ሕቡእ ታሪኽ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምጅማሩ’ምበር ኣብዚ ግዜ’ዚ ምውድኡ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ክሳብ ሎሚ ሰሚዕናዮም ዘለና ጉዳያቱ ከኣ ካብ ግምጃ እከይ ተግባራቱ ሓደ ዕሽር ጥራይ ኢዮም፣ ትሽዓተ ዕስሪት (9/10) ድማ ተሪፎሙና ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቶም መዛግብቲ ታሪኹ ተተርኢሶሞ ደቂሶም ዘለዉ ዜጋታት ምስ ኢሳይያስ ንዝኣተዉዎ ማሕላ ጥሒሶም፣ ስለ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ተናሲሖም እንተጸሓፍዎ ተስፋ እገብር ። ናብ ጉዳይና ንኺድ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ኣብ ምጅማር ተስዓታት ዘስምዓና ዝነበረ ዕጥሸው! ክንድህስስ ምዃንና ኢለ እየ ደምዲመ። ንሱ ግን ካብ ዝብገስ ኣትሒዙ ብዘይካ ክርዳድ፣ ዘርኢ ስርናይ ስለዘይተለመ፤ ካብ ፍልሙ ናይ ጥፍኣት ሓዋርያ ኢዩ። ከምቲ ንሱ ዘይርስዕ ከኣ፣ ንሕና’ውን ነቲ በብዓመቱ ዝገብሮ ዝነበረን ዝበሎን ክንርስዕ ኣይግባኣናን።

ባዕሉ ዝጸሓፋ መጽሓፍ “መንካዕ”


እዛ ንርእያ ዘለና ኣረጊት ወረቐት፣ ቀዳመይቲ ገጽ ናይታ ምሁራት ኤርትራውያን ንምጥፋእ፣ ሰባት ንከእምን ኢሉ ባዕሉ ዝጸሓፋ መጽሓፍ “መንካዕ” ኢያ። እዛ 82 ገጻት ዝሓዘት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1973 ዓ.ም. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፋ ተንኮለኛ መጽሓፍ፣ ሎሚ ኣብ ሕቡእ ከብሒ ኢሳይያስ ን37 ዓመታት ተሸጒራ ድሕሪ ምጽናሓ፤ ናብ ጸሓይ ኣዱንያ ወጺኣ ትርከብ። እነሃ ታሪኽ ንከይመውት በብቑሩብ ምስ ዜጋታት ኤርትራ ንክትላለ ኢላ ካብ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ጉድጓድ ወጺኣ ኣላ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ንዘሎ ምስጢራት ኣብ እንነብበሉ ግዜ ድማ፣ ዕላማ ኢሳይያስ ብንጹር ተጋሂዱ ይረኣየና። ለካ ጉዳያታ ስለዝፈልጥ ኢዩ ከኣ፣ እታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ባቖስ ጥራይ ትንበብ ዝነበረት ‘መጽሓፈ-መንካዕ’፤ ኣብ 1982-83 ናብ ደጀንን ቅድመ-ግንባራትን፣ክሳብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ናብ ዝነበራ ኣሃዱታት ህጹጽ ዘዋሪ መልእኽቲ /ሰርኩላር/ ሰዲዱ ከካብ ዝነበረቶ ዝቐረማ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብድሕሪ 1983 ዓ.ም ምስ ማንም ሓላፊ /ካድር/ ኣይተራእየትን። መጽሓፍ  ‘መንካዕ’ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዘላታ ብዘይ ዝኾነ ወሰኽ ወይ ምምሕያሽ፣ ናብ ዜጋታት ኤርትራ ንክትዝርጋሕ ተስፋ እገብር። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መንካዕን መጽሓፍ መንካዕን ካብ ዝሰምዕ ብዙሕ ዓመታት ገይሩ ኢዩ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝስለፍ ግዜ ክሳብ ሎሚ ልዋም ድቃስ ኣይደቀሰን፤ ኣብ ከቢድ መዋጥርን ጭንቀትን ዝኣተወለን መድረኻት ግን ኣርባዕተ ኢየን፦

1) 1973 ምንቅስቓስ ምሁራት ተጋደልቲ ‘መንካዕ’ (ናይዝጊ ክፍሉ ዘጠመቖ ስም)
2) 1993 ኣድማ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ
3) 2001 ምፍጣት ምስ መሪሕነትን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን
4) 2010 መድረኽ ቅብጸት ሕቡእ ሕልሚታት

እቲ ዝዓበየ ውሽጣዊ ምፍጣጥ ምስ ህዝቢ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይዛይድ ኣሎ። ካብዚ መጻወድያ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣምለጠ ማለት ድማ ዘበት’ዩ። እቲ ካብ ሰብዓታት ክሳብ 1991 ዝነበረ ጉዕዞ ኢሳይያስ ድማ በብመድረኹን እዋኑን ብመዓልቱ ክወጽእ ኢዩ። ሎሚ መድርኽ መቐይሮ ኣብ ደረት-ትርኢት ቀሪቡ ኣብ እንርእየሉ ዘለና ግዜ፣ ክፍኣትን ሕቡእ ታሪኽን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራቡ፣ ናብ መንእሰያትን ተረከብቲ ሃገርን ምትሕልላፉን፤ ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ዕዮ ገዛ ኢዩ። ሽዑ እቶም ምሁራት እንታይ ኢዮም ኢሎም፣ ወይ ከመይ ዝኣመሰለ ርእይቶታት ኢዮም ዘቕረቡ ዝብሉ ሕቶታት ምልዓል ጽቡቕ ኢዩ። ኣብቲ ኢሳይያስ መሸንቆቓ ናብ ክሳዱ ኣትያ ዒቕ-ዒቕ ተብለሉ ዝነበረት ግዜ ካብ ዓቕሊ ጽበት ተበጊሱ ዝጸሓፋ ‘መጽሓፈ-መንካዕ’ ኩሉ እቲ ዝርዝራት ዓቂባቶ ኣላ። ክሳብ ትዝርጋሕ ግን ገለ ኢሳይያስ ዝበሎ፦

“…  ሙሉእ ዓመት ዘቕረቦ ርእይቶታት ከመይ ጌሩ ኣቕሪቡዎ? ኣየቕረብኩን በሃላይ እንተኾይኑ፣ ሃየ። ካብዚ ዚተረፈ፣ ኣፈወርቂ ተኽሉ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ርእይቶታት ዘቕረቡ ሰባት ከምዝኾነ ከይዘከርኩዎ ኪሓልፍ ኣይደልን። ናይ ግርማይ ባህረ ፍጹም ሓሶት ኢዩ። ንምርግጋጽ ድማ እታ ዚነበረት ጋንታ ትተሓተት።” “ኣብዚ ውድብ እዚ ምስ ተመስገን በርሀን ኢብራሂምን ተዋቒዐ ፤ ሓቂ’ዩ። ከምኡ ንኽገብር ዘገደደ ኩነታት ነይሩ። እንተኾነ‘ውን ኣነ ከም ሓላፊ መጠን ጌጋ ምፍጻመይ ኣጸቢቑ ይርዳኣኒ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ወረቐት ተዘርጊሑ ዘይኮነ፣ ብእዋኑ ሃናጺ ነቐፌታ ከም ዝተቐበልኩሉ ይዝከረኒ። እዚ ግን ብጥቁል ኣቢልካ ንምክፋእ ዚግበር ምጽላም ስለዝኾነ፣ ሃናጺ ኣይኮነን።” “ኣልኣሚን ሱራጅ፣ ናይ ኣልኣሚን ሱራጅን ናይ ጸጋይ ቀሺን ነገር ባእሲ ደኣ‘ምበር መውቃዕቲ ኣይኮነን። ብምንታይ ጀሚሩ ኣብ ምውቕቓዕ ከም ዚበጽሐ፣ መን መጀመርያ ከምዝሃረመ ብዙሓት ይፈልጥዎ ኢዮም። ካብኡ ዚተረፈ ኣብቲ እዋን‘ቲ ናይ ክልቲኦም ጌጋታት ተገሊጽሎም ብመሪሕነት ዚኣክል ነቐፌታን መጥንቀቕታን ከም ዚተዋህበ ዚዝከር ኢዩ። ኣልኣሚን ከም ተራ ወተሃደር፣ ጸጋይ ድማ ከም ሓደ ካልእ ኣምሲልካ፤ ኣልኣሚን ተወቒዑ ማለት ግን ኣመቱ ፍሉጥ ኢዩ።” “ሙሴ ተስፋሚካኤል፣ ናይ ሙሴ መውቃዕቲ ብጸጋይ ወዲ ቀሺ ዋና መነቓቐሊ ናይቲ ዘቕረቡዎ ጽሑፍ ስለዝኾነ፤ ናብዚ መመኽነይታ‘ዚ ዝበጽሐ ኩነታት ድማ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጦ /ንበይኑ ብጽሑፍ ከቕርቦ እየ/። ብዛዕብኡ ብዙሕ ኪዛረብ ኣይደልን። ከም መውቃዕቲ መጠን /ንበይና በጥቊልካ/ ግን ጌጋ ነይራ። ጸጋይ ድማ ተቐጺዑላ።”“ብዛዕባ ምፍርራሕ፣ ስልጣን ደልዮም ኢዮም፣ መንግስቲ ኪግልብጡ ደልዮም ኢዮም፣ ዚበለት መሪሕነት እንተድኣ ሃልያ ኣበየናይ ቦታን፣ በየናይ እዋንን ከም ዚኾነ ፈልዮም ይግለጹ። ስልጣን ዚደሊ  ድማ ሰብ ከይበሎ፤ ብግብሩ ፍሉጥ እዩ። ካብኡ ዚተረፈ ሓሊፍካ ብምጽናሕ ባዕልኻ ብዘፍላሕካዮ ወረ፣ መጥርዒ ምርኩስ ጌርካ ናይ ምፍርራሕ ትርጉም ምሃቡ ፈጠራ ኢዩ”።

ሰብ ገበሮ ምድሪ ነገሮ! ዝበሃል ከምዚዩ። ወይ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንስኦ፣ ሰብ ኣኪበን ይሓርስኦ’’ ዝበሃል፤ ኩሉ’ቲ ኢሳይያስ ብጸልማት ተሓቢኡ ዝመሃዞን ከም ኣባ ጎብየ ርእሱ ቀቢሩ ዝተጓዕዞን ውዲት ኣንጻር ኤርትራን ዜጋታታን ኣብ ቅሉዕ መድረኽ ወጺኡ ኣሎ።


“ምንባብካ ፋይዳ ዘይብሉ”


ኣብ ሓደ መጽሓፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝበሎ ክጠቅስ፦“ናይ ታሪኽ ነገር ዘገርም’ዩ። መጻሕፍቲ ታሪኽ ምንባብ ዘይፍቶ ካብ ዝገብሩዎ ምኽንያታት ሓደ፣ እቲ ተንብቦ ተራጻሚ ስምዒታት ስለዝፈጥረልካ ኢዩ። ክትፈልጥ ስለትደሊ፣ ነቲ ናይ ምንባብ ፈተነ ንባዕሉ ከም ጠቓሚ ነገር ትወስዶ። ምስቲ ተንብቦ ማዕረ-ማዕረ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት እናልዓልካ ስለትጉዓዝ ግን፤ ንሓቀኛነት ናይቲ ተንብቦ ትጠራጠረሉ’ሞ፣ ምንባብካ ፋይዳ ዘይብሉ ኮይኑ ይስመዓካ። ካብ ተመኩሮ ሂወት ብዙሕ ስለተዋህልል … ።’’ ስለዚ ምንባብ ‘መጽሓፍ-መንካዕ’ን ሕቡእ ምስጢራት ኢሳይያስ ምፍላጥን ንዓና ከምቲ ዝበሎ ዘይኮነስ…ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት እናልዓልና ስለእንጓዓዝ ንባህርያቱ መመሊሱ የብርሃልና’ምበር ዘጠራጥር ጉዳይሲ የለን። ተራጻሚ ስምዒታት ግን ክፈጥረልና ኢዩ፤ ጭካነ… ስስዐ… ምስሉይነትን ወረጀ-ማዕዶ ምዃንን!



ከም ዛርቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዘጉርዑ


ስለዚ ኢሳይያስ ኣብ 1973 ዓ.ም. በቲ ኣብ ዒራቕ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ ብደረጃ መኮነን ዝተመረቐ፣ ተመስገን በርሀ /ሎሚ ብሪጋደር ጀነራል/ ዝጀመሮ ምጽፋዕ፤ ጥዑም ጥዑም ጥዒሙዎ ክሳብ ሎሚ ንሰባት እናጨልገመ ይጓዓዝ ኣሎ። እቶም ክጭልገሙሉ ዘይክእሉ ተባዓት ኤርትራውያን ግን ኣቐዲሙ ስለዘጽንዖም፣ ብስም ‘መንካዕ’ ’የሚን’ ጂ.15 ወ.ዘ.ተ…ጸጸግዖም ኣትሒዙዎም ኢዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ኣረሜን ዝመርሖ ስርዓት፣ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ካብ ሱሩ ክትምሕዎ ይከኣል ኢዩ ኢሎም ከም ዛርቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዘጉርዑ መራሕቲ ሰልፍታትን ውድባትን ከኣ ዝግ ኢሎም እንተዝግምግሙ ምሓሸ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ሓምሳታት ኣብቲ ስለ ሃገሩ ክብል ዓደየ-ዓደየ! ዝብለሉ ዝነበረ ግዜ፤ ፖለቲካዊ ቃልሱ ናብ ዕጹው መንገዲ ምስ በጽሐ’ዩ ነቲ ምረት ተጋድሎ ርዒሙ ብረት ንከልዕል ዝተገደደ። ሎሚ ምብሳል ውድዓዊ ኩነታት ኤርትራ’ምበኣር ኣገባብ ቃልስና ንክንቅይር ደጋጊሙ ይነግረና ኣሎ። ሓለይቲ ህዝቢ ኤርራ ዝመስሉ መራሕቲ ሰልፍታት ኢና በሃልቲ መራጉድቲ በደል ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ደገ ኮይኖም ዝጸሓፍዎ ጸብጻባቶም ቀለሙ ከይነቐጸ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ /ካብፖቦሎ/ ይንበብ ኣሎ። ህድእ ኢልካ ዝርዝርራቱ ክብጻሕ ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ቅቡር ኣጀንዳ ኢሳይያስ ንምፍላጥ ርብዒ ጎደል ኣብ ዘለናሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነቲ ደሙ ዘፍሰሰሉን ኣዕጽምቱ ዝኸስከሰሉን ፍትሒ ንምርካብ ነታ ኣንጻር ህግደፍ ከመዝግባ ዝቕብቅባ ዘሎ ኩዕሶ ሒዙ ናብ ቦታ ‘ኣርያ ሪጎለ’ በጺሑሉ ዘሎ ግዜ፣ ምስቲ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ርሱን ፖለቲካዊ ጥምጥም፤ ጎነጻዊ ቃልሲ ምድራቡ መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ሎሚ ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ቁስሊ ምሕዋይ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕማም ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ጎዛዝዩ ግዳይ ስደትን ሞትን ዝገብር ዘሎ ኢሳይያስ፣ እንታይ ኢዩ ጉዱ? ኢልና ንነብና ምሕታት የድልየና ኣሎ።


ምብራቕ ባሕሪ ከልኪሉዎ’ምበር ክሳብ ሱዕድያ ምተመጣጠረ።


ንሱ ጽቡቕ ኣሎ… ወዳጀ ምምሕዳር…ጉዳም ሓልዮት ንህዝቢ… ኣቤት ጽርግያን ዲጋን… ዲሞክራሲን ፍትሒን! ወ.ዘ.ተ… እናበልና እንተድኣ ምስ ስርዓቱ ነስቆሮቁርን ከም ራዛ ንቆጻጸን ኴንና ግን፤ ንሱ ጥዑይ ንሕና ግን ጽሉላት ኢና ናብ ስደት እንነብር ዘለና ማለት ኢዩ። ስለዚ ካብ ጽላለና ንምሕዋይ ክልተ ሸውዓተ ንምሕጻብ ናብ ኤርትራ ንእቶ’ሞ፣ ሕያውነት፣ ፍትሒን ልግሲን ኢሳይያስ ክንርእዮ።  ብድሕሪ ምስጓጉ ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ዝስዕብ ኣጀንዳ’ኳ ኣሎ። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሰምዖ ዝነበርና ዘረባታት ነይሩ ኢዩ። ጸጸኒሑ ከኣ በጨቕ ካብ ምባል ኣየዕረፈን።

ብደቡብ ዶብ ኤርትራ ኣለውሃ ምላሽ፣ ብምዕራብ ድማ ክሳብ ከሰላ ናይ ኤርትራ ብጽሒት ከም ዝኾነ፤ ካብ ገለ ሓለፍቲ ይስማዕ ነይሩ ኢዩ። እዚ በጨቕታ እዚ ከኣ ሰራውር ከም ዘለዎ፣ በቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክጓዓዞ ዝጸንሐ መንገዲን ሜላታትን መደረብታ ይረክብ። ምብራቕ ባሕሪ ከልኪሉዎ’ምበር ክሳብ ሱዕድያ ምተመጣጠረ። ኢሳይያስ ኣብ 2004 ኣብ ከባቢ ተሰነይ ንዝቕመጡ ተወላዶ ብሄረ-ራሻይዳ ኣኼባ ገይሩሎም ነበረ። ራሻይዳ ድማ “…ንሕና ብዙሕ ንግፋዕ ኣሎና። ሱዳን እንተኣተና ወዮ! ናብ ኤርትራ እንተተመለስና ወዮ!! ጸገምና መወዳእታ ስኢንናሉ። ስለዚ ኤርትራውያን ዲና ወይስ ኣይኮናን?” ክብሉ ሓተቱዎ። “…ኣይሽንኳይዶ ንስኹም ኣብዚ ምሳና ዘለኹም፣ እቶም ክሳብ ዶብ ምስሪን በረኻታት ሓላይብን ዘለዉ’ውን ኤርትራውያን ኢዮም። ኩሉ እትኸድዎ ቦታታት ድማ ናይ ኤርትራ ኢዩ።” ክብል መለሰሎም፣ ወይ መደንጾ!

‘ኣል ጀዓን የሕልም ቢል ዒሽ’ ከም ዝብል ምስላ ዓረብ ኢዩ ነገሩ። መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ብድሕሪ’ቲ ሓያላት ኤውሮጳውያን ሃገራት ብ1885 ኣብ በርሊን ተኣኪበን ዝገበርኦ ምሽማውን ምሕንጻጽን፤ ብድሕሪኡ ዝተኸለለ ዶባት ኣይነበረን። ሎሚ ነቲ ዘመናዊ ካርታ ኣፍሪቃ ቀዲድካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ማይ ዘይጠዓመ ካርታ ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኮነን። እምበኣርከስ ኢሳይያስ’ውን ገለ እዋናት እንተስ ብገርሁ፣ እንተስ ውሽጣዊ ረስኑ ደጊስዎ፤ ብዛዕባ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘረባታት ይስንዱ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት፦ ብ21 ሓምለ 1994 ዓ.ም. ኣብ ጅዳ ንማዕከናት ዜና ሱዕድያን ዓለምን ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ። ብዕለት 28 ሓምለ 1994 ድማ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ፣ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ናብ ኣንበብቲ ቀሪቡ። ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኽእሎ ምምስራት ኮንፈደረሽን  ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ‘ዶ ከተብርሃልና?‘’ ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፤ “…ሓደ ግዜ’ውን ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ክስረት ዝኽእል ኮንፈደረሽን ሓቲቶሙኒ ነይሮም። ተኽእሎ ከም ዘሎን ዕድሉ ክፉት ምዃኑን ገሊጸ።‘’ ክብል  ዝመለሰን፤ ቀጺሉ’ውን (ኣብ ኢትዮጵያ /ኣዲስ ኣበባ/  ትሕተም መጽሄት… ምስ ኢትዮጵያውያን ፈደረሽን ንበሎ ኮም-ፈደረሽን ናብ ዝለዓለ ውህደት ገጽና ንኸይድ ኣሎና) ዝበሎን ዋዛ ወይ ተራ ዘረባታት ኮይኑ ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ ሓደ መራሕ ሃገር ዝወጹ ቃላት ዲፕሎማስያዊ ዕያራትን መለለዪ ቃናን ስለዝህልዎም።

ካብዚ ተመርኲሶም  ኬንያዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ናይ19 መጋቢት 1995 ኣብ ናይ ኬንያ ጋዜጣ ስታንዳርድ /Standard/ “ምስ ኢትዮጵያ ኮንፈደረሽን ንከተቕውም ገሊጽካ ኔርካ” ኢሎም ሓተትዎ። ኣብቲ ብ8 ሚያዝያ 1995 ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ተተርጒሙ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ጽሑፍ ኢሉ ተገራጫዊ ዘረባታት ሰንደወ። ስለዚ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ኣብ ዘይብላ መርከብ ኣሳፊሩ ናብ ክወጾ ዘይክእል ማዕበል ሒዙዎ ንክኸይድ ካብ ዝምድብ እዋናት ሓሊፉ ኢዩ።



ከም ነፋሒቶ ዝቕይሮ ሕብሪ


ንኢሳይያስ ኣሉ ምባልን ንእለቱ ምስልባጥን  ቀሊል ነገር ኢዩ። እቲ ምንታይ ሓሶት፣ ምድንጋር፣ ክፍኣት ግብሪ ምስ ደሙን ኣንጉዑን ተደዋዊሱ ስለዝኾነ። ሎሚ ኣብ ስሳታት ዕድመኡ ክቕንጥጦ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ሓደ ሰብ ተወሊዱ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ሓደ ግዜ ጥራይ ስም ዝወሃቦ፤ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ እቲ ኩሉ ክፍኣቱን ሓሶቱን ምስኡ ዝተጠመቐ ስለዝኾነ፣ ክሳብ ዕለተ-ሞቱ ካብ ደሙ ኣይፍለን ኢዩ። ሜላታት ክቐያይር ኢዩ፣ እቲ ከም ነፋሒቶ ዝቕይሮ ሕብሪ ግን ነባሪ ሂወት ዝሰኹዓሉ ኣይኮነን። “በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ” ከም ዝበሃል ምስላ ብሄረ-ትግረ፣ ኢሳይያስ ኣመሉ ካብ ዝሓድግ፤ እቲ ጎቦ መሕደሪኡ ክቕይር ኣለዎ ማለት’ዩ። ኣመል ምስ መግነዝ ኢዩ’ሞ፣ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብፍታዉ ንህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ፣ ሰላምን ጽጋብን ክህብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሓቂ’ዩ! ጎነጽ ክበሃል እንከሎ ፎእ ቃል’ዩ፣ ግን ዕረ መድሃኒትካ ኢዩ’ሞ ካብ እትመውት ስተዮ ምስ በሉኻ እንታይ ትገብር? ብልክዕ ኣብ እንግምግመሉ ግዜ ድማ፣ ሎሚ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንኢሳይያስ ወኪሉ ክዋጋእ ዝኽእል እንኮ ወተሃደር’ኮ የለን። እቲ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ከም ታይም-ቦምብ ንክፍጀር ተቐሪቡ ዘሎ ናይ ህዝቢን ሰራዊትን ድምጺ፣ ኣብ ማዕዶ ኮይኑ ብሪሞት ኮንትሮል ዝትኩሶ ዕጡቕ ሓይሊ  ይድለ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዓጢቑ ዘሎ ሓይሊ ናይ ኢሳይያስ ኣይኮነን። ካብ ደገ ውሁድ ድምጺ ዝጽበ ዘሎ ድጉል ጓህሪ ኢዩ።


ጎነጽ ንኢሳይያስ፣ ጎነጽ ንህግደፍ’ምበር..........


ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ማለት ድማ ቀቅድሚ ኣውቶቡሳትን ትራክተራትን እናኸድካ ፈንጅታት ምቕባር ማለት ከም ዘይኮነን፣ ውግእ ኣንጻር ኢሳይያስ’ምበር ሓድሕዳዊ ምቅትታል ኩኑን ምዃኑ ኩላትና ብኣግኡ ክንርድኦ ኣዝዩ ኣድላይ ኢዩ። ኤርትራ ስለ ናጽነታ ክትብል ዝኸፈለቶ ረዚን ዋጋ ኣለዋ። ከምኡ’ውን ዲክታቶር ኢሳይያስ ስለ ዕላምኡ ክብል ኣብ ዝወልዖ ኲናት-ባድመ ዝሃለቑ መንእሰያት ደቂ ህዝቢ ይኣክል! ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ወላ ሓደ ሰብ’ውን ክጎድለና ኣይንደልን።


‘…ኣንጻር’ዚ ሰብኣይ ሰራዊት እንተኣዕጢቕኩም ወይ ሓንቲ ጥይት ኳሕ እንተኢላ፣ ኣዲዮ!… ኤርትራ ኣኺሉዋ ኢዩ’ ዝብሉ ብፍላጥን ብግርህናን ካብ ዝመጻደቑ፤  ዕፋፈቶም ኣብ ወወርሒ ዝቕይሩ ጸለምቲን ጻዓዱን ኣትማን ንጠንቀቕ። ሎሚ ብርግጽ ኣብ ሃገርና ክልተ ግንባራት ኣሎ። ግንባር ህዝቢን ግንባር ህግደፍን። ህዝቢ ኩናማ፣ ህዝብታት ዓፈርን ሳሆን ጠበንጃ ቃሕ ስለዝበሎም ዲዮም ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ዓጢቖም ዘለዉ? ዕምሪ ኢሳይያስን ቀረበሻ ክፍኣት ህግደፍን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከብቅዑ’ምበኣር ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ርሱን መጋርያ፣ ጓህሪ ወሲኽና ገሃጽ-ሃጽ ከነብሎ ደወል ይሃርም ኣሎ።

ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ፣ ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኣነጻጺርና ኣብ እንግምግመሉ ሰዓት፣ ከምቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣብ ጀርመን ዝነበረ ካርልፎን ክላውስ ፊጽ ዝተባህለ  ናይ ኲናት ፈላስፋ፦  “ምስ ጸላኢኻ ኲናት ቅድሚ ምግባርካ፣ ቅድም ንነብስኻ ፍለጥ። ደሓር ንጸላኢኻ ፍለጦ’ሞ ሚእቲ ግዜ ተዋጋእ፤ ሚእቲ ግዜ ከኣ ክትዕወት ኢኻ” ዝበሎ፣ ግንባር ኢሳይያስ ድማ ፈጺሙ ዘይንቕነቕ እምባ ማለት ኣይኮነን።


ጎነጽ ንኢሳይያስ፣ ጎነጽ ንህግደፍ’ምበር ንሓድሕድና ንጎናነጽ ማለት ኣይክነን። ኢሳይያስ ዘይወድቕ ሰብ ወይ ስርዓቱ ዘይቅየር ሰማያዊ ሓይሊ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እንገብሮ  ቃልሲ፣ ቅድሚ ኩሉ ክንዕወት ምዃንና ክንኣምን ኣሎና። ነዚ እምነት’ዚ ከኣ ከም ሃይማኖት ክንኣምነሉ ይግባእ። ቅድም ቀዳድም ግን ንነብስና ንፍለጥ።
ኢሳይያስ ካብ ህዝቢ ንዝመጾ ኲናት ንምድህላል፣ ካብ 2001-2010 ንዓሰርተ ዓመታት ንኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጀሆ ሒዙዎ ጸኒሑ። ኣብቲ ወግሐ-ጸብሐ ሓንሳብ “ወያነ ክትወረና ትቀራረብ ኣላ፤”  ጸኒሑ ከኣ “ብጎበጣ ንዝተታሕዘ መሬትና፣ ብሓይሊ ክንመልሶ ንበገስ…” ናይ ኲናት ጥሩምባን ገዓሮን ግን እነሆ ሎሚ ኣብቂዑ። ንሕና ኤርትራውያን ንስደድ፣ ኣብ ምድረ-በዳ ሳሃራን ባሕሪ መዲተራንያን ንመውት፣ ንሳቐ፣ ምስ ስድራናን ደቅናን ንፈላለ፣ ንጉሂ… ኢሳይያስን ጭፍርኡን ከኣ፣ ብረድዮን ተለቪዥንን ‘ኲናት…ኲናት…ኲናት’

‘ሰብ ኣሓ ይሃድሙ፣ ሰብ ቆራብቲ ይዋግኡ’  ዝበሃል ልቦናዊ ኣዘራርባ ኣቦታት ከምዚ ኢዩ። እምበኣርከስ እቶም ኣብ ኤርትራ ሰብ ቆራብቲ ንሓዋሩ ክሃድሙ፣ ንሕና ሰብ ኣሓ ኣንጻር ኢሳይያስ ሎሚ ብሓድነትን ትብዓትን ክንዋጋእ ንበገስ

ኣከያይዳና ኣብቲ ጠገለ ዘይርከቦ  ጉዳይን ታሪኽን ኢሳይያስ፣ ናብ ሰብዓታት ጸኒሕና ናብ ተስዓታት ክንዘልል፤ እንደገና ናብ ሰማንያታት ተመሊስና ከኣ ናብ ዓመተ ሚለንየምን ሎሚን ክንሰግር ይግድደና ኢዩ። እቲ ምንታይ ነቲ ካብ ግዜ ምስላፉ ክሳብ ሕጂ ንዝገበሮ በደልን ጥውይዋይ መንገዱን ትኽ ኢልካ ክኽየድ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ንኣከያይዳይ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ በዚ ዝገለጽኩዎ ጥውይዋይ ንክኸይድ ስለዝግድደኒ፣ ንምዝላለይን ምስግጋረይን ንክትርድኡኒ ተስፋ እገብር። ኢሳይያስ ኣብቲ በዓለገ ታሪኹ ኣይሽንኳይዶ እቶም ፈተውቱን ዘጣቕዕሉንሲ፣ ጸላእቱ’ውን ንክኣምንዎ ዘሸግሮም ታሪኻት ኣለዉዎ።

ኣብ ዝቕጽል ክፋል ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፣ ካብ ቅድሚ ናጽነት ክሳብ ሎሚ ኢሳይያስ ብዘይካ ንሱ ዝቆጻጸራ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ክትህሉ ዘፍቅድ ከምዘይኮነ፤ ኣብነት ናይቲ ኣብ መፋርቕ 80ታት ኣብ ገማግም ተከዘ ውድብ መስሪቱ ዝነበረ ተጋዳላይ ጀብሃ-ነበር ተስፋምህረትን ኣንጻር ህግደፍ ብረታዊ ምልዕዓል ንምግባር ብወገን ሑመራ 11 ክላሽናት ሒዙ ዝተበገሰ ገብረብርሃን ዝተባህለ ተቓዋማይን ዝወሰዶ ቅልጡፍ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ክንርኢ ኢና። ክሳብ ሽዑ እንራኸብ ሰላም ቅነ።


ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...