ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ አብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸነ ማዕቀብ ኢዩ ዝርከብ። ቅድሚ ናጽነት ከም ሃብታማት ዝቑጸሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽም ድኽነት ከምኡ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ድኽነት ዝነበረ ናብ ፍጹም በተኽ ክምዝተቐየር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ አብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ውድቀት ደረጃ በጺሕና አለና።፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ አብ ገዛእ ሃገሩ ተሓሪሙ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ብዘይ ናይቲ ስርዓት መንቀሳቐሲ ፈቓድ ወረቐት ፈጺሙ አብ ዘይክእለሉ ኩነታት አሎ። ንኣብነት ካብ አስመራ ናብ ተሰነይ ንምኻድ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዘሎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። አብ ግዜ መግዛእቲ ስርዓት ደርጊ ካብ ዝነበሩ ብሎኮታት ዝኸፍኣ ምኻኑ ኩሉ ሰብ ድዛረበሉ ሓቂ ኢዩ።

ሓረስቶት ባዕሎም ዘፍረይዎ እኽሊ መዚንኩም ንዓይ አረክቡኒ። ክትሸጡን ክትልውጡን ኣይትክእሉን ተባሂሎም ክሻየጡ ዝተረኸቡ ሓረስቶት ድማ ተሓይሮም። እዚ ካብ እቲ ማዕቀብ ብሕቡራት ሃገራት አብ ርእሲ ህግደፍ ዝተወሰነ ካብኡ ዝኸፍኣ እንዶ አይኮነን። ትካላት ንግዲ ይትረፍ ዶ ሓደስቲ ትካላት ንግዲ ክኽፈታ ይትረፍሲ ነተን ካብ ግዜ ጥልያን ዝነበራ ናይ ንግዲ ትካላት ምዕጻወን ብህግደፍ አብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበየነ ማዕቀብ አይኮነን’ድዩ። ብዙሓት ስድራ ቤታት ኤርትራ ካብ አብ ወጻኢ ዝቐመጡ ቤተሰቦም እናተሓገዙ ክምዝነብሩ እናተፈልጠ፤ ናይ ወጻኢ ሃገር ባጤራ ሒዙ ዝተረከበ ናይ 2 ዓመት ማእሰርትን 2 ሚልዮን ናቕፋ መቕጻዒቲ ምብያን አብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ፋይናንሳዊ ማዕቀብ ምብያን አይኮነን’ድዩ።

ዝኸነ ሰብ ካብ ሃገር ንኸይወጽእ ናይ መውጽኢ ቪዛ ምኽልካልን ነቶም ናይቲ ስርዓት እሙናት አገልገልቲ ነጻ ኮይኖም ምንቅስቓሶም ነቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዳጊንካ ምሓዙ ዝኸፍኣ ማዕቀብ ኣይኮነን’ድዩ። ብግዜ ደርጊ ዘይተገብረ ውላድካ አምጽኣዮ ወይ 50 000 ናቕፋ ክፈል ዝበሃል ብህግደፍ እንደ ኣይኮነን ዝትግበር ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብነጻ ፕሬስ ሓሳቡ ብነጻ ከይገልጽ ማዕቀብ ተጊርዎ እንዶ የለን።

ንህዝቢ ስልጣን ዘይመርካቡን እቲ ህዝቢ ደጽደቖ ቅዋም አይትግብርን ኢየ፤ ባዕለይ ሓጋግን ፈጻምን  አፈጻምን ኢየ። አይትሕተቱኒ። እንተደሊኹም ሃገር ገዲፍኩም ሃፈጽ በሉ። ኤርትራ ማለት ናይ ውልቀይ ኢያ። ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጥ ወይ ይፈልጥ ዝብል አብዛ ሃገር ቦታ የብሉን ተባሂሉ ህዝቢ ዋና ሃገሩ ካብ ምኻን ናብ ተዓዛባይ ተቐይሩ እንደ የለን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ዘይኮነስ ከም ተንቀሳቓሲ ንብረት ምክልባት ዕለታዊ ናብርኡ ኮይኑ፤ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ መንእሰይ ግዳይ ስደትን መከራን ኮይኑም ካብዚ ዝኸፍኣ ማዕቀብ እንታይ ክመጽእ ይኽእል።

ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ አብ ማዕቀብ ካብ ዝኣትው አዝዩ ብዙሕ ዓመታት ኢዩ አቑጺሩ።
እዚ ሕጅ አብ ዝባን ህግደፍ ዝተደፍኣ ማዕቀብ ሕጅ ሃንደበት ካብ ሰማይ ዝመጸ ደይኮነስ ዳርጋ ልዕሊ ሓደ ዓመት ክብሃል ድጸንሓ መዓልቱ ስለ ዝኣኸለ ብወግዒ ስለ ድጸደቐ ጥራሕ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ከቆናጽቦን ከነኣእሶን ድጸንሓ ጉዳይ ኢዩ። መራሕቲ ህግደፍ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊን ብቕዓት ከምዘየብሎም ብግልጺ ብንጹር ዘርኣየና ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ደገፍቶምውን መርዘን ዘገደፈ ፍጻመ ኢዩ። ርእሰ መራሒ ህግደፍ አብ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ውዱብ ሕቡራት አፍርካን ዋዕላታት ካብ ዘይሳተፍ ዳራጋ ልዕሊ 13 ዓመት ሓሊፉ። ካብ ኣብ ዓለምና ዝርከባ ልዕሊ 180 ሃገራት ንዝሓለፈ 15 ዓመታት ንቓጠርን ሊብያን ሓንቲ አውራጃ ናይ ዓዲ ጥልያን ጥራሕ ብምምልላስ ወልቃዊ ረብሓተቱ ካብ ህዝቢ ረብሓታት ብምቕዳም አብ ምጉያይ ግዜኡ አሕሊፍዎ። ከም ፈራሕ ከልቢ ኣብ ካንቸልኡ ኮይኑ ውሕ ዝብል ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ጋዜጠኛታት እናምጽኣ ውሕ ክብልን ክጻረፍን ካብ መላእ ዓለም ከይነጸልዎ ከለው ባዓሉ ዝተነጸለ ዲክታተርያዊ መራሒ ኢዩ። ንጉዳይ ህዝብን መከራን ንሓንቲ ክልኢትውን ሓሲቡን ተጨኒቑን ኣይፈልጥን። እቲ ዘገድሶ ጉዳይ ብኸመይ አብ ስልጣን ይጸንሕ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ድማ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጸም አሎ።

ኤርትራ ብቑዓትን ምኩራትን ክኢላታትን የብላን ማለት አይኮነን። ብዙሓት ነዛ ሃገር ብፖለቲካን ቁጠባን ማሕበራዊ አገልግሎትን ሓያል ሃገር ክገብረዋ ዝኽእሉ ሰባት አለዋ። ግን ብሓደ ምልካዊ መራሒ ተወኒና እቲ ንምዕባለን ሰላምን ክንከሰበሉ ዝግብኣና ወርቃዊ ግዜን ዕድልን ብኸንቱ ይሓልፍ ምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ መጻኢ ዕድል ሃገርናውን ናብ ከቢድ ፈተና ዝወደቀሉ ኩነታት ነምርሕ ምህላውና ኢዩ።

እዚ ሕጅ አብ ርእሲ ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ኣረኣያ ክህልወና ባህርያዊ እኳ እንተኸነ ሓደ መሰረታዊ ነገር ግን አሎ። እዚ ማዕቀብ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተረገጸ ወይውን ህዝቢ ፍትሒ ስለ ድስኣነ ነዚ ስቅያት ህዝቢ ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተገብረ ዝየኮነስ ስርዓት ህግደፍ ብቐንዱ ዲክታተርያዊ መራሒ ኤርትራ ብቐጥታ አብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጉዳያት ቀዳማይ ተዋሳኢ ብምኻን አብዘይ ውራዩ ክቆጻጸን ዋና በዓል ጉዳይ ሶማል ብምኻኑን ዝመጸ እምበር ዓለም ንህዝቢ ኤርትራ ስለድጸልኣትና አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብሰላም ክነብር ዝመርጽን ብዙሕ ሽግርን ጸበባን ዘሕለፈን ህዝቢ ኢዩ። ህግደፍ ምስ ዞባዊ ሃገራትን ክልኦት ሃገራትን ሰላም ኣይጾንሖን። እቲ ባህርያቱን ቅርጽን ዑቡድ ፖሊሲታቱን ድማ ምስ ካልኡት ሃገራት ብሽርከነትን ብምክብባርን ብሰላምን ከሰርሕ ኣይኽእሎን ኢዩ። እዚ ሕጅ ተጊሩ ዘሎ ማዕቀብ አብቲ ስርዓት ከቢድ ጸቕጢ ምፍጣሩ አይተርፍን ኢዩ።

አብ ህዝቢ በዚ ማዕቀብ ብዙሕ ዘቕጢ ኣይከጋጥምን ኢዩ፤ ንምታይሲ ህዝቢ ካብ ህግደፍ ረኺቡ ድስኣኖ ነገር የለን። እንተኾነ ህግደፍ ካብ ቀደሙ ጀሚሩ ብውልቀሳባት ስም ብኮንትሮባንድን ብዘይሕጋዊ ዝካየድ አገባባት ስለዝጥቀም ብጎረባብቲ ሃገራት አቤሉ ብረት ንተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኸውን ካብ ምጉራት አይከቃረጽን ኢዩ።  ብሰንኪ እዚ ማዕቀብ ዝመጽእ ጸቕጢ ውጽኢት ፕሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ህዝቢ አብ ውሽጢ ሃገር ብርቶዕ ጸቕጢ አብ ርእሲ እዚ ስርዓት ከሕድር ይግባእ። ብፍላይ ድማ እቶም አብ ወጻኢ ንነብር ዜጋታት እቲ ስርዓት ትንፋሱ አብ ምሕጻርን አብ ርእሲ ሬሳ እቲ ስርዓት ዓንዲ ሕግን ስርዓትን ምሕደራት ንምቛም ተራና ዝዓበየ ክኸውን ይግባእ።
እዚ ማዕቀብ ብሓፈሻ አብ ስርዓት ህግደፍን መራሕቱን ዘተኮረ ስለዝኾነ እቶም ተኸተልቲ ህግደፍ ብተልኣኣኽነት ዓስቤ ልእኾም ዝወሃቦም ዝነበረ ገንዘብ ዋላ እኳ ሕጅውን ክረኽበሉ ዘኽእል መንገድታት ክህልው እንተኽአለ ቀሊል ግን ክኽውን አይክእልን ኢዩ። ህዝቢ ነቶም ብስም ውልቀሰባት ዝካየዱ ናይ ህግደፍ ትካላት አብ ምቅላዕን ነቲ ምንጭ ገንዘብ ህግደፍ ከጽብበሉ ይግባእ። ብተወሳኺ ከም ልሙድ ዲክታተርያዊ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ነቲ ናብኡ ዝመጽእ ሓደጋታት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጸ ሓደጋ ጊሩ ስለዘቕርቦ ኩል ግዜ ከነቃልዖ ይግባእ።  ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ንምድንጋር አብዚ እዋን እዚ መደናገርቲ ሓበሬታት ምዝርግሑ ዘይተርፍ ስለዝኸነ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓት ክገጥሞ ይግባእ።
 
ብሓፈሻ ኣብዚ ማዕቀብ ንሕና እንታይ ኢዩ ተራና ክኸውን ዘለዎ ንዓና ዝምልከት ስለ ዝኸነ ነቲ ስርዓት መሰል ወዲ ሰብ ከኽብርን ስልጣን ንህዝቢ ከረክብን ነቲ ቃልሲ ምሕያል ናትና ሓለፍነት ኢዩ። እቲ ጉዳይ ጉዳይ ኤርትረዊያን ክኸውን አለዎ።


‘ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ’
ብ. ሓጎስ
(ዓ. ብሪጣንያ)

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...