ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰራዉር ቀላሚጦስ ዝነዉሕ ሱር ዝነበሮ ባህሊ ዲሞክራሲ ካብ ሱሩ ምሕዩ፣ ሓድሽ ቅዲ ዲሞክራሲ ክተክል እየ ብምባል፣ ህዝቢ ኤርትራ “ጻዕዳ ኣንጭዋ” መላመዲ ተረኺቡ፤ ብላባራቶሪ ብተልመዴን ፖለቲከኛታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ፈተነ ዉዒሉ። ድራማታት ምርጫ ኣማሓደርቲ ዞባታት ተኻይዱ፡ ንገለ ግሩሃት ድማ ዲሞክራሲ ካብ መሰረት ኣፍሊስካ ንምትካል ዝዓለመ መሲልዎም ኔሩ። እቲ ሓቂ ግን ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዝጸንሖ፡ ኣብ ከም ‘ንጉሰ’ ዝኣመሰለ ድራማታት (ናይ ብሓቂ ማለተይ’ዩ) ሎሚ ካብ ከብሕታት ኤረ ቲቪ ርሒቁ ዝርከብ፣ ተንጻባሪቁ ዝነበረ ታሪኽ ሞንቊሱ፣ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣርትፍሻል ፈልሲ ተሰሪሐን፣ ከምስሉ ማይ’ኳ ተስተይወን፣ ክጸድቃ ኣይካኣላን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክሳራ ምስ በዝሖም ገዲፎመን።

እዚ ምስላጥ ምስ ኣበየ፣ ምናልባት እቲ ዝጸንሐ ባህሊ ዲሞክራሲ ከይጥጥዕ ስለዝሰግኡ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ብፍላይ፣ ንህዝቢ ድማ ብሓፈሻ፣ እቲ ኣብ ግዜ ሰዉራ ታተ ዘብሎም ዝነበረ ግዜኡ ዝሓለፎ “ካብ ፈረስ ምዃን ኣድጊ ወይ በቅሊ ምዃን” ይሓይሽ ዝዓይነቱ ኣይድዮሎጂ ብሓይሊ ከንቆርቑርዎ ፈቲኖም። ገለ ንምጥቃስ ትምህርቲ ካድረታት፣ ሽሕጣን ስብሓት ኤፍሬም ዝርከቦም ኣስተምህሮ፣ ከም ኣብ ከዉሒ ዝተኻዕወ ማይ ኣይኮነን ክዘሩቝ፣ በንጻሩ ሰብ ከነፍጽ ምስ ጀመረ፣ ኣንፈቶም ብምልዋጥ ነቲ ብናይ ቀደም መዝሙር ዝድሰት፣ ኣዝዩ ሓበሬታ ዝሓጽሮ፡ ብ”ንዓይ ይጥዓመን”ን ተመሊኡ ከም ህዝቢ ኣይሁድ ንሙሴ፣ ንኢሰያስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምመድሕኖም ጌሮም ዝሓስብዎ ዉሑዳት ኣብ ስደት ከምዝርከቡ ዝገርዘሙ ምስ ኣስተብሃሉ፣ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ናይ መዋዳእታ መጣልዒ ክላገጽሎም ይራኣዩ ኣለዉ።

እዞም ኣብ ስደት ነዊሕ ዝጸንሑ ዜጋታት፣ ገድሊ ኤርትራዉያን ታሪኽ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣወንታዊ ተራ ከምዝነበሮም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተ ጸላእና ድማ ፍትሒ ኣይነጥፍእን። እንተኾነ ጸወታ ህጻናት ‘ኣቲና’ዶ ኣይኣተናን’ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምጽዋት ኣይከኣልን። ምኽንያቱ፣ ገዛ ኣቲኹም ከተብቅዑ ሒዙኩም ንገደል ይምርሽ ስለ ዘሎ፣ ርእስኹም ኣቅኒዕኩም ኣንፈትኩም ከተማዕድዉ እንበር፣ ከምቲ ‘ብዘበን ዉበ ዝጸመመ ዉበ ክብል ነበረ’ ዝባሃል፣ ኢሰያስ ኢልካ ምድራቅ ልቦና ዝጎደሎ ኣካይዳ እዩ። እቲ ቀደም ብርግኣትን ዉሕሉልን ጥቅዉን ኣዛራርባኡ ዝፍለጥ ዝነበረ ኢሰያስ፣ ሎሚ ቃለ መጠየቅ ብዘይካ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ተላኢኹ፣  ብሚኒስትሪ ዜና ሕተታ ተዘይኮይኑ፣ ብኻልእ ማዕከናት ዜና ክሕተት ከሎ ኣብ ከመይ ዝበለ ወጥርን፣ ዓቅሊ ጽበትን ከምዝኣቱ ናይ ትማሊ ናይ ኣልጀዚራ ቃለ ምጠየቕ እኹል መርትዖ እዩ።

ኣብዚ እቲ ዘገርም፣ እዞም ኣብ ግሩዉቲ ዲሞክራሲ ኮይኖም ንዉልቀ መላኺ ከማዝዉ ዝፍትኑ ዘለዎ ጻህያይ፣ ናቶም ከይኣክል ናብ ደቆም ከማሓላልፍዎ ዝፍትኑ ዘለዉ እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ፣ ወለዶም ካርኦም ዘንቀጹ፣ ዘበኖም ዝሓለፎም ዝተበልዑ ምዃኖም ተገንዚቡ ቀንዲ ጠመትኡ ናብቶም ከምጥርሑ ካሴት ናቱ መራት ዛንታ ኣጻባቢቑ ክመልኦም ብልዑል ዓቅሚ ክሰርሓሉ ይረአ ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ግዜን ቦታን ስለዘይጥዕም ብዙሓት ልቢ እንዳ ኣዕበዩ ምስከዱ ካብዚ መስመር ክእለዩ  ስለዝኾኑ፣ ብዙሕ ፍረ ክርከቦ ዝኽእል እኳ ተዘይኮነ፣ እዞም ዋላ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ፣ ዘርኢ ሓሶትን ዓመጽን፣ ማይ ቢሒቕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይኮኑና፣ ካብ ፈልሲ ዕጸ ፋርስ ኮከይንን ሄሮይንን ብዘይፍለ፣ ተለልዮም ብኣጋ ህዝቢ ክነቅሓሎም ይግባእ።

ኣብዚ ብዕለት 22 ዝተኻየደ ዕድመ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምንዋሕ ዝዓለመ፣ ሃገራዊ መኸተ ዝተሰምየ “ሃገራዊ ዘመተ”፣ እዞም ካሕዳማት ህዝቦም ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቃይን መከራን እንዳ ኣሕለፈ ንሳቶም፤ ኣብዚ ግምጡል ታሪኽ ክጭፍሩ ክትራዮም ከለኻ፣ ንስኻ ትሓፍረሎም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዳንኬራ፣ ኣብ መስከረም 2001 ህ.ግ.ደ.ፍ. ፍትሕን፣ ግዝኣተ ሕግን ረጊጹ ኣንፋቱ ናብ ጥፍኣት ምስ ኣቅነዐ ተኻይዱ ኔይሩ ተዝኸዉን ኣብ ታሪኽ ብኽብሪ ምስተዘከርኩም።

ሎሚ ግን፣ ምስቶም ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩን፣ ብሕልና ጌና ዘይወጸሎም ጎደፋታት ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ጌና ሉኡላዉነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣትማን ኣብ ክንዲ ምጭዳር፣፡ ምስ ዝተወጽዑን ወጽዓ ህዝቦም ምስ ዝርድኦም ኤርትራዉያን ኣሕዋትኩም ተትስርዑ መጥዓመልኩም።

ሕጂ ግን፡ ኣብዚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕካኽ ዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ተሳተፍቲ እዚ ዋዕላ ምዃንኩም፣ ብዘይካ ቁርዲድ ኣለኹ እንዳበለ ምስ ቆርበት ይጓሓፍ ከምዝባሃል፣ ንስኹም’ዉን ኣይትኽበሩ ድኣ ኢልኩም እንበር፡ ሎሚ ተድሕንዎ ነገር የለን።

ኣስመሮም ኣርኣያን ብጾቱን

ዓወት ንፈተወቲ ፍትሒ
 


 


Latest

ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡  ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ’ውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ...

Eritrea: ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን...

ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል...

ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም...

Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት...

Eritrea: ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ?

ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ (elimination) ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና...