ሊቅነታዊ ንጽህና ዝውንን መትከላዊ መሪሕነት

ቅድመ ኩነት ህላዌ  ግዝኣተ-ሕጊ`ዩ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ግንቦት 8፡ 2017

       ********

“And I should like to be able to love my country and still love justice. I don't want any greatness for it, particularly a greatness born of blood and falsehood. I want to keep it alive by keeping justice alive.”  Albert Camus

“True freedom requires the rule of law and justice, and a judicial system in which the rights of some are not secured by the denial of rights to others.”  - Jonathan Sacks

“The clearest way to show what the rule of law means to us in everyday life is to recall what has happened when there is no rule of law.”  -Dwight D. Eisenhower

“The greatness of a man is not in how much wealth he acquires, but in his integrity and his ability to affect those around him positively.”   - Bob Marley

"Integrity without knowledge is weak and useless, and knowledge without integrity is dangerous and dreadful."  — Samuel Johnson

ጻማ ክቡር መስዋእቲ ክቡር ናጽነት ካብ ዝጥለም፡ እነሆ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዘመን ቀዳማይ ዓመት ረጊጽና። ``ማሕበርካ ቦዀረ፡ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ `` ከም ዝበሃል፡ ብሰሪ ብትም ምባልናን ተፋናጪልና በብውልቀ ምሕሳብናን፡ ውልቀመላኺ ዓጋቲ ስኢኑ ኣብ ዓለም ብዘይተራእየ ውስጠ ምጽናት መንእሰያትናን፡ ዕንወትን ድሕረትን ሃገርናን ብሚእቲ ዓመታት ዘይሓዊ ስምብራት ፈጢሩ እናሃለወ፡ ሃገራዊ ሓድነትና በዂሩ ምርኣዩ ንታሪኽናን ምስልናን ዘይውክል ኩነታት ኣደራዕ፡ ኣበደን እንብለሉ ጊዜ ነዊሕ ደንጒዩ ብምህላዉ፡ ንወዓል ሕደር ትንፋስ ዘይህብ ሃገራዊ ወፈራ ንምዝራእ ፍትሕን ፈልሲ ሓርነትን ክንዕጠቕ፡ ህይወት ናይ ሎሚ ህጻናትን መጻኢ ወለዶን ብመሪር ደወል ይጽውዓና ኣሎ። እናረኣናን እናሰማዕናን ደቂስና ስለ ዘለና፡ ካብ ፍጹም ፍርዲ ርእሰ-ጥፍኣትና ነፍስና ከነድሕን ንበራበር፡ ብሓደ ድምጽን ቅልጽምን ንጓየ ክብል እደሊ።

እዚ ሎሚ እንመሃረሉ ኣርእስቲ፡ ንኣማኢት ዓመታት ዝተጻሕፈሉን ቃልሲ ዝተኻየደሉን ብምዃኑ፡ ሎሚ እንዓሞ ሓደ እንዳእቲ ድኣ`ምበር ቁሚጦ ኣይኮነን። መረዳእታና ንምህብታሙን ኣብ ቃልስና ንፍትሒ ንምውናኑን፡ ነፍስወከፋዊ ናይ ዳህሰሳ መጽናዕቲ ከከም ዝከኣለና ከይሰልከና ከነካይደሉ ይግባእ።

ቀጺለ፡  ከቕርቦ ዝደሊ ምሕጽንታ፡ ጫለዳዊ ክትዓት ከነወግንን፡ ኣፈርክቦ ሃገር ብዝጠልቦ መንፈስ ዘተን ግብራዊ ቃልስን ብዕትበት ሒዝና፡ ኣብ ምኣዲ ግብራዊ ቃልሲ ክንራኸብ እላቦ።

ሀ. ትርጉምን ዕላማን ግዝኣተ- ሕጊ፡-

1.      ኣመዓባብላ ግዝኣተ-ሕጊ፡-

·        ኣብዚ ናይ ሎሚ ደረጃ ንጹርነት ኪበጽሕ ዝኸኣለ ነዊሕ ታሪኻዊ ጕዕዞ ብምሕላፍ`ዩ። ንኣብነት፡-

-ግሪኻዊ ኣበርክቶ- ግዝኣተ ሕግን ደሞክራስን ከም ሓደ ይርእዩዎ ከም ዝነበሩ የረድእ። እንተ ኾነ ግዳ፡ እቲ ግዝኣተ ሕግን ደሞክራስን ነቶም ገዛእትን ወነንቲ ንብረትን ዝምልከት ድኣ`ምበር፡ ነቲ ሓፋሽ ብምሉእ ዝምልከት ከም ዘይነበረ፡ ስለዚ ኸኣ ናይ ፍትሒ ምሉእነት ከም ዘይነበሮ ንርዳእ።

-ሮማዊ ኣበርክቶ - ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ባህሪያዊ ሕጊ ዝተመስረተ ምዃኑን፡ ኣብ ክንዲ  ኣብ  ስምዒት ኣብ ርትዓውነት ዝተመስረተ ምዃኑ ይገልጹ።

-ኣበርክቶ ማእከላይ ዘመን - እቲ እዋን ዘመነ መስፍንነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን፡ ጳጳስን ንጉስን ናይ ስልጣን ውድድር ዝነበሮ ጊዜ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣምር ግዝኣተ ሕጊ ንኽውለድ ፍኒሕኒሕ ዝብለሉ ናይ ጊዜ ቅልውላው ነይሩ ኪበሃል ይከኣል።

-ብሊበራሊዝም ዝስመ፡ ካብ መበል 17-ዘመን ዝተቐልቀለ፡ ኣብ ናይ ሓርነትን ማዕርነትን ሓሳባት ዝተመስረተ፡ ንናይ ውልቀሰባዊ ሓርነት ዝጸቅጥ፡ ኣብ ምጽውዋር፣ኣብ ናይ ምዝራብን፡ ምጽሓፍን፡ ምግባእን ሓርነት ዝኣምን ፖለቲካዊ ፍልስፍና ኢዩ።

- ናይዚ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ክልስሓሳባውያን ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣገባብ ጸቒጦም ዝጽሕፉ ኣለዉ።

-ንኣብነት፡-1. ብማሕበራዊ ድሕነት ሊበራሊዝም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዋንነት ንብረትን ፖለቲካዊ ሓርነትን ይጸቅጥ፤

 2. ሊበርታሪያን ሊበራሊዝም - ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ዝተሓተ ኢድ መንግስቲ ይጠልቡ፤

3. ኮንሰርቫቲብ ሊበራሊዝም - ዓቃባዊ፡ ኣብ ሰውራዊ ለውጢ ዘይኣምን ኣካል ኢዩ።

4. ፕሉራሊስቲክ ሊበራሊዝም - ኣብ ብዝሓውነት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ምልላይን ምርግጋጽን ፍልልያት ናይ እምነትን፡ ረብሓታትን፡ ኣነባብራን ብሰላም ብሓባር ምንባርን የመልክት።

5. ኢጋሊታሪያን ሊበራሊዝም -ኣብ ምጕላሕ ማዕርነት ኩሉ ህዝቢ ይጸቅጥ።

*እዚ ዝተጠቕሰ ንኣሽቱ ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ሃሊዩ፡ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ግን ኩሎም ሓደ ዓይነት ናይ ምድጋፍ እወንታዊ ኣረኣእያ ኣሎዎም።

·        ትሕዝቶ ግዝኣተ-ሕጊ፡- ኣብ ክንዲ ሰብ ሕጊ ዝገዝኣሉ ኩነታት ኮይኑ ምልኣቱ ዘረጋግጽ 3 ባህሪያት ይህልዎ፡- ንሳቶም ከኣ - 

1.      ሓፈሻውነት - ኣቐዲሙ ብረቂቕ ናብ ውልቀሰብ ዘይኮነ ብሓፈሻ ይጸሓፍ፣ 

2.    ማዕርነት - ኢደወነናዊ ኣፈላላይ ብዘይብሉ፡ ንኹሉ ብማዕረ ዘመልክት ይኸውን፣

3.    ርጉጽነት - እቶም በዚ ሕጊ`ዚ ዝቕየዱ ሰባት ንጠባያቶምን ኣካያይዳኦምን ዝገዝእ ሕግታ ኣቐዲሞም ብንጹር ኪግንዘቡዎ ከም ዚግባእ የማልእ።

እዚ ዝተጠቕሰ ባህሪያት ግዝኣተ ሕጊ፡ ቀዳማይብሕጊ ዝድረት መንግስቲ ከም ዝህሉ ይሕብረና። ናይ መንግስቲ ጭቆና ብምዕጋት ናይ ውልቀሰብ ሓርነት ይዕቅብ። ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናት ነቲ ዘሎ ሕጊታት፡ ኣድላዪ ኮይኑ ብእተመዘዙ ሓገግቲ ኣካል ለውጢ ክሳብ ዝግበረሉ፡ ብእኡ ተማእዚዞም ከም ዝሰርሑ ይገብር። ከምኡ`ውን፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ንሕግታት ከም ድላዮም ናይ ምቕያር ናጽነት የብሎምን። ሕጊታት ናይ ምውጻእ ስልጣኖም ቀይዲ ኣሎዎ። ካልኣይ - ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ብዓይነት ሓፈሻውነትን፡ ማዕርነትን፡ ትግባረን ርጉጽነትን፡  ከም ሕጊ ህዝባዊ ትጽቢት ዝግበረሉ ወግዓውነት ከም ዘሎዎ የረድእ። ሳልሳይ - እቲ ዝገዝእ ሕጊ ድኣ`ምበር ሰብ ከም ዘይኮነ የነጽር።

·        ስለዚ ዕላማ ግዝኣተ-ሕጊ፡-

-ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፣ ምርግጋጽ ፍትሒ ንኹሉ፤

-ምኽባር ምሉእ ሰብኣዊ መሰላት፣

-ምውሓስ ሰላምን ርግኣትን ሕብረተሰብ  ምዃኑ ይበርህ።

2.    ኣብ መንጽር ግዝኣተ-ሕጊ፡ ግዝኣት ብሕጊ ከም ዘሎ ፈሊና ክንርዳእ ይግባእ። ግዝኣት ብሕጊ ማለት ግዝኣተ-ሰብ  ኮይኑ፡ እቲ ዝገዝእ ሰብ ሕጋዊ መልክዕ ብዝለበሰ መንገዲ ጭቆናኡ ዘተግብረሉ መሳርሒ ኢዩ። ግዝኣት ብሕጊ፡ ኩነታት ኤርትራ ከም ዘነጽሮ፡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኣብ ትግብረ ህልቂት ህዝብን ዕንወትን ድሕረትን  ሃገር፡ ንኹሉ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠብዊ መሰላት ዚገሃሰ፡ ኣብ ዝደለዮ ጊዜ ብኢደ ወነኑ ዘውጽኦ ሕጊ ግዝኣተ በትሪ ማለት ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍደዮ ዘሎ መርገም ክበሃል ይግባእ። ቃልስና ንፍትሒ ግን ነዚ ፍትሒ  ጸልምት መግዛእቲ ብሕጊ ናብቲ ፍትሒ ዘረጋግጽ ስርዓት ቅዋማዊ ግዝኣተ-ሕጊ ንምቕያሩ ኢዩ። ነዚ ዘውሕሰልና ግን ብየናይ መንገድን ትሕዝቶን ኢዩ?  ስዒቡ ዝቕጽል ኣርእስትና ይኸውን።

ለ. ንግዝኣተ-ሕጊ ዘውሕስ ቅድመ ኩነት ንጹህ ሊቅነታዊ ባህሪ ዝውንን ጽኑዕ ድንድል መትከላዊ መሪሕነት የድሊ፡-

        ካብ ስድራ ቤታዊ ክሳብ ሃገራዊ ደረጃ፡ መሪሕነት ወሳኒ ተራ ከም ዘሎዎ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣብ ምዕናውን ኣብ ምህናጽን ዝለዓለ ምዕራፋት ዝሓዘ ምዃኑ  ዘካራኽር ኣርእስቲ ኣይመስለንን። ህዝቢ ከም መራሒኡ፡ ጥሪት ከም ጓስኡ ኢዩ ኪብሃል ይከኣል።

ኣብ ህይወት ደቅሰብ ዚህሉ ኩነታን ፍጻሜታትን ካብ ደቅሰባት ባዕሎም ዝመጸ`ምበር ካብ ሃዋህው ዝመጸ ከም ዘይኮነ ርዱእ እመስለኒ። ከምቲ ግህሰት ፍትሒ ብደቂሰባት ዝትግበር፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ኪህሉ፡ ኣብ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዝኣምኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጹህ ሊቅነታዊ ባህሪ ወኒኖም፡ ከም ጽኑዕ ድንድል ኣብ መትከል ረጊጾም ዝቃለሱን ዝመርሑን ንቑሓት ክፋል ሕብረተሰብ የድልዩ። ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን፡ ስእነት ምሁራት ዘይኮነ፡ ቅድመ ኩነት ህላዌ ግዝኣተ-ሕጊ ዝኾነ፡ ስእነት ንቑሓትን ውፉያትን፡ ኣብ ቅኑዕ መትከል ጸኒዖም ዝረገጹ፡ ንጹህ ሊቅነታዊ ባህሪ ዝውንኑ መራሕቲ ብምስኣና ኢዩ። እዚ ናተይ እምነት ኢዩ።

ሊቅነታዊ ንጽህና ግን እንታይ ማለት ኢዩ? ኣብ ምሁራትከ ብኸመይ ይልለ?

ሊቅነታዊ ንጽህና፡ ንኻልኦት ብእንሕዞም ደረጃ ንርእስና ምሓዝ ማለት`ዩ። ሊቅነታዊ ንጽህና  ንኣታሓሳስባኻ ቅኑዕ ኴንካ፡ ከምቲ ካብ ካልኦት እትጽበዮ ደረጃ ንርእስኻ ምምዛን ይሓትት፣ንተቓናቐንትኻ ብእትመዝኖ መርትዖታት ንርእስኻ ምምዛን፣ ከምቲ ንኻልኦት ትሰብኮ ኣብ ግብሪ ምርኣይ ማለት`ዩ። ብተውሳኺ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኻን ተግባርካን ዚህሉ ጕድለታትን ዘይምዕሩይነትን ብቕንዕና ምልላይን ምእማንን ይሓትት።

ኣንጻር ወይ ተጻይ ሊቅነታዊ ንጽህና ሊቅነታዊ ምስሉይነት ኢዩ፣ ብቕኑዕ ንጽህና ዘይግደስ ኩነተ ኣእምሮ ማለት ኢዩ። ብዓሚቝ ግርጭታትን ዘይምዕሩይነት ወይ ተቓያዪርነት`ዩ ዝልለ።

ብተውሳኺ፡ ሊቅነታዊ ንጽህና፡ ንናይ ካልኦት ሰባት ሽግር ኣብ ቦትኦም ኬንካ ብቕንዕና ክትርእን ክትርዳእን ናይ ምፍታን ጽቡቕ ባህሪያት ኣልዎ። ኣንጻር`ዚ ባህሪ`ዚ ዝስራዕ፡ ናብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘተኮረ፡ ርእሰ-ፍትወት ኢዩ። ካብ ርእሰ-ፍትወት ዝብገስ ኣተሓሳስባ ምስ እንብገስ፡ ናይ ካልኦት ሓሳባትን ስምዒታትን ክንርዳእ ኣይንኽእልን ኢና።

ካልእ ሓያል ጕድኒ ሊቅነታዊ ንጽህና  ሊቅነታዊ ትብዓት - ንእምነታት ክትብድህ ድልየት ምህላው ማለት ኢዩ። ዕቱብ ቆላሕታ ንዘይሃብካዮን ኣብ ርእሲኡ ኣሉታዊ ስምዒት ናይ ዘለካ ሓሳባት፡ እምነታትን ርእይቶታትን ብቕንዕና ናይ ምግጣሙን ምሓዙን ንቕሓት ምህላው የመልክት። ንዓኻ ትርጉም ንኽህበካ፡ ንዝተመሃርካዮ ብዘይ ምርምር ትም ኢልካ ከይትቕበሎ ይገብረካ። ኣብቲ ሓደገኛን ትርጉም ኣልቦን ኮይኑ ዝረአ ገለ ሓሳባት ሓቅነት ኪህሉዎ ስለ ዝኽእል፡ ኣብዚ ሊቅነታዊ ትብዓት ምህላው ኣገዳስነት ኣሎዎ።

ኣንጻር ናይ ሊቅነታዊ ትብዓት ሊቅነታዊ ፍርሃት - ምስ ናትካ ንዘይሰማምዑ ሓሳባት ምፍራህ ኢዩ። ብሊቅነታዊ ፍርሃት ምስ እንግዛእ፡ ሓደገኛታት ኮይኖም ንዝርኣዩና ሓሳባትን፡ እምነታትን ርእይቶትትን ብዕትበት ካብ ምርኣዮም ንፈርህ ማለት`ዩ። ገለ ሓሳባት ምስ ውልቃዊ መንነትና ብርኡይ ምስ ዝጋጭዉ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓሳባትና ከም መጥቃዕቲ ኣብ ርእስና ጌርና ንርእዮ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሊቅነታዊ ትሕትና - ማለት ኣፍልጦ ብዛዕባ ድንቅርና ምህላው የመልክት። እዚ ማለት ብዛዕባ ፍልጠትና ደረት ከም ዘሎዎ ንቕሓት ይህልወና ወይ ነስተውዕል ማለት`ዩ። ብዛዕባ ዝህልወና ቅድመ-ፍርዲ፡ ደረታት ርእይቶና፡ መጠን ድንቍርናን ተገንዝቦ ወይ መረዳእታ ምህላው ይሓተና። ሊቅነታዊ ትሕትና ካብቲ ትፈልጦ ንላዕሊ እፈልት እየ ዘይምባል፣ ዘይምምሳል፡ ዘይምጅሃር፡ ዘይም`ባይ (ካብ ትዕቢት ሓራ ምዃን) የጠቓልል።

ኣንጻር ሊቅነታዊ ንጽህና፡ ሊቅነታዊ ትዕቢት - ናይ ዘለለካ ደረት ፍልጠት ንቕሓት ወይ ምስትውዓል ዘይምህላው ማለት`ዩ። ሊቅነታዊ ትዕቢት ዘለዎም ሰባት ቅድመ-ፍርዲ ከዘውትሩ፡ ካብቲ ዝፈልጡዎ ንላዕሊ ከም ዝፈልጡ ዚረኣዩ ሰባት ምዃኖም ንርዳእ። ----እምበኣር፡ ሊቅነታዊ ንጽህና ዝውንን ሰብ፡ ንገዛእ ርእሱ በቲ ንኻልኦት ዝመዝኖም መጠን ይመዝን፣ ንርእይቶታት ናይ ምምርማር ትብዓት ይውንን፣ ትሕትና ዘዘውትርን ደረት ፍልጠቱ ብግቡእ ዝርዳእን ሰብ ማለት ኢዩ። ህዝቢ ንምምራሕ ካብ ዝህሉ ብቕዓት ከኣ እዚ ባህሪ`ዚ ዝውንን ሰብ ማለት ይኽውን።

ምስ ሊቅነታዊ መሪሕነት ዝተኣሳሰር፡ ናይ መትከላዊ መሪሕነት- ዕላማን ብድሆታትን ይህሉ። ኣብዚ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምውናን ርእሰ-ተኣማንነትን ዝጸንዐ መትከላዊ መሪሕነት ነቲ ዝሓየለ ጸላኢ በዲሁ ርኡይ ሓድጊ ናይ ምግዳፍ ተኽእሎ ከም ዘሎዎ ንርዳእ።

ብድሆታት - ክበሃል ከሎ መራሕቲ ንኽብርታት ናብ ግብሪ፣ ንራኢታት ናብ ክውኑነት፣ ንዕንቅፋታት ናብ መርሓባነት፣ ንምፍልላያት ናብ ሓድነት፣ ንሓደገኛነት ናብ ካሕሳ ዝቕይሩሉ መስርሕ ኢዩ። እቲ ወሳኒ ብዝሒ ብድሆታት ዘይኮነ፡ ብኸመይ ንገጥሞን ንምልሶን ይኸውን።

ኣብዚ መሰረት ዘተ ኪኸውን ዝኽእል ሽዱሽተ ኣብነታዊ ባህርያትን ተግባራትን መትከላዊ መሪሕነት ዘነጽር ክጠቅስ እፈቱ።

1.    ተለምቲ ቅኑዕ መንገዲ፡-  ቅኑዓት መራሕቲ ንጹር መሪሕ መትከላትን ክብሪታትን ብምቕያስ፡ ናይቲ ካብ ህዝቢ ዝገብሩዎ ትጽቢት ኣርኣያ ኪኾኑ ይግባእ። እቲ ምንታይ፡ መሪሕነት ኣብ መወዳእትኡ ህዝቢ ልዑል ኣበርክቶ ንምግባር ዘኽእሎ  መንገዲ ምፍጣር ማለት`ዩ።

 

ኣብ ምምራሕ፡ ክብረት ህዝቢ ዘስንቐካ እቲ መዓርግ ዘይኮነ፡ ጠባይካ ኢዩ። ኣብነታውያን መራሕቲ፡ ዝለዓለ ደረጃ  መብጽዓ ምጕንጻፍ፡ ናይቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዩዎ ጠባይ ኣብነት ኪኾኑ ከም ዝግብኦም ይፈልጡ ኢዮም። መራሕቲ ተለምቲ መንገዲ ኢዮም።

ነቲ ኣብ ካልኦት ዝጽበዩዎ ጠባይ ብውጽኢታዊ ኣገባብ ንኽትልሙዎ፡ መራሕቲ ኣቐዲሞም ብዛዕባ መሪሕ መትከላቶም ንጹራት ኪኾኑ ይግባእ። ነቲ ክብሪታት ከብርህዎ ይግባእ። መራሕቲ ልቦምን ኣእምሮኦምን ክፉት ብምግባር፡ ንህዝቢ እንታይ ከም ዝሓስቡን ከም ዝኣምኑን ከፍልጡዎም፣ ንኽብሪታቶም ብንጹርን ብፍሉይን ድምጺ ኪህቡሉ ይግባእ። መራሕቲ ንርእሶም ጥራይ ኣይውክሉን ኢዮም። ምእንቲ ህዝብን ኣብ ክንዲ ህዝብን ኢዮም ዝዛረቡ። መራሕቲ ኣብ ናይ ሓባር መትከላትን ናይ ሓባር ሓሳባትን ስምምዕ ኪቐርጹ ይግብኦም።

 

2.   ናይ ሓባር ራኢ ኣብ  ህዝቢ ምስራጽ፡- ሰዓብቲ ዘይብሉ ሰብ መራሒ እየ ክብል ኣይኽልን`ዩ። መራሕቲ ድልየት ህዝቢ ምፍላጥን፣ ህዝቢ ከም ናቱ ዝውንኖ ንጹር ራኢ ምቕራብን ይግብኦም። መራሕቲ ምስ ሰዓብቶም ኣብቲ ዝጐዓዙሉ ርሑቕ መዓርፎ ማራኺ ዕድላት ንምብጻሕ ኪኖው ናይ ጊዜ ደረት ትርኢት የማዕድዉ።  መሰጥትን ልዑላትን ዕድላት ብሓሳብ ይርእዩ። እንተ ኾነ፡ ብመራሕቲ ጥራይ ዝረኣዩ ራኢያት ዝተወደበ ምንቅስቓስ ንምፍጣር እኹላት ኣይኮኑን። ስዓብቲ ዘይብሉ ሰብ መራሒ ኣይኮነን፣ ህዝቢ ነቲ ራኢ ከም ናቶም ገይሮም ክሳብ ዝቕበሉዎ ኣይስዕቡን ኢዮም።(ኣብነት - ኣብ ውድባት ዘሎ ሽግር) መራሕቲ ንኻልኦት ኣብ ናይ ሓባር ራኢ ከወሃህዱ ይግብኦም። ንህዝቢ ኣብ ራኢ ንኸወሃህዱ፡ መራሕቲ ንሰዓብቶም ክፈልጡዎምን ቋንቋኦም  - ማለት ቋንቋ ህይወት ኪዛረቡን ይግብኦም። ህዝቢ መራሕቲ ንድልየታቶም ከም ዝርድኡን፡ ረብሓታቶም ኣብ ልቦም ከም ዝህሉን  ኪኣምኑ ይግባእ። መሪሕነት ናይ ሓባር ዘተ`ዩ፣ ከም ናብ ሓደ ኣንፈት ዝኸይድ ዘይትምለሰሉ መንገዲ ናይ ውልቀ-ዘረባ ኣይኮነን ።   

3.   መራሕቲ  በዳህቲ ህልዉ ኩነታት ኮይኖም፡ ካብ ጌጋታቶም እናተማህሩ ቅድመ ግምባር ለውጢ  ይኾኑ። እቲ ብድሆ ዝኾነ እንተ ኾነ፡ ኩሉ ነገር ኣብ ምቕያር ህሉው ኩነታት`ዩ ዘእቱ። ኩሎም መራሕቲ ነቲ መስርሕ ይብድሁዎ። መራሕቲ ፈለምቲ/ዳህሰስቲ ኢዮም። መራሕቲ ሓዲስ ነገር ንምምጻእን፡ ንምዕባይን ንምምሕያሽን ዕድላት ይድህስሱ። መሪሕነት ኣብ ክዉን ኩነታት ብምልዛብ፡ ብተግባር ምምሃር ማለት`ዩ። መራሕቲ ብቐጻሊ ካብ ጌጋታቶምን ስዕረቶምን እናተማህሩ ኢዮም ዝጐዓዙ። ህይወት ናይ መራሕቲ ቤት ምርምር ኢያ፣ ኣብነታውያን መራሕቲ ኸኣ ብግቡእ ይጥቀሙላ።            

4.   ንተኽእሎ ተሳትፎ ሰፊሕ  ባይታ ምፍጣር፡- ዓበይቲ ሕልምታት ብናይ ሓደ ሰብ ተግባር ጥራይ ናብ ኣገደስቲ ክዉንነታት ኪቕየሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ናይ ሓባር ጻዕሪ የድልዮ። ጽኑዕ ምትእምማንን ሓያል ዝምድናታትን የድልዮ። ዓሚቝ ብቕዓትን ዓቃል/ህዱእ ርእሰ-ተኣማንነትን የድልዮ። ናይ ጕጅለ ምትሕብባርን ውልቀሰባዊ ተሓታትነትን ይሓትት።  ኣብ ውድባት፡ ፍሉይ ነገር ንምግባር፡ መራሕቲ ንኻልኦት ኪሰርሑ ከኽእሉዎም ይግብኦም። 

5.   ናይ ልቢ ምትብባዕ የድሊ፡- ናብ ላዕሊ ጫፍ እምባ ንምድያብ ኣድካምን ነዊሕን`ዩ። ብዙሕ ጊዜ ህዝቢ ይደኽሙ`ሞ ምቍራጽ ይፈታተኖም። መራሕቲ ንልቢ ሰዓብቶም ንኺቕጽሉ የተባብዑ።  ቅኑዕ ናይ ሓልዮት ተግባር መንፈስ ህዝቢ ክብ ኣቢሉ ንቕድሚት ይደፍኦም።ንውልቃዊ ብልጫታት ብምምጓስ፡ ንኣበርክቶታት ምልላይ፣ ናይ ኮሚዩኒቲ መንፈስ ብምፍጣር ንኽብርታትን ዓወታትን ንምብዓል ይቃለስ። 

6.   መሪሕነት ዝምድና ኢዩ፡- ብመሰረቱ መሪሕነት ኣብ መንጎቶም ክንመርሕ ዝብሉን ኪምርሑ ዝደልዩን ህዝቢ ዚህሉ ዝምድና ብምዃኑ፡ ምስ ህዝቢ ዝህሉ ዝምድና ወሳኒ ኣብ ምግባሩ ምትኳር ይሓትት። እዚ ማለት ኣብ ፍርሃትን ዘይምትእምማንን ዝተመስረተ ዝምድና ሰዓብትን መራሕትን፡ ነባሪ ክብሪ ዘሎዎ ከፍሪ ኣይኽእልን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ርእሰ-ተኣማንነትን ዚልለ ዝምድና፡ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ሰጊሩ ልዑል ሓድጊ ኪገድፍ ከም ዚኽእል ናይ ቃልሲ ታሪኽና ዝምስክሮ ኢዩ።

 

7.   ተኣማንነት መሰረት መሪሕነት`ዩ፡ ህዝቢ ንሓደ ሰብ ብድልየቶም ንኽስዕቡዎ፡ መብዛሕትኦም ሰዓብቲ መራሕቲ፡-

·        ቕኑዓት፣

·        ንቕድሚት ዝጥምቱ፣

·        መተባባዕቲ፣

·        ብቑዓት፣ ከኾኑ ከም ዝግባእ ይኣምኑ።

እምበኣር፡ እዚ ብጭልፋ ካብ ባሕሪ ዝቐሰምናዮ ጽኑዕ መሰረት ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ዋሕስ ነባሪ ሰላምን ምዕባለን ኣነጺሩ ዘርእየና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጻማ ክቡር መስዋእቲ ደቁ ናጽነቱ ተመንዚዑ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ፡ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይብሉ ጸልማትን ዓጸቦን ዝሳቐ ዘሎ፡ እዚ ፋሺስታዊ ስርዓት ዘይሕኮር እምባ፡ ዘይስገር ሩባ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ኮይኑ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጽኑዕ መሰጋገሪ ድንድል ኮይኑ፡ ንመሰል ህዝቢ ዝጣበቕን፡ ንህዝቢ ምእንቲ መሰሉ ኣብ ምቅላስ ኣብ ፍትሓዊ መትከል ጸኒዑ ዘንቅሕን፡ ብትሕትናን ትብዓትን ዝመርሕን፡ ሊቅነትዊ ንጽህና ዝውንን ሓይሊ ምሁር ዜጋ ብዘይምህላዉ ጥራይ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንፋሺስታዊ ውልቀምልኪ ኣሻዅ መርበቡ ንምዝርጋሕ ዘኽኣሎ፡ ካብ ሓርነትና ከህድመና ዝጸንሐ ጠንቂ ባርነትና፡ ድንቍርና ዝሕላገቱ ናይ ጸቢብ ምፍልላይ ጸልማት ኣተሓሳስባ ምዃኑ ምስትውዓልን፡ ንዝዓፈነና ግመ ብንቕሓት ቀንጢጥና ምድርባዩ ናይ ነፍስወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። ከም ውልቀሰባት ንጻወቶ ዘለና ዓይነት ተራ ብሕልና ንመርምር።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዕድሉ ጐይታ ምእንቲ  ኪኸውን እዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት መሪሕነት  ክፍጠር፡ ክውደብ ግድነት ኢዩ። እዚ ሊቅነታዊ ንጽህና ዝውንን መትከላዊ መሪሕነት ግን ከም ማና ካብ ሰማይ ዝወርድ ህያብ ኣይኮነን። እንተ ዝኸውን፡ ንናጽነት መሪር ቃልሲ ኣይምተኻየደሉን፣ ክቡር መስዋእቲ ኣይምተኸፍለሉን። እምበኣር፡ እታ ብሸለልትነትና ዘጥፋእናያ፡ ዘለዓለማዊ ትኩር ሓለዋ  ትሓትት ሓርነትና  ህያው ንምግባራ፡ ናይ ብረት ቃልሲ ዘይኮነ፡ ናይ ሓድነት ማዕበል ትሓተና ኣላ። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ጽንኩር  ኩነታት ንዓለም ዘገረመ ሓድነት`ዩ ክብርናን ግርማናን። ስለዚ፡ ፍረ ኣልቦነት ናይ ብውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ተፋናጪልካ ምድስካል ዕቱብ ገምጋም ጌርና፡ ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር፡  በብዘሎናዮ  ዘቲናን ተወዲብናን፡ ነዚ ብዘይካ ዝሃብናዮ ሓይሊ ትንፋስ ዘይብሉ ሓደ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ  ገዛኢ  ኣውጺእና  ብሩህ  መጻኢ  ህዝብና ሃገርናን ህያው ንግበሮ። ዝተወልዱ ህጻናትናን መጻኢ ወለዶን ሓድጊ ክቡር ህይወት ፍትሕን ሓርነትን፡ ሰላምን ርግኣትን ነውርሶም። መበል 26 ዓመተ ጥልመት ናጽነት፡ ናይ ርብዒ ዘመን ጸልማት ብሓድነት ከም ዕፋፈት ቀንጢጥና ብምጕሓፍ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ-ሕጊ ሓርነትን ፍትሕን፡  ሰላምን ራህዋን እነውሕሰላ ዓመት ክንገብራ ዘይዕጸፍ መብጽዓ ክንኣቱ እላቦ።

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣት!!

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...