“ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ። ‘ሕሞር ካብ መዓር ክምቅር ክብል መጸጸ’ ከም ዝበሃል፣ ኣንቱም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝለኣኸኩም…ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክትጎርሑ ክትብሉስ ያኢ ተኸሺሕኩም እምበር።

ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም እነሃ እምበኣር እታ ብድሕሪ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ትልጎም ዘላ  ምንሽር ህዝቢ ኤርትራ ናባኻ ኢያ ክትቀንዕ። ካብ ዓመተ-2000 ክሳብ’ዚ ዓመት እዚ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ክንደይ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃዲሞም ክነሶም፤ እታ ጥበበኛ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ግን ኣይተዛረበትሎምን። ግርም’ዶ ኣሎና ኣቶ ዓብደላ? እምበኣር ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት የራኽበና። ቅድሚኡ ግን ገለ ነገር ክትዛረብ ተስፋ ንገብር። ኣብ መበል 13 ክፋል ጽሑፍና ኣብቲ ብ Word ዝተሰደደን ብ PDF ዝተሰደደን ጽሑፍ ክነጻጸር እንከሎ ናይ ገለ ቃላት  ጉድለት ነይሩ ኢዩ’ሞ ኣቐዲምና ይቕሬታ ንሓትት። እቲ እሩም ጽሑፍ ድማ PDF ፋይል ኢዩ።

ቅድም ከምቲ ልሙድ ሰላምታ ኢዩ ዝግባእ ነይሩ’ሞ፣ ዓቢ ሰላምታ ንዓኹም ይኹን። ሰላም! ደሓንዶ ቀኒኹም፣ ኣለና ምሳኹም…። ካብ ንግሆ ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ስሱዕን ክሒዳን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ (ኣባ ጎብየ)  ደቀ-መዛሙርቱን ዓቀይቶት ህግደፍን ደቂሶም ይሓድሩ የለዉን።

ንግሆን ምሸትን ኣብ ቅድሚኦም ዝቕጀል ህድማ ጥራይ ኢዩ። ህግደፍ ኣብ ጉንዲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተቐልቀለት ጫለዳ ድኣ’ምበር ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዘርኢ ዝቦቐለት ተኽሊ ኣይኮነትን። ህግደፍ ከም ዋዛ ዘይኮነስ፣ ኮነ ተባሂሉ ብመደብ “ኤርትራ” ዝብል ቃል’ውን የብላን። ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾብለለት ሓኽሊ ድሙ ደኣ’ምበር ዋና ገዛን መርዓት ጓል ሔማን ኣይኮነትን።

ጫሌዳ ፍረ ስለዘይብሉ፣ ህግደፍ ’ውን ብዘይካ ክርዳድ ፍረ ከተውጽእ ዘይትኽእል ጭደል ፍጥረት ኢያ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ክፋላትና ብንጹር ዝተሓበረ፣ ሕጂ’ውን ኣብዚ ብተደጋጋሚ ክበርህ ዝግበኦ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፣ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኢዩ። ደጋጊምካ ክጥመት ዝግበኦ ጉዳይ ኢዩ። ኣብታ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከተሳፍር ኢያ ኢልና እንጽበያ ናይ ተስፋ መርከብና፤ ንሓቀኛ ድሕረ-ባይታን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጭቡጥ ግምት ኣእቲኻ፤ ካብ ኩሉ ብሄራት…ሃይማኖታት…ኣውራጃታት…ውድባት ማሕበራውያን ሓይልታት ወ.ዘ.ተ…ብንጹር ቅዋምን መትከላዊ ኣረኣእያን ዘሳትፍ ክኸውን ይግባእ።

እንተ ውድቀት ስርዓተ-በጋሚንዶ ህግደፍ ኣኺሉ ኢዩ። ስለዚ መፍቶ ጨካናት ጎሓላሉ ህግደፍ ከይንኸውን ካብ ሎሚ ኣከያይዳና ከነጽሪ ይድወል ኣሎ። ብሰንኪ ፕረ. ኢሳይያስ ኣብ መንጎና ክዘርኦ ዝጸንሐ ክርዳድ፣ ጨው ከይንፈሪ የሰክፍ ኢዩ’ሞ፣ ኣከያይዳና ነስምር። ሰዓቱ ይኣክል ኣሎ። ሃገራዊ ነጋሪት ይስማዕ ኣሎ። ደወል ተስፋ…ደወል ራህዋ። ‘ገገዛኹም ኪዱ ሓዊ ኣጓጉዱ’ ከም ዝበሃል፤ ሎሚ ንዝዓነወት ሃገርና እንሃንጸሉ፣ ንዝሓዘነ ህዝብና እንድብሰሉን ካብ ንድየት ናብ ትሕዞ እንሰጋገረሉን ሰናይ ግዜ ይመጽእ ኣሎ። ስለዝኾነ፣ ካብቲ ኢሳይያስ ዝተለሞን ዝዘርኦን ክርዳድ፣ ስርናይ ንፈልየሉ ግዜ ሎሚ ይኹን!

ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይዳን ሜላን ፕረ. ኢሳይይስ ኣፈወርቂ፣ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ክትሽመም ጸኒሓ ኢያ። ስርዓት ህግደፍ ባንዴራ ዝተኸለ ሽፍታ’ምበር ብሕጊን ሰብኣዊ ስነ-ምግባርን ዝቕየድ ሰልፊ ኣይኮነን። ብዘይካ ዶላር ካልእ ኣብ ቅድሚኡ ዝረኣዮ ጉዳይ ድማ የለን። ከም እንዝክሮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2007 ዓ.ም. ካብ ኣውስትራልያ ናብ ሱዕድያ ዝኣትዋ ዝነበራ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣባጊዕ፣ ኣብ ጥቓ ጂዳ ምስ በጽሓ ተላጋቢ ሕማም ከም ዝኣተወን ተረጋጊጹ ነበረ። ፍሉያት ናይ እንስሳ ዶክተራት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ተላኢኾም ነቲ ለበዳ ሕማም ምስ ኣረጋገጹዎ ከኣ፣ እተን ኣባጊዕ ናብ ባሕሪ ከይድርበያ፣ ብቐጥታ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሳ ወይ’ውን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ተራጊፈን ሓዊ ንክነዳ ሞያዊ ምኽሮም ለገሱ።

ሽዑ ንሽዑ መንግስቲ ኣውስትራልያ “ነዘን ሕሙማት ኣባጊዕ ናብ መሬታ ኣራጊፋ እተንድደን ሃገር እንተላ፣ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክንህብ ድሉዋት ኢና” በለት። ኩላተን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ተሓቲተን ከኣ ኣበያ። ነውራማት መራሕቲ ህግደፍ ግን ነተን ሚልዮን ዶላር ክወስዱ ክብሉ ነቲ ስራሕ ተቐበሉዎ። ሕሙማት ኣባጊዕ ዝጸዓነት መርከብ ኣውስትራልያ ከኣ ናብ ወደብ ባጽዕ ተጸግዐት። ከይሓፈሩ ድማ ብመራኸቢ ብዙሓን፦ “ሓካይምና ናብ ባጽዕ ወሪዶም ነተን ሕሙማት ዝተባህላ ኣባጊዕ ምስ መርመሩወን ዝኾነ ዓይነት ሕማም ኣይጸንሐንን። ስለዚ እዘን ጥዑያት ኣባጊዕ ናብ ሙሉእ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ክከፋፈላ ኢየን” በሉ።

ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ንህዝቢ ኤርትራ መለለይኡ ዝኾነ ፕረ. ኢሳይያስ፣ ነቶም መንገደይ ከስተብህሉ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ካብ ግዜ ሰብዓታት ኣጽኒተዮም’የ ኢሉ’ኳ መጽሓፍ ሳጥናኤል እንተጠቕዐ፤ ንመንገዱን ክፍኣቱን እንፈልጥሲ ኣለና! ኣባጊዕ ናብ ጋሕቴላይ ተኾመራ፣ ንመዓልቲ ኣስታት ሓደ ሽሕ ክሞታ ምስ ጀመራ ከኣ ብህጹጽ ብመካይን ጸጽዒኖም ናብ ዕዳጋታት ኩለን ከተማታት ኤርትራ እናወሰዱ ሸጥወን።

ሽዑ ብዙሕ ሕማም ውጽኣት ዝሓመመ ህዝቢ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። እዚ ነውራም ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፣ ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ’ቲ ብዕላማ ዘባርዖ ኲናት ባድመ፤ ኣብ ሱዳን… ኢትዮጵያ… ኮንጎን ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ዝገብሮ ዝነበረ ዓቢ ናይ ዶላር፣ ብረትን ኣልማዝን ኮንትራባንድ ወፍሪ ከም ዝነበሮ መን ክርስዖ! እቲ ንክእመን ዘጸግም ግን፣ መንግስቲ ባንዴራ ዝተኸለ ክነሱ ኣብ ምዝራእን ምሻጥን ሓሺሽ ምውፋሩ ኢዩ። ኣብ ምጽሓፍ ምስጢራተ-ኢሳይያስ፣ ግዜ ክሳብ ዝበስል ክእመኑ ኣይክእሉን ኢዮም ኢልና ዝገደፍናዮም ጉዳያት’ኳ ኣለዉ።

እቲ ብኩላተን ሃገራት ዓለም ኩኑን ዝኾነ መሸጣ ዕጸ-ፋርስ እምበኣር ካብ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣትሒዙ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ፋጌና ዝተባህለ ሰሜናዊ ባሕሪ ተዘሪኡ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣስታት 50 ኪ.ሜተር ርሕቀት ዘለዎ፤ ኣብ ከባቢ ፍልፍል፣ “ፋጌና” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉይ ቦታ ተዘሪኡ ዘሎ ዕጸ-ፋርስ ንምርግጋጽ ንደቂ እቲ ከባቢ ማለት ሞግኦ፣ ሳቡርን ወኪን ንዝፈልጡ ሰባት ምውካስ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ዕጸ-ፋርስ ፋጌና ብፍሉያት ወተሃደራት ኢዩ ዝሕሎ። እቶም ወተሃደራት ፍሉይ ሓለፋ ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም፣ ንሳቶም ኣይኮኑን ናብ ስድራ ቤቶም ዝኸዱ። እንታይ ደኣ፣ ኣንስቶምን ደቆምን ኢዮም ዝመጽኡዎም። ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ህዝቢ ወይ ጥሪት የለን። ኣብቲ ከባቢ ሳዕሪ ንክበልዕ ዝኣተወ ብዕራይ ይኹን ካልእ እንስሳ ዘቤት ድማ ተዘሪዑ ይሕረድ።

ብስም “ሓምላይ ቅናት ኤርትራ” ዝብል መደናገሪ ሓረግ፤ ከምኡ’ውን “ንቱሪዝም ሕዙእ ከባቢ” ብዝብል ጨካን ስጉምቲ ወነንቲ እቲ ከባቢ ካብ ግራቶምን ገዛውቶምን ካብ ዝባረሩስ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ዘራእቲ ዕጸ-ፋርስ ፋጌና ኣብ ግዜ ክረምቲ ባሕሪ ካብ ሲስተሪናታት ብዝእከብ ማይ ክሰቲ እንከሎ፣ ኣብ ግዜ ሓጋይ ግን ብፍልይቲ ኤነ-ትረ ቦጥ መኪናን ፍሉይ ኣውቲስታን፣ ማይ ካብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ተከለዛን ኢዩ ዝሰቲ።

ሓሽሽ ተኣርዩ ብለይቲ ብፍልይቲ መኪና ናብ ኣስመራ ይኣቱ። ዶላር ንምእካብ ናብ ጽዩፍ ስራሕ ዝተዋፈረ ስርዓት ህግደፍ፣ ካብ ኣስመራ ብናይ ዲፕሎማሲካዊ ባልጃ ነቲ ኣብ ፋጌና ዝፈረየ ዕጸ-ፋርስ ናብ ኬንያ፣ ናይጀርያን ኢማራት ዓረብን ይሰዶ። ካብኡ’ውን ነቲ ስራሕ ንከካይዱ ዝተመዘዙ ዲፕሎማት ኣለዉዎ። እቲ ፍሉይ ቀጠልያ ግርማ ዝተዓደለ ሰሜናዊ ባሕሪ ካብ ምፍራይ ዕፉን፣ ቡን፣ ዱባን ኣሕምልትን፤ ናብ ዘራእቲ ሓሽሽ ተቐይሩ ኢዩ። መብዛሕትኡ መሬት ፋጌና፣ ሳቡርን ሞግኦን ብናይ ጥልያን ኮንቸስዮኒታት ተታሒዙ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፣ ካብ ግዜ ስርዓት ሃይለስላሰ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ በብቑሩብ ናብ ዋናታቱ ደቀባት ይምለስ ነበረ።

ኣብ ዓመተ-1993-1995 ብዙሓት ኣውፈርቲ ንዝነበረ ትርፊ መሬት /ከም ኮንቸስዮነ እንዳ ቶሪ/ ካብ መንግስቲ ገዚኦም ሰፋሕቲ ስራሓት ሕርሻ ንምክያድ ተተሓሒዞሞ ነይሮም ኢዮም። /ንኣብነት ስድራ ቤት ተጋዳላይ ኤደን ፋሲል፣ ስድራ ቤት ተጋዳሊት ሰማይነሽ ኪሮስ ትሪንዳድ፣ ስድራ ቤት ግርማይ ተስፋሚካኤል ወ.ዘ.ተ…/ እቲ ግናይ ወፍሪ ሓሽሽ ህግደፍ ምስ ተጀመረ ግን፣ ብሙሉኦም እቶም ዜጋታት ብዘይ ካሕሳ ተሃገሩ።

“ስለምንታይ ኢዩ መሬት ወኪ ብመንግስቲ ብዘይ ካሕሳ ተሃጊሩ” ኢላ ስለ ግራት ዓደቦኣ ኣብ ወጻኢ ንኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዝሓተተት ኤርትራዊት፦ “ነቲ ካልእ ተሪፉ ዘሎ መሬት’ውን ገና ክንወስዶ ኢና” ዝብል መስደምም መልሲ ተዋህባ። ፋሉላዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ንምድንጋር ከኣ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ብ2003 ዓ.ም. “መመረቕታ ቱሪዝም” ብዝብል ጥበብ፣ ቢራ ዝመልአት ዓባይ መኪና ጽዒኑ ናብ ፍልፍል ኣውረደ። ኣብቲ ባዕሉ ፕረ. ኢሳይያስ ዝተረኽበሉ መዓልቲ ከኣ፣ ከም መደዓዓሲ ንኩሉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ጸዊዖም ከብዲ ምላሽ ቢራ ከስትይዎ ወዓሉ።

ሓመድ ከባቢ ፋጌና ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ምስቲ ሽዑ ካብ ኤርትራ ንመርመራ ማዕድናት ተባሂሉ ናብ ዓዲ ጥልያን ይኸይድ ነበረ። ብድሕሪ መርመራ ንሓሽሽ ከብቁል ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ ይበሃል። ፕረ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዓዲ ጥልያን ብዝረኸቦ ምስጢራዊ ጸብጻብ ኢዩ ሓሽሽ ንክዝራእ ዝኣዘዘ ይብሉ ናይ ቀረባ ፈለጥቲ። ብመሰረት መጽናዕቲ ሓመድ ኤርትራ ኣብ ካልእ ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪ’ውን ሓሽሽ ክዝራኣሉ ዝኽእል ቦታ ኣሎ። ህግደፍ ካልኣይ ፕሮጀክት ንምጅማር ኣብ ዓመተ 2005 መደብ’ኳ እንተነበሮ፣ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ክሳብ ሎሚ ኣይተጀመረን። ስለዚ እዚ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ እዚ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆል ዝብል ባንዴራ ዝተኸለ ሽፍታ መንግስቲ ኢዩ ንኤርትራን ህዝባን ዘመሓድር ዘሎ።

እቲ ፕረ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ብኣዝዮም ቅርጡዋት ሰባት ዝልለ” ዝብሎ ስርዓቱ ስርዓት  ህግደፍ ብዘይካ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ስራሕ ማፍያ፣ ብሕልና ሰባት ዝምእዘዝ ሰልፊ ኣይኮነን። ፕረ. ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣይኮነን። ኣንቱም ከም ቁርዲድ ምስ ቆርበት ንክትሽየጡ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ትወርዱ ዘለኹም፣ እናረኣኹም ዕዉራት እናሰማዕኩም ድማ ጸማማት ዝኾንኩም ደቂ ኤርትራ ተንስኡ ተበራበሩ…ፓስፖርት ኤርትራ’ውን ናብ ሙሉእ ዓለም ይሽየጥ ነይሩን ገና ይሽየሽ ኣሎን። ንሎሚ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ‘ቡዱን’ ዝተባህሉ ዜጋታት ኩወይት ዝተሸጠ 9920 (ኣስታት 10 ሽሕ) ፓስፖርት ክንርኢ ኢና።

ህግደፍ ካብ ዓመተ2005 ክሳብ 2007 ሓደ ሚእቲ ሽሕ /100,000/ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንምሻጥ መደብ ነይሩዎም። እቲ ኣስታት 10 ሽሕ ከኣ ናብ “ቡዱን” ተሸጠ። እቶም ተኸተልቲ ሺዓ ዝኾኑ ኣብ ሃገር ኩወይት ካብ ብዙሕ ዓመታት በብቑሩብ ክእከቡ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንመንግስቲ ኩወይት ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን እናኣጸገሙዋ ይኸዱ ነበሩ። ወላ’ኳ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ብሓፈሻ ካብ ባስራ ድማ ብፍላይ ዝተኣኻከቡ እንተነበሩ፣ “ቡዱን” ማለት (ብዘይ ዜግነት) ዝብል ስም ተዋሂቡዎም ኣብ ኩወይት ከም ካልኣይ ዜጋ ኢዮም ዝረኣዩ።

ኣብ ኩወይት ነቲ ጉዳይ ንከሳልጥ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሓላፍነት ዝተዋህቦ፣ ደሓር ናብ ደቡብ ሱዳን /ጁባ/ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ኣቶ ኣለም ነጋሽ ክኸውን እንከሎ፤ ንኩሉ ስራሕ መሸጣ ፓስፖርት ምስ ኣዋደደ፣ ነቲ ስራሕ ብሓላፍነት ዝተረከቦ ኣቶ ሙኒር ዝተባህለ ካብ ኣስመራ ዝተላእከ ሰብ ነበረ። ብወገን መንግስቲ ኩወይት ነቲ ስራሕ ንምስላጥ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ዝሰርሕ ዝነበረ ድማ ሚኒስተር ነዳዲ ነበር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝዓረፈ ኣልመርሑም ዶክተር ነበረ። ዋጋ ሓደ ፓስፖርት $1000 ዶላር ኣሜሪካ ኢዩ ነይሩ።

ኩሉ ሽያጥ ገንዘብ ከኣ ብቐጥታ ናብ ሕሳብ ህግደፍ ኢዩ ዝኣቱ’ምበር፣ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ስንክልቲ ኤርትራን ስንኩል መንግስቲን ንምምስራት ጥንታዊ ሕልሙ ዝነበረ ፕረ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዝመዘዞም ኣምባሳደራቱ ዲፕሎማስያዊ እንዶን ብቕዓትን ዘይብሎም፣ ወይ ከኣ ኣብ መሶብ ህግደፍ ኣጻብዕቶም ኣእትዮም ተረፍ-መረፍ ዘላምጹ ሰባት ኢዮም። ስለዚ እቶም ንከምዚ ዝኣመሰለ ኣነዋሪ ተግባራት ከም ቅዱስ ስራሕ ገይሮም ዝሰርሕዎ ኣምባሳደራት ብመጽናዕቲ ዝተገብረ ኣመዳድባ ኢዩ።

ብድሕሪ መሸጣ ፓስፖርት ኤርትራ ንቡዱን ግን ብዙሓት ተርእዮታት ክቕልቀሉ ክኢሎም። ቅድም እቶም ‘ቡድን’ ዝተባህሉ ዓሌት፣ ኣብ ስራሓት ኮንትራባንድን መሸጣ ዕጸ-ፋርስን ዝተዋፈሩ፣ ብብዙሓት ሃገራት ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረኣዩ ዝነበሩን ኢዮም። ፓስፖርት ኤርትራ ዝሓዙ ዓሌት ቡድን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ርሑቕ ምብራቕን፣ ብፍላይ ድማ ናብ ከም ሶርያ፣ ኢራንን ፊሊፒንስን ዝኣመሰላ ሃገራት ክኣትዉን ክወጹን ምስ ጀመሩ፣ ፓስፖርት ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ኣተዉ።

ቡድን ብሕቡእ ዝተባህለ፣ ሎሚ ብዝተጋህደ ምስጢር ህግደፍ ናይ ኤርትራ መንነት ምስ ተቐበሉ፣ ከም ኤርትራዊ እውን መሰሎም ክሓቱ ጀመሩ። መንግስቲ ኩወይት ኣብ ዓዓመት ንሓሙሽተ ኤርትራውያን ተመሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስኮላር-ሺፕ ትህብ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፣ እቶም ብህግደፍ ዝኾኑ ዓሌት ቡድን፣ ይግባኣና ኢዩ ዝብል ጥርዓን ስለዘቕረቡ፣ ሰለስተ ካብተን ሓሙሽተ ዕድላት ስኮላር-ሺፕ ወሰዱወን። ደቆም ናብ ዩኒቨርሲቲ ይመሃሩ፣ ደቂ ኤርትራ ከኣ ኣብ በረኻታት ሲናይን ሓላይብን ብካራ ይሕረዱ! ግርም ግርምቢጥ ስርዓተ-በጋሚንዶ እምበኣር እነሆ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘካይዶ ዓሌት ናይ ምጽናት ሕቡእ ሜላ። ገና ኣይሰማዕናዮን’ምበር፣ ደቂ ቡድን ኣብ ኤርትራ ጤሳ ንክወሃቦም’ውን ሓቲቶም ይኾኑ! ኩሉ ኤርትራዊ ክረኽቦ ዝግበኦ መሰላት እንተሓተቱ’ውን ኣይተጋገዩን።

ፓስፖርት ሃገሩ ዝሓዘ ኤርትራዊ እውን እምነት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነፍጎ። ካብቲ ግዜ’ቲ ንደሓር ኢዩ ከኣ፣ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ኣፍሪቃን ርሑቕ ምብራቕን ፓስፖርት ኤርትራ ንዝሓዘ ሰብ፣ ብዛዕባ ጥዕና እቲ ፓስፖርት ንምርግጋጽ፣ ናይ ድጋፍ ደብዳበ ካብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ንከምጽእ ዝተገደደ። ሓላፍነት ኣልቦ ስርዓተ-ማፍያ ህግደፍ፣ ጥራይ ዶላር ዝርከቦ ይኹን’ምበር፣ ዝኾነ ይኹን ነገር ንክሸይጥ ወትሩ ቅሩብ ኢዩ። እዞም ትልሚ ክርዳድ ብዝተለመ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መራሒኦም እኽብካብ በጋሚንዶ ህግደፍ፣ ኤርትራ መሬታን ባሕራን ብምልእታ እንተሸጡዋ’ውን ምንም ዝግድሶም ጉዳይ የለን። ክሳብ ሎሚ ፓስፖርት ናብ ካልኦት ዜጋታት ዝሸጠት ሃገር ኣይሰማዕናን። ዝግ ኢልና ኣብ እነዋህልለሉ እዋን ድማ መመሊሶም ንምእማኖም ዘጸግሙ ምስጢራት ፕረ. ኢሳይያስን ሰልፉ ህግደፍን ክንሰምዕ ኢና።

ሞት ስለዘይተርፍ፣ ፓስፖርት ኤርትራ ዝሓዘ ሓደ ተወላዲ ‘ቡድን’ ኣብ ማኒላ ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ ምስ ሞተ፣ ሬሳ ናብ ኤርትራ ንክለኣኽ ብመንግስቲ ፊሊፒንስ ተሓቲቱ ነበረ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ‘ፈጺመ ኣይፈልጦን እየ’ ስለዝበለ፣ ኣብ ዝዓረፈሉ ከተማ ማኒላ ተቐብረ። እዚ ኣብ ኣነዋሪ ናይ ሽፍትነት ንግዲ ካብ ዝዋፈር ደርዘናት ዓመታት ዝገበረ ስርዓተ-ማፍያ፣ ከምቲ ደጋጊምና ክንጽሕፎ ዝጸናሕና፤ ብዘይካ ብዝተሓባበረ ጎነጻዊ ቅልጽም ደቂ ህዝቢ፣ ብካልእ ኣገባብ ክንኣልዮ ኢና ኢልካ ምህውታት፣ ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ጥራይ ኣማኢት ኣሽሓት ተራን ዲፕሎማስያዊን ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሸይጡ ኢዩ። ናብ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፊታትን ኢትዮጵያ ከም ቅንጅት፣ ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳናውያን ራሻይዳ፣ ዳርፉርን ወ.ዘ.ተ….ብዙሕ ፓስፖርትና ተሸይጡ ኢዩ። ኣብቲ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ሱዳን ተባኢሱሉ ዝነበረ ግዜ፣ ንኩላቶም ተቓወምቲ ፓስፖርት ሸይጡሎም ኢዩ። ደሓር ከም በዓል ሙባረክ ኣልፋድል ኣልማህዲ ናብ መንግስቶም ምስ ተመልሱ፣ ነቲ ካብ ኤርትራ ዝገዝኡዎ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርትታት ኣረከቡዎ።

ዶክተር ሙስጣፋ ዓሊ ዑስማን ናይ ሱዳን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ንመንግስቲ ህግደፍ፣ ብፍላይ ድማ ንወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበረ ኣልመርሑም ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፣ ነቲ ፓስፖርት ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ቀዲሑ ከሲሱዎ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። ስለዚ ስርዓተ-በጋሚንዶ ህግደፍ መኣዝኑ ዘይፈልጥ ለኻኺሙ ክሃድም ዝደሊ ነውራም ስርዓት ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ከም ዝሓበርናዮ፣ ህግደፍ /ዓብደላ ጃብር/ ኣብ መሸጣ ካብ ቤተ መዘክር ዒራቕ ዝተሰርቀ ቅርሲታት ንዝነበሮም ተራ ክግለጽ ምዃኑ ተሓቢሩ ኢዩ። ግን ብምኽንያት ንውሓት ጽሑፍ መታን ከይደራረብ ናብ ዝቕጽል ክፋላት ከነቕርቦ ምዃንና ምስናይ ይቕሬታ ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ ክቡራት ተኸታተልትና ብእትልግሱልና ዘለኹም ዓቢ ናይ ታሪኽ ኣስተዋጽኦ፣ ምስጋናና ደጊምና ነቕርብ። ኣብ ዝቕጽል ክፋላት ጽሑፋትና ኣብ እነቕርበሉ ግዜ ከኣ ተሳትፎኹም ከም ዘይፍለየና እናኣረጋገጽና፣ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ይጠቅም ኢዩ እትብልዎ ሓበሬታ ንክትልእኩልና ንሕብር።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2011

ርሑስ በዓል ልደት!

 

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰላም!

ናባና እትሰድዎ መልእኽቲ ድማ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢዩ፦

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ኣለና፣ ከም ነጎዳ ሓጋይ ድምጺ ዕቡሳት ኢዩ።

ኣለኺ+ኣለኻ+ኣለኽን+ኣለኹም= ኣለና

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል…
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...