስሚርሉ።

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና።      
ፖለቲካውያን ውድባትን/ ሰልፍታትን፡
በርጌሳውያን ማሕበራትን ግዱሳት ዜጋታትን፡
ከተማ ስቱትጋርትን ከባቢኡን።     

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...