ሰብ ዘይተጸበዮ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዐወት፡ አብ ርእሲ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ብሕልፊ ኤርትራውያን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከምዝህልዎ ኣብ ምጥያስ ስደተኛታት ተናጢፎም ዝርከቡ ኣመሪካውያን ይገልጹ። ግደ ሓቒ ክንዛረብ እንተኾዩኑ ግን እዚ ሓደገኛ ኲነታት ዝተኸስተ ብግዜ ምምሕዳር ኦባማ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ዘለናዮ እዋን ካብ ዝሓለፈ ፍሉይ ዝገብሮ ዝተወስዱን፡ ዝውሰዱ ዘሎዉን፡ ንመጻኢ ክውሰዱ ዝተወጠኑ ስጉምታትን ምስናይ ምጉብዕባኡ ስለ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ብዙሓት ብጌጋ ክርድእዉ ስለ ዝኽእሉ ብጽሞና ተመልኪቶም ኣድላይ ስጒምቲ ንምውሳድ ክዳለዉ ስለ ዝግባእ ንምትሕስሳብ ኢየ። ኣብ ቅድሚኡ/አ ዘሎ መስናኽል ጢሒሱ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ሓደ እግሩ ክተክል ንዝኸኣለ ሰብ ንምድጋፍን ንምክልኻል ናይ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ንከዘኻክር ኢለ ኢየ።  ንኣብ ወደል-ሕልው ወይ ሽመልባ ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛታ ግን እዚ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ናይ ሰፈራ ፖሊሲ ብሩህ ኢዩ። ምክንያቱ ሓዉ፡ ብጸይቱ፡ ወዲ/ጓል ቑሸቱ ካብ ሚሒር ምጽባይ ሞት መሪጹ/ጻ ኣደዳ ወሮበላታት ሲናን ማእከላይ ባሕርን ክ(ት)ኸውን ኣብ ቅድሚ ዐይኑ ስለዝርኢ ዘሎ ኢዩ። ብሓጺሩ ናይ ቀዋሚ ሰፈራ ዕድል ናብ አመሪካ ወይ ኣብ ካልኦት ሃብታማ ዐዲ ፈረንጂ ንምርካብ ዘሎ ዕድል ብ ’ኣንጺፋ ቁልጭ’ እንተመሰልክዎ ኣይተጋገኹን ወይ ኣይባዕለግኩን። መራሕቲ ሻዕብያ ናይ ኢዶም ድአ ኣይሰአኑ እምበር፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ሳሕል ዘተአተውዎ ጥንታዊ/ገባራዊ ዝኾነ ድሑር ምሕደራኦም፡ ካብ 400,000 ንላዕሊ ዝግመት ኤርትራዊ በጽሒ፡ መበለት፡ ቀዳሲ፡ ጥበበኛን፡ ኮታ ብሓፈሽኡ መጻኢ ሂወቱ ኣብ ምህናጽ ዝነበረ ወዲ ሰብ ኣከላቢቶም ካብ ሀገር ከም ዝስደድ ጌሮሞ ኢዮም። ብዙሓት ኣብ ሱዳንን፡ ኢትዮጵያን፡ ብመጠኑ ድማ ኣብ እስራኤል ተዳጒኖም ይርከቡ። ምስ ነባር ስደተኛታት ደሚርካ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን  ዝግመት ኤርትራዊ ስደተኛ ከምዘሎ ዘየጠራጥር’ኳ እንተኾነ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ናብ እዘን ብንዋይ ዝተዐደላ ሃገራት ዝአተዉ ስደተኛታት ቅጽሪ ካብ 10% ዝነአሰ ኢዩ።  ንኤርትራውያን ይኹን ንአፍሪቃውያን ደለይቲ ዐቅባ ናይ ፖሊቲካ ይኹን ኤኮኖሚ ብዘየገድስ፡ መንገዱ ካብ ዝሕርፍፍ ሓያሎ እዋናት ኣቕጺሩ ኢዩ።

መብዛሕቶኦም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ  ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብድሕሪ ነዊሕን ኣህላኽን ጉዕዞ ብመንገዲ ደቡብ አመሪካ ኣቢሎም በቲ መሪርን ብንውሓቱ  ዝዝረበሉን ናይ ኣመሪካን ሜክሲኮን ናይ 3,200 ኪሎሜቴር ዶብ ሶሊኾም ኢዮም ንአመሪካ ዝአትዉ። አቐድም ኣቢሉ፡ ማለት  ቅድሚ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዐመት ዉሱናት ሰባት በዚ ደቡባዊ መስመር ብምሱላኽ ዑቅባ ምስዝሓቱ ዝጽበዮም ናይ ምጥራዝ ዕድሎም ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ ጒዳዮም  ተጻርዩ ክሳብ መዕልቦ ዝረክብ ንግዜኡ ተለቒቖም ብድሕሪ ብዙሕ ገድሊ ድማ ናይ መቀመጢ ፍቃድ ይውሃቦም ስለ ዝነበረ። ግዜ እንዳደፍኤ ምስ ከደ፡ ሂወት ስደተኛታት ድማ ኣብ ሃዋሁ ተንጠልጢሉ ክነብር ባህርያዊ ስለዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ናብ ሰሜን ኣመሪካ ካብ ቅድም ብተዐጻጸፈ መንገዲ ዝውሓዘሉ ጥበብ በብእዋኑ ካብ ምፍጣር ዐዲ ኣይወዐሉን። ገሊኦም ከምኩብኩብታ ካብ ሓደ ሃገር  ናብ ሓደ ሃገር እንዳንጠሩ ሸቶኦም ክወቕዑ ክፍትኑ፡ ገሊኦም ድማ ክሳብ 50,000 ዶላር ጥረ ገንዝብ ኣትሒዞም ባዕሎም ንባዕሎም ዝወሓሱ ጻዕራማት ስደተኛታት ምፍጣሮም ንምሕባር ኢዩ። ብአንጻሩ ብሚልዮናት ናብ ኣመሪካ ብሕጋውን ብዘይሕጋውን ናብ አመሪካ ዝፈልሱ ኣህዛብ ንከፊል ናይ ኣመሪካ ህዝቢ ከየተሓሳስቦ ኣይተረፈ። ብሕልፊ ነቲ ንዐለም ክዝውራ ዝጸንሔ ክርስትያን ጻዕዳ ብዙሕ ጥርጣሬን ፍርህን ኢዩ ኣሕዲርሉ ዝርከብ። ብዘይጥርጥር ናይ ኣቶ ትራምፕ ዑዉት ምርጫ ካብዚ ፈሊኻ ዘይርኤ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ቁጽሪ ኤርትራውያን ሶለኽቲ ናብ ኣመሪካ እንዳጨመረ ይኸይድ ኣሎ። ምስዚ ዝተተሓሓዘ ድማ ቁጽሪ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሰባት ምውሳኹ ናይ ኣብያተ ፍርዲ መዛግብቲ ይገልጹ።  እቲ ካብ ኩሉ ዘተሓሳስብ ድማ ዳርጋ ንመብዛሕቶም ኣመልከቲ ዑቕባ በቲ ዝመጽዎ ክጠፍኡ ናይ ኣመሪካ ቤት ፍርዲ አብ ምውሳን ስለ ዝርክብ ኢዩ። ንአብነት ኣብ ፍሎሪዳ ተቐይዶም ዝርከቡ ሽውዐት መንእስያት ዘቕረብዎ ኣቤቱታ ቤት ፍርዲ እዝኒ ከይሃበ ናብ ‘ዐዶም’ ክጥረዙ ወሲኑ ኣሎ። ነቲ ውሳኔ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ናይ መንግስቲ ኣካላት ኣብ ምሽብሻብ ይርከባ። ብተመሳሳሊ መልክዕ ኣብ ቴክሳስ፡ሚሽጋን፡ ሰሜን ጀርሲ፡ ሉውዚያና፡ ጆርጂያ ቤት ማእሰርትታት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ሂወቶም ብቀጢን ገመድ ተንጠልጢላ  ከም እትርከብ ኣብዚ ጒዳይ’ዚ ተዋሲኦም ዝርከቡ ገበርቲ ሠናይ ይገልጹ። ናይዞም ኣብ እተፈላለያ ኣውራጃታት ኣመሪካ ተሓይሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዕጫ እንተኾነው ካብቶም ኣብ ፎልሪዳ ንጥርዝያ ዝተበየነሎም ደቂ ሀገሮም ፍሉይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ዝጠራጠር እንተሎ ዝሓልፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኮማ ዝጸንሔ ሰብ ጥራይ ኢዩ።  ኣብ አመሪካ ዝነፍስ ዘሎ ሰራም ንፋስ ንብዙሓት ግዳያት ዝምቡዕ ምሕደራ ቀይዲ በትኽ ኢሳይያስ ብአልማማ ከምዝትንክፎም ከይደቀስካ ዝተሓልመ ሓቂ ኢዩ። ነዚ ንምቕዋም ኣብ ኢድ ነፍስወከፍና ዘላ ሓንቲ መሳርያ ክንጥቀም ይግባእ። ንሱ ድማ ብኢሳይያስ ዝምራሕ መንግስቲ ደጊምካ ደጋጊምካ ኣብ አደባባይ ምግላጽ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ድማ ብኢኮኖሚ ዝተጠቕዔ ስዱድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሑሱም ፖለትካዊ ጭቖና ከምዝሳቐ ተሓላቓይ ኴንካ ምቕራብ ጥራይ ኢዩ።

ምንም’ኳ ዘለናዮ እዋን ዘየመኒ እንተኾነ ንአሽቱ ናይ ዕድል መሳኹቲ ምኽፋቶም ንዕዘብ። ንአብነት ንኽጥረዙ ዝተበየነሎም ኤርትራውያን ናይታ ሃገር ‘ወኪል’ ዝኾነ ተቐማጣይ ዋሽንግቶን፡ ኤርትራውያን ምዃኖም ክምስክረሎም ብ ኢሚግርሽን አመሪካ ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ብምባሉ ብዋሕስ ክልቀቑ ዝተበየነሎም ዉሑዳት ይርከብዎም። ኣብዚ አብ ሃገሮም ዘይረኸብዎ ናይ ሀቤስ ኮርፐስ ሕጊ ምጥቃሞም ንዕዘብ። እዚ ዝኾነሉ ዋና ምኽንያት ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ን180 መዐልቲ  ካብ “ኤምባሲ ኤርትራ” መልሲ ብዘይምርካቡ ንዘይተወሰነ ግዜ ድማ ወድሰብ ክቕየድ ሕጊ ስለዘየፍቕዶ ኢዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ድአ ይውጽኡ’ምበር ካብቲ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ወጺኦም ማለት ኣይኮነን።  ሚስተር ትራንፕን ደገፍቱ ዝኾኑ የማናውያንን ጸበብቲ ብሄርተኛታትን፡ ይትረፍ ካብ ዐዃይ ሕብረተሰብ ዝፈለቑ ጸለምቲ ኣፍሪቓውያን፡ ነቶም ብትምህርትን ብጥበብን ዝተዐጥቁ ሶርያውያንን፡ ህንዳውያን ካልኦት ካብ ካልኣይ ዐለም ዝመጹ ዜጋታት’ውን እንተኾኑ ማዕጾ ይዕጾ ምህላዉ ኣብ ደምበላስ ዝርከብ ጓሳ ከይተረፈ ዝዕዘቦ ዘሎ ኢዩ። እዚ ሓዲሽ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ጸረ ፍልሰት ዝኾነ ሕግታት ንምትግባር ዝአክል ንዋይ ከምዝምድበሉ ኣብ ተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ገሊጹ ኢዩ። ካብ ሰሪ መዐቱ የውጽኣና-ኣላህ የስቱር- ኢዩ ዘብል። እምበኣርክስ ብሃይማኖት፡ ብእንዳ፡ብፖለቲካ ዘሎ ፍልልያት (ንግዜኡ) ኣብ ጎኒ ገዲፍና ነዞም ግዳያት ሻዕብያ ዝኾኑ ቀቢጸ ተስፋ መንእሰያት ንማጎተሎም።  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...