ክቡራት ተኻታተልቲ መደብ ድምጺ ሓርነት ዕለት 20 የካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ.
ኣሕዋትን ኣሓትን ጠለብቲ ኣመንቲ ተሓለቅቲ ፍትሕን ዲሞክራስን!!!

እዚ ሎሚ መዓልቲ እነቅርቦ ዘሎና ሰነዳዊ ሓበሬታ ኣብ ወርሒ የካቲት ዝተፈጸሙን ዝተራእዩን ኣገደስቲ ተረኽቦታት። ንስለ ድሕነት ዉጹዕ ህዝብን ሃገርና ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝጨፍጨፈ ኢደ-ወነናዊ ጨካን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.  ውድቀቱ ዝገማገመሉ ዘሎ ወቅቲ ስለ ዝኾነ፡ ዉጹዕ ህዝብናን ተዓዘብትን ከይትደናገሩ ምእንቲ ኣብዛ እንነብረላ ከተማ ዮተቦርግ ሃገር ሽወደን ዝተፈጸመ ብጥሬኣ ከይየጉደልና ከይወሰኽና ናብኹም  ኣቅሪብና ፍርድን ዉሳኔን ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ናብኹም ንገድፎ።

ቀዳማይ ክፋል
ዓመት 2010 ናይ ለውጢ ዓመት ምዃና ናይ ባና ብርሃንን ተስፋ ዝተራእየላ ዓመት እያ። ኣባላት እተን ዕዉታት መስረትን ፈጸምትን ነጻነታዊ ቃልሲ ዝኾና ውድባት ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ስጡም ሓድነት ኣዊጀን ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪበን ብስርዓተ-ሕጊ እትምሓደር ብልጽግቲ ኤርትራ ንምህናጽ ዝኣወጃላ ዓመት…. እያ

ዉህሉል እኩብ ድምር ቃልሲ ደምበ ተቋውሞ ውድባት ሰልፍታት በርገሳዊ ማሕበራትን፡ ጸረ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዓለም ሰሚዕዎስ፡ ንኢሰብኣዊ ግፍዕታትን ዕንደራን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዓገብን ይኣኽለካን ዝበለሉ ዓመት……እያ

ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ከኣ ብሓያሎ ኤርትራውያን ኣመንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ህዝባዊ ማዕበል ገንፊሉ ጥርናፌ ኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝስሙ በርገሳዊ ማሕበር ቆይሙስ ብዕለት 6 የካቲት ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ተቃውሞና ልልሉይ ተራ ዝተመዝገብላ ዓመት …. እያ     
                                                  
ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሃገር ሽወደን ከኣ ዕሉላት መሳርሒ ህግዲፍ ዝኾኑን ሓደስቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ህግዲፍ ዘይነበሩ ልዕሊ ህ.ግ.ደ.ፍ.. ህግደፋውያን ክኾኑ ዝፈተኑ ኣባላት ጀብሃ ዓባይ ነበር፣ ብዘሕንኽ ዘይእሩም ዘለፋ ቃላትን ዝተሓዋወሰ ጠቀራ ሓሶት ዝሰረቱ ዘይፈልጥዎን  ዘይወዓልዎን ታሪኽ ከቋሱሉ ባዕሎም ነብሰ ቅንጸላን ብላሌኦምን ዘረጋገለጹላ ዓመት …….እያ

ምስሌነ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ ብጎይቱኡ መላኺ ኢሳያስ ተላኢኹ ህዝባዊ ሰሚናር ብጉዳይ ዕቃቤ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ዕንደራ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዉሱናት ሚኒስተራቱን ከሎ ንህዝብን ሃገረ ኤርትራን ኣምሲሉ፡ “ብሲኣይኤይን ከደምቱን  ኣብ ዕጹው ምዕጾ ዝተወሰነን ዘይንፈልጦን ዘይፍትሓዊ ዓማጺ ውሳኔ እዩ” ኢሉ ክሕሱን ንመንእሰያት ከታልልን ዝመጸሉ ኣብ ቅድሚ መዲያ ሽወደንን፡ ሓያሎ ሽወደናውያን ዝተቃላዓሉን ዝተበለለሉን ከም ሰራቂ ገጹ ሸፊኑ ብሕጓ ዝኣተወላን ሕፍረት ዝተሰከሙላ ዓመት….እያ

ንኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ህዝብና ምእንቲ ከይደናገር እዞም ኣብ ታሕቲ ብኣስማት ጠቀስ ልክዕ እተን ዝበሉወን ከይመልእና ብጥሬኤን ናባኹም ኣቅሪብና ሚዛንን ፍርድን ናባኹም ገዲፍና እንሃ እዛ ትኽተል ሰነዳዊ ሓበረታ ንዝርግሕ ደጊም እቶም እነቅርበልኩም ደገፍቲ ህግዲፍ ቃላቶምን መልከዖም ንወትሩ ብንጹርን ጭቡጥን ክኾነልኩም ተጠንቂቅና ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ጊዜ ከፋፊልና ከነቅርበልኩም ክንፍትን ኢና።

  1. ኣለም ዘሞ መራሕ መደብ ረድዮ ድምጺ ኤርትራያን ኣብ ዮተቦርግ
  2. ሚኪኤል ሃይለ ተሓጋጋዚ መድብ ረዲዮ ኪኢላ ካመራን ዳታን
  3. ኣሮን ጳውሎስ ናይቲ ማሕበር ኣፈኛ
  4. ኣሰመሮም ተስፋይ ጉዳም ሓድሽ ደጋፊ
  5. ኤደን ደበሳይ ዕልልቲ መጣቂዒት
  6. ገብራይ
  7. ነጋሲ ባይሩ ሓድሽ ግሩዝ መጣቂዒ
  8. ዑመር ዙበይር ዝተባህለ እተን ኣለም ዘሞን ካልኦት ዝበልወን ብቋንቋ ዓረብ ንጥር ንጥር ኢሉ ከኣ ብትግረ ዝትርጉም…….ወዘተ

ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ ብክቡር ሰውራዊ ጸጋ ሽም ጀብሃ ብኽብሪ ብዲሞክራስያዊ ሕግታት ሃገር ሽወደን መሰሎም ተሓልዩ ብሉጽ ናብራ ዘሕልፉ ዘሎዉ፡ እቲ ብሽም ስዉኣት ሚሒሎም ዝተሰለፍሉ ዕላሞ ኪሒዶም፡ ሎሚ ንጊዚያዊ ብሕቲ ጥቅምን ንድሑር ትሕቲ ሃገራውነት ብወገን ተደሊሎም፡ ዘይነበርዎ ዘይወዓልዎ ቃልሲ ሃገራዊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ጅግንነታዊ ዕዉት ቃልሲ ነጻነትን ልዕላውነትን ዘልበሰ ብህግዲፍ ተጠሊሙን ተገቢቱን ዘሎ ልዕሊ ህግደፍ ህግዲደፋውያን ኮይኖም ነብሶም ዘቃልዑ ከኣ፤

  1. ብርኽቲ (     )ኣባል ብርጌድ 61 ዝነበረት
  2. ተስፋ (          ) ኣባል ሳግም ዝነበረ
  3. ሙሴ ከፈላ ኣላዪ ሓይልታት መሪሕ ቀጺሉ ኣልዪ ውጉኣት ሓርነት ዝነበረ
  4. ሚኪኤል ሃይለ እውን ኣባል ተሓኤ ዝነበረ …ወዘተ

ዝኸፍኤን ዘስደመምን ህዝቢ ዘሰንበደን እንተሎ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ተዋህዶ፤

  1. ቀሺ ዑቅባይ ኪዳነ
  2. ዛቁናዩ ኣማኒኤል … ወዘተ ክኾኑ ከለዉ

ናይ ወንገል ኣማኒ ጴንጠኮስት ፓስቶር ተባሂሉ ዝፍለጥ

  1. ዮሴፍ ዮውሃንስ
  2. ሰበይቱ ፍረወይኒ  ዝተባህለት…..ወዘተ 

ብዝተኻእለና ብእሩም ኣገባብ ጭቡጥ ድሕረ ባይታኦምን ቅድምን ኣብ የካቲን ዝበልዎ ንህዝቢ ክንሕብር`ና። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝገርምን ምናልባት ሓያሎ ኣባላት ሓይልታት መሪሕን ጽባሕን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዘሰንብድ ጀብሃ የዕብያ ዘምሃረቶ ሎሚ ናይ ህግዲፍ መውዓዪ ዳንከራን መሳርሒ ኮይኑ ዘሎ ኣልኣሚን ሓሰበላ ብዙሓት ጀብሃውያን ኣተሓሳሲቡናን ኣገሪሙን…  ኣሎ።
 
ክቡራት ተኻታተልትና ምእንቲ ድሓን ስእሊ ክህልወኩም ፖሊቲካዊ ቁርቁስ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሽወደን ከመይ ይመስል ነይሩን ኣሎን ሓጺር ሓበረታ ክንህበኩም…

ከተማ ዮተቦርግ ከባቢኣን ዳርጋ 2500 ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝቅመጡላ ከተማ ማለት ቀዳመይቲ ወደብ ናይ ሃገር ሽወደን እያ። ኣብ ፖሊቲካዊ ቁርቁስ ብቅሉዕ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ብዘይ ምግናን 3-5% ኣይኮኑን 95% ናይ ሱቅ መርገጽን ምስ ማዕበል ጊዚያዊ ጥቅምን ፍርሕን ውልቃዊ ደስታ ጓይላን ዝግረዙ ተበላጺ መርገጽ ዘሎዎም እዮም። ሎሚ ኣብዛ ሓዲስ በርገሳዊ ማሕበር ግና ልዕሊ 10% ብዝሒ ይቃራረብ ኣሎ። ኣብዛ ከተማ ክልተ ናይ ቦታዊ ራዲዮ ኣሎዋ። እታ ቀዳመቲ ብዲሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ.) እትካየድ ድምጺ ዲሞክራሲ ተባሂላ ቀዳም ቀዳም ብዓረብን ትግርኛን ካብ እትፍኑ እንሆ 21 ዓመት ኮይኑ። ካብ ሓድሽ ዓመት 2010 ከኣ ብኣባላት ሓድስ ሰልፊ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. እትካየድ ኮይና፡ ድምጺ ሓርነት ተባሂላ ክትቅጽል ትርከብ። እታ ካልኣይቲ ከኣ ከም ናትና ቀዳም ቀዳም ብኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ትፍኖ ኮይና ዳርጋ 15 ዓመት ዝዕድሜኣ፡ እርይ ጉድእ ኣቢላ በጀካ ዜናን ዘረባን ቋንቋ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ናይ ጎይትኦም ኢሳያስ ጸርፍን ቃላትን ጥራሕ ምድጋምን ምዝማርርን እተዘኮይኑ፡ ምንም ጦዑይ ለባም ሓቂ ሓዘል መሃሪ ምቅራብ ኣይተሰምዔትን። እቶም ኣብኣ ዘንቡቡ ከኣ ኣብ ቃልሲ ወይ ሰውራ ዘይነበሩን ዘይፈተኑን ናይ መልሓስ ብልሒ ዝውንኑ ትካየድ ረድዮ እያ።  
                                                                    
ንሎሚ እምበኣር ክልተ ሰባት ጥራሕ ከነቅርበልኩም ኢና…
ብመራሒ ናይዛ ረድዮ ክንጅምር ስሙ ኣለም ዘሞ ይብሃል፡ ደቂ መዛምርቱ ከም ዝብልዎ ኣብ ጊዜ ደርጊ ናይ ቀበሌ ኪነት ዝነብረ፡ ብ”ጸጋልኡል” ቅጽል ስም ባዕሎም ዝሰምይዎ ኮይኑ። ብኢደ-ወነኑ ዋላ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይመረጽዎ ባዕሉ መራሒ ብምኳን፡ ኣብ ኩሉ ኢድ ዘእቱ ዕሉል ኪኢላ መልሓስን ንሰብ ደፍኡ ኣብታ ባዕሉ ክብላ ዘይደልን ዘደፍርን ሰብ ደፊኡ ናይ ምጥሓልን ናብ ህጉም ምእታውን ረቂቅ ሜላ ዘሎዎ እዩ። ብሽም ህዝቢ ጎተቦርግ ኣብ እንኮ ጋዜጣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ እንኮ ተለቪዝዮን ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዙሕ ተዛሪቡ ኣውጠትዩን ዋጥዩን እዩ ሰነዳት ኣሎ።

መራሕ መደብ ረድዮ ካብ ዝኸውን እንሆ 15 ዓመታት ኮይኑ ብዘይ ሕፍረት ብዘይምሕሳብ ብመራሕቲ ህግዲፍ ሰኺሩ ኩለን ግዕዙያት ቃላት መደረታት ህግዲፍን ኩሉን ቃላት ናይ ዕቡድ መራሒኡ ኢሳያስ መዓልታዊ ብምድግጋም….. ሃሱሳት፡ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ዕሱባት ወያኔ፡ ልሙሳት፡ ሩኳናትን…ወዘተ እናበለ ን15 ዓመታት ጊዒሩ። ብወገና ንሕና ከምቲ ዕዋላ ኢሳያስን ንሱን ዝብልዎ ከምዘይኮናን፡ ብግብርና ሰነዳትናን እንፍለጥን፡ ኩሉ ቃልስና ከኣ ኣብ ሕቁፊ ህዝብናን ዓለም ስለ ዝኾነ ከይተሰከፍና፡ ናይ እንጽርጽሮት እዩ ናቱ ዘይኮነ ናይ ጎይታኡ ኢሳያስ ቃላት እዩ፡ ከም ፓፓጋሎ እዩ ዝደግሞ ዘሎ ብምባል ልቢ የዕቢና ብሸለልትነት ንሓልፎ ኔርና። ግና ኩሉ ጊዜ ሰለ ዘሎዎ እንሆ ጊዜኡ ኣኺሉ ወርሒ የካቲት 2010 ሸቶኣ ወቂዓ ነብሰ-ቅንጸላኡ ዘረጋግጽ ንምብላሉን ምክሻሑን ጸሓይ በሪቃ። ብዕለት 23 ጥሪ 2010 መራሕ መደብ ረድዮ ኣለም ዘሞ ዝተባህለ ከም ኣመሉ ንኩሎም ሰማዕቱ ከምዚ ይብል። "ኩሉኹም ስድራን ደቅኹምን ሒዝኩም ነቶም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባካ ፎልከት ሁስ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ተዳልዮም ዘሎዉ፡ ሃሱሳት፡ ከደዓት፡ ሸየጥቲ ዓዶም፡ንህዝቢ ኤርትራ ኣሕሊፎም ዝህቡ፡ ናይ ጊዜና ማሕበር ኣንድነት ዝኾኑ፡ ብዓይንኹም ክትርእይዎምን ክትስንዱን መስኣሊት ሒዝኩም ክትመጹ" ኢሉ ምምድግጋም ኣቃሊሑ…

ቀጺሉ ከኣ ሓንቲ ግጥሚ ብዙሕ ግዕዙይ ቃላትን ጸርፍን ዝሓዘት ግጥሚ ኣንቢቡ። ኣብ ቀጻሊ ብጽሑፍ ክንዝርግሓ ክንፍትን ኢና። 

ስለዚ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ንዓና ተቃለስቲ ንፍሕን ዲሞክራስን ህዝብን ሃገርን ኤርትራና  እንጠልብ ዘሎና ተቃለስቲ ምኻኑ ጭቡት መረጋጺ ስለ ዝረኸብና፡ ከምቲ ንሱ ዝበሎ ከም ዘይኮና ከነፍልጦ ዕጥቅና ደሪብና ኣሎና። ተዳሎ ከኣ ንብሎ።

ካልኣይቲ ብርኽቲ ዝተባህለት ኣብ ናይ ጅግና ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ብርጌድ 61 ተጋሊት ዝነበረት፡ መብርሂ ኣውንታውን ኣሉታውን ታሪኻ ኣብ ካልእይ ክፋል ምስ ስእላ ንህዝቢ ክነቅርብ ክንፍት ኢና። ንሎሚ ግና ክልተ ካብቲ ግዕዙይ ዘረባታታ ንምጥቃስ እንሆ…ኣብ ጊዜ ወራር ደርጊ ዝነበረሉ ጊዜ ኣሕመድ ናስር ኣብ ሃማርኩለን ጎተቦርግ ዝተባህለ መእከቢ ኣደራሽ ዝገበሮ ኣኼባ፡ እዛ ሰብ ምስ ሰባያ ተሳቲፋ፡ ከምዚ በለት "ንስኹም ንህዝቢ ትሓዱን ተቀትሉን ዝነብርኩም ሕጂ ወራር እናተካየደ ኣብዚ ትዛረቡ ኣሎኹም" ምስ በለት፡ ኣሕመድ "ንመጀመርታ ጊዜ ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ. ንህዝቢ ክሕብሮ ዝደሊ፡ ዋላ እኳ ህዝባዊ ግንባር ምስ ባዕዲ ተሻሪካ ትውቀዓና፡ ንድሕነት ሃገር ቀዳማይ ዕላማና ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ከቢድ ወራር ደርጊ ንህዝባዊ ግንባር ዓበይቲ ከበድቲ መሳርያን ጠያይትን ብምሃብ ጊዴና ኣወፊና" ኢልዋ ቀጺሉ ከኣ.. "ዋእ ብመጀመርታ ክንደይ እዩ ዕድሜኺ?? ኣበየናይ ጊዜ ትዛረቢ ኣሎኺ??? እሞ ንሽኪ'ኸ ምስቶም ተሓረድቲ ዲኺ ወይስ ምስቶም ሓረድቲ ነርኪ"…ኢሉ "ታሪኽ ስለ ዘይምሕር ኩሉ ኣብ ሕቁፊ ህዝብና ስለ ንጋደል ዝነበርናን ዘሎናን…ህዝቢ ስልጣን ተረኪቡ ስምረት እንተተረጋጊጹ ኣብ ህዝባዊ ፍርዱ የራኽበና" ኢሉ ዘረባኡ ደምደመ።ድሕሪኡ ዘሎ ተዓጢቃ ንሳን ሰብኣያን ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ተኸቢቦም ክዕንድሩ ይርከቡ።

ንዕለት 23 ጥሪ 2010 ከኣ ስልኪ ደዊላ "እዚኦ በዳናት ሽቃቅ ጨነውቲ ጉሓፋት.. መንግስትናን መራሒኡ ክፈልዩ ዝጋደሉ ዘሎዉ ፡ ሰብ ርእሱ እንተቆሪጽካዮ እንታይ ሂወት ኣለዎ፡ እዚኦም ከነጥፍኦም ክጠፍኡ ኣሎዎም ፎእ ንበሎም በዓለገታት ሸየጥቲ ሃገር"…ወዘተ ብምድግጋም ጨዲራ። ስለዚ ሚዛንን ፍርድን ንዓኻ ህዝቢ…ንገድፎ ብቀጻሊ ድሕረ ባይታ ታሪኻ ኣብ ቀጻሊ መደባትና ከከምኣድላዩነቱ ከንቅርቦ ክንፍትን ኢና…. ንሎሚ ኣብዚ ደው ንብል ኣሎና።      

ኣብ ካልኣይ ክፋል የራኽበና ብጽሞና ዝሰማዕኩምና ነመስግን።

ኣቅራቢ ጸሃየ ቀለታ፡
ኣንባቢ ባይረ ገብረወልዲ ሬዲዮ ድምጺ ሓርነት 
20-02-2010 ጎተቦርግ ሽወደን።

 

 

ኣለም ዞሞ ብህ.ግ.ደ.ፍ. ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ "ኣለኻልና" ምባል መረጋገጺ ክኾኖ ኣብ ናይ ሻባይት ዶት ኮም እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ መግለጺ ብ2.11.2010 ኣውጺኦምሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ።

Eritreans And Foreign Friends Eritrea Abroad Finalize Preparations For Staging World-Wide Demonstration

Asmara, 11 February 2010 -   Hundreds of thousands of Eritrean citizens living in different parts of the world and foreign friends of Eritrea have finalized preparations for the staging of the world-wide demonstration against the US sanctions resolution adopted in the name of the Security Council.

According to the respective preparatory committees in various parts of the world, the demonstration aim at annulling the resolution through echoing the voice of truth and justice.

The demonstrations would be conducted on February 22 in cities of Washington and San Francisco, USA, Geneva at the European level, and the City of Melbourne in Australia,

Ms. Jim’a Omar from London, who is one of the demonstration participants, said that Eritrean citizens and friends would denounce the illegal US sanctions resolution, and that the enemy conspiracy would reinforce Eritrean patriotism and unity. Similarly, Mr. Alem Zemo from Gothenburg, Sweden, expressed conviction that the demonstration would be successfully staged irrespective of the current cold weather in Europe.

The preparatory committees indicated that the participants of the respective demonstrations are engaged in collecting signatures for a memorandum that is scheduled to be presented to pertinent parties. Moreover, they would call on all peace and justice-loving forces around the globe to voice strong opposition to the unjust sanctions resolution.

It is to be noted that Eritreans residing in different parts of the world have voiced conviction that the illegal resolution would be resolutely rebuffed through the united struggle of the Eritrean people and their leadership.
 


                                                             


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...