EMDHRንሰብ ካብ እንስሳታት ዝፈልዮ ነገር ‘ተሃልዩ፡ ክሓስብን ከመዛዝንን ዝኽእል ፍጡር ብምዃኑ እዩ። መበገሲ ኩሉ ሓሳባት ከኣ ሕልና እዩ። እቲ ቀንዲ ንሰብ ካብ እንስሳታት ዝፈልዮ ረቛሒ እምበኣር፡ ሕልና እዩ። ሕልና፡ ንቅኑዕ ካብ ጌጋ ፈሊኻ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ንኽህልወካ ይገብር። ሕልናኻ ዝፈጠረልካ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ስምዒት ንኻልኦት ብቅንዕናን ናጻ ኮይንካን ምግላጽ ግን፡ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ኣዝዩ ፈታኒ እዩ። ዓቕምን ክእለትን ትብዓትን ድማ ይሓትት።

ደቂ ሰባት ንለውጢ ብቐሊሉ ሓንጎፋይ ኢልካ ናይ ምቕባል ባህሪ የብሎምን። ንሓደሽቲ ሓሳባት ናይ ምእንጋድን ምቕባልን ዓቕሞም‘ውን ድሩት እዩ። እዚ ስለዝኾነ‘ዩ እምበኣር፡ ንታሪኽ  ሰብ ደጊምና ምስ እንዕዘብ፡ ሓደስቲ ሓሳባት ሒዞም ንዝቐርቡ ሰባት፡ ምንሻውን ምህዳድን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ኣብ ምቕታል ዘበጽሕ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊኦም ምፍጻም ዝመልኣ ታሪኽ ዝውንን እዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ክንዮ እዚ ዘፍርሕን ዘሰምብድን ክውንነት ዓለምና ሓድሽ ሓሳባትን መልእኽትን ሒዞም ዝመጹ ሃዋርያ ጠፊኦማ ኣይፈልጡን። ኣብ ዝተፈላላየ እዋናት፡ ገለ ነዚ ባህሪ ሰብ ‘ዚ ክርድኡዎን ክፈልጥዎን ዝበቕዑ ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት፡ ንሰብ ሓድሽ ሓሳባትን ፍልጠትን እናቐንጸሉ፡ ንሕብረተሰባት ናብ ዘይባህርያዊ ምዕባለታት ክጥምዝዙ ዝሃቀኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ዓለምና ኸኣ፡ እዚ ዘይበሃል ከቢድ ዕንወትን ህልቂትን ኣኸቲሎም እዮም።

ኣብ ኤርትራዊ ክውንነት ‘ተመጻእና፡ እቲ ንኣስታት ሓደ መዋእል ዝቐጸለ ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ ኣብ ምኽባር መሰል-ርእሰውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ‘ዩ ኔሩ። ነዚ ድማ ዝተፈላለዩ ወለዶታት ኤርትራ ብተኸታታሊ ዋጋ ‘ናኸፈሉን ‘ናተማላልኡን ኣብ 1991 መሬታዊ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ህዝባዊ ግንባር ኸኣ ሃገር ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ተሰኪሙ። ህዝባዊ ቃልሲ ግን ዘብቕዕ ኣይኮነን። ቀጻሊ እዩ። ቀጻሊ ስለዝኾነ ኸኣ፡ ድሕር’ዚ መድረኽ እዚ እቲ ቃልሲ ናብ ምውሓስ ሃገርን-ሃገራውነትን፡ ምኽባርን ምውሓስን መሰል ዜጋታት፡ ብዓቢኡ ኸኣ ንኤርትራዊ ክውንነት ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ምሕደራ ናይ ምቛም መስርሕ ክቕጽል ናይ ግድን እዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ክንዲ ነቲ ቃልሲ ምቕጻል፡ ምዕንቓፍ እዩ መሪጹ። ንቑጠባዊ፣ ማሕበራውን፣ ፖለቲካውን ህይወት ‘ታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ብምቁጽጻር፡ ነታ ሃገር ልክዕ ናብ ናይ ብረታዊ ቃልሲ መድረኽ ብምምላስ፡ ብምልእታ ናብ ሳሕል ቀይሩ፡ ንድሕሪት እናመለሰ ንገደል ክኖቕታ ህርዲክ ክብል ንዕዘብ። እቲ ግጭት እምበኣር፡ ኣብ መንጎ ምቕጻል ቃልሲ ወለዶታትን፡ ነዚ ቃልሲ‘ዚ ንምሕንኳል ብህዝባዊ ግንባር ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ዘሎ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ድማ፡ ብዘዕባ እዚ ስርዓት ህዝባዊ ግንባርን፡ ቖይመሉ ዘሎ ሓሳባትን ዝምልከቱ፡ ሓያለ ጸሓፍቲ ክትንትኑ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ። ሓደ ካብዚኦም ከኣ ዮሴፍ ገብረሂወት። ዮሴፍ፡ ካብ ሕሉፍ ኣመዓባብላ እቲ ገድሊ ጀሚሩ፡ ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ኣጽኒዑ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳባዊ ሰረት፡ ኣብ ትሕቲ “ምቕንጃው ገድሊ” ዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ ትሕዝቶ ብዙሕ ዘዛረበን ዘካትዐን ቴማ እዩ። ድምጺ መሰልና ደሊና ድማ፡ ንኣገዳስነት እቲ ጽሑፍ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብትግርኛ ተርጉማ ከተቕርበልኪም ጸኒሓ። ድምጺ መሰልና ደሊና እቲ ጽሑፍ ትእመነሉ ኣይትእመነሉ ዘገድስ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዝርከብ ሓሳባት ናብ ሰማዒ ክቃላሕ ኣለዎ ኣብ ዝብል ጽኑዕ ሰረተእምነት ምርኩስ ብምግባር ‘ያ ድምጺ መሰልና ደሊና ናብ ህዝቢ ከም ዝቃላሕን ህዝቢ ኸኣ ከምዝፈልጦን ዝገበረት።

ሓሳባት ብሓሳባት ‘ዩ ዝሰዓር። እቲ ነቲ ሓሳብ ዝቃወም ድማ ናቱ ሓሳበት ኣቕሪቡ ንህዝቢ ከቕርብ እምበር፡ ክሓምን ክበሳጮን ከንጸርጽርን ከቶ ዝግባእ ኣይኮነን። ዋሕዚ ሓሳባት፡ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራውነትን ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። ኣብ ምንጻፍ ሰረት ደሞክራስያዊ ስርዓት ኸኣ እቲ ዓቢ ተራ ይጻወት። ክሳብ ደረቱን ስርዓቱን ዝሓለወ፡ ዋሕዚ ሓሳባት ክተባባዕ እምበር፡ ክዕገት ፍጹም ኣይግባእን። ካብዚ እምነት ‘ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ከነእንግዶ ጸኒሕና።

እዚ ጽሑፍ ‘ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት ሓያለ ሓሳባት ዘለዓዓለን፡ ንኽትዕን ዘተን ዝዓደመን ከም ዝነበረ ‘ውን፡ ኣብቲ ብቐጻሊ ዝኸይድ ዝነበረ ክትዓት ክርኣ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ክትዓት ‘ዚ፡ ገለ ነቲ ሓሳባት ብሓሳባት ክምክተዎ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ስምዒት ዝተሓወሶ ውልቃዊ ንብረትካ ዝተተንከፈ ዘመስል ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋት ምላሾም ክህብሉ ጸኒሖም። ኣብዚ ብፍላይ ምስጋና ዘድልዮ፡ ሳልሕ የኑስ እዩ። ነቲ ሓሳብ ብሓሳብ ንምብዳህ ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣዝዩ መሃርን ኣምር ነጻ ፕረስን ብስለትን ዓቕምን እቲ ጸሓፊ ስለዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ንመጻኢት ኤርትራ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ስለዝኾነ፡ ክምስገን ይግባእ። መሃሪ ጽሑፋቱ ብቐጻሊ ከካፍለና ካብ ምልባው ሓሊፍካ ድማ፡ ካልእ ክብሃል ኣይከኣልን።

ፍትሓዊ ቃልሲ ራእን ዕላማን ኣለዎ። ገድሊ ድማ ናብዚ ዕላማን ራእን ዘብጽሕ መንኮርኮር ደኣ ምበር፡ ገድሊ ባዕሉ ዕላማን ራእን ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ራኢ ፍትሓዊ ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ፡ ናጽነት መሬት ንምርግጋጽ ጥራይ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ መሰላትን ክብርን ናይ ዜጋታት እተኽብርን እትከላኸልን ሃገር ምህናጽ እዩ። ካብ መግዛእትን ባርነትን ሓራ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምሕናጽ እዩ። እቲ ናብ ገድሊ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ድማ ነዚ ራኢ ንምርግጋጽ እምበር፡ መሬት ካብ ጸላኢ ዝምንዝዕ ማሽን ‘ዩ ኢልና ክንገልጾ ኣይክእልን። ብቀንዱ ነቲ ገድሊ ምኽኑይ ዝገበረ ራኢን ዕላማን፡ እቲ ቅድሚ ገድሊ ዝበሰለ ሓሳባትን ራኢን ናይ ኣቦታት ኤርትራ እዩ። ክሳብ እቲ ዕላማ ‘ቲ ዘይተረጋገጸ፡ ቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ ተወዲኡ ወይ ተዛዚሙ ኢልካ ምዝራብ ፍጹም ኣይከኣልን። ህዝባዊ ግንባርን ስዓብቱን ‘ተኾነ ንቃልሲ ወለዶታት ኤርትራ ከም ናይ ውልቖም ንብረት ክግብትዎ ‘ዮም ዝመርጹ። መንነት እዚ ቃልሲ ገድሊ፡ ኣብ 1991 ከም ዝተዛዘመ ጌሮም ከቕርብዎ ይህቅኑ። እዚ ቃልሲ’ዚ ግን፡ ቅድሚ ገድሊ ዝነበረ እዩ። ሕጂ ‘ውን ይቕጽል ከምዘሎ ንምግንዛብ ከቢድ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ነዚ ፍትሓዊ ቃልሲ ወለዶታት ንኽዕገትን፡ ቀጽልነት ውድቡ ኣብ ልዕሊ ሃገር ንምርግጋጽ፡ ብዋጋ ሃገርን ሃገራውነትን ኩሉ ዝከኣሎ ነገር ክገብር ንዕዘቦ ዘሎና ጉዳይ እዩ።

ሓደ ካብዚ በሃም ተግባራቱ ድማ፡ ብስም ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንኣእምሮ መንእሰያት በቲ ሃገር ዝልክም ዘሎ ሓሳባት ምምራዝ እዩ። ነዚ ተግባራት ‘ዚ ስርሓይ ‘ሉ ተታሓሒዝሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ሃገር ዝልክም ዘሎ ሓሳብ ብዘይንሕስያ ምውቕዑ ‘ተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ዘለዎ ዘቕርበልና ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሃገርን ሃገራውነትን ከቐጽል ዝኽእል ሓሳብ ስለዘይኮነ። እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ኣእምሮ ኣጽቢቡ ምእዙዝነት ዘንግስ፡ ሃገራዊ መንነት ኣጥፊኡ ሻዕቢያዊ መንነት ዝልጥፍ፡ ኣብ ስነ ሞጎተ ራዕዲ ዝተሰረተ ስነሓሳብ ሽፍትነት እዩ። እቲ ግጭትን ፍልልይን ንጹር እዩ። ኣብ መንጎ ምቕጻል ሃገርን ሃገራውነትን ዝጠልብ ስነሓሳብን፡ “ውድበይ ልዕሊ ሃገር ‘ያ” ዝብል ብዋጋ ሃገር ውድቡን ስልጣኑን ክዕቕብ ዝህቅን ዘሎ ሓሳብን እዩ። ናይ’ዚ ዳሕረዋይ ሓሳብ፡ መንቀሊኡ ኣገባብን ዓይነታዊ ትሕዝቶን ፖለቲካዊ ትምህርቲ እቲ ውድብ እዩ። ነዚ ክልተ ተጻረርቲ ሓሳባት ንምርዳእ፡  ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ትምህርትን ስርዓተ ትምህርትን ዘሎ ፍልልይ ምርኣይ ሓጋዚ እዩ።

ስርዓተ ትምህርትን ፖለቲካዊ ትምህርትን

ትምህርቲ ማለት ብስርዓትን ኪኢላታትን ዝተፈላላዩ ዓውድታት ዝተነድፈ፡ ንዕሸላውን ጥርሑ ዝጸንሐን ኣእምሮ፡ ናብ ሓታቲ፣ ተበላሓትን ክፋትን ኣእምሮ ዝቕይር ስርዓተ መስርሕ እዩ። እዚ ኣገባብ ትምህርቲ’ዚ፡ ንዝተባህለን ዝተነግረን ነገር ብነቐፈታዊ ዓይኒ ርኢኻ ክትቅበሎን ክትነጽጎን ዝገብር፡ ኣብ ምህናጽ ሕብረተሰብ ዓይነታዊ ለውጢ እናምጸአ ዝኸይድ ጉዳይ እዩ። ብኣንጻሩ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ንሓደ ኣእምሮ ካብ ክፉትን ተመራማርን ናብ ምሉእን ኣጉል ትዕቢትን ዕጽውን ኣእምሮ ዘማዕብል ሓደገኛ ተርእዮ እዩ። ኣብ ታሪኽ ገድሊ ሻዕብያ ‘ተርኣና እምበኣር፡ እዚ ዳሕረዋይ መስርሕ ክፍተንን፡ እሱውን እንተኾነ ብብቕዓት ክትገበርን ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ከምዝነበረ ዝኸሓድ ኣይኮነን። እዚ ዓይነት ትምህርቲ’ዚ፡ ኣጉል ትዕቢት ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝበለጽካ ዘምስል ናይ ሓሶት ተርእዮ ብምስራሕ ዝኸይድ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ጉዳይ እዮ። እዚ ‘ዩ እምበኣር፡ እቲ ኣብ ሻዕባያ ዝማዕበለ መንሽሮ፡ ሎሚ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ። ብመንጽር እዚ ባህሊ ‘ዚ ክርአ እንከሎ ኸኣ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ናይ ትማሊ ተጋደልቲ ኤርትራ ‘ተርኣና፡ ብፍላይ ድማ ንተጋደልቲ ሻዕብያ ኣብ ሰለስተ ፈሊኻ ክርኣዩ ዝኽእሉ እዮም።

  1. እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብተስፋ ምቑራጽ እንተስ ብበለጽ እንተስ ብድኻም ነዚ ዘሎ ስርዓት ምግልጋልን መጋበርያ ዓመጽ እቲ ስርዓት ምዃን ዝመረጹ እዮም።
  2. ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዞም ክሳብ እዛ ዕለትን ሰዓትን እዚኣ ንዕላማን ራእን ቃልሲ ኤርትራ ኣሕሊፎም ንዘይምሃብ ክሳብ ብሂወቶም ዝኸፈሉን ኣብ ፈቐዶ ስደት ከርተት እናበሉ ዝቃለሱ ዘለዉ እዩም። እዚኦም ክምቲ ነዚ ስርዓት ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ኣብ ምብጻሕ ዝተጻወትናዮ ተራ ኣብ ምእላዩውን ዝለዓለ ሓላፍነት ኣሎና ኢሎም ዝምክቱን ነቲ ቃልሲ ናብ ናይ መወዳእታ ራእይኡ ንምብጻሕን ናብ ሓድሽ ወለዶ ንምስግጋርን ዝቃለሱ ዘለዉን የጠቓልል።
  3. ኣብ ስደት ዘለዉ ግናኸ ካበቲ ናይ ሻዕብያ ኣተሓሳስባን ሕቑፍን ‘ተወጺኦም ዝዝኽትሙ ዝመስሎም፡ ዕላማኦምን ዝተጋደልሉ መትከላትን ራእን ዝጠለሙ እዮም። ገሊኦም ዝቃለሱ እዮም። ግን‘ከ ባርነት ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንኸኽትም ክቃለሱ ፍቃደኛታት ኣይመስሉን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ወይ ናይ ተቛወምቲ ወገናት መራሕቲ ጋንታታት ኢልካ ክግለጹ ይኸእሉ።

ሕሉፍ ጭካነን ሕሉፍ ምእዙዝነትን

ሻዕብያ ነቲ ይኽተሎ እየ ኢላ እትዛረበሉ ዝነበረት ዴሳዊ ስነ-ሓሳብ ‘ውን እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ብራእን ብዕላማን ትኽተሎ ኔራ ኢልካ ንምዝራብ ዘኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ከም ሳዕቤኑ ስርዓት ሻዕባያ ከምዚ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ገንፊሉ እንርእዮ ዘሎና እቲ ቀንዲ ዝገዝኣ ዘሎ ኣገባብ ኣብ ሕሉፍ ጭካነን ሕሉፍ ምእዙዝነትን ዝተሰረተ ካብ ፍርሕን ስግኣትን ዝነቅል ናይ ማፍያን ሓደ ቀይድ በተኽ ጉጅለን ኣካይዳ እዩ። ኣብነት ንውሰድ፡ እቲ ተራ ተጋዳላይ ካብቲ ሓፋሽ ዝበለጽኩ እየ ኢሉ ክሓስብ ስለዝተገብረ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓፋሽ ሕሉፍ ጭካነ የዘውትር፡ ነቲ ልዕሊኡ ዘሎ ሓላፊኡ ድማ ሕሉፍ ምእዙዝነት የርእይ። እቲ መራሒ መስርዕ ድማ ነቶም ዝቆጻጸሮም ሕሉፍ ጭካነ ከርእይ እንከሎ ንሓላፊኡ ድማ ሕሉፍ ምእዙዝነት ይህልዎ። እቲ ሰንሰለት ከምዚ እናበለ ናብ ሓይሊ ቦጦሎኒ ብርጌድን ክፍለሰራዊትን እናደየበ ክሳብ እቲ ርእሲ ይበጽሕ። ካብዚ ኣካይዳ እዚ ዝወጽእ ውልቀሰብ ወይ ጉጁለ ምስዝርከብ ድማ፡ በቲ ኣገባብ ብዘይንሕስያ ካብቲ መስርሕ ንሓዋሩ ብጨካን ኣገባብ ይእለ።

ኣብዚ ክንጽር ዘለዎ ነገር እምበኣር ምቅንጃው ገድሊ ክበሃል ከሎ፡ ነዚ ሰራም ሓሳባት ምህራም እምበር ነቲ ጋምባለን ቑምጣን ሽዳን ካኪ ስረን ዝለበሰ ስጋ ለበስ ተጋዳላይ ኣይኮነን። እዚ ሓሳባት እዚ እዩ ከኣ ሃገርን ህዝብን በታቲኑ ሰላምና ዘሪጉ ከም ደቂ ዛግራ ፈቐድኦ ክንዝርጋሕ ጌሩ ዘሎ። እዚ ሓሳበት እዚ ሕጂውን እንተኾነ ኣብ መቃልስትና ኣብ ብጾተና ኣብ ኣሕዋትናን ዝረአ ነገር እዩ። እዚ ዘለናዮ ቃልሲ ቃልሲ ሓሳባት እዩ። እዚ ሓሳባት እዚ ድማ ሃገር እናብረሰ ኢድናን እግርናን ኣጣምርና ክንርእዪ ኣይግባእን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ዝወሰደ ዋጋን ግዜን ይውሰድ ብዘይንሕስያ ክንሃርሞን ክንወቕዖን ክንገጥሞን ሓላፍነትና እዩ።

ዝኾነ ተጋዲለ ዝብል ንዕላማን ራእን ገድሊ እናተቐትለን እናሞተን ገለን መሳርሒ ዝኸውን፡ ገለን ኣብ ኩርናዕ ተሓቢኡ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ተስፋ ዘቑረጽ መልእኽትታት ዝዝርግሕ፡ ገለ ድማ ካብዚ እከይ ኣገባብ ገድሊ ነብሱ ሓራ ዘይገበረ ነዚ ዝኣረገን፡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ኣገባብ ሒዙ ዝኸይድ ተጋዳላይ ኢልና ክንጽወዖ ‘ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ቃልሲ ናይ ምሉእ ሂወት መስርሕ እምበር ኣብ ሓደ ደረጃ በጺሑ ዘቛርጽ መስርሕ ኣይኮነን። እቲ ዝተቓለስካሉ መትከላትን ዕላማን ራእን ድማ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ምስግጋር ሓደ መስርሕ እዩ። እዛ ብናይ ማፍያን ጋንግስተርን እትመሓደር ሻዕብያ ግን ነዚ ንምግባር ብቕዓትን ድሌትን የብላን። ከም ሳዕቤኑ፡ በብመዓልቱ ትመውትን ኣባላታ ድማ ራእይኦም ጠፊእዎም ኣደዳ መስተን ዕብዳንን ክኾኑ ግድነታዊ መስርሕ ኮይኑ ንርእዮ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...