ካልኣይ ክፋል።

መሰረታዊ መፍለይ ህዝባዊ ሓይልታት ጭብጢን መንነት ናይቲ ኣተግባሪ ዲክታቶር ኢዩ።  ንተዘክሮና መታን ውዕውዕ ትገብር  ናይ ሓንቲ መዓልቲ ምስሉን ምስሊ ቲቪ.ኤረን (ዕለት 31.12.2009) ከም መወከሲት ገለ ጽሑፋት ተኻታቲለ ድሕሪ ምውህላል፣ እዛ ዕለት እዚኣ ከምተን ዝሓለፋ ናይ 43 ዓመታት፣ ናታ ትሕዝቶ ቁንጭል ኣቢለ ኢየ ከቅርብ ዝመረጽኩ። ቀንዲ መቐጸልታ ናይተን ዝመጻ ተኻታተልቲ ትሕዝቶይ ግን ነቲ መፍለይ ህዝባዊ ሓይልታት ዝሃበቶ ፈላሚ መግለጺኣ "ንሕናን ዕላማናን“  ኢየ ከተኩር። እዚ እውን ጉዳይና ንምብራህ ዝሓለነ ስለ ዝኾነ።
 
ንጉዳይና መታን ኣቓልቦ ክንግብረሉ ከም ሓዳስ ዓመተ 2010 ትህቦ ምልክት ብቐረባ ንምስትብሃል ቆላሕታይ ኣብ ድሮ ዕለት 31.12.2009 ኢየ ሃሰስ ክብል ውዒለን ኣምስየን ሓዲረን። ገለ ካብቲ ሃሰስ መበሊ ወፈራ፣ ምስ ምኩራትን ጀመርቲን መጋድልተይን፣ ካብ ኤርትራ ዝፍኖ ቲቪ-ኤረን፣ ከምኡውን ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝፍጸም ሕጽር ዝበለ ፍጻሜታት ኢየ ቐናጢበ ከቕርብ ፈቲነ። ዛጊድ ኣብቲ ምስ መጋድልተይን ገለ ኣጋይሽን ዝተኻየደ ከቐድሞ ድልየት ይንበረኒ እንበር፣ ምስቲ ኣብ ፈነዋ ቲቪ.-አረ ከዛምዶ ኢየ መሪጸ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝተፈጸመ ከም ካልኣይ ክሰርዖ መረጽኩ። እቶም ተዋሳእቲ ነቲ ዝተፈጸመ ጠንቂ ህዝባዊ ምትላል ስለ ዝለመድዎ፣ ኣብዛ ካብ ድሮ ክሳብ ወጋሕታ ትበዓል እንታይ ተዋስኦ የርእዩና ዝብል መገናዘቢ መድረኽ ንምግለጽ ዝመችአት ኮይና ኢየ ረኺበያ።
 
እቲ ንቅርጺ ኤርትራ ብዘይ ባይቶን ሕግን ወይ ብዘይድልየት ምውካስ ህዝብን ዘይተፈጸመ ታሪኻዊ ምምሕዳራት ኤርትራ ዝጎዛዘየ ግዕዙይን ኢደ-ዋኒናውን ተግባር ዝእንፈት፣ ህዝቢ ግን ነቲ በደል ፈሊጥዎን ፈንፊንዎን ከብቅዕ፣ ነብሰ-ምትእምማን ኣጥፊኡ፣ ነቲ ሰፍ ዘይብል ከቢድ ናይ ባርነት ቅርጺ ህላዌኡ፣ ብልኡምን ውሽጣዊ ተቓውሞን ምቕባሉ ኣዝዩ ኢዩ ዘተሓሳስብ። ሓደ ምስ ኣዝዩ ካብ ምምሕዳር ህግደፍ ዝሓየለ መንግስቲ ዝገጥም ዘሎ፣ ነታ ኣብ ዓለም  ሓያል ዘለዋ ጽልዋኣን ቅልጽማን ሰፍ ዘይብል መንግስቲ እስራኤል ንምቅዋም፣ ብዳርባን በእምንን ዝገጥሙ ፍልስጠኤማውያን ክትዕዘብ ከለኻ፣ ብኣንጻሩ ምጽቃጥናን ጭቆናና ዝዓበየ ክንሱ፣ ንሕና ድማ ብተዛማዲ ንኹሉ ሕሰም ተጻዊርና ምኻድና ኣዚኻ ትሓዝን። ሓዘንን ኣስናን ምሕርቃምን፣ ዘይጽወር ተጻዊርካ ምኻድን መፍትሒ ዘይኮነስ፣ ንፍታሕ ዝመርሕ መሪሕ ክትፈጥረሉ ኣብ ዘይትኽእል ባይታ ከም ትወድቕ ኮይኑ ይስመዓካ። እቲ ደጋፍን ተቓዋምን ክልቲኡ ከም ዝተፈላለየ ደንበ ሓባራዊ መግለጺ ይሃልዎ ግን ካብ ሽግሩ ምፍታሕ ተነጻጺሉ ምህላዉ ዘይክሓድ ሓቂ ኢዩ። ገና ገለ ገለ ብልጭ ድርግም ዝብሉ መደናገርትን ስጉምቶምን ንምእላይ ዝካየድ ፋሕተርተ ክሕይልን ክበራተዕን፣ ዓመት 2010 ከተበርክት ትምኒት ኩላህና ኢዩ።
 
ትዕዝብቲ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ፈነወ ኣስመራ።
 
ኣርባዕተ ኣባላት ቲቪ.ኤረ ኢየን ነቲ ፈነወ ዝመርሖ ነይረን። ናይ ሓዳሽ ዓመት ሪችት ምስ ተተኮሰ ዘርኢ ስእሊ ምስ ተመሓላለፈ፣ እተን ወይዘራዝር ናብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ገጸን የምርሓ። ከዲጃ ትበሃል ውዕይትን ግን ገርህን ግሉጽ ሕቶን ካብኣ ዝቦቐለን ግን ብኻልእ ዘይተጸልወን ርእይቶኣ ተቕርብ መንእሰይ፣ መጉልሕ ድምጻ ዓቲራ ምስ ኢሰያስ እንተ ብመደብ እንተ ሃንደበት ጎፍ ንጎፍ ትራኸብ። ድሕሪ ናይ ዮሃናን ጽቡቕ ዓመት ይግበረልካ ዝብል መግለጺ ሕቶታታ ከምዚ ዝስዕብ ገይራ ተቕርበሉ።
 
ናይ ኢሳያስ ቃለ መሕትት፤

ሓታቲት፣ ናይ ዝሓለፈት 2009 ገምጋማካዶ ምሃብካና?
ኢሰያስ፣ ንዓይ እታ ዓመት ብምልእታ ኢያ ጠፊኣትኒ። ሞሊቓ ኢያ ጠፊእትኒ።
 
ርእይቶይ።
ንገታር መልሲ ኢሰያስ ኣብ ስእሊ ንዝተዓዘቦ ዘስደምም ኢዩ። እንተ መግለጺኡ እታ ዓመተ 2009 ሞሊቓ ምጥፍኣ ንሱ ዘይዓገበላን ሃርጋፍ ጠባዩ ዘይረወየሉን ካብኡ ንላዕሊ ከብርሃ ዝኽእል ሰብ ክህሉ ኣይክእልን። ግን ንሱ ዘይፈለጦ፣ ንሕና ግን ካብ ዝተሰለፈሉ እዋን ሓዊስካ ማለት ካብ መስከርም 1966 ጀሚርና ልዕሊ 43 ዓመታት ጠፊኤናና ከም ዘለዋ  ክግንዘበልና ኣይንጽበን።
 
ካልኣይቲ ሕቶ እታ መንእሰይ ከድጃ።
ሓታቲት፣ ብኣሰራርሓ ዘይዓገብካ’ዶ ክኸውን ይኽእል?
ኢሰያስ፣ ኣነ ብወገነይ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኢየ ዝሰርሕ።
 
ርእይቶይ፣
 
እቲ ፍጹም መለኮታዊ ባዕሉ ፕረዚደንት ዝሸመ ውልቀ-መላኺ፣ ነታ ኣቐድም ኣቢለ ዝገልጽክዋ ነብሱ ከም ስላሴ፣ ሓደን ሰለስተን ገይሩ ምግላጹ ኢዩ። ንኣጋላልጻይ መረጋገጺ ኣቕሪቡ እሞ የቐንየለይ እብሎ። ሓንቲ መዓልቲ 24 ሰዓታት ኣለዋ። ኢሰያስ ግን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ 72 ሰዓታት ከም ዝሰርሕ ኢዩ ገሊጹልና። ከምቲ ኣብ ኣለናኪ ዝብል ቶኽታኺ ናይ ኢንተርነት ወካሊኡ ምስ ስእሉ፣ HIS EXCELLENCY, THE LION OF NAKFA ትብል ኣብታ ዝቐነየት ቀዳመይቲ ገጽ ዝፈነውዋ ምስታ HIS EXCELLENCY THE LIION OF JUDEA ትብል ናይ ሃይለ ስላሰ ፍልልያ ክትረኽቡ ፈትኑ። ኢሰያስ ናብ ንግስነት ገጹ ዘመጣጥር ስእሊ ኢዮም ኣቕሪቦም።(insert picture here)
 
ሓታቲት፣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንመን ዮሃና ክትብል ትመርጽ?
ኢሰያስ፣ ንኤርትራ ጓለይ።
 
ርእይቶይ፣ (ናይ ልዑል መኮንን ቤት ትምህርቲ ስእሊ) ወይ ከኣ መንእሰይ ኣኢሳያስ ስእሊ )
ኢሰያስ ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና (SCHOOL LEAVING EXAM) ናብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ዓመት (freshman) ምእታዉን፣ ናብ ካልኣይ ዓመት ዘየእቱ ኩነታት ምስ ኣጋጠሞ ናብ ከሰላ ናብ ተሓአ ክጽንበር መሪጹ። ብትምህርታዊ ደረጃ ዝበጽሖን ዘዋህለሎን ማለት ካብ ትምህርታዊ ናብ ንዋታዊ ዝላ (ብውዕለት ናብ ደሞዝን ብረሃጽካ ምንባርን ከይተመኮረ) ከይገበረን፣ ከም ሰብ ዝኾነ ይኹን ናይ ስራሕ ተሳትፎ ከየርኣየን ናይ ስድራን ቤተ-ሰባዊ ሓላፍነት ከይተሰከመን ኢዩ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከይዱ። እዚ ዝኾነ ይኹን ሓልፍነትን ሓልዮትን ኣርእዩ ዘይፈልጥ ሰብ፣ ኣብ ሜዳ እውን ኩዒቱን ፋሕቲሩን ኣባል ቕያዳ ኣልዓማ ካብቶም 38 ኣባላት ሓደ ክኸውን ኣብ ሓጺር እዋን ምኽእሉን፣ ፈትፊቱ ክድይብ ክኢሉ። ኩሉ ኤርትራዊ ፍጡር ንሃገሩ ከም ኣዲኡ ኢዩ ዝገልጻ። ንሱ ግን መጀመርያ ክውንና ስለ ዝወጸ ከም ውላዱ ንኤርትራ ገይሩ ኢዩ ዝገልጻ። ኤርትራ ናይ ብሕቱ ኢያ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘለዉ ገላውኡ ድማ ነቲ ቃድራታትን ቦዱን መሬታ ሓሪሶም ንማሕፉዱኡ ኢዮም ከኻዕብቱ ዘለዎም ዝብል ስስዑ ክኽተል ከም ዝጸንሓን፣ ብድሕሪ ሕጂ እውን ዕላምኡ ከምኣ ከም ዝኾነ ኢዩ ኣብሪሁ። እንተ እቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕልሙ፣ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ቀጺሉ እውን ኣብ ዓለም እንኮ መራሒ ክኸውን ምድላዩ ድሕሪ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ማዕቀብ፣ ዓለም ትተፍኦ ከም ዘላ ካብ ቃላቱ ኣይሰማዕ እንበር፣ ምብህራሩ ርኡይ ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ፍሊጶስ ቃለ መሕትት፤http://www.deqebat.com/SEITE2.HTM

 (insert picture of Filipos) and Asmara
ቀጺለ ናይ ፈውዝያ ሃሽምን ናይ ኣደ ኩለን ነስነስቲ ዕንባባ፣ ኣስካሉ መንቆርዮስ፣ ዓጀውጀም ንጎድኒ ገዲፈ፣ ናብ ናይ ፍሊጶስ ቃለ መሕትት ከድህብ እመርጽ። እዚ ሓቂ ገዲፍካ ዝግበር ሽፋን፣ ብወገነይ ርእሱን ዝኸኣለ ጓዕጻጽ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ሸፊነን ሸፋፊነን ከመሓላልፍ ኣይመርጽን። ሎሚ ነቲ ዘፍርሓና ኣርእስታት ተኣፈፍቲ ይኹኒ እንበር ከነቕርቦም ንግደድ። ኣውራጃዊ ሕማም ብመንግስቲ ኢዩ ናብ ህዝቢ ዝላባዕ ዘሎ። ይምረር ሓቂ ከም ስእሊ ኩላህና ክንሪኣን ክንዕዘባን ንውዓል እንበር፣ እንተ ብፍርሒ እንተ ብስክፍታ ክንገልጻ ኣይንደልን። ትውጻእ፤ ኣነ ከግህዳን ኣብ መድረኽ ክኸፍታን እመርጽ።
 
ኢሰያስን ፍሊጶስን ሓንቲ ኢያ ጸሎቶም። ማእከልነት ሃገር ከም መራሕቲ ኣብ ሓንቲ ጽላል ኣራጢጦም ኣለዉ። ኣብ ዞባ ማእከል ማለተይ ኢየ። መደበር ስልጣኖም ዞባ ማእከል ኢያ። ፍሊጶስ ንማዓርጉ ስለ ዝመረጻ፣ ቀንዲ መጸውዒቱ ገዲፉ ነታ ዞባ ማእከል ትብል ርዒሙላ ኣሎ። እታ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ሓማሴን ትብል ቃል ፈጺማ ኣብ ጠረጴዛ ኢሳያስ ዝተበገሰት ዝመረጻ ኣይመለንን። ግን ዝብኢ ነታ ዝጥምታ ዓጽምን ስጋን እንበር ነታ ትቐርብ በትሪ ስለ ዘየማዕዱ፣ ንሱ እውን ንታሪኹ ክትድምስስ ተገዲዱ። ኣብታ ዞባ ማእከል ኢዩ ተማእኪሉ። ኣብ ናቱ ቃለ መሕተት ንመንእሰያት ከም ሃዋርያት ገይሩ ገሊጽዎም። ብኻልእ ድማ ነቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሽግራት ክገልጽ ከሎ፣ ኣብ ግንባራት ሰፊሮም ክምርዓዉ፣ ክንእሱ ዘይምኽኣሎም ከም ዝሕዝኖን ግን ኣብ እዛ ትኣቱ ዘላ ዓመት 2010 ኩሉ ከም ዝቃለልን ብልጽግና ሃገርን ህዝብን ዝረጋገጸሉን ዝሰምረሉን ውጥን ተነጺፉ ከም ዘሎ ከበስሮም ፈቲኑ።
 
ኣየ ፍሊጶስ፣ ንስኻን ኣያኻን ጸሎትኩም ሓደ ስለ ዝኾነ ኩሉ እንዶ ግዳ ተማሊኡልኩም ምሸት ምሸት ኣብ ክንዲ መንእሰያት ትንእሱን ትመርዓውን ኣለኹም። ንሶም ደኣ ካብ ጉድጓድ ወኻርያ መን ውጹ ኢልዎም ክምርዓዉን ክንእሱን? ንስኹም ከይተኣለኹም ንእስነት የለ መርዓ የለ። ናይ ቲቪ ኤረ ኣብዚ ዓጀውጀው የብቅዕ።
 
ካብቶም ምሳይ ኣብ ዕለት 31.12.2009 ዘዕልሉ ዝነበሩ ኢየ ጸብጺበ ከም ቃሎም ዘቕርብ። ውድቀት ሃገርናን እዞም ጉጅለ ህግደፍ ዘስዓብዎ ማሕበራዊ ዕንወት ዝገልጻ ካብ ብርክት ዝበላ ክልተ ፍጻሜታት እነዋለ።

ሓደ ኣብነት፤
ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ መንእሰይ ስድርኡ መታን ሓድጊ ከይተከአ ክመውትን፣ ወይ ናብ ስግር-ዶብ ኣምሪሑ ክጠፍኦም ከም ዝኽእል፣ ኣብ ግምት ዘእተዉ ስድራ ለሚኖም ለማሚኖም ካብታ ኣሃድኡ ንዕረፍቲ ከም ዝመጾም ይገብሩ። ኣዳልዮሞ ዝጸንሑ ናቱን ናይ ዛጊድ ዝፈልጥዋ ዓርኩ ዝነበረት፣ መርዓ ብፍቓዱን ብፍቓዳን ክልትኤን ስድራ ቤታት ብሓባርን ብቕጽበትን የመርዕውዎም። ድሕሪ መርዓ ሕጽኖት ተወዲኡ እቲ መርዓዊ ናብ ኣሃድኡ ይምለስ። እታ መርዓት ትጠንስ። ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ እውን ተወልድ። እቲ መርዓዊ ፈጺሙ ኣይቅልቅልን። ብተደጋጋሚ ኩነታት ሕርሳን ጥንሳን እውን ይግለጸሉ። ፍቓድ ክረክብ እውን ኣይከኣለን። ሰለስተ ዓመት ናብ ስድርኡ ክበጽሕ ወይ ናብ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ዘምጽእ ዕድል ስለ ዘይረኸበ፣ እቲ ሽግር ኣብ መንጎ እተን ስድራ-ቤታት ይባራዕ። ስድራ ጓል ይርበጹ። ንስድራኣ ክትበጽሖም ከላ ኩሉ ከም ዝሓርበታን፣ ናይ ባዕላ ህይወት ክትመርሕ ዘይምኽኣላ ኣምሪራ ንወለዳ ትሕብር። ከም ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ከም መደብ እታ መርዓት፣ ግዜኣ ብከንቱ ካብ ምጥፋእ ክትመሃር ምምዳባ ንእንዳ ሓሙኣ ትገልጸሎም። ስድራ ወዲ ግን ቆልዓ ከተዕቢ ከም ዘለዋ ኣሚቶም ከይትመሃር ይኽልክሉ። ፍትሕ ብስድራ እታ መርዓት ይጥለቡን ጓሎም ይእክቡን። ኣብዚ ተሓታቲ ፍሊጶስን መራሕቲ ሰራዊትን ከም ዝኾኑ ከም ክትዕ እውን ኣብ መንጎና ይቐርብ። ግን ዝኸፍአት ድማ እታ ካልኣይቲ ናይ መንእሰያት ሽግር ትቐርብ።
 
ካልኣይ ኣብነት፤
ከምቶም ክልተ መንእሰያት መጻምዲ ካልኦት ክልተ ድማ ናይ ዝተመርዓዉ ዝኸፍአት ትቐርብ። እቲ መስርሕ ተመሳሳሊ ኢዩ። እታ ካልኣይቲ ግን ብዝያዳ ዝኸፍአት ዝገብራ ኣብቶም ስድራ-ቤታት ዝወርድ ጸግምን ሽግርን ኢዩ። ኣብታ ላዕለወይቲ ናብ እንዳ ወድን እንዳ ጓልን ዝቐርብ ናይ ሓባር ጸገም ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ካልኣይቲ ግን ፍልይ ዝበለት ኢያ። እታ መርዓት ትሓርስ፣ ንሰለስት ዓመት ድማ ትጽበ፣ መርዓዊ ግን ኣይቅልቀልን። ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ዝተመርዓወት መንእሰይ በዓል ቤታ ኣብ ከርሲ ሃገር ኣብ ግንባር ኣሎ እንዳ ተባህለ ከምታ ሓንቲ ንሰለስት ዓመት ትጽበ። መርዓዊ ኣይቅልቀልን ጥራይ ዝይኮነስ፣ ካብ ጽሑፍ ሓሊፉ ካልእ ዘቕርቦ ቀረብን ደሞዝን ንመነባብሪኣ ዝኣክል እውን የለን። ኣብ መጀመርያ ዓመት ቆልዓ ትገላገል። ድሕሪ ሕርሲ እውን ልዕሊ ክልተ ዓመት ትጽበ። መርዓዊ እውን ናይ ውላዱ ሓላፍነት ክስከም ይትረፍ ክርኢ እውን ኣይመጽእን። ኣብ ሳልሳይ ዓመት እታ መርዓት ሃንደበት ትጠንስ። ስድራ-ቤታት ብዙሕ ይርበጹ። ተደጋጋሚ ሕቶታት ይቐርብ። ወልዲ መርዓት ብሕቡእ ዶኾን መጺኡ ነይሩ ይብሉ። እንዳ ወዲ እውን ነቲ ብዘይ መርዓዊ ዝተፈጸመ ጥንሲ ናብ ብዙሕ ሞራላውን ካልእ ሕቶታትን ዘስዕበሎም ጸገም ይሽመሙ። ብዘለዎም ዓቕሚ ንመርዓዊ ከም ዝግለጸሉ ይግበር። መርዓዊ እውን ብድሕሪኡ ከም ዝጠነሰት ምስ ተገልጸሉ ኣሃድኡ ንሓደ ሰሙን ንኣስመራ ክኸይድ ተፍቀደሉ። ካብ ሰራዊት ክይፍለን ናብ ስድርኡ በዓልቲ ቤት ክኸይድ ንሰለስተ ዓመት ዘይተፈቕደሉ ኣባል ኣገልግልት መርዓቱ ብጽሕቲ ወርሒ ኮይና ምስ ረኸባ ናብ ጓህሪ ተለወጠ። ኩሎም እቶም ኣባላት ስድራ ድማ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፍኦም። ምዕሩይን ስሩዕን ባህርን ጠባይን ሰበይቲ ወዶም ብቐረባ ስለ ዝፈልጥዎ ናይ ምጥናሳ ጉዳይ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑዎም ኢዩ ጸኒሑ። ዝገደደ ድማ ሓቲቶማ ብምንባሮም፣ ግን ካብ ትጠንስ ንዝቐርበላ ሕቶታት ናይ ሖሞኣን ሓማታን ካብ ምምላስ ተሓሲማ፣ ኣነ ጠኒሰ ኣለኹ ዝመስለኩም ኣድላይ ስጉምቲ ውሰዱ፣ ኣነ ብወገነይ ንሕቶታትኩም ክምልስ ድልውቲ ኣይኮንኩን፣ ኣይትሕተቱኒ፣ ዝኣኽለኒ ተጸብየ፣ ንሱ ኣብ ጉድጓድ ምክልኻል፣ ኣነ ድማ ኣብ ሓጹር እዛ ገዛ ብኸንቱ ብትጽቢትን ትርጉም ብዘይብሉ መጻእን እጸበ ኣለኹ። ጥንሰይ ሳዕቤን እንበር፣ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ካልእ ኢዩ፣ ክትብል ትምልሰሎም ነበረት። ሕጂ ግን በዓል ቤታ በይና ገይሩ ክሓታ መጸ። ሕቶታቱ ደርዲሩ መን ከም ዘጥነሳ ክፈልጥ ፈተነ። እቲ ስድራ-ቤት ዘይተጸበይዎ ኮይኑ ዘይምንጋራ ድማ ኣብ ጥዕና ወለዱ ኮነ ምስ ስድርኣ ተተኺሉ ዘሎ ከቢድ ጽልኢ ሓበራ። ሰብኣይ ጓልና ብሕቡእ ናብ ስድርኡ ምምጽኡ ዘይምሕባሮምን፣ ኣብ ልዕሊ ጓሎም ዘሎ ንዕቀትን ገሚቶም ሻሕካር ዝምድና ከም ዝቦቐለ ገለጸ። ግን እቲ መጥነሲ መን ኢዩ? ናይ ጉድ ጉድ፣ ንሰማዒ ዘስደምም፣ ጠንቂ ናይቲ ጥንሲ እታ ሃገር ኮይና ጸንሐት። ኣጥናሲ ድማ ምንኣሱ ሓዉ ንመርዓዊ ኢዩ። እዞም ንቡር መርዓ እንበር ንቡር ሓዳር ክገብሩ ዘይተፈቕደሎም መንእሰያት፣ ከም ክልተ መጻምዲ እንተ ብእቶት እንተ ብማሕበራዊ መልክዕ ናይ ብሕቶም ቤት ክገብሩ ይትረፍስ፣ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላል ዘየዕልሉ፣ ብዝተፈጥረ ናይ ዶብ ግጭት ንዘልኣለም ተፋላልዮም ክነብሩ ዝተገብረ እኩይ ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ማእለማ ኢዩ ነጻጺልዎም።
 
ፍተዉ ጽልኡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ሓቂ ኢዩ። ክልተ መንእሰያት ብሓባር ክነብሩ ዘየፍቅድ ዝተመጠ ግዜ ኣብ ሓንጎል መንእሰያት ዘስዕቦ ጠንቂ ብሩህ ኢዩ። ማሕበራዊ ጽፈትን ባህርን ካብ ንቡር ብምጽኡ መለለይ ማሕበራዊ ዝኾነ ባህልናን ልምድናን ክድምሰስ ዝተገብረ ኢዩ። ሎሚ እቶም ኩሎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ መንእሰያትና ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ሰብና ዘስዓቦ ጠንቂ ኢዩ መበገሲኦም። ካብ ሃገሮም፣ ካብ ህዝቦም፣ ካብ ወለዶም ዝጽበይዎ ኩሉ መጸበይታ ዘይብሉ ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፣ ናብታ ዘይፈልጥዎ ናይ ስደት ዓለም የምርሑ ኣለዉ። እታ ቀንዲ ሕመረት ሕብረተ-ሰብ ዝኾነት ስድራ-ቤት ስለ ዝፈረሰት፣ ሃገር ብተዛማዲ እውን ህላዌኣ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ተንጠልጢላ ትርከብ። እዚ ሕጂ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ካብዚ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ውልቀ-መራሒ መንነቱ ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ገና መቀጸልታ ናቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደን ተንኮሉ እናዓሞቐን ይኸይድ ከም ዘሎ፣ ከም ኣብነት ንምቕራብ ኢዩ።

ታሪኽ ስድራ ቤት ብግዜ ናይ ወጻኢ መግዛእቲ፤
 
ኤርትራዊት ስድራ ቤት ብመግዛእቲ ክትነጻጸል ሓዲሽ ተርእዮ እውን ኣይኮነን። ኣብ መግዛእቲ ጥልያን እውን መንእሰያት ተዓስኪሮም ንሶማልያን ንልብያን ይውሰዱ ነይሮም። ትጽቢት እውን ዝተመጠን ዝተናወሐን ነይሩ። ግን እተን ኣብ ዓዲ ዝተረፋ ስድራታት ካብ መንግስቲ ሞሶሊኒ ናይ መነባብሮ ዱጎማን ዓስብን ይወሃበን ነይሩ። ናይ ሽዑ ስክፍታ ነቲ ዝወሃብ ዝነብረ ደሞዝን ስንቅን ካብ ናይ ሎሚ ዝበለጸን ዝትዓጻጸፈን ስለ ዝነበረ፣ ገለ መረባዕ ከስርሓ ከለዋ ገለ ድማ መሓዛይ መሓዛይ ዝብል ናይ ነንሕድሕደን ምትዕድዳም ንዝረኸብኦ ይዘርውኦ ምንባረን ዝገልጽ ገለ ደርፍታት ምንባሩ ዓበይቲ ይገልጹልና ነይሮም። እቶም ናብ ስድርኦም ብኣጋ ክምለሱ ዘይከኣሉ (ካብ ሊብያን ሶማልያን) ከምዚ ዝበለ ደርፊ ይደርፉ ነበሩ ይበሃል።

“ቫልያ ሰዲደልኪ ኣለኹየ
ኣንቢርክዮዶ ሰትኺዮ ሻሂየ።”

ናይ ሽዑስ ካብ ሊብያን ካብ ሶማልያን ዘሎ ርሕቀት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ግን ካብ ዶብ ንውሽጢ ሃገር። መን ይኸፍእ? ባዕዳዊ ሞሶሊኒዶ ወይ ኢሰያስ? እስከ ፍረዱ። 
   
ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽክዎ መበገሲ ኣርእስተይ ጉዳይና ካበይ ናበይ ዝብል ኮይኑ፣ ብፍላይ ከም ህዝቢ ነቲ ሃገርና እንተ ንረብሓና ወይ ጸረ ረብሓና ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ፣ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስና ከም ጫለዳ ንጎድኒ በሲዑ ዝተፈልየ፣ ግን ገና ኣብ ስልጣን ኩጢጥ ዝደየበ ውልቀ-ሰብን ጉጅለን ዘስዓበልና ሳዕቤን ንምግምጋም ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...