ኩሎም ዓመጽቲ ተመራጺ ቃላት እናዘውተሩ ኢዮም ኣብ ስልጣን ዝድይቡ፣ ስለ’ዚ ብቐሊሉ ከተለልዮም ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብታ ስልጣን ምስ ደየቡ ግን፣ ከምቲ ኣብ ስልጣን ንምድያብ ጻዕሪ ከካይዱ ከለው ዝብልዎ ዝነበሩ ንሕዝቢ ዝጠቅም ዘይኮነ መብዝሕትኡ ጊዜ ንዖዖምን ንመሰልቶምን፣ ዘርብሕ ጥራይ ክገብሩ ኢዮም ዝርኣዩ።

ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም እንተኾነ’ውን ኣሰራርሓ ናይ ኩሎም ፖሎቲካውያን ይበዝሕን ይውሕድን፣ እምበር ከምኡ ኢዩ ዝመስ። ኣብቲ ሕግታት ዘለዎ ሃገራት ግን ንኽትቃለሶ ዘኽእል ሃዋህው ስለዘሎ ክትቃለሶ ትኽእል ኢኻ። ስለ’ዚ እታ ኤርትራውያን ክንርዳኣ እተድሊ ኢለ ዝሓስባ፣ እዚ ባህሪ ወይ ሕማም እዚን ካልእን ክትቈጻጸር ንምኽኣል ሕጋዊ ዝኾኑ ትካላት ምትካል እትኽእለሉ ኩነታት ምጥጣሕን፣ ኣብ ምትካል ከብቅዓካ ዝኽእል ኣገባብ ኣቀላልሳን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ዓለም ጌና ዘለዋ ሽግራት እናወገደት ኣብ ጥጡሕን ዓመጽ ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ምትካልን ኢያ ትጓየ ዘላ። ንሕና ድማ ነዘሎና ጸገም ኣሪምና ብኻልእ ዘገምታዊ ምዕባለ ክንበጽሖ ዘይኮነስ ኣብ ማዕሪኡ ዝስራዕ ብልሓት ኣናዲና ብምጽናሕ ኣብ ሓራ ኤርትራ ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ኣካያይዳ ይኹን ካልእ ምዕባለ ጥዑይ ኣንፈት ናይ ምትሓዝ ተኽእሎ ኣጥሪና ክንጸንሕ ኣለና። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ምስ ፍልጠቱን ልቦንኡን ተወጺዑ ዝነብር ዘሎ ሕዝቢ ኢዩ። ስለ’ዚ ብኩሉ ሸንኹ ጥጡሕ ዝኾነ መንገድታት ቀሪብካሉ እንተጸኒሕካ ባዕሉ ብዙሕ ነገር ክፈጥር ዝኽእል ሕዝቢ’ዩ።

ስለ’ዚ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ቀጠፍጠፍ ኣትዮም ሕዝብን ሃገርን ዝልኽሙ ዘለው ኣልጊስና፣ ብዘይተለኽፉ መራሕቲ ክንምራሕ ንደሊ እንተድኣ ኰና፣ ኩሉ ጊዜ ብኣመራርሓ ሃገርን፣ ንመራሕቲ ክንቈጻጸረሉ እንኽእል ኣገባባትን ሜላን ክንፈጥረሉ ብዛዕባ ዘኽእል ኣገባባት ክንዝትን ንትግባሬኡ ዝሕግዙ ሓሳባት ክንድህስስን ኣብ ተግባር ንምውዓሎም መጽናዕቲ ከነካይድን የድልን ይግባእ። ሕሱም መድረኽ ብዙሕ ብልሓት እንተ ዘይተማሂርካሉ፣ ከምቲ ታሪኽ ይድገም ኢዩ ዝብሃል ተመሊሱ ከይመጸካ ምጥንቃቕ ዘድልዮ ኢዩ።

እዚ ንምትግባር ብብዝሒ ሕዝቢ ቁጽሪ ዝምረጹ ኣባላት ባይቶ ዘለውዎ ባይቶታት ኣብ ኩለን ክፍላተ ሃገራት ኤርትራ ብምቋምን፣ ብብዝሒ ሕዝቢ ቁጽሪ ዝምረጹ ኣባላት ባይቶ ማእከላይ መንግስቲ ኤርትራ ብምቋምን ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ካብ ብዙሕ ብጠርጠራ ዓይኒ ዝርኤ ሽግራት ኣልጊሱ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን መንግስቲ ኣብ ምትካል ዘብቅዓናን ነባሪ ሰላም ኣብ ምምጻእ ክሕግዘና፤ ምኽንያቱ ቅኑዓት ምምራጽ ሓደ ካብ ከነካይዶን ኣብ መስርሕ ምርጫ ክንጥቀመሉ ዝግባኣናን መስርሕ ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኢዩ።

ክቡራት ህዝቢ ኤርትራ፤ እታ ካብ ኩሉ ክላበወኩም ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ተቓላሳይ ዓቕሙን ለውጢ ናይ ምምጻእ ዘለዎ ተኽእሎን ድሩት ምዃኑ ክትፈልጡን መወሰኽታ ሓይሊ ኩሉ ጊዜ የድሊ ከም ዘሎን ክትፈልጡ ኢዩ። ቃልሲ ዝመርሕ ብዘይካ ስዓብቲ፣ ከም ሓደ ኢንጂኘር ብጀካ ሸቃሎ ኢዩ። ተሳማሚዕካ ሓደ ብሕጊ ዝግዛእ ብስም ኩልኻ ዝንቀሳቐስ ኣካል ከይገበርካን ንዝወጸ ሕግን፣ ዝመዘዝካዮ መሪሕነትን ተማእዚዝካ ብሓባር ጥርኑፍ ቃልሲ ከየካየድካን፣ ዓለም ክኣምነካን፣ ንእተካይዶ ቃልሲ ክኣምነልካን ኣይኽእልን ኢዩ። ስለ’ዚ ነዚ ብዝለዓለ ክንሓስበሉን፣ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎን ኣድላዪ ምዃኑ ክንርዳእን ንምትግባሩ ክንቀላጠፍን ኣለና። ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ሽግር ከለና ሕዝቢ ረሲዕና ብዘድልን ዘየድልን እንተተሳሓሓብና ዋጋ የብሉን።

እዚ ክንገብር ምስ ክኣልና ኢዩ ሓርነታዊ ቃልስና ንቕድሚ ክስጉም ዝኽእል። ሃገራዊ ዋዕላ ይኹን ካልእ ብተሳትፎ ሰፊሕ ሕዝቢ ኤርትራ ተፈጺሙ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ- ሰብ ዓለም ሓደ ንኤርትራ ክመርሕ ዝኽእል መጻንሒ መንግስቲ ኣብ ስደት ጌርካ፤ ንዓዲ ምስ ትኣቱ መቃለሲ ባይታ ሒዝካ ማለት ኢዩ። ነቲ ክወርድ ዝኽእል ሽግር’ውን ብዝሓጸረ ኣብ መዓልቦ ከተብጽሖን ነባሪ ሰላም ኣብ ምምጻእ ክትዕወትን ትኽእል፣ ምኽንያቱ ሕዝቢ ንዘለዎ ሽግር ኣብ ምውጋድ ክትሓባበር ምዃኑ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ፣ ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ሕዝብና

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...