ርእሰ ምትላል!

ምጽልማት ሓርነትን ምግሃስ ፍትሕን

ዘስዓበ ቀንዲ ጠንቂ ሃገራዊ መዓት ኤርትራ ኢዩ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

ሓምለ 22፡ 2017

********

``ኣንጻር  ሓድሕዳ  ዝተመቓቐለት  ቤት ደው  ክትብል  ኣይትኽእልን ኢያ።``  ፕረሲደንት ኣብርሃም ሊንኮልን

እታ  ``ምእንቲ ናይ ጽባሕ ራህዋ ሎሚ ድኸም፡ ጥመ`` እትብል ነእምሮ ህዝቢ ዘደንዘዘት፡ ነእዛኑ ዝለዀዀት: ብዘይካ  ጸልማትን ጥፍኣትን  ካልእ  ትርጉም  ዘይብላ፡ ንምትላል ህዝቢ ዝተማህዘት ባዶ ጭርሖ  ፋሺስታዊ  ውልቀመላኺ፡ እነሃ ንሎሚ ከም ትማሊ ካብ ተጸልምት ካልኣይ ርብዒ ዘመና ረጊጻ።  ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ህሞት ከም ለይትን መዓልትን ብቐጻሊ ለውጢ ዝስነ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ወሳኒ ሕቶ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኪመጽእ ድዩ ዘይኮነ እንታይ ዓይነት ለውጢ  ኪመጽእ ኮን ይኸውን  ኢዩ። ታሪኽ ከም ዘነጽሮ፡ ጨቈንቲ ስርዓታት እንተስ ብድፍኢት ሓይሊ ህዝቢ  እንተስ ብውሽጦም መሽሚሾም: ህላዌኦም ከም ዘኸትም ርጉጽ`ዩ። ካብ ርእሱ ጀሚሩ መሽሚሹ ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀምልኪ ዕጫ ቀዳሞት ፋሺስታውያን ስርዓታት ከም ዘጋጥሞ መጐታዊ ግድነት`ዩ።  እቲ ጽባሕ ኪመጽእ ዝኽእል ለውጢ ኸኣ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ወይ ድስካለ ከም ዝውስኖ ዘማጕት ኣይኮነን። ናይ ኤርትራ እዋናዊ ኩነታት እንተ ተዓዚብና፡ ቅርጺ ጽባሕ ዝሕብር ትስፉውን ኣዕጋቢን ምንቅስቓስ ይረአ ዘይምህላው ኢዩ። ስለምንታይ? ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ደጋጊመ ዝጸሓፍኩሉ ጉዳይ እኳ እንተ ኾነ፡ ሕጂ`ውን  እንደገና  ምጥቃሱ ገና ፍታሕ ዘይተረኸበሉ  ዕዙዝ ኩነታት ሃገር ዘገድዶ ኢዩ።

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ`ቲ ጥልመት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ፡ ብተወሳኺ ንባዕልና እውን ኣብ   ``ርእሰ ምትላል (self deception)  እንነብር ዘለና ህዝቢ ኴንና እርድኣኒ። ትርጉም ርእሰ ምትላል ከም ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ ቃላት ኣገላልጻ፡ - ``ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምሕሳው ወይ ብጭብጢ ሓቂ ንዘይኮነ ነገር ንርእስኻ ከተእምን ናይ ምግባር ተግባር ኢዩ።``  እምበኣር ርእሰ ምትላልና ኣብዚ መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ መዓት ዓቢ እጃም ከም ዘሎዎ ክንክሕዶ ዝከኣል ኣይመስለንን።

     እቲ ብተቓዋሚ ደምበ ዝፍለጥ ኣንጻር ውልቀምልካዊ መግዛእቲ፡ ብተጻራሪ ቃልን ግብርን ዝጐዓዝ፣ ብሕማም ህርፋን ስልጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተለኽፈ፣ብኣዚዩ ጫሌዳዊ ፍልልያት ምጕዝዛይን(fragmentation) ብምስሉይነትን ዝተጠቕዐ፣ብሓድሕዳዊ ስም ምጽልላምን (character assassination) ኣሉታዊ ምትሕምማይን ዝተደዋወነ፣ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ተበታቲኑ ዝነብር፡ ንርብዒ ዘመን ናይ ሃገር መዓት ካብ ክፉእ ናብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ኪቕየር እናረኣየ በቲ ዝዓበየ ገበን ናይ ``እንታይ ገዲሱኒ`` ትም ኢሉ ዝርኢ ዘሎ ኤርትራዊ  ዜጋ ኢዩ። ነቲ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ  መዓልታዊ ስቓይ ህዝቢ - ከም ስእነት ማይን መብራህትን፣ ዘየዐንግል መቝነን ንምርካብ ብቝርን ኣሰሓይታን ኣብ መስርዕ ምሕዳር፣  ብምኽንያት ጥምየት ብኽያት ቈልዑን ዝስንከት ዝሰኣነትሎም ንብዓት ወላዲትን፣ ስቓይ ወተሃደራዊ ባርነትን፡ ጸልማት ስእነት ትምህርትን፡ ማእሰርትን ሞትን፡ ቀጻሊ ጥፍኣት ምድረ በዳን ማእከላይ  ባሕርን  መንእሰያትን ቈልዑን ኣዴታትን፡ ንሓጺር ጊዜ ``ኣዪ. . . . .እ``  ድሕሪ ምባል ወይ ሽምዓታት ብምውላዕ፡ ንዝጽበዮ ኣድማዒ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ዕቱብ ግምት ከይሃበ ናብ ንቡር ናይ ሰላም ናብራኡ ዝምለስ ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ሕድሪ ስዉኣት ዝተቐበልና ህሉዋት ንሕና እንረብሓሉ ፍረ መስዋእቲ ናጽነት፡ ዘለዓለማዊ ትኩር ሓለዋ ዝሓትት ሓርነት ኣብ ክንዲ ነብርሃሉ፡ ኪጽልምት ራሕሪናዮ፤ ካብዚ ደልሃመት እንታይ ገዲሱኒ እንተ ዘይተባራቢርና ኸኣ መጻኢ ወለዶ ብሕማቕ ኪዝክረና ኪነብር`ዩ። --``ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ ``  ከይኮነና ሕልናና ነበራብር፣ ንህዝብና ተስፋ ወጋሕታ  ዘስንቕ ሓድነት ንትከል።

      ኤርትራ ኣብቲ ውሑድ ህዝባ ካብ 50ታት ጀሚራ ኣዚዮም ብዙሓት ምሁራት ደቂ ዘፍረየት ሃገር ኢያ። እንተ ኾነ ግን፡  ህዝቢ ኤርትራ ካብ  ጸልማት ባርነት ናብ ብርሃን ሓርነት ዘእትዉ፣ካብ ድኽነት ናብ ራህዋ ዘሳግሩ፣ዋልታ ግዝኣተ ሕጊ ኮይኖም ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ጭቆና ብትብዓት መኪቶም ፍትሒ ዘንግሱ፣ ንምሉእ ጥዕና ሰብኣዊ መሰላት ህያው ንምግባር የዒንቶም ሰለም ዘየብሉ፣ ኣብ መትከል ረጊጾም ኣብ ሓቂ ዝጸንዑ፣ ብትሕትና ዝልለዩ፣ ሊቅነታዊ ንጽህናን ጽንዓትን ዝውንኑ፣ ይዕበ ይንኣስ ስልጣን ካብ ዘስዕቦ ፈተነ ብልሽውና  ሓራ ንምዃን ወትሩ ነፍሶም ዝምርምሩ፡ ጽኑዓት መሰጋገሪ ድንድል ዝኾኑዋ መራሕቲ  ኣይተዓደለትን። እዚ ኢዩ ኸኣ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ነዊሕን መሪርን ዕድላ። ምሁር ኣካል ሕብረትሰ ግቡእ ተርኡ ኣይገበረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ልዑል ደረጃ ትምህርቲ          ዝቐሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝምህሩን፡ ንዘምሃሮም ህዝቦም ክሒዶም ነዚ መርገም ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ውልቀመላኺ ከይሓፈሩ ዝድግፉ ምህላዎም ዘስደምም ኮይኑ፡ ትርጉም ትምህርቲ ዝበለሉ፡ ንኤርትራዊ ዜግነቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተዉ ሰባት እዮም ክብል እደፍር። ወይ ትብዓት ስኢኖም፡ ወይ ብጣቓ ብሕታዊ ጸቢብ ጥቕሚ ተዓሚቶም ድኣ ኪግንዘቡዎ ኣይከኣሉ ይኾኑ እምበር፡ ብዘይ ሓላፍነታውያን ምሁራት ደቃ ዝወግሓላ ሃገር ክትህሉ ከም ዘይከኣል ዘየካራኽር ርእሰ ግሉጽ ኢዩ። መርገምን ምርቓን ሃገር ኣብ ተራ ምሁራት ዜጋታት ዝተመስረተ ምዃኑ ንምርዳእ ልቦና ጥራይ ዘድልዮ ሓቂ ኢዩ።     ስለዚ፡ ደጋጊመ፡ ንስቓይ ህዝቢ ዘናውሕ ዘሎ ቀንዲ ጠንቂ፡ ሓይሊ ውልቀመላኺ ዘይኮነ (ንሱስ ገበን እናረኣና ትም ብምባል ዝሃብናዮ ሓይሊ ጥራይ`ዩ ዘሎዎ)፡  ህዝቢ ብምሉእ ልቡ ዝስዕቦ  ቅኑዕን ውፉይን መሪሕነት ብዘይምህላዉ ኢዩ እብል። እቲ ሓቂ ካብዚ ወጻኢ እንተ ኾይኑ ሃየ ደምበ ምሁራት ንህዝብኹም ኣረድኡ።

     ኤርትራ መሬት ፍትሕን ሰላምን  ክትከውን  እንተ ዀይና፡ ኣብ ነፍስወለፍ ኣእምሮ ኤርትራዊ  ዜጋ መንፈስ ፍትሕን ሰላምን ኪሰርጽ የድሊ። ከምቲ  ናብ ኣንጻር ኣንፈት ዘጋልቡ  ክልተ ኣፍራስ  ብሓንሳብ  ተወጢሕካ  ከተጋልብ  ዘይከኣል፡  ከምኡ`ውን፡ ካብ ድንቍርና ሓሊፉ ካልእ መለለዪ ኪህልዎ  ዘይኽእል ጫሌዳዊ ፍልልያት እናዘራእካ፡ ፍትሒ ከተንግስ ሰላም ከተስፍን ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ደምበ ተቓውሞ ወይ ቃልሲ ንፍትሒ ንርብዒ  ዘመን  ፍሑኽ  ክብል  ዘይከኣለ ስእነት ቅኑዕ መሪሕነት ዘስዓቦ ጻህያይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝሳዕረሮ ጥራይ ኢዩ። ንፉዕ ጓሳ ዘይብለን ጥሪት ድራር  ኣራዊት ከም ዝኾና፡ ከምኡ`ውን ጻህያ ዝዓበጦ እኽሊ ክፈሪ ከም ዘይክእል መጠን፣ጻህያይ ርእሰ ምትላል -ንሓቂ ክትቅበል ዘይምኻል፣ ጻህያይ ኣነነትን ትዕቢትን፣ ጻህያይ ኣነ እፈልጥ፣ ጻህያይ ወገናውነት፣ ጻህያይ ጽን ኢልካ ክትሰምዕ ዘይምኽኣል፣ ጻህያይ ዘይምክብባር፣ልቦና ቀዳሞት -``ነዊሕ ኦም እንዳማቱ የጽልል፡ ዓሻ ሰብ ሰቡ የቕልል`` ከም ዝብሎ፡ ዓገብ ዝብል ዝተሳእኖ ጻህያይ ሓድሕዳዊ ምጽልላም/ስም ምብላል፣ ጻህያይ ግጉይ ሕልሚ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ. . .ወ.ዘ.ተ. ኣሉታዊ ኣተሓሳስብ ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብቲ ዝዓበየ ዕማም ከድምዕ ከም ዘይኽእል ኩነታት ሃገርና ዘረጋግጾ መሪር ሓቂ ኢዩ። ``ናብራ ጥዑም`ዩ ምስ ጽድቂ፡ ናጽነት ጥዑም`ዩ  ምስ ሓቂ `` ይብል ልቦና ቀዳሞት፤ ናጽነትና ዝጠፍአት ሓቂ ምስ ኣጥፋእናያ ምዃኑ ይሕብረና።

እምበኣር፡ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ርእሰ ምትላል ቀንዲ ጠንቂ ሃገራዊ መዓት ምጽልማት ሓርነትን ፍትሕን ኤርትራ ምዃኑ ተረዲእና፡ ነፍስወከፍና ንውሽጥና ብዕቱብ ብምፍታሽ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጻህያይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንነፍስና ሓራ ምግባር ይጽበየና ኣሎ። ኣዚዩ ኣገዳሲ እዋናዊ መልእኽቲ ዝሓዘለ - ``ኣሕዋት ምስ ዚጻልኡ እንታይ ዘየጥፍኡ!  ኣሕዋት ምስ ዚሰምሩ እንታይ ዘይገብሩ!``  ዝብል ልቦና ቀዳሞት ብግቡእ ነስተውዕለሉ። እዚ ምስ እንገብር፡ ኣብ ቅድሚ ዝተወሃሃደ ኣተሓሳስባናን ዝደልደለ ሓድነትናን ደው ዚብል ሓይሊ ኪህሉ ከም ዘይኽእል ብምትእምማን ክጠቅስ እፈቱ።  ስለዚ፡ ዘዅርዕ ሓዲስ ታሪኽ ገዲፍና ክንሓልፍ ሃገርና ብፍትሒ ነውግሓላ ።

    

ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...