ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ?

ብዕትበት ኪጥመት ዝግብኦ እዋናዊ ሃገራዊ ብድሆ!

ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

ነሓሰ 27፡ 2016

*********

   ``ኣብ ዓለም፡ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን፡  እቲ ኪርኢ ዝኽእል ግን ራኢ  ዘይብሉ  ሰብ ኢዩ።`` (“The most pathetic person in the world  is some one who has sight but no vision.” ― Helen Keller)

 ************

 ባሕቲ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቍርን ጥምየትን ክረምቲ፡ ናብ ብርሃንን ራህዋን ቀውዒ ዝሰጋገረላ ወርሒ ብሩህ ተስፋ ኢያ። ካብ 40ታት ንደሓር ኸኣ ዓቢ ተወሳኺ ራኢ ነይሩዋ። ``ራኢ ነቲ ኪረአ ዘይኽእል ናይ ምርኣይ ጥበብ`ዩ``("Vision is the art of seeing the invisible."— Jonathan Swift) ከም ዝተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ብማዕዶ ክትረአ ዘይከኣለት ጩራ ብርሃን ናጽነት፡ ብሕልና ክርእያ ስለ ዝኸኣለ`ዩ፡ ንህይወቱ ጐደሎ ንዝገበረ መግዛእቲ ብናጽነት ምሉእ ንኺኸውን፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ነግ ፈረግ ከይበለ ንቓልሲ ዝወፈረ።

 

 ጸልማት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብውሽጣዊ፡ ፋሺስታዊ፡ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ  ኪትካእ ኣሽንኳይዶ ብግህዶ ብሕልሚኳ ዝተራእዮ ኤርትራዊ ዜጋ ኣይነበረን ክብል እደፍር። ከምቲ ቶማስ አዲሶን ዝበሎ - ራኢ ብዘይ ፍጻሜ (ተግባር)፡ ምህትፍታፍ ጥራይ ኮይኑ`ዩ ዝተርፍ።  ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪር ተመክሮ ዛጊት ፈሊጡዎ ከም ዘሎ፡ ራኢ ወፍሪ ባሕቲ መስከረም ፡-

·        ንጆግራፊያ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ፡ አኮኖሚያዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ንምትካእ ኣይነበረን፣

·        ወፍሪ ባሕቲ መስከረም ሕድሪ ግንቦት 24፡ `91 ተጠሊሙ፡ ውሉዳት ዕድመ ናጽነት መንእሰያት፡ ግዳያት ከንቱ ኣጽናቲ ኲናታት፣ ግዳያት ምጽልማት ሃናጺ ልዑል ስርዓተ ትምህርትን ወፍሪ ባርነትን፣ ግዳያት ምኽልካል መርዓን ሓዳርን፡ ከንቱ ምብላይ ህይወትን፣ ግዳያት ምጕያሕ ምድረበዳ ሳይናይን መሸጣ ኰላሊትን፣ ግዳያት ጽምኢ እሳተ ጎመራ ሰሃራን ምውሓጥ ማእከላይ ባሕርን፣ ግዳያት ስደትን ውርደትን ንኪኾኑ ኣይነበረን፤

·        ህዝቢ ዘዅርዕ መንነቱ ዘንጊዑ፡ ሓድጊ ቀዳሞት ወለዲ ምዕሩግ ባህሊ ዘተ ተሓሲሙ፣ መንፈሳዊ ንጽህናኡን ባህሉን ተበኪሉ፣ ኣብ ዓዘቕቲ ጸቢብ ፍልልያትን ሕሜትን ተሸኺሉ ብምብ ትታኽ፡ ኣብ መንገዲ ርእሰ ጥፍኣት ንኺጐዓዝ፣ ኣብ ኢድ በጻብዕ ዝቝጸሩ ሞራሮም ዝተበከለ፡ ብደም ንጹሃት ዝጠልቀዩ ኣረሜናውያን ኪሳቐን ናይ ሓሳር ህይወት ከሕልፍን፣   ብሰሪ ትምን ሕልፈት እንታይ ገዲሱንን ኣብ ዓዘቕቲ ጥፍኣት ኪሕምብስን ኪርመስን፣  ኣሽንኳይ ብግህዶ ዕለታዊ ህይወት ኪኸውን ናይ ሓንቲ ተካል ለይቲ ዘናውጽን ዘባህርርን ሕልሚ`ኳ ኪኸውን ዝጽበዮ ፍጹም  ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ ራኢ ወፍሪ ባሕቲ መስከረም፡-

·        ዝርያን ጥልመትን ርእሰ ሓያላን ሃገራት ዝፈጠሮ መግዛእትን ዘስዓቦ መስዋእትን ብሓርነትን፡ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ ብራህዋን  ኪድበስ፤

·        ደሃይ ተዅስን ኲናትን ኣብቂዑ፡ ሰላምን ርግኣትን ኪሰፍን፤

·        ኣብ እዋን ናጽነት ዝፈረዩ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰላምን ብርሃን ሓርነትን፡ ኣብ ማሙቕ ሑቕፎ ወለዶም ብስነ-ምግባርን ብልዑል ትምህርትን ተዀስኲሶም ሃገሮም ኪሃንጹ፣ ህዝቦም ምስ ስልጡናትን ምዕቡላትን ህዝቢ ዓለም ኪሰርዑ፣ ሓዳር ጌሮም ሓረግ ወለዶታት ስድራ ቤት ኤርትራ ከሰስኑ፤

·        ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ተኺሎም ብሓቀይና ምምሕዳር ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብነት ጽቡቕ ቅንኢ ኪኾኑ ኢዩ ዝነበረ።

ናይ ርእሰ ሓያላን ሓገዝ ዝነበሮ፡ ብዕስራ ጊዜ ንዝተዓጻጸፎ ሰራዊት ኢትዮጵያ  ብጽንዓትን ተስፋን ስዒሩ ናጽነቱ ህያው ዝገበረ ህዝቢ፣ ኣብ መዓሙቕ ጸልማት ፍርሃትን ርእሰ ፍትወትን፣ ምብትታኽ ጫሌዳዊ ጸቢብ ምፍልላይን ጥሒሉ፡ ርእሰ ጥፍኣቱ ብግብሪ ኪእውጅ ኪረአ መን`ዩ ዝተጸበዮ? ባህሊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ብባህሊ ግዝኣተ በትሪ ምስ ተጎብጠ፣ ዘንቂ ሓቂ ብውስልትናን ሕሜታን ምስ ተመረዘ፣ ደረት-ትርኢት ብጣቓ ድሑር ኣተሓሳስባ ተሸፊኑ ሓርነት ምስ ኣቘልዐ፣ ህይወት ዘይብሉ መንደቕ ገዛ ከይውረሰካ ምእንቲ ሕልናኻ ቀቢርካ፡ ንስቓይ ህዝብን ዕንወት ሃገርን ብእንታይ ገዲሱኒ ዝባንካ ምስ ሃብካ፡ እዚ ዘሎ ዘመነ ሕልፈታት ኪስዕርር ግድን። ምፍራስ ፈደረሽን ብውዲት ርእሰ ሓያላንን ብምምብርካኽ ዓበይቲ ዓዲ ንትኳቦ ስልጣንን ገንዘብን ንጉስ ሃይለስላሴ ተበኪሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ክቡር ዋጋ ህይወት ብምኽፋል ዘረጋገጾ  ናጽነትን ተስፋ ሓርነትን ኢዩ ዝነበረ። ``መጻኢ፡ ነቶም ተኽእሎታት ክውን ቅድሚ ምዃኑ ክርእዩ ንዝኽእሉ ኢዩ ዝግባእ`` ከም ዝተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ስለ ዝኣመነ`ዩ፡ ንዘይከኣል መረረት ሰጊሩን፡ ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊሉን ናጽነቱ ህያው ዝገበረ። እታ ክቡር መስዋእቲ ተኸፊሉዋ ኣብ ልዳት ዝኣተወት ናጽነት ግን፡ ጐሓላሉ ዕሩቕ ስልጣን ኣሕጒሎማ፤ ብጥልመት ሕድሪ ስዉኣትን ተስፋ ህብን ወጋሕታኣ ናብ ልዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ጸልማት ኣጥሒሎማ። ኣብታ -ዘለዓለማዊ ትኩር ሓለዋ ዘድልያ ሓርነት - ህያው ከይትኸውን ከኣ፡ ብሰሪ ስእነት ንጹህ መትከላዊ መሪሕነት ሊቃውንቲ ሃገር (principled leadership of intellectual integrity)፡ ተገዲዑ፣ ኣብ ግሁድ ጸሓይ ቀትሪ ጻማ  መስዋእቱ ተጠሊሙ ይሳቐ ኣሎ።  

   ብልምዳዊ ኣዘራርባ፡ ጊዜ ሓሲሙ  ንብል ኢና። እቲ ጭብጢ ሓቂ ግንመለለዪ ጊዜ ኣተሓሳስባን ተግባርን ደቅሰብ`ዩ ። ጊዜ ጽቡቕን ክፉእን፣ ሕሱምን ሓላልን፣ ምዕቡልን ድሑርን ተግባራት ደቅሰብ ከም መረጽየን ዘርእየና ረቒቕ ነገር ድኣ`ምበር፡ ካብ ተግባር ደቅሰብ ወጻኢ ፍሉይ ትርጉም ዘሎዎ ነገር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣብ ዓለም መዘና ዘይብሉ መዓት፡ ብየማንናን ብጸጋምናን ኣብ ልዕሊ ደቅ ሃገር በደልን ግፍዕን ኪፍጸም እናረአና ብትምን እንታይ ገዲሱንን ናብ ምጽናት ሕብረተሰብ (genocide) ኪድይብ ዝሓደግናዮ ባዕልና ህዝቢ ኤርትራ ምዃንና ምስትውዓል መዋጽኦ ዘይብሉ ሓላፍነትና`ዩ። እቲ ሕሱም ወይ ሰናይ ጊዜ እንብሎ ሕሰምና ወይ ጽቡቕና ካብ ምንጽብራቕ ሓሊፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ህያው ተግባር የብሉን። እቲ ጊዜ ሓሲሙ  እንብሎ  እምበኣር ንሓቂ ከይንጥምት፡ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም እንጥቀመሉ ምኽኒት ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግብእ።

 ሰብ መለክዒ ኩነታት ጊዜ ከም ምዃኑ መጠን፡ ቅድሚ ዕለተ ናጽነት ዝነበረ ታሪኽ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ምዕሩግ ባህሊ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፣ ታሪኽ ምክብባርን ምጽውዋርን፣ ታሪኽ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን፣ ታሪኽ ጅግንነትን ልቦናን ኢዩ ዝነበረ። ከምቲ -ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ - ዝብል ባህላዊ ምስላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣንጻር ድርብ ጭቆና ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን፡ ክሳብ ጸብለል ብዝበለ  ጅግንነት ተሰዊአንን ሰንኪለንን ናጽነት ኣብ ምዕዋት፡ መጻኢ ወለዶ ፍሉይ ምዕራፍ ታሪኽ ሂቡ ብሓበን ዝዝክሮ ኣብነት ገዲፈን ኢየን። ድሕሪ ናጽነት ግን፡ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘዅርዕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ፣ ክቡር ባህሊ ተበኪሉ፣ ሰብኣዊ  ክብሪ ህዝቢ ተጋሂሱ፣ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ መግለጺ ቃላት ብዘይርከቦ ደረጃ ተጋሂሱ፣ ሃገር ጸጋ ብሩህ መጻኢኣ መንእሰያት ደቃ ስኢና፡ ሚእቲ ዓመታት ንድሕሪ ተመሊሳ፣ ኣብ መበል 21-ዘመን ዝጸልመተት ሃገር ኮይና ትርከብ ኣላ። እዚ ናይ ግዜ ሕሰም ዘይኮነ ናይ ሰብ ሕሰምን እንታይገዲሱንን ዘምጽኦ ኣበሳ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ልምዲ እንታይ ገዲሱኑ  ብዘውርዶ ሳዕቤናት፡  እቲ ዝዓበየ ገበን ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ምርዳእ የድሊ።

ብግብሪ ዘይስነ ``ተቓዋሚ`የ፡ ደላይ ፍትሒ`የ`` -ምባል ርእሰ ጠበራን ከንቱ ፍረ ኣልቦን ምዃኑ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ መሪር ሓቂ ኢዩ። ሓሪሱ ከይጐልጐለ፣ ዘሪኡ ከይጸሃየ፣ ዘይዘርኦ ምህርቲ ኪሓፍስ ዝጽበ ሓረሰታይ ኣብ ህይወት ኣይተራእየን። ምህርቲ ፍትሕን ሓርነትን እውን ብዘይ ቃልሲ ህያው ኪኸውን ከም ዘይክእል ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኤርትራዊ ህይወት ዝዓበየ ምስክር`ዩ። ኣብ ጐድኒ ንርብዒ ዘመን ዝተጠልመ ዕድመ ናጽነት፡ ብውሑዱ ንርብዒ ዘመን ብዘይ ፍረ ዝተጓዕዘ ተቓውሞ ኢየ ኢሉ ንርእሱ ዘጠመቐ፣ ከም ቃንጥሻ በቚሉ ዝሓድር፣ ኣብ ዘየሎ ስልጣን ተነፋፊጉ ኪጋጮ፡ ካብ ቃልሲ ደስኪሉ፡ ዕምሪ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዘናውሕ ዘሎ ጕጅለታት ማሕለኻን ሓበላ ዓይኒ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ኮይኑ ብምህላዉ፡ ኣካያይዳኡ ኣቕኒዑ ፍጹም እምነትን ተኣዛዝነትን ኣብ ህዝቡ ክሳብ ዘየርኣየ፡ ሓላል ፍርዲ ህዝቢ ክንደየናይ ከይረክብ።

ህዝቢ፡ ተቓወምቲ ኢና ኢሎም ብዝኣወጁ ዜጋታቱ ኪርህዎ ዝኣክል ጊዜ ብተስፋ ተጸቢዩ ኢዩ። ካብ ውድባት ተሓኤ መሪሕ ለውጢ ክርኢ ዝተጸበዮ ነደኺ ማይ ውረድላ ኮይኑዎ። ጽንሕ ኢሎም ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ተፈንጪሎም ክንመርሓካ ኢሎሞ። ግርም ሕራይ፣ ነዚ ስርዓት`ዚ ዝተኸሉ እኳ እንተ ኾኑ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ተናዚዞም፡ ውሽጡን ግዳሙን ስለ ዝፈልጡዎ ከድምዑ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ብሓዲስ ተስፋ ስዒቡዎም።  ንሳቶም`ውን ኣብ ሓድሕዶም ስኒት ዲዮም ስኢኖም ወይስ ሸርሒ ኮይኑ ክፋናጨሉ ተራእዮም። ህዝቢ ካብ ጸባ ዘይተረኽበዶ ካብ ማይ ጸባ ኮይኑዎ ከኣ እታ ብልጭ ዝበለት ተስፋ ናይ ምትላል ኮይና ረኺቡዋ። እረ ገሊኦምስ ጽሩያት ንምምሳል፡ ብጨለ ኣዘራርባ ንዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣተና ማለት ዘበት ክብሉ ከም ዘይጸንሑ፡ ንውድኢቱስ ከም ሰቦም ድኣ ኣተዉ። እንተ እቲ ንሕና ኢና ዝበለጽና እናበልካ ምውሕላል እኳ፡ ኣለና ንማለት ሓሓሊፎም ዘውጽኡዎ ጽሑፋት ከም ዝሕብሮ ኣይገደፉዎን። እታ ሓቀይና መምዘኒት ግብርን ውጽኢትን ግን ቅርብከ። ኣብ ህዝቢ እምነትካ ኣምቢርካ፡ ከም ተኣዛዚኡ ወዲብካ ክሳብ ዘይተቓለስካ፡ ፍትሓዊ ለውጢ ካበይ ይምጻእ!

ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ብምቕቓሉ ንዕምሪ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ ስርዓት ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ፡ ዘበርከቶ ሓቀይና ትሕዝቶን ኣገባብን ቃልሲ ካብ ዘይሃለወ፡ ሃገር ካብ ኣፈርክቡ ጥፍኣት ክትድሕን ዝደሊ ህዝቢ ካልእ ኣማራጺ ሃሰስ ኪብል ግድን`ዩ። ኮይኑ ኸኣ፡ እንኮ ኣማራጺ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝሰረቱ፡ ህዝቢ በብዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ወሲዱ፡ ብመንገዲ ሕጋውያን ወከልቲ፡ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ መሪሕነት ምትካል`ዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን ንዝተባህለ እዋናዊ ጻውዒት ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ኣብ ጐድኒ ምውቕን ሰፊሕን ተቐባልነት፡ ንምድዋኑ እውን ፈተነ ምክያድ ኣይተሳእነን። ተመን ዝረኣየስ ብልሕጺ ተዳህለ - ከም ዝበሃል፡ ነቲ ብምብዛሕ ውድባት ዝሰምበረን ዝተዳህለን ህዝቢ፡ በሰልኡ ተንኪፍካ -ንምንታይከ ሕጂ ካልእ ተወሳኺ ውድብ ኣድለየ - ብምባል ንህዝቢ ናይ ምድንጋር ጐስጓስ ይካየድ ምህላዉ፡ -እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ - ከም ዝበሃል፡ ንቐጻልነት ድስካለ ቃልሲ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝሓዘ ከይኸውን የሰክፍ። ኣብ ጐድኒ`ዚ፡ ሓቢርና ንስራሕ ንዝበለ ከም ግጉይ፡ እምቢ ኣይንሰርሕን ንዝበለ ከም ቅኑዕ ጌርካ ምውሳድ እውን ነገር ጣቋ ኣይኮነን። ካብ ሓቢርና ንልማዕ ተፋላሊና ንጥፋእ ኢዩ ዘስምዕ። ሓቢርካ ምስራሕ ዝጻረር ሰብ ወይ ጕጅለ ሳዕቤን ምንዋሕ መዓትን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኪህሉዎ ዝከኣል ኣይኮነን።             

ኣብዚ ንኹሉ ንጹር ኪኸውን ዝግብኦ መሰረታዊ ነጥቢ- 1) ናይ ሓቂ ፍጹም ዋንነት ዘሎዎ ውልቀሰብ ወይ ጕጅለ ኪህሉ ከም ዘይከኣል፣ 2) ናይ ኩሉ መምዘኒ ስራሕን ውጽኢትን ጥራይ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ኪዕወት ዚኽእል ብሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ብቐጻሊ ክፉት ምኣዲ ዘተ ብምክያድ ጥራይ ኢዩ። ዘተ፡ ኣብ ርእሲ`ቲ  ብንባብ ዝፍጠር ውልቀሰባዊ ምዕባለ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝህልዎ ዓቢ ኣበርክቶ ንምርዳእ ባህሪያዊ እንዶ (common-sense) ጥራይ`ዩ ዝሓትት። ናይ ኣተሓሳስባ ምዕቡል ለውጢ ምስ እንገብር፡ ነቲ ቅኑዕን ወሳንን ፍታሕ ሃገራዊ ሽግር ንምዕዋት፡ ቃልሲ ንፍትሒ ብህዝብን ናይ ህዝብን ንህዝብን ምዃኑ ምልላይ ኣይከሸግረናን`ዩ። ዘተ ንቕኑዕ ካብ ጌጋ ፈቲግና ክንፈልየሉ እንኽእል ባህላዊ መንፊት`ዩ።                

ንኣብ ወጻኢ ተበታቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ (ዳያስፖራ)  ብዝምልከት እዚ ህዝቢኮ ደኺሙዎ`ዩ -  ዝብል ውሓለ ዝመስል፡ ግን ካብ ቃልሲ ዘህድም ዘረባ`ውን ሓሓሊፉ በጨቕ ኪብል ይስማዕ`ዩ። እዚ`ውን ሞራል ካብ ምርማስ፡ ናይ ቃልሲ ሕልና ካብ ምዕራብ ሓሊፉ ካልእ ጥቕሚ ዘበርክቶ የብሉን። ደኺሙዎ?!  ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈጸም ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ዕምሩ ንምሕጻር ኣየናይ ከይሰልከየ ዘካየዶ ግብራዊ ቃልሲ ሃሊዩዎ`ዩ ዝደኸሞ? ሃገር ክትዓኑ፡ መንእሰይ ኪጸንት ትም ኢልካ ምዕዛብ ዲዩ ኣድኪሙዎ? - ኩሉ ዝበልዖስ ቁራዕ ትሓሮ - ከም ዝበሃል፡ ካልኦት ዝሓረሩሉ ለውጢ ኪመጸሉ ምጽባይ ዲዩ ኣድኪሙዎ?! እዚ ኣዘራርባ`ዚ ነቲ ናይ ርእስኻ ናይ ዘይምቅላስ መንፈስ ርትዓውነት ንምልባስ ዚስንዘር ጭብጢ ዘይብሉ ኣሉታዊ ዘረባ ጥራይ`ዩ ክበሃል ዝከኣል፤ ኪውገድ ከኣ ይግባእ። የግዳስ፡ እቲ ብጫሌዳዊ  ቈይቊ ጊዜኻ ምቅጻል፣ ብወገናዊ፡ ቀቢላዊ፡ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ምንብድባድ`ዩ ሕልና ዘዕርብን ኪውገድ ዝግብኦን። ደኺመ ክብል ዝግብኦ ዝነበረ (ንኹሉ ጾታ ይምልከት) እቲ ንመስዋእቲ ነግፈረግ ከይበለ፣ ኣብ  ዕሩቕ ዝባኑ፣ ኣብ ጥሙይ ከብዱ፣ ብጠቕዒ ጸሓይይን፡ ቍሪ ኣሰሓታን እናተቘሽመደ ሃይ ከይበለ፣ ብተስፋ እናተመርሐ፡ ጽንዓት ተዓጢቑ ናጽነት ህያው ዝገበረ ስዉእን ስንኩሉን ጅግና ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ህዝቢ ደኺምዎ እንዲዩ እናበልካ ኣብ እዋን ኣፈርኩቡ ሃገር ሞራል ምድርቋስ፡ መንፈስ ቃልሲ ምርማስ፡ ዋላ ብዘይፍላጥ ብስምዒት ዚግበር ይኹን፡ ፍጹም ሃሳዪ ኢዩ`ሞ ይኣክል፣ ዓገብ ንበሎ!

ጥዕና ባህልና`ኸ ከመይ ጌርና ኢና ንፍውሶ?

 ባህሊ መረጽየን ሕብረትሰብ`ዩ፣ ኩነታት ጥዕና ደም ሰራውር ምዕባለኡ ዝሕብር ባህሊ`ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ኹሉ ብውሑዱ ንርብዒ ዘመን ተደዊኑ ዘሎ ጥዕና ባህልና ክንፍውስ የድልየና። ንሓቂ ዝጓዕጸጸ፣ ንፍጥሒ ዝረገጸ፣ ንስኒት ዘርሓቐ፣ ንድንቍርና ጸቢብ ፍልልያት ዘሳዕረረ ጻህያይ ባህሊ ተጐልቢብካ ፍትሒ ከተንግስ፡ ብርሃን ሓርነት ህያው ክትገብር ፍጹም ዘይከኣል`ዩ። ብሕያዋይ መርማሪ ዓይኒ ንውሽጥና ብምጥማት ነፍስወከፋዊ ተራና ምጽራይ ይሓተና`ሎ። እቲ ምንታይ ማሕበራዊ ጥዕና ብተግባራት ውልቀሰባት ኢዩ ዝጽሎ።

ንኽፉት ቀጻሊ ዘተ ዝሕሰም ሕብረተሰብ፡ ብጻህያይ ሕሜትን ብጸቢብ ጫሌዳዊ ፍልልያትን ዕለታዊ ህይወቱ ተዓፊኑ፣ ዕሩቕ ስልጣን ጨቢጦም ንህዝቢ እናፈላለዩን ኣብ ሓድሕዱ እናኣጋጨዉን ኪገዝኡ ንዝደልዩ ዘርኢ ክርዳድ ገፊሕ ማዕጾ ከም ዝኸፍት፣ እዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርን፡ ድስካለ  ቃልሲ ኣብ ወጻእን ምስክሩ`ዩ። ደግሲ ናይዚ ዝጠቐስኩዎ ኩነታት ኣብ ኩሉ ዳያስፖራዊ ኤርትራዊ  ዜጋ ሰሪጹ የሳቕየና ከም ዘሎ፡ ኣሉ ኢልና ክንምጕተሉ ምፍታን ሕፍረት ጥራይ`ዩ ከስንቐና ዝኽእል። የግዳስ፡ እቲ ኣብ ጀነቫ፡ ኣብ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ማዕባል መንእሰይ ንፍትሒ፡ ዝጀመሮ ትንሳኤ ቃልሲ ታሪኻዊ ተርኡ ኢዩ`ሞ፡ ኣብ ናይ ዓወት ፍጻሜ ንኸብጽሖ እዋኑ ዝኣኸለ ይመስል። ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ግን ይሓትት።

 ስለዚ፡ ብሓቂ ፍቕሪ ህዝብናን ሃገርናን እንተ ድኣ ኣሊዩና፡ ይትንስኡ ንዘለዉ መንእሰያትና ሞራል ነስንቆም፣ መሬት ንሓዋሩ ከይጸልመተ ንበራበር፣ ኣዒንቲ ሕልናና ንኽፈት፣ ንሕሜት ወጊድ ንበሎ፣ ካብ መቐበል ሕሜት ተቕባል ሕሜት ከም ዝኸፍእ ንረዳእ፣ እቲ ምንታይ ሰማዒ እንተ ዘየለ፡ ከረጺት ሕሜት ኣብ ኢድ መበገሲኡ ከሎ  ከም ዝፍርሻሕ ኣየጣራጥርን። እቲ ገዛገዛ እናደወለ በካሊ ሓሶታት ዝዘርእ፣ ንሓቂ ተኲሩ ዘይጥምት፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓው ኢሉ ዘይምጕት፣ ክርዳድ ዝዘርእ መንሽሮ ሕብረተሰብ ምዃኑ ነስተውዕል። ነዚ ኣለሊና ወጊድ ክንብሎ ምስ እንኽእል ኢና ኸኣ ከም ሕብረተሰብ ክንስስንን፣ ብፍትሒ  ዝልለ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈኖ ወነንቲ ሓራ ህይወት ክንከውን እንበቅዕ።

ሓቀይና እምነት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ብቓል ዘይኮነ ብግብሪ`ዩ ዚረጋገጽ። ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል እኣምነሉ እየ እናበልካ፡ ነቲ ብዘይካ`ቲ ህዝቢ-ብህዝቢ-ናይ ህዝቢ ዝኾነ ሰፊሕ ህዝባዊ ቃልሲ ንፍትሒ ኪዕወት ዘይኽእል ድሕነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፣ ብናይ ኮምዩኒቲ ድሕነት ህላዌ ኣመኽኒኻ፡ እቶም ወከልቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይኖም ዝምረጹ ኣባላት ኪኾኑ ኣሎዎም ብምባል፡ ትግበረኡ ብኣባልነት ክትሓጽሮ ምፍታን፣ ተጻይ ናይ ሓቀይና እምነትን ትግባረን ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ጥራይ ከም ዝሕብር ምስትውዓል የድሊ።

 ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ከምኡ`ውን፡ እቲ ናይ 1966 ክልተ ኣህጉራዊ ስምምዓት ማንታ ሲቪላውን ፖለቲካውን፣ አኮኖሚያውን፡ ባህላውን ማሕበራውን መሰላት፣ ኣብ ከባቢኻ  ንዝርከብ ሰፊሕ ህዝቢ ከየሳተፈ፡ ኣብ ጸቢብ ተሳትፎ ተሓጺሩ ኪተርፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ኣብ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዝኣምን፡ ቀይሕን ጸሊምን፣ ሓጺርን ነዊሕን፣ ኣስላማይን ክስታናይን፣ መታሕተታን ከበሰታይን ከይበለ ንኹሉ ከም ሓደ ሃገራዊ ዜጋ ኪጥርንፍን ከሳትፍን ምስ ዚጽዕት`ዩ መሰረት ነባሪ ሓድነትን ዓወትን ዘውሕስ። ካብዚ ወጻኢ፡ ምስሉይነት ጥራይ ኢዩ ዚኸውን።  ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መንፈሳዊ መራሕን ተቓላሳይ ንፍትሕን ረቨረንድ ደዝሞንድ ቱቱ ዝበሎ - ``ኣብቲ ናብ ሓርነትን ፍትሕን ዝወስድ ናይ ሓባር መንገድታት፡  ውገዳ ወይ ምኽልካል ምዝውታር ብፍጹም ናብ ቅድሚት ዝወስድ መንገዲ ኣይኮነን።``   ሓቀይና መትከላዊ እምነት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ወናኒ ርእሰ ምትእምማን`ምበር ነዳይ ርእሰ ምትእምማን፣ሓቛፊ`ምበር ፈላላዪ፣ ኣሳታፊ`ምበር ወጋኒ ኣይገብረካን`ዩ። ኣብ ትግባረ መትከል ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ጥርጣረታት ዝፈጠሮ ደረት ወይ ሓጹር ኣብ ናይ ምግባር ፈተነ ምስ እትኣቱ፡ ዕቱብ ርእሰ መርመራ ክትገብር የድሊ።  እቲ ምንታይ፡ ኣብዚ ጊዜያዊ ሕቶ ቃልሲ ህዝቢ ብህዝቢ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ኣብ ዳያስፖራ ናይ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ድሕነት ሃገር ዘገድዶ ኣማራጺ ዘይብሉ ሰብኣዊ ግዴታ ምዃኑ ኪሰሓት ዘይግባእ ሕልናዊ ሓላፍነት ኢዩ። ``ካብቲ ብዛዕባ ጽባሕ ኣዚዩ ድሩቕ እምነት ሒዙ ዝኸይድ ንታሕቲ፡ ንጽባሕ ዝተቐረበላ ሰብ ኪህሉ ኣይኽእልን`ዩ`` ዝተባህለ ከይንኸውን፡ ድሩቕ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ህዝብናን ነፍስናን ንድሕሪት ብምጕታት ከይንጐድእ ዕቱብ ጥንቃቐ እንገብረሉ እዋን ሎሚ፡ ሕጂ ኢዩ።

ኣብ ምህናጽ መጻኢት ኤርትራ ኣዚዮም ብዙሓት ብድሆታት ከጋጥሙ ኢዮም። ርእሲ ኹሉ ባህላዊ ብድሆ ካብ ውሽጥን፡ ካብቲ ናብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋን ዝፈርዩ ቈልዑን ግድን ኪህሉ`ዩ። ልዕሊ ኹሉ፡ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ዘስዓቦ ስምብራት ምብትታን ስደት ንዘለዓለም ዘይሕከኽ ስምብራት`ዩ። ናይ ኤርትራ ምብሕጓጕ ሰብኣዊ ጸጋ፡ ናይ ዝተሰደድናለን ሃገራት መኽሰብ ኮይኑ፣ እታ ኣብ ልዳት ናጽነት ብጸጋ ህዝቢ ትንሳኤኣ ብሩህ ዝነበረት ኤርትራ ኪዕቀን ንዘይኽእል ጊዜ ተናዊሑ ከም ዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ጆን አፍ ከነዲ - ናይ ስደተኛታት ሃገር (A Nation of Immigrants) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ዝገለጻ ኣመሪካ፡ ብሰሪ ኣብ ሃገሮም ኪሰግሩዎ ዘይከኣሉ ፖለቲካውን፡ አኮኖሚያውን፡ ሃይማኖታውን ጭቆና፡ ብሚልዮናት  ተሰዲዶም ዝሃነጹዋ ሃገር ምዃና ይገልጽ። ካብ ሰብዓታት ክሳብ ዕለተ ናጽነት ዝተሰደድና ኤርትራውያን እውን ብውሑድ ቍጽርና ኣብዚ እጃም ኣለና። እንተ ኾነ፡ ንኤርትራ ስምብራት ዝሓደገላ ብዝሒ ኣይነበረን። ናይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምሉእ ዓለም ምብትታን ግን ንህላዌ ሃገር ዝፈታተን ዘሎ ፍሉይ ሳዕቤን ኣሎዎ። ብሰሪ ጭቆና መሬቱ ገዲፉ ዝተሰደደ ህዝቢ ናብ መሬት ትውልዱ ዝምለስ እንተ ተራእዩ እውን ኣዚዩ ንኡስ ሚእታዊት ኢዩ። ምስ ምውላድ ቈልዑ፡ ኣብቲ ዝተሰደደሉ ሃገር ሰሪቱ ኪነብር ግድን። ናትና`ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ኮይኑ እቲ መሪር ሓቂ፡ ካብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ እስራኤላውያን ዘርእዩዎ ግብራዊ ፍቕሪ መሬት መንነቶም ተማሂርና፡ ብልቦናዊ ኣተሓሕዛ ንረብሓ መሬት ትውልድና ክንቅይሮ ግን ዝከኣል`ዩ። ካብ ዘለናዮ ኵርናዓት ዓለም ምስ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ተዋሃሂድና ንኤርትራ ክንሃንጻ፡ እንደገና ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝነገሳ፣ ባህሊ ምክብባርን ምትሕልላይን ዝዓምበባ፣ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና፣ ሓቀይና ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተተኽለላ፡ መሬት ቅዱስ ቅንኢ ክንገብራ ኣብ ኢድናን ኣብ ኢድ መጻኢ ወለዶን`ዩ። እቲ መሰረት ግን ነዚ ፋሺስታዊ ስርዓት ብምእላይ ካብ ሕጂ ኪንጸፍ ኣሎዎ።

ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ከቢድን ቀጻልን ቃልሲ ይሓትት። ብድልየትን ትምኒትን ጥራይ ህያው ዝኸውን ሓርነት ግን ፍጹም የለን፤ ከንቱ ሕልሚ ካብ ምሕላም ንምድሓን ዕቱብ ውስጠ ርእሰ-ምርምር ነካይድ፣ ርእሰ-ንቕሓትና ብንባብን ዘተን ክብ ከነብል ብውልቅን ብሓባርን ንጽዓር። ራኢ ባሕቲ መስከረም ዝነበረ ፍረ ኽቡር መስዋእቲ ህያብ ግንቦት 24፡ 1991፡ ህያው ንምግባሩ ካብዚ ዝሓሸ መፍትሒ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን  ዘሎ`ሞ ከም መድሕና ብግብሪ ንቀበሎ።

ፍትሒ ኪነግስ፡ ምልኪ ይብረስ!

ክቡር ዘለዓለማዊ ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ህዝቢ ኤርትራ ብብርሃን ሓርነትን ነባሪ ሰላምን ይደበስ!!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...