ብቐዳምነት ነቶም ናይ ህዝብና ሽግርን ጸበባን ንምቅላሕን ንምግላጽን፤ ናጻ ጽሑፋትን ርእይቶን ኣተሓሳስባን ናይ ሕዝብና ንኽምዕብልን ክውን ንምግባርን ናጻ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዝመስረቱ፤ ን12 ዓመታት ዝኣክል ከኣ ብትብዓትን ትግሃትን ዝቃለሱ ዘለዉ ኣሕዋት ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሓዮም።

ከምኡውን ንኩሎም ግዜኦም ኣወፍዮም ጉልባቦም ቀሊዖም፤ ጽሑፋቶምን ሓሳባቶምን ርእቶኦምን ዘወፈዩን ጌና ዘወፍዩ ዘለዉን ኣድናቖተይ ይገልጽ፤ ብወገነይ እውን ኣነ ካብ ጽሑፋትኩምን፤ርእቶኹምን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ከምዝተመሃርኩን ከምዝማዕበልኩን ደስ እናበለኒ እገልጽ።

ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝብልዎ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ፖሊቲካ ኤርትራ ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን ኢዩ፤ ኣብ ግብሪ ምትርጓም ኢዩ ተረፉ ዘሎ ይብሉ፤ሓቂ ኢዩ! ግን ሕዝቢ እንተዘይተናቃቒሑን እንተዘይተጠርኒፉን ናብ ግብሪ ክሰገር እውን ከቢድ ኢዩ።

እዚ ኣብ ኤረትራ ሃገረና ነጊሱ ዘሎ ገባቲ ስርዓት እቲ ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎ ክፉእ ተግባራት ሕዝብና ሓሳብ ንሓሳብ ከይላዋወጥን ከይጥርነፍን ፋሕ ምባል ኢዩ። ስለዚ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ንምውዳቕን ናጻ ኣተሓሳስባን ጥርናፌን ንክነግስ ክንቃለስ ከኣ ናይ ግድን ኢዩ፡፡

ንኣብነት ኣብዘን እንነብረለን ዘለዋ ምዕራባውያን ሃገራት ንመልከት፡ ክንደይ መጻሕፍትን፡ መጺሔታትን፡ ጋዜጣታትን ንመዓልቲ ይጸሓፋ፤ ክንደይ ናይ ራድዮን ተለቪዥንን መደባት ኣብ መዓልቲ ኣሎ፤ ክትሓስቦ ጥራይ ዘገርምዶ ኣይኮንን፧ ግን ሓደ ነገር ኣሎ፡ ህዝቢ ብናጻ ክሓስብን ክንቃሳቀስን እንተጀሚሩ፡ ምሉእ ሰብአውን ደሞክራሲያውን መሰሉ እንተተሓልይሉ፤ ፍትሕን ሕግን እንተነጊሱ፤ ሕብረተሰብኣዊ፡ ፖሊቲካዊን፡ ቁጠባዊን ሓርነት እንተድአ ኣብ ሃገር ሃሊዩ፤ ህዝቢ ዘይነጽፍ ባህርያዊ ፈልፋሊ ተኽእሎ አለዎ።

ናጻ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ን12 ዓመታት ዝኣክል ዝገበረቶ ጻዕርን ኣገልግሎትን ንሕዝብና ዓቢይ ኣበርክቶ ኢዩ። ናጻ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ንምክትታል ዕድላት ዘለዎ ክፋል ሕዝብና ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ብዛዕባ ኩነታት ሃገሩ ዝረኸቦ ናጻ ሓበሬታን ዝተፈላለየ ርእቶታትን ብምእንጋድ ዓቢይ ናይ ሓሳብ መለዋውጢ መድረኽ ከፊታትሉ ኢያ።

ነቶም ንናጻ ፕረስ ክኣምኑ ዘይደልዩ፤ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝዓወሩ፤ ብዘይ ተወዳዳራይ ንህዝቢ ከደናግሩ ዝደልዩ፤ ግን ሕማም ርእሲ ኮይናቶም ኢያ። ንናጻ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ንምድኻም ከኣ ዘይተገብረ ፈተነ የለን፡፤ ግን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝኾኖም ፈሺሎም ተሪፎም። ብኣንጻሩ ከኣ ንናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኦም ንኸቃልሑ፤ ንሕዝቢ ዝኣክል ባኒ ከይቀረቡ፤ሕዝብና ብጥሜት እናተሳቐየን እናሞተን፤ ነዞም ኣብ ስደት ዘሎና ንምድንጋር፡ ዘይተኣደነ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ብምግባር ብሳተላይት ቲቪ ኤረን ድምጺ ሓሶትን ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኦም ኣጽሚሞምና ኣለዉ። ግን ሃገርና ክሰሪ ኢልዋ ድኣ እምበር በዚ ናይ ምትላል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኦም ሎምስ ዝኣምኖም ዘሎ ኣይመስለንን።

ህላዌ ናጻ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ንሕጊ-ግደፍ ዕረ ይጥዓሞም ድኣ እምበር ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ብመጠኑ መተካእታ ናይተን ብሰንኮም ተዓጽየን ዘለዋ ናጻ ጋዜጣታት ኮይና ኢያ። ናጻ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖን ካልኦት ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታትን ንናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን፡ ንኣካያይዳ ሕጊ-ግደፍ መኪተንኦን ኣጋሊጸንኦን ኢየን፤ ልክዕ ኢዩ መብዛሕትኡ ኣብ ውሸጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ብዙሕ ዕድላት የብሉን ነዘን ዝተጠቕሳ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት ክከታተል፤ ግን ሓያሎ ካብኣተን እውን ናብ ናይ ራድዮ ፕሮግራማትን መደባትን ተሰጋጊረን ኢየን።

ስለዚ ነዚ ኣብ ሃገረና ኤርትራ ብሕጊ-ግደፍ ወሪዱ ዘሎ እገዳ ናጻ ፕረስን፤ እገዳ ናይ ርእቶኻ ምግላጽ ናጽነትን፤ ምግባት ጋዜጣን፡ ራድዮን፡ ቲቪን፤ እዘን ናጻ ዝኾና ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታትን ራድዮታትን፡ ንህዝብና መተካእታ ናይተን ዝተዓጽዋ ናጻ ጋዜጣታት ኮይነን ቃልሰን ከዛይዳን ከዕብያን ናይ ህዝቢ ምትሕብባር ናይ ግድን ኢዩ።


ዮሃና ንመበል 12 ዓመት ኣስማሪኖ

መሰል ናጻ ፕረስን፤ ርእቶኻ ናይ ምግላጽ ናጽነትን
መሰል ጋዜጠኛታትን ይተሓሎ !!!

ኣብራሃም ተኽለ
29.09.2009

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...