Article Index

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

መበል 13 ክፋል         08/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ መበል 12 ክፋል፣  “ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም

መቐጸልትኡ ይስዕብ ….

ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ

ዕላማ፦ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ከም ፖሊሲ፣ ንህዝቢ’ቲ ዝተወሰነ ከባቢ ይኹን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት ንምርባሕ ተባሂሉ ዝተመርጸ ኣገባብ ኣይኮነን። ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ዓቢ ረብሓ ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቲ ወታደራዊ መሪሕነት (እቶም ጀነራላት) ብተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ዝተዓብለለ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ከም ሓደ ጉጅለ፣ ምስ ተወለድቲ ናይ ካልእ ከባቢ፣ ብሀር ወይ’ውን ካልእ ሃይማኖት፣ ኣብ ህልኽን ውድድርን ይኣቱ። ስለዚ ዋላ ምስቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ኣመራርሓ፣ ጸገማትን ዘየሰማምዖ ነገራት’ውን እንተለዎ፣ ዋላ’ውን ነቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ብዓንዳ-ርእሱ ዘይቅበሎን ዘይኣምነሉን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ‘ወገነይ፣ ናተይ’ ዝብሎ ጉጅለ፣ ክሳብ ዕልዋ ዝበጽሕ ተጻባኢ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ምግባር ክሕደት ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ’ቲ ዝርእዮን ዘጋጥሞን ጸገማት ከም ቅቡልን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘጋጥም ግዝያዊ ምጉንፋጥን ጥራይ ወሲዱ፣ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ኢዩ ዝፍትን።

ብኸምዚ ከኣ እቶም ብዘለዎም ከባቢያውን ስጋውን ቅርበት ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ነቲ ውልቀ-መላኺ ሓልዮሙሉ ዘይኮኑስ፣ ነንሕድሕዶም ኣሕሊፎም ንኸይወሃሃቡ ጥራይ፣ ካብቲ ካልእ ከም መቐናቕንቲ ዝርእዩዎ ወገን እናሰግኡ፣ ንዝኾነ ምልዕዓል እናጨፍለቑ፣ ከምቲ ዘለዉዎ ክነብሩ ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። ዕልዋ ምግባር ወይ መንግስቲ ምእላይ ማለት፣ ምቕታልን ምእሳርን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን መኮነናትን ናይቲ ስርዓት ማለት ኢዩ። እቶም ትዓልዎም (ትቐትሎምን ትኣስሮምን) ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቂ ዓድኻን ኣዝማድካን እንተ-ኾይኖም ድማ፣ ካብ ክትዓልዎም - ክትቀርቦምን ክትሕልዎምን ይምረጽ። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ንኣዝዮም ውሑዳት ግን ከኣ ኣዝዮም ዝቀራረቡን ነንሕድሕዶም ዝተሓላለዉን መኮነናት ሒዙ፣ ቀሲኑን ተዛንዩን ዝነብር። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ ህግደፍ፣ ልክዕ ከም ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ክሳብ ንሓወቦን ወዲ-ሓዉን ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዕድል ስርዓት ዝኾነ። ድሕሪ’ቲ ጥንቁቕ ሕርያ መኮነናትን ሰበ-ስልጣንን ዘሎ ሚስጥር እምበኣር እዚ ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ብዛዕባ ጸይቅታት ናይቲ ስርዓት ብዙሕ ዝዛረቡ፣ ‘ብኸመይ ይተኣለ?’ ኣብ ዝብል ሕቶ ግን ማንታ ሓሳብ ዝህቡ ምሁራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ደቂ‘ቲ ከባቢ’ውን ጸገሞም እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኢዩ።

እቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ወዲ ዓሊን ጉጅልኡን ዝተራእየ መዘና ኣልቦ ጥልመትን፣ ድሕሪኡ በቲ ጠላም ጉጅለ ዝተዋህቦ ስምን (ናይ ኣስላም ምልዕዓል ኢዩ ዝብል) ‘ካብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ። ብሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ‘ብጀነራላት ዝተወደበ ወታደራዊ ዕልዋ ክግበር’ ዘለዎ ተኽእሎ ‘ፍጹም ዘይከኣል’ዩ (impossible)’ እኳ እንተዘይበልኩ፣ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ግን ከብርህ እፈቱ። ነዚ ኩነታት’ዚ ድማ ብጥንቓቐ ኢዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ ዋላ’ውን ቅድሚኡ፣ ነቶም ኣብቲ ሰራዊት ኣብ ሓልፍነት ዝነበሩ ተወለድቲ ናይቲ ካልእ ከባቢ፣ ብደርዘናት ጠርኒፉ ካብቲ ወታደራዊ መሪሕነት ከባርሮምን፣ ኣብ ተራ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ክሰኹዖምን ጸኒሑ። ብዛዕባ’ዚ ነቶም ኣብ ስደት፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ወይ ተመሳሳሊ ስልጣን ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓቲትካ ምርግጋጽ ይከኣል ኢዩ።

ሕጂ’ውን ደጊመ ከነጽሮ ዝደሊ፣ እዞም ውሑዳት ሰብ ድሩራ፣ ንህዝቢ ናይቲ ዝተወልድሉ ከባቢ፣ ብጭቡጥ ዝረአ፣ ሓለፋ ካልእ ከባቢ ዝገበሩሉ ጉንዖ የለን። ህዝቢ ናይቲ ከባቢ’ውን ‘ዓድና ዝበዝሑ ጀነራላት ወይ ኮሎኔላት ኣለዉዋ’ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ብውሽጡ ዝያዳ ካልኦት ኣሕዋቱ ሓለፋ ዝጽበ ህዝቢ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ እቲ ህግደፍ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝወልዖ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ኲናት ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና መኺኑ ኣይምተረፈን። ኣነ’ውን ነዚ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ንስዉር ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት ንምቅላዕን፣ ህዝቢ ነቲ ሽርሕታት ከም ዝካታዓሉን ዝዘራረበሉን ንምግባር ድኣ’ምበር፣ ነቶም ኣብ ጎነይ ዝተጋደሉን ዝተሰውኡን፣ ገና’ውን ዝቃለሱ ዘለዉ ብጾት (ደቂ‘ቲ ከባቢ) ናብዚ ደረጃ’ዚ ንምውራድ ኣይኮነን።

ሳዕቤን፦ እቶም ናብ ሓላፍነት ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ዝተመርጹን ብዓዲ ዝቀራረቡን እንተድኣ ኮይኖም፣ በቲ ካልእ ወገን’ውን ተመሳሳሊ ብቕዓት ዘለዎም ተወለድቲ ካልእ ከባቢ/ ብሀር ወይ ሃይማኖት፣ ካብቲ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝውገኑ ስለ ዝህልዉ፣ ፖሊቲካዊ ውደባ ናይታ ሃገር ኣብ ክንዲ ኣብ ስነ-ሓሳብ (ideology) ዝምርኮስ፣ ሃይማኖታውን ብሀራውን መልክዕ ዝተሓወሶ፣ ናብ ናይ ከባቢታት ህልኽ ይልወጥ። ምኽንያቱ ገለ ወገን ብሳላ’ቲ ዝሓዝዎ ስልጣን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ሕልፊ ካልኦት ክጥቀምሉ ከለዉ፣ እቶም ካብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተወገኑ ከባቢታት ድማ ማዕረ ተጠቀምቲ ሃብቲ ሃገር ንምዃን ክቃለሱ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ነቶም ሰብ ሓለፋ (political elite) ብዝያዳ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ሓሪሱን ሸቂሉን ዝነብር ተራ ህዝቢ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ስለዘእትዉዎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ውልቀ-ሰብ ንብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ንብምሉኡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ዝገዝእ ወታደራዊ ስርዓት’ሞ ከኣ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ዓሚቚ ኢዩ።

ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ወታደራዊ ኢዩ። ነቲ ወታደራዊ ስርዓት ዝመርሕ ከኣ፣ እቲ ባዕሉ ናይ ፕረዚደንት ማዕረግ ዝሰቐለ ውልቀ-ሰብ ኢዩ። ንሱ ‘የገልግሉኒ ኢዮም’ ንዝበሎም ውልቀ-ሰባት፣ ጀነራል ወይ ሚኒስተር ገይሩ ክሸሞም ከሎ፣ ነቶም ዘየርብሕዎ (ወይ ዘስግእዎ) ድማ የባርሮም፣ ይኣስሮም፣ ይቐትሎም። ስለዚ ናብቲ ንብምሉኡ ጸጋታት ናይታ ሃገር ከም ድላዩ ዘመቓርሕን ዝውግንን ፕረዚደንት እናቀረብካ ክትከይድ ከለኻ (እዚ ከኣ፣ ንዕኡ ብእትህቦ ኣገልግሎት ወይ ብመሳልል ናይ ስልጣን፣ ወይ’ውን ብኽልቲኡ መንገዲ ክኸውን ይኽእል)፣ ኣጻብዕትኻ ኣብ ምምንዛዕ ሃብቲ ሃገር ክዋስኣ ዝቐለለ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ምዃን ማለት ተራ ወታደራዊ ስልጣን ኣይኮነን። ከከምቲ ናብቲ ሃብቲ ሃገር ዝውንን ፕረዚደንት ዘለካ ቅርበት፣ ተኻፋሊ ጸጋታት ናይታ ሃገር ምዃን ማለት ኢዩ። ንጉልበት ናይቲ ኣብ ትሕቴኻ ትእዝዞ ሰራዊት፣ ነዳቓይን ሚነዋለን ኮይኑ ናይ ውልቅኻ ገዛውቲ ከተስርሖ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ዝተፈላለየ ኣስማት እናሃብካ ኣብ ዓበይቲ ሕርሻታት ከተስርሖን፣ ብዛዕባ እቶት ናይቲ ዘፍረዮ ግን ከም ዘይሓትትን ኣፉ ከም ዝዓብስ ክትገብሮን ምኽኣል ማለት ኢዩ። ናይ ዓድታትን ውልቀ-ሰባትን መሬት መንጢልካ፣ ኣብ ደስ ዝበለካ መዓላ ከተውዕሎ ምኽኣል ማለት ኢዩ። መካይንን ንብረት መንግስትን፣ ብዘይ ገደብ ብግልኻ ክትጥቀመኩ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ካብ ሕግታት ግምሩኽ ወጻኢ፣ ብዓበይቲ ወታደራዊ መካይን ንሸቐጥ ዝኽውን ንብረት ከተመላልስ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ንዘይተደልዩ ሰባት ብትሕጃ ንዓመታት ክትሕይሮም ምኽኣል ማለት ኢዩ። ሎሚ ጀነራላት ኤርትራ፣ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ከፍርሱ፣ ክእዝዙ፣ ክእግዱ፣ ከባርሩ ስልጣን ኣለዎም። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ጀነራላት ካብ ሓደ ከባቢ ምስ ዝኾኑ ድማ፣ እቲ ኩነታት ካብ ተራ ፖሊቲካዊ ሕቶ፣ ቀስ እናበለ፣ ናብ ‘ተበዲልና’ ዝብል ስምዒትን፣ ከባቢያዊ ጽልእን ቅርሕንትን ክምዕብል ዝቐለለ ኢዩ።

ብኸምዚ ድማ እቶም ውሑዳት ሰብ- ሓለፋ፣ እሞ ከኣ ደቂ ሓደ ከብቢ ብዓብላሊ ደረጃ ሰበ-ስልጣናትን መኮነናትን ብምዃን ዝቆጻጸርዎ መንግስቲ፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ደስ ብዝበሎም መንገዲ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኦምን ጥቕሚ ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን ከውዕልዎን ከባኽንዎን ከለዉ፣ እቲ ኣብ ብምልእቲ እታ ሃገር ፋሕ ኢሉ ዝነብር ተወላዲ ዝተፈላለያ ብሀራትን ኣውራጃታትን ድማ፣ ካብ ጸጋታት ናይታ ሃገር ርሒቑ፣ ጓናን ተዓዛብን ኮይኑ ክነብር ይግደድ። እቲ ውልቀ-መላኽን ተኸተልቱን ድማ፣ እዛ ረብሓ’ዚኣ ንኸይትኸዶም፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ቲ ካልእ ህዝቢ ዘሎ ካልኣውን ዘይመሰረታውን ግርጭታት እናኣባልሑን (ነዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ የፍስስሉ ኢዮም) ኣብ ነንሕድሕዱ እናተሃላለኸ ከም ዝነብር ይገብሩ። ገለ ካብዚ ዝተጠቕሰ ሎሚ ዘይክረአ ይኽእል ይኸውን። ስርዓት ህግደፍ ብኸምዚ ሒዙዎ ዘሎ መንገዲ ክኸይድ ግዜ እንተ-ተዋሂቡዎ ግን ግድን ክህሉ ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ህዝብና ኣቐዲሙ ክፈልጦን ክጥንቀቐሉን ዘለዎ።

እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?

ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ዕላምኡን ሳዕቤኑን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ድማ ንገለ ካብ በሰላታቱ ከም ኣብነት ከቕርብ ኢየ።

 

… ይቕጽል

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...