ዕላላተይ ምስ ስዉእ መልኣከ ተኽለ።

ብሰመረ ፍስሃየ (ፈረንሳ)

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሸውዓተ ክትዝርጋሕ ዝጀመረት ታሪኽ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ እትገልጽ መጽሓፍ ረኺብኩም ኣንቢብኩማ ክትኮኑ ተስፋ እገብር።

ብወገነይ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ ዝቐረበ: ንስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ዝምልከት መግለጺየይ ኣብ ዘቕረብኩሉ ግዜ  ብዛዕባ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ’ውን ከዕልለኩም እየ ዝብል መብጽዓ ኣስፊረ ነይረ።

ኣጋጣሚ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓወይን ብጻየይን ዝኾነ ግርማይ ቦኽረ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዋ መጽሓፍ ክጽሕፋ ጀሚሩ ስለ ዝነበረ እታ መጽሓፍ ድሕሪ ምዝርግሓ ንኽጽሕፍ ተሰማሚዕና።

ምስ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ ዋላኳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምፍላጥ ዕድላት ይንበረና እንበር ኣብ ሜዳ ኤርትራ: ኣብ ትሕቲ ጽላል ተጋድሎ ሓርነት (ጀብሃ) ኮይንና እነካይዶ ዝነበርና ናይ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ እዩ ዝያዳ ኣፋሊጡና።

ዋላኳ ኣብቲ በብእዋኑ እንራኸበሉ ዝነበርና እዋናት ናይ ውድብናን ናይ ውልቅናን ዕላላት ነዕልል እንተነበርና

ትሕዝቶ ዕላላተይ ምስ ጅግና ስዉእ መልኣከ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ. እቲ በብእዋኑ ካብ ውሽጢ (ፋሉል) ይኹን ካብ ደገ (ህዝባዊ ሓይልታት ዝብል ስም ዝነበራ ውድብ) ዝንዛሕ ዝነበረ ንተ.ሓ.ኤ. ንምፍራስ ዝዕላምኡ ውዲታትን ምንቅስቓሳትን ዝተመርኮሰ እዩ።

1.   ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ: ፋሉላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ. ሓያል ቦታ ስለ ዝነበሮ ዝነዝሖ ዝነበረ ናይ ርእሰ ፈጠራ ወረ ንብዙሓት ተጋደልቲ ደቂ ከበሳ ብፍላይ ክኣ ነቶም ካብ መወዳእታ 1974  ንድሕሪት ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣደናጊሩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣውዲቑዎም ነይሩ። ሓደ ካብቲ ዝነበረ መርዛም ናይ ፈጠራ ወረ ከምዚ ይብል “ ተ.ሓ.ኤ. ደቂ ከበሳ ስለ ዝዓብለሉዋ ብዓል ዓብደላ ኢድሪስ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ ኣብ ከሰላ ይኹን ኣብ ናይ ስደት መደበራት ዝቕመጡ፡ ደሞዝ ክንገብረልኩም ኢና ኢሎም ብሎሪታት ጺዕኖም ብወገን ተሰነይ የእትዉዎም ኣለዉ“ ዝብል ነበረ። ኣብ መፋርቕ ናይ 1976 ምስ ስዉእ መልኣከ ተራኺብና ብዛዕባ’ዚ ዝንዛሕ ዝነበረ መርዛም ወረ ከነዕልል ከሎና ከምዚ ዝስዕብ ዕላል የዕልለኒ "እዛ ናይ ተሰነይ ገዳይም ተጋደልቲ የሰልፉ ኣለዉ እትብል ወረ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ንዓብደላ ኢድሪስ ከመይ እዩ እዚ ዝብሃል ዘሎ ወረ ኢለ ሕቶ ኣቕረብኩሉ። ንሱ ኽኣ ትቕብል ኣቢሉ ብጻይ መልኣከ ንስኻ መራሒ ክፍሊ ጸጥታ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ኢኻ ስለዚ ንሕና መልሲ ናይዚ ዝብሃል ዘሎ ወረ ካባኻ ንጽበ ኣሎና ምስ በለኒ ዝምልሶ ስኢነ ጠጠው በልኩ " ይብል።

2.   ኣብቲ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1976 ህዝባዊ ሓይልታት (ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ነቲ ምስ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሰበ ዝነበሮም ምፍልላይ ጠንቁ ተ.ሓ.ኤ. ኣምሲሎም ዝዋፈርሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣነ ሓንቲ ሓይሊ ሒዘ ንኻርነሽም እሰግር’ሞ ኣብኡ ምስ መተዓቢተይን መማህርተይን ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ንራኸብ’ሞ ብጉዳይ ስምረትን ናይ ክልቲኤን ውድባት ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ስምረትን ክትዓት ነልዕል። ሓደ ካብቲ ርኽክባተይ፡ ኣብ ኣፍደዩ ዝተባህለት ዓዲ፡ ምስ ስዉእ ገብርኣብ ፍረ (ወዲ ፍረ፡ ሓደ ካብቶም መስሓቓት ደቂ ኣስመራ፡ ኣብ ሳንታ ፋሚልያ ብ B.A. ዲግሪ ዝተመረቐ ) መተዓቢተይን መማኅርተይን ነበረ። ምስ ወዲ ፍረ ብሓደ ተደሪርና ብሓደ ከነዕልል ሓዲርና። ኣብቲ ዕላላትና ወዲ ፍረ ደጋጊሙ ይብለኒ፡ ”ከመይ ጌርካ ምስ እዞም ኣድሓርሓርቲ ትቃለስ ኣሎኻ፡ እዚኣቶምኮ ንብዓል ወልዳይን ኪዳነን ዝብሃሉ ተጋደልቲ ዝቐተሉ እዮም” ይብል። ብወገነይ ኣብ ደቀቕቲ ነገራት ከይኣተኹ፡ (ብቋንቋ ኢሳያስ ክገልጽ መረጽኩ) በል መራሕቲ እዚ ውድብ ክጽብጽበልካ’ሞ ብድሕሪኡ ርኢቶኻ ክጽበየ በልኩዎ።

a.   ናይ ዜና ቤት ጽሕፈት መራሒ ተስፋማርያም ወልደማርያም ይብሃል። ኣብ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ናይ ዜና ግደ ኣዚዩ ዓቢ ምዃኑ ኣይትዝንግዖን ኢኻ። ብተወሳኺ ተስፋማርያም ኣብ ሳንታ ፋሚሊያ ስለ ዝነበረ ትፈልጦ ኢኻ።

b.   ዋና ጸሓፊ ውድብና ተስፋይ ወልደሚካኤል ይብሃል ንሱ’ውን ኣብ ሳንታ ፋሚሊያ ስለ ዝነበረ ትፈልጦ ትኸውን።

c.   መራሒ ክፍሊ ጸጥታ መልኣከ ተኽለ ይብሃል ኣነ ኣጸቢቐየ ዝፈልጦ።

d.   ኣቦ መምበር ውድብ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ይብሃል። ቅድሚ ንወጻኢ ምኻዱ ኣብ ቀሃስ ይምሃር ነይሩ።

e.   ናይ ፖለቲካ ሓላፊ ኢብራሂም ቶቲል ይብሃል።

f.     ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ዓብደላ ስሌማን ይብሃል።

g.   ናይ ምጣኔ ሃብቲ (ኤኮኖሚ) ሓላፊ ሓምድ ኣድም ስሌማን ይብሃል።

h.   ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ሓላፊ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ይብሃል።

ኣዞም ዝጠቐስኩልካ መራሕቲ ኣብቲ ብዓል ወልዳይ ዝተቐትልሉ ግዜ ኣይነበሩን። ብተወሳኺ ኣብ ጉዕዞ ቃልሶም ናይ ምምራሕ ብቕዓቶም ዘመስከሩ መራሕቲ እዮም። ናይ ወተሃደራዊ  ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዓብደላ ኢድሪስ ይብሃል ምስ በልኩ: ስዉእ ወዲ ፍረ ኽኣ “እሞ እዚ ዝበልካዮ ዓብደላ ኢድሪስ ንሱዩ ዝመርሓኩም” ይብለኒ። ብወገነይ እብሎ: ተ.ሓ.ኤ. ብሃገራዊ ጉባኤ ዝጸደቐ ትካላት ኣለዋ። ነቲ ትካላት ዝቆጻጸር ሰውራዊ ባይቶ ዝብሃል ብደረጃ ጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት ኣለዋ። እዚ መሪሕነት ክኣ ካብ ውሽጡ ፈጻሚት ኣካል ይመርጽ። በዚ መሰረት እዞም ኣስማቶም ዝዘርዘርኩልካ ሰባት ሰውራዊ ባይቶ ተመሪጾም። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ጉባኤ ስለ ዘይፍለጥ መራሕትኹም ብሓደ ውልቀ ሰብ ስለ ዝምረጹ እቲ ውድብውን ካብ ፍቓድ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ስለ ዘይወጽእ ነዚ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ተ.ሓ.ኤ ንኽርድኣኩም ምናልባሽ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ግን ዝኾነ መራሒ ዋላ ዓብደላ ኢድሪስ ዝብል ስም ይሃልዎ ብዘይ ምርድዳእ ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ዋላ ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይክእልን እዩ እብሎ። ግን ንስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ብዝምልከት መግለጺታተይ ፈጺሙ ምቕባል ይኣብየኒ። ብዛዕባ ጉዕዞይ ኣብ ካርነሽም ንስዉእ መልኣከ ምስ የዕለልኩዎ ይብለኒ "ሰመረ ህዝቢ ከበሳ ናይ ሃይማኖት ሽግሩ ከይፈትሐ፡ ናይ ከበሳነት ትምክሕቲ ከይኣለየ፡ ሓደገኛታት መራሕቲ ነዚ ድኽመታት ዝምዝምዙ ከይጠፍኡ ቃልስና ከቢድን ነዊሕን ከም ዝኸውን ኣይትዘንግዕ" ይብለኒ።

3.   ኣብቲ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1977 ፋሉላዊ ምንቅስቓ ኣብ ድኹም ኩነታት ወዲቑስ መብዛሕትኦም መራሕቱ ይኹኑ ኣባላቱ ናብ ህዝባዊ ግንባር ኢዶም ዝሃብሉ እዋን ኮይኑ ግን ክኣ ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. ከቢድ ክሳራ ዘውረዱሉ እዋን እዩ ነይሩ። ገለ ካብቲ ዘውረድዎ ከቢድ ሓደጋታት ክኣ መቕተልቲ ተጋዳላይ ዓብዱል ቓድር ሮሞዳንን ተጋዳልይ ዓሊ ኢብራሂምን ምስኦም ዝነበሩ ንጹሃት ተጋደልትን ከምኡ’ውን ወኪል ምጣኔ ሃብቲ (ኤኮኖሚ) ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 (ኣውራጃ ሓማሴን) ዝነበረ ስዉእ ሓድጉ ወዘተ እዩ። መቕተልቲ ብዓል ስዉእ ዓብደልቓድር ኣብ ደቡብ ደንከል እዩ ተፈጺሙ። ነዚ ኩነታት ንምህዳእ ተባሂልና ካብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፣  ካብ ናይ ዜና ቤት ጽሕፈት፣ ከምኡውን ካብ ናይ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ዝተዋጻእና ካድራት ንደቡብ ደንከል ንምደብ። ስዉእ መልኣከ ናይ ማእከላይ ግንባር መራሒ ስለ ዝነበረ ናይ ጉዕዞና ሓላፍነት ተሰኪሙ ነበረ። ንደቡብ ደንከል ጉዕዞና ከምቲ ዝተሓስበ ክቀላጠፍ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜቲ ከም ኣጋጣሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንብዓል ጻዕዳ ክርስትያንን ከባቢኡን ንምሓዝ ተደጋጋሚ ፈተነ ይገብር ስለ ዝነበረ ስዉእ መልኣከ ኽኣ ነቲ ውግኣት ይመርሖ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ቅድመ ግንባር ከይዱ ይሳተፎ ስለ ዝነበረ ጉዕዞና ክዳናጎይ ኪኢሉ። ኣብዚ ናይ ምድኑጓይ ግዜዚ ኣነን ስዉእ መልኣከን ንሓደ ክልተ ሰሙን ዝኸውን ግዜ ብሓደ ቀኒና። ኣብዘን ብሓደ ዝቐነናለን ምዓልታት ካብቲ ክዕለል ዝከኣል ዕላላት እዚ ዝስዕብ እዩ፡

a.   እቲ ናይ ፋሉል ኩነታት ዋላኳ ይዳኸም እምበር ጌና ኣይጠፍኤን’ዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝነበርናሉ ስዓት ጉዳይ ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ ኣሸጋሪ ነይሩ። እዚ ማለት ክኣ ኣረኣእያ ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ ኣብ ልዕሊ ፋሉል ንጹር ስለ ዘይነበረ ንባርካ ክወርድ ትእዛዝ ይውሃቦ። እንተኾነ ግን ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ ነቶም ንባርካ ሒዞሞ ክወርዱ ዝመጹ ተጋደልቲ ስለ ዝነጸጎም ስዉእ መልኣከ ባዕሉ ነቲ ስጉምቲ ንኽወስዶ ተገደደ። ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ ካብቶም ዉፉያት ተጋደል ተ.ሓ.ኤ. እዩ ነይሩ። ስዉእ መልኣከ ይብለኒ እዚ መርዛም ፋሉላዊ ምንቅስቓስ ንብዓል ኣብርሃም ተኽለ ከይተረፈ ኣደናጊሩዎም ይብለኒ። ኣብ ልዕሊ ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ኽኣ ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ የዕሊሉኒ።

b.   ሓደ ምዓልቲ ስዉእ ገረብርሃን ዘርኤ፡ ወኪል ጸጥታ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ዝነበረ፡ ሓንቲ ደብዳቤ ናብ ስዉእ መልኣከ ይልእኽ። ትሕዝቶ እታ ደብዳቤ ኽኣ ከምዚ ይብል " ኢብራሂም ዓሊ ኑር ምስ ሓንቲ ተጋዳሊት ደቂሱ ከሎ ተታሒዙ። እንታይ ንግበር" ። ስውእ መልኣከ ኣርሒቑ ድሕሪ ምሕሳብ ይብለኒ እዛ ጉዳይ ቀላል ኣይኮነትን ፡ ሕጂ ኣብ ክንዲ ኩነታት ብርሱኑ ከሎ ስጉምቲ ምውሳድ ህድእ ኢልካ ንባርካ ኣውሪድካ ምስ ብጾት ውሳኔ ምውሳድ ይሓይሽ ይብል። ነቶም ኢብራሂም ዓሊ ኑር ዘይትፈልጡ ሰባት ኢብራሂም ዓሊ ኑር ሓደ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ኮይኑ ኣብቲ እዋን’ቲ ምክትል ስዉእ መልኣከ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ከም ዝሰማዕኩዎ እንተ ኾይኑ መራሒ ናይ ሓንቲ ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ፕሮግራም ዘለዋ ተቓዋሚት ውድብ ኮይኑ ኣሎ ይብሃል። እቶም ንስዉእ ገረብርሃን ዘርአ ዘይትፈልጥዎ: ገረብርሃን ዘርአ ከምቲ ዝጠቐስኩዎ ወኪል ጸጥታ ኣብ ምምሕዳር ቁ8 ኮይኑ ሓደ ካብቶም ብምስጢር ንፋሉላዊ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ዝነበሩ እዩ። እንተኾነ ግን ገረብርሃን ዘርአ ነቲ ሕግታት ተ.ሓ.ኤ. ኣኽቢሩ ዝቃለስ ተጋዳላይ ስለ ዝነበረ ከምቶም ፋሉል ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣይተኻእለን።

c.   ሓደ ምዓልቲ እዋን ምሳሕ ዝቀራረበሉ ዝነበረ ስዓታት፡ ብዝሕ ዝበሉ ተጋደልቲ፡ ብዝተፈላለየ መደባት ዝተላእኩ ናብ ስዉእ መልኣከ ይመጹ። እቲ ንምሳሕ ተባሂሉ ተቐሪቡ ዝነበረ ቅጫ ነርባዕተ ሰብ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ ነይሩ። ኣርባዕተ ዘይኮንናስ ዓሰርተው ሓሙሽተ ተጋደልቲ ምስ ኣተናዮ ገሊኣ ካልኣይ ግዜ ወስ ከይበለት እቲ ቅጫ ተወዲኡ። ሽዑ ስዉእ መልኣከ “በሉ በስምኣምን ተመስገንን ብሓደ ኮይንን” በለና። ድሕሪ ምሳሕ ሓደ ስዓት ኣቢሉ ይኸውን፡ ንስዉእ መልኣከ ክትረክብ ሓንቲ ካብ ከተማ ኣስመራ ዝመጸት ሰበይቲ ትሕወሰና። ዕላል ብዕላል ዝመጸ ስምረት እንታይ ኰንኩም ዘይትገብሩ ንዝብል ሕቶኣ ስዉእ መልኣከ ምስ መለሰላ ንሳ ኽኣ “ናይ ስልጣን ህርፋንኩም እዩ ዝዕንቅፍ ዘሎ እምበር ተራ ተጋዳላይስ ድሉው እዩ “ በለት። ምስ ስዉእ መልኣከ ገጽ ንገጽ ተጠማሚትና ፍሽኽ በልና። ኣብቲ ግዜ’ቲ ከምቲ ኣቐዲመ ሓቢረዮ ዝነበርኩ ካብ ውግእ ናብ ውግእ ንገማጠል ስለ ዝነበርና እሞ ኽኣ ስዉእ መልኣከ ውግእ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን እቲ ዝልዓለ መራሒ ምዃኑ ረሲዑ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ዝዋጋእ ሓደ ካብቶም ውሩያት መራሕቲ ውድብ ስለ ዝነበረ ትርጉም ስልጣን ምስቲ ኣብሃህላ ናይታ ሰበይቲ ፈጺሙ ዘይከይድ ነበረ። ስዉእ መልኣከ ኽኣ ነቲ ዘምጽኣ ጉዳይ ድሕሪ ምምላሱ ብስነስርዓት ኣፋነዋ። ካባና ምስ ተፈለየት ክኣ "እዛ ሰበይቲ ንመራሕቲ ሻዕብያ ጥራሕ ከምዚ ዘረባ’ዚ ከይተስምዖም ኣብ ዘይሽግራ ከይትወድቕ " ተበሃሃልና።

d.   ንደንከል ጉዕዞና ምስ ተቐራረበ፡ ስዉእ መልኣከ ንመንሱራ በጺሕና ክንምለስ ኢና ይብለኒ። ንመንሱራ ንወርድ’ሞ ስዉእ መልኣከ ምስ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስን ኢብራሂም ቶቲልን ይራኸብሞ ኣኼባ ኽኣ ሰለስቲኦም የካይዱ። ሓደ ካብቲ ናይ ኣኼብኦም ኣርእስቲ ኽኣ መንደፈራ ሓራ ምግባርን ንዕኡ ንምፍጻም ዘድሊ ትሕዝቶን ዝብል ነበረ። ድሕሪ ኣኼብኦም ክኣ ንኸዘራርቡኒ ናብቲ ዝነበርዎ ቦታ ጸዉዑኒ። ምስ ተሓወስኩዎም፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ዘተባብዕ ቃላት ኣስምዓኒ። "ብጻይ ሰመረ፡ ንደንካልያ ምስ ብጾትካ ትብገስ ኣሎኻ ኣብቲ እተካይይድዎ ከቢድ ቃልሲ ከምትዕወቱ ጥርጥር የብለይን። ውድብና ኣብዚ ዘለናዮ ስዓት ናይ ፖለቲካ ካድራት ብደረጃ ቦጦሎኒ ቀጺሉ'ውን ብደረጃ ሓይልታት ከፍሪ ኪኢሉ ኣሎ። ብደረጃ ጋንታታት ከነፍሪ ኣብ እንበቕዓሉ ስዓት፡ ሃገራውን ዲሞክረስያውን ቃልስና ብዝደልደ መንገዲ ጉዕዞ ቃልሱ ከካይድ’ዩ " ይብለኒ (ኣብቲ እዋን ጌና ናይ ብርጌዳት ስርርዕ ኣይተገብረን ነይሩ) ።  ብድሕሪኡ ንስዉእ ሳልሕ ሹም ትምልከት ደብዳቤ ይህበኒ እሞ ምስ ስዉእ መላኣከ ተተሓሒዝና ንምምሕዳር ቁጽሪ 8 ንድይብ። ኣብ ጉዕዞና ምስ ስዉእ መልኣከ ንስዉእ ተጋዳላይ ዓብደላ ኢድሪስ ብዝምልከት ናይ ሓሶት መናፍሕ፡ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ይኹን ብወገን ፋሉል መሰረት ከም ዘይብሉን ካብኡ ዝኸፍኤ ኽኣ ካብቲ ከበሳዊ ትምክሕቲ ዝነቐለ ምዃኑን ድሕሪ ምዕዛብና ንምምካቱ ሓያል ቃልሲ ከም ዝሓተና ተገንዘብና። ንደንከል ክንብገስ ዘድልየና ዘበለ ትሕዝቶ ምስ ተዳለወልና ምስ ስዉእ መልኣከ ብመንገዲ ራድዮ ክንራኸበሉ እንኽእል ናይ ሚስጢር ፊደላት ተለዋዊጥና ተፈላለና።

4.    ናይ ደንካልያ ጉዕዞ ሓደ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ወሰደልና ምስቶም ኣብ ደቡብ ደንከል ዝነበሩ ብጾት ተጋደልቲ ጉዕዞ ቃልስና ቀጸልና። ኣብቲ ንብሕቲ እትብሃል ስትራተጂካዊት ቦታ ንምሓዝ ዝገበርናዮ ውግእ፡ ጅግና ተጋዳላይ እስማዒል ግንባር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ደቡብ ደንከል ስለ ዝተሰውአ መተካእትኡ ዝኸውን ኣብ ክንዲ ካብ ባርካ ዝልኣኸና ኣብዚ ዘለዉ ንኩነታት ደንከል ብቐረባ ክፈልጡ ዝኽእሉ ምምዳብ ይሓይሽ ካብ ዝብል ርኢቶ ተበጊሰ ንስዉእ መልኣከ ንሓደ ካብ ኣባልት ጸጥታ ዝነበረ ካድር፡ መሓመድ ጃብር ዝተባህለ ተጋዳላይ ንኽምደብ ርኢቶይ ምስ ኣቕረብኩሉ ተቐበሎሞ ዝተባህለ ተጋዳላይ ወኪል ጸጥታ ኮይኑ ተመደበ። ዝተባህለ ርኢቶይ ናብ ስዉእ መልኣከ በቲ ዝተለዋወጥናዮ ናይ ሚስጢር ፊደላት እዩ ተመሓላሊፋ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ሓው ተጋዳልይ ሑሰን ኸሊፋ ምሳይ ክገራጨው ይጅምር። ብዛዕባ ምስ ስዉእ መልኣከ ብረድዮ ሚስጢራዊ ርኽክባተይ  ይጠቕሰለይ። ብወገነይ መልኣከ ብጻይ ስለ ዝኾነ ምርኻብና እንታይ’ዩ ጸገሙ እብሎ። ንሱ ኽኣ ልክዕዩ ኣነ ክርድኦ እኽእል’የ እቶም ዘይፈልጡ ግን ክርድኡዎ ኣይክእሉን እዮም ይብል። ኣብቲ ግዜቲ ብወገነይ እቲ ኣብ ባርካ ይኹን ኣብ ከበሳ ዝነበረ ዘይምርድዳኣት ዋላሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ከምኡ ኢሉ በብግዚኡ ምስ ሓው ተጋዳልይ ሑሰን ኸሊፋ ክሳብ ኣብ ከቢድ ዘይምርድዳእ ኩነታት ንወድቕ ነበርና። ኣብ ሰሜን ደንከል ምስ መጻእኩ ገለ ብጾት ካብ ምምሕዳር ትሽዓተ ዝመጹ ኩነታት ውድብናን ኣብ መንጎ ብጾት ዝተኸፍተ ዘይምርድዳኣትን ክጠቕሱለይ ከኣሉ። ኩነታት ውግእ ሓድሕድ ገዲዱና ኽኣ ንኸበሳ ካብኡ ኽኣ ንባርካ ወረድኩ።

5.    ኣብ ባርካ ናይ ንግድን ኢንዱስትርን ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኮይነ ምስ ተመደብኩ ቦታይ ኣብ መኪት ኮነ። ኣብዚ መደብ’ዚ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ምስ ስዉእ መልኣከ ተራኺበ ዘጋጠመ ኩነታት ንኸዕልለኒ ተወከስኩዎ። ስዉእ መልኣከ ብወገኑ እቲ ኩነታት ብዙሕ መግለጺ ከም ዘይብሉ ይሕብረኒ። ምስ ስዉእ ወልደዳዊት ተራኺቦም ንኽረዳድኡ ምስ ሓተትኩዎ ዋላሓንቲ ጸገም የለን፡ ብጻይ ቱምሳሕ’ውን ምስ ዓብደላ ኢድሪስ ንኽንራኸብ ሓቲቱኒ ጸገም የለን ኢለዮ ይብለኒ። ግን እቲ ኩነታት ውድብና ናብ ሕማቕ ኩነታት እንዳዛዘወ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ንዝተሓስበ ጽቡቕ ድልየታት ዕድል ኣይሃቦን።

6.   ውሻጣዊ ኩነታትና እንዳኸፍአ ስለ ዝኸደ ነዚ ሕማቕ ውሽጣዊ ኩንታትና ኢሳያስ (መራሒ ህዝባዊ ግንባር) ይከታተሎ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና ልኡኻቱ ስለ ዝነበሩዎ ብደገ ውግእ ሓድሕድ ብውሽጥና ኽኣ ደቂ መታሕት ኣድሓርሓርቲ ደቂ ከበሳ ኽኣ ገስገስቲ ኣምሲልካ ነቲ ውድብ ገማዕማዕ ኢሉ ፋሕ ክብል ዘየካየዶ ወፈራ ኣይነበረን። እዚ መርዛም ወፈራ ህዝባዊ ግንባር ምስቲ ናይ ውሽጥና ናይ ስልጣን ቃልስን ተደማሚሩ ንመሪሕነት ሓደ ፍታሕ ንኽረክብ የገድዶ። ሓደ ካብቲ ፍትሓት ክኣ ምስቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ፡ ሰራዊት ናይ ምውጋእ መንፈስ ስለ ዘይነበሮ፡ ተጠራኒፍካ ሓደ ዓይነት ኣኼባ ኣካይድካ ፍታሕ ምርካብ ዝብል ኮነ። ነዚ ንምፍጻም ክኣ ፈጻሚት ሽማግለ ካብ ኣባላታ፡ ሓንቲ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ መዘዘት። እቶም ኣባላት ክኣ፡

a.   ኢብራሂም ቶቲል

b.   ሓምድ ኣደም ስለማ(ሓላፊ ምጣኔ ሃብቲ ቤት ጽሕህፈት ዝነበረ) 

c.   ስዉእ መልኣከ ተኽለ ነበሩ።

ንሶም ክኣ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ኮይና እትሰርሕ ሰለስተ ዝእባላታ ሽማግለ መረጹ። ኣባላታ  ኽኣ

1.   ተጋዳላይ ገብሩ ሓጎስ (ሓላፊ ቤት ፍርዲ ዝነበረ)

2.   ተወልድ ገብረስላሴ (ሕጂ መራሒ ናይ ሓንቲ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘሎ)

3.   ሰመረ ፍስሃየ (ኣነ ማለትዩ) ኮይንና ተመረጽና።

ሓላፍነትና ኽኣ ንብረት ውድብ ብዝተጠርነፈ ኣገባብ ነቲ ናይ ምስሓብ መደብ ከም ዘሰንዮ ምግባር ነበረ። እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኽኣ ኣነን ስዉእ መለኣከን በብእዋኑ እንዳተራኸብና ከነዕልል ዕድል ይህበና። ኣብዚ ናይ ምስሓብ ግዜ ሰራዊት መብዛሕትኡ ኣብ ከባቢ ከሰላ ገጹ ይተኣኻኸብ ስለ ዘበረ መንግስቲ ሱዳን ፍርሂ ስለ ዝሓደሮ (እቲ ፍርሂ ተጋደልቲ ነቲ ናይ ከባቢ ከሰላ ህዝቢ ሱዳን ብረት ከይሸጥሉ) ንመሪሕነት ውድብና ኣብ ካርቱም ጸዊዑ ሰራዊትኩም ካብ ከባቢ ከሰላ ንኽርሕቕ 5 መዓልታት ሂብናኩም ኣሎና እዚ ምስ ዘይትፍጽሙ ግን ብረት ሰራዊትኩም ብሓይሊ ክንወስዶ ኢና፡ እንተ ደሊኹም ንፖርት ሱዳን ገጽኩም ትኸዱ ኣብኡ ዋላ መሬት ሱዳን እንተረገጽኩም ሽግር የብልናን ይብሉ። ስዉእ መልኣከ ነዚ ትእዛዝ መንግስቲ ሱዳን ንምፍጻም ናብ ሰራዊት ይጓየ። ኣብቲ ግዜቲ ኣብ መንጎ መሪሕነት ውድብን ሰራዊት ይኹን ካድር ዝነበረ ምትእምማን ኣብቲ ዝትሓተ ደረጅኡ በጺሑ ስለ ዝነበረ፡ ሰራዊት ንዝተዋህቦም ትእዛዝ ይኹን ምዕዶ ነጺጎም ኣብ ከባቢ ከሰላ ደው በሉ። ብርጌድ 44 ቁሩብ ንመንገዲ ሳሕል ገጻ ሰጒማ ስለ ዝነበረት ንዓኣ እንተ ኣድሓንኳዋ ምናልባሽ ክፍትን’የ ኢሉኒ ይኸይድ። እንተኾነ ንሳውን ትኣቢ።

7.   እተን ዝተፈቕዳ 5 ምዓልታት ምስ ኣኸላ ዝነበረ ተጋዳላይ ኩሉ ብረቱ ንመንግስቲ ሱዳን ኣረኪቡ ጃለ ኮይኑ ኣብ ኮሮኮን ይእከብ። ተጋደልቲ ኣባላት ቤት ጽሕፈታት ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ዝተዋህቦም መምርሒ ኣኽቢሮም ጉዕዞኦም ስለዝቐጸሉ ምስ ብረቶም ንታህዳይ ብሰላም ክኣትዉ ክኣሉ። ሰራዊት ኣብ ኮሮኮን ምስተኣከበ ስዉእ መልኣከ ሓደ 5 ተጋደልቲ ሒዙ ኣብቲ ከባቢ ኮሮኮን ተረፈ። ንሱ ይኹን ምስኡ ዝነበርና ተጋደልቲ ምስ ብረትና ኢና ኔርና። ኣብ ሳልሳይ ምዓልቲ ኣነ ኩነታት ኮሮኮን ከመይ ምዃኑ ንኽርእይ እኸይድ። ኩነታት ኣጽኒዐ እምለስ። ብድሕሪኡ ኣብ ሓምሻይ ምዓልትና ምስ ሰራዊት ኰንካ ቀጻሊ ጉዕዞ ምዕዛብ ይሓይሽ ተበሃሂልና ንኮረኮን ንኣቱ። ኣነ ድሃይ ኮሮኮን ከጽንዕ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ጴጥሮስ ሰለሙን ሓደ ካብ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ማለት’ዩ ብሬድዮ ንኽራኸቦ ይሓትት። ምስ ተመለስኩ ወዲ ሰለሙን ክትራኸበኒ ፈቲና ብወገነይ ኣይመለስኩላን ይብለኒ። ንህዝባዊ ግንባር ዘይመምረጺና ምኽንያት ንህዝቢ ኤርትራ ዝይትመስሎ ውድብ: ብከበሳዊ ትምክሕቲ ተዓብሊላ ትጉዓዝ ውድብ ምዃና ጌና ኣይተረድኦን ኣሎ ተበሃሂልና ንኮሮኮን ተጉዓዝና።

8.   ኣብ ኮሮኮን ብዘይካ ስዉእ መልኣከ ዋላ ሓደ ካብ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ መደበሩ ገይሩ ምስ ሰራዊት ዝነብር ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ዝበዝሐ ሰራዊትና ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ስዉእ መልኣከ ነይሩ ማለት’ዩ። ዝተረፉ ኣባላት መሪሕነት ኣብ ሱዳን ኮይኖም ኩነታት ኮሮኮን ይከታተሉ ነይሮም። ካብ ዘንስሓብናሉ እዋን ጀሚሩ ሰራዊት ብካድራት ተመሪሑ ጉባኤ ጌርና ሓድሽ መሪሕነት ክንመርጽ ኣሎና ዝብል መርገጽ ነይሩዎ። ነዚ መርገጽ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወፍሪ ግን ሓደገኛን መርዛምን ነበረ። ሓንሳብ ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ሓንስብ ሓንሳብ ክኣ መታሕትን ከበሳን ዝገማምዕ ምፍልላያት ይጠቀም ነበረ። ኣብ ኮሮኮን እሞ ኽኣ እቶም ብበትን ዝብል ስም ዝተገልጹ፡ ሕፍር ከይብሉ ዓው ኢሎም ይዛረቡሉ ነበሩ። ንኣብነት ነቲ ትእዛዝ መሪሕነት ኣኽቢሩ ንሰሜን ተጓዒዙ ብረቱ ዘድሓነ ሰራዊት የሚን (የማናውያን) ዝብል ቅጽል ሂቦሞስ መሳርሒ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ይብልዎ ነይሮም። ምስ ስዉኡ መልኣከ ነዚ ኩነታት’ዚ ድሕሪ ምዕዛብ መሪሕነት ውድብ ምቕያር ማለት ተ.ሓ.ኤ. ትጥፋእ ብኡ ኣቢልካ ኽኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምትንካፍ’ዩ ንብል። ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ፈላላዪ ወፈራ ክንምክቶ ንዋፈር። ንኣብነት ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋ (ኣባል መሪሕነት ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ) ኣብ ኮሮኮን ዝመጸሉ እዋን ናብቶም ኣብ ሰሜን ዝነበሩ ሰራዊት ይጉዓዝ ስለ ዝነበረ ኣነ ምስኡ ከይደ ነቶም ኣብ ሰሜን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ኮሮኮን ዝርከቡ ብዙሓት ተጋደልቲ  ምስኦም ከምዘለና፡ እቲ ካብ ኮሮኮን ዝነፍስ ሕማቕ ንፋስ ዝውክልዎ ዉሑዳት ምዃኖም ንምርድኦም ተሰማሚዕና ንሰሜን በጺሐ ተመለስኩ። ስዉእ መልኣከ’ውን ንኣብ ኮሮኮን ዝነበሩ ካድራት ኣኪቡ ተ.ሓ.ኤ. ምስቲ ዝነበረ ኩነታት መሪሕነት ምቕያር ግዚኡ ከምዝይነበረ ንምርዳእ ብዙሕ ጺዒሩ እዩ።

9.   ኣብቲ 1981 ዝውድኣሉ ዝነበረ ወርሓት ገለ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ኣኼባ ብምክያድ ንሰለስተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ካብ ስልጣኖም ኣውረድዎም። እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ተረኦም ኣብ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ዓቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ወሳኒ እዩ ነይሩ። እቶም ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ

a.   ስዉእ መልኣከ ተኽለ (መራሒ ጸጥታዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ)

b.   ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ (መራሒ ወተሃደራ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ)

c.   ቶቲል (መራሒ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ)

10.                ካብ ዳንካልያ ምስ ተመለስኩ ስዉእ መልኣከ ብዛዕባ ወሳኒ ግደ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ከዕልለኒ ከሎ ከምዚ ይብል "ኣብ 1979 ምስ ሻዕብያ ውግእ ሓድሕድ ምስ ተባርዐ ኣብ ኣኼብ ፈጻሚት ሽማግለ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ይብል “ኣነ መራሒ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ስለ ዝኾንኩ ሰራዊት ክመርሕ እየ፡ ኣቦ መምበር ውድብን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፍን ክኣ ናብ ፈተውቲ ውድብና ዝኾና ሃገራት ኬድኩም ኩነታት ሓብርወን” ምስ በለ። ብዘይ ብኣኻ መን ክሰምዓና ናትካ ምህላው ግደንዩ ስለ ዝበሉ ንወጻኢ ከይዱ። “እዚኦም’ዮም ኣባላት ላዕለዎት መሪሕነት” ይብለኒ። ነዚ ሓብሬታ’ዚ ንኽጠቅስ ዘገደደኒ ምኽንያት ኣይትዝንግዕዎን ትኾኑ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ካብ ስልጣኖም ዘውረድዎም መራሕቲ ግደ ንምሕባር እዩ። ናይ ስዉእ መልኣከ ግደ ኽኣ ኣብ ምምራሕ ውግእ ድዩ፡ ተሰማዕነቱ ኣብ ቅድሚ ተጋደልቲ ድዩ ሓደ ካብቶም ጽላል ውድብ ከም ዝነበረ ማንም ክኽሕዶ ኣይክእልን’ዩ። ግን ኣብ ፖለቲካዊ ቁሩቁስ የፍርሃንዩ እትብሎ ሓይሊ ከተውድቕ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እቶም ነቲ ስልጣን ውድብ ንምሓዝ ዝህንጠዩ ዝነበሩ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮምን። ብወገነይ በዚ ኣጋጣሚዚ ዝሓቶም ሓደ ሕቶ ኣሎኒ፡ ነዞም ካብ ስልጣኖም ዘውረድኩሞም መራሕቲ ኩሉኹም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ክትኮኑ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንፈጸምቲ ኣካል ዘውርድን ዝመርጽን ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ እቶም ዝምረጹ ኽኣ ካብ ዉሽጡ እዮም። ስለዚ ቁጽርኹም ክንደይ ኔርኩም? ዶክተር ሃብተኸ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ነይሩ ድዩ ንቶቲል ዝተክኦ?

11.                ስዉእ መልኣከ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ንከሰላ ኣትዩ። ኣብ ከሰላ ምስ ተራኸብና፡ እዚ ጉባኤ ይገበር መሪሕነት ይቀየር ዝብል ዝነበረ ምግዓርስ ኣብዚ ምብጻሕ’ዩ ነይሩ ንብሃሃል። እታ ናይ መጨረስታ ምስ ስዉእ መልኣከ ዝተራኸብናላ ምዓልቲ፡ ስዉእ መልኣከ ኣብ እንዳ ኣብርሃለይ ክፍለ የዕሪፉ ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ከይደ ንኽራኸቦ መልእኽቲ ልኣኸለይ። ኣብኡ ከይደ ኽኣ እራኸቦ። ኣብ እንዳ ኣብርሃለይ ክፍለ ብዘይካ ስዉእ መልኣከ፡ ኣብርሃለ ክፍለን ዘምህረት ዝብሃል ካድር፡ ኣብዚ ስዓት’ዚ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሳርሒ  (ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ) ስርዓት ኢሂግደፍ ዘሎ ነበረ። እዚ ዘምህረት ዝብሃል ሰብ ብወገነይ ንመጀመርታ ግዜ እየ ኣብኡ ርእየዮ። ኣብቲ ኣዘራርብኡ ገስገስትን ኣድሓርሓርትን ብዝብል ቅጽላት ዝተሰነዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ፈላለይቲ ዝኾኑ መግለጺታት የዘውትር ነበረ።  ብወገነይ ዝነበረኒ ናይ መጻኢ ጉዕዞ ምስ ስዉእ መልኣከ ተለዋዊጠ ተፋነኹ።

12.                ጸገም ናይቶም ንዘምህረት ዝመስሉ ካድራት፡ ኤርትራ ብወዲ ከበሳ እንተዘይኮይኑ ብኻልኦት ኤርትራውያን ክትምራሕ ከምዘይትኽእል፡ ብፍላይ ክኣ መሓመድ ወይ ዓብደላ ዝብል ስም ዘለዎም እንተኾይኖም፡ ዋላ ጀጋኑ፡ በላሕቲ፡ ጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራን ጥቕሚ ሃገሮምን ቅድሚ ውልቃዊ ጥቕሞም ዝሰርዑ ይኹኑ፡ ብዓይኒ ኣዞም ብከበሳዊ ትምክሕቲ ዓይኖም ዝዓወሩ ሰባት፡ ንኽቕበልዎ ጸገም እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ መራሒ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ተ.ሓ.ኤ. ክፍለ ከሎ ኣትሒዙ ከም ቀንዲ መሳሪሒኡ ሒዙ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መርዛም መደብ ከም ዝነበረ ንዝንግዖ ኣይመስለንን።

13.                መስዋእቲ መልኣከ ተኽለ ብዙሕ ሰብ ነናቱ መግለጺታት ክህበሉ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ዝተወስደ ናይ ዕልዋ መደባት ዝተሳተፉ ሰባት እንተዘይ ሓቢሮም፡ ብይኸውን ጥራሕ ኢና ክንገልጾ ንፍትን። በቲ ይኹን በቲ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ንዝነበሩ መራሕቲ ኣሲሩ ናተይ እዩ ዝብሎ ውድብ ክቆጻጸር ኣብ ዝገበሮ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንስዉእ መልኣከ ምቕታል ጥራሕ ዘይኮነስ ንውድብ ተ.ሓ.ኤ. እውን ቀቲልዎ።

14.                ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ http://www.togoruba.org/ : ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ከም ምሓመድ ቡርሃን ብላታ ከምኡ’ውን ሓው ተጋዳላይ ዓብደላ ሓሰን ንታሪኽ ገዳይም ተጋደልትና ዘፋልጥ ጽሑፋት ክጽሕፉ ጀሚሮም ምስ ርኣኹ ዝተሰምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን። እዞም ዝጠቐስኩዎም ገዳይም ተጋደልቲ ንዝጀመርዎ ቅዱስ ዕላማ ክቕጽልዎ ተስፋ እገብር። ገዳይም ተጋደልቲ ከም ሓው ተጋዳላይ ሑሴን ከሊፋ ብዙሕ ታሪኻት ከዕልሉና ይኽእሉ እዮም ዝብል ዓቢ እምነት ኣሎኒ። ብዛዕባ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ ዝፍለጥ ታሪኽ ኣብ ቤላ ቤለው ዝተመርኮሰ፡ መብዛሕትኡ ኽኣ ምንጩ ካብቶም ብከበሳዊ ትምክሕቲ የዒንቶም ዝዓወሩ ተጋደልቲ ስለ ዝኾነ፡ ካብቶም ምስኡ፡ ነቲ መልክዕ ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ ወኪሉ ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ኣሚኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ናይ ቀረባ መቃልስቱ እንተዝሕበረና ጽቡቕ ነይሩ።

15.                እዚ ወድሓንኩም።

 

ሰመረ ፍስሃየ
ካብ ፈረንሳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...