ኣብ ዝኾነ ዝካየድ ስራሕ ይኹን ዕዮ ሓድነት እምኒ ኩርናዕ ዓወት ሙዃኑ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ መባእታ መስርሕ ኢዩ፡፡ ኣብዑር ጸሚድካ ምሕራስ ክትጅምር እንከለኻውን ነቶም ተጸሚዶም ዘለው ጽምዲ ብዕራይ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ከይተርፍ ስላዕ ኣሒዝካ ነቲ ዝሕጥ ዝብል ወስ ትብሎ ወይ ትተኽዮ መታን ማዕረ ክስጉሙ እሞ ከተስልጥ፡፡ በፍራስ ዝሳሓብ ዓረብያ ጌሩ መነባብርኡ ዘካይድ ሰብ እውን ተመሳሳሊ ናይዞም ጽምዲ ብዕራይ ኣገባብ ኢዩ ዝጥቀም፡፡ እቶም ኣፍራስ ብሓደ ሰጉሞም መታን ክሰልጦ ኩርማጅ ጌሩ ነቲ ዝተርፍ ወይ ዝሕጥ ዝበለ ሸብ የብሎሞ ማዕረ ብጻዩ ከምዝስጉም ይገብሮ፡፡

ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ እውን ንናይ ሓባር ጸላኢኻ ፍልልያትካ ኣንዳኣጽበብካ ክትስዕሮ ከምዝካኣል ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ክፍለጥ ዘለዎ ወሳኒን ረቛሕን ግን ነቲ ትኽተሎ ኣገባብ ብልዕልና ሕግን ብንጹርን ብህዝብን ሃገርን ዘገልግል ኣገባብ ክትጥቀመሉ እንከሎኻ ኢዩ፡፡

 ብስም ሓድነት እንዳተዛረብካ ግን ዘራጊ ዝኾነ ተግባራት ምዕያይ ሓድነት እንዳጨራሕካ ናብ ስልጣን ክትሓኩር ምድላይ ነቲ ጉዕዞ ሓድነት ኣብቲ ዝድለዮ ጥርዚ ዘብጽሖ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ብረታዊ ቃልስና ዝነበረ ሕልኽላኻት መሰረቱ እቶም ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ምንባሮም ኩልና ንሰማማዓሉ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ብህዝቢ ዝተጀመረ ጉዕዞ ንሓደገኛ ምፍሳስ ደም ኣሕዋት ኣብ ምንካይ ዓቢ ተራኳ ተጻዊቱ እንተኾነ ብሰንኪ ቶንኮላት መራሕቲስ እቲ ዝድለ ሓድነት ኣየምጽኤን፡፡

ብዘይካ`ቲ ብሓገዝ መራሕቲ ናይ ገለ ፈተውትን ጎረባብትን ሃገራት ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ዝነበረ ዘተታት ሓድነት ክልተ ውድባት ብህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳታት ኤርትራ ተኻይዱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጎልጎል ዓላ ብዘይ ፍረ ከምዝተበተነ ታሪኽ ጉዕዞ ሓድነት ሰውራና ኢዩ፡፡ ብድሕሪ`ዚ እቲ ብግኑን ዝፍለጥ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ኢዩ፡፡ ኩሉ እዚታት ግን ንድሌት ህዝብን ተራ ተጋደልትን ዘርውን ዘሳትፍን ብዘይ ምንባሩ ብዘይ ሓደ ንጹር መደምደምታ ኢዩ ተዛዚሙ፡፡

ኣብ`ዚ ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝርኤ ዘሎ ስርሕ ፍንጥሕ እውን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ`ዩ  እኳ እንተጸይተባህለ ካብቲ ኣሉታዊ ተሞክሮ ናይቲ ዝሓለፈስ ዝተማህረ ኣይመስልን፡፡

ስምረት ጽቡቕ ሙዃኑ ኣድላዪ ሙዃኑ ከምቲ ኣቝዲሙ ተገሊጹ ዘሎ ምትንታን ዘድልዮ ኣይኮነን፡፡ ግን ከኣ ኣድላዪ ተባሂሉ ዒባ ጉድጉዶ ኮይኑ ብሓደ ረፍዲ ጠፍጢፍካ ጠፋጢፍካ እትስርሖ ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝፈላሊ ብሕግን ብግዛኣተ- ሕግን ኣጽኒዕካ ኣሳታፍን መሰረታት ዝኣመንሉን ባዕላቶም ዝተዋስኡሉን ምስ ዝኸውን እዩ ውጺኢታዊ ክኸውን ዝኽእል፡፡

ኣብ ቃልሲ ተራ መሪሕነት ዘይስሓትኳ እንተኾነ መሪሕነት ንበይኑ ተነጺሉ መዓልትታት ክሰርሕ ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ጉዳይ ስምረትን ሓድነትን ብተሳትፎ ኩሉ ኣብ ጭቡጥ ረጊጽካ ዝግበር እምበር ናይ በይንኻ ቀዳመ-ሰንበት ብምፍጣር ዝግበር ኣይኮነን፡፡

እቲ ትገብሮ ሓድነት ነዚ ንህዝቢ ዝበታትን ዘሎ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ክትስዕረሉ ትኽእል ኩነታት ዝፈጥር ኮይኑ ሓንቲ ብዝኾነ ማለት ናይ ሃይማኖትን ወገንን ዓሌትን ፍልልይ ዘይብሉ ንብሄራት ኣወሃሂዱ ልዕላውነታ ዝተኸብረን ምስ ጎረባብታ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ተሞርኩሳ ብስኒትን ብሰላምን  እትነብር ኤርትራ ንኽትህሉ ዘረጋግጽ ክኸውን ይግባእ፡፡

 እቲ ትገብሮ ሓድነት ንስለ ሓድነት ተባሂሉ ንመዝሙር ህዝቢ ጨዊኻ ተካኢ ህ.ግ.ደ.ፍ ንክትከውን ዝዓለመን ንመሰረታትን ህዝብን ዘየሳተፈ ምስ ዝኸውን ግን ክዕወት ዝኽእል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ጉዕዞ ተቓውሞ ኣዳኺሙ ኣብ ሾንኮለል ዘእቱን ዕድመ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘናውሕን ኢዩ ዝኸውን፡፡
  ካብ`ዚ ሓጺርን ብሩህን ኣምር`ዚ ብምብጋስ እምበኣር እቲ ቅኑዕን  እቲ ራህዋ ንህዝብን ሃገርን ከምጽእ ዝኽእል ሓቀይና ሓድነት ንምምጻእ ጻዕሪ ናይ ኩሉ ተቓላሳይ ዜጋ ይጥለብ ኣሎ፡፡


ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ
ዝክሪ ንስውኣትና

ኢስማዒል መ.ብርሃን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...