ምንያ ኮለል!

ሓንቲ ኣይኮንኩን...ርኣዩኒ እንዶ....
ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ከኣ ኣብ ኣስመራ ልምድቲ ብሂል ኢያ "ምንያ ኮለል"። እዛ ቅጽል እዚኣ ንሓንቲ ንብምልእታ ኣስመራ ክትኮላ ትውዕል ዝነበረት “ምንያ’’ ዝተባህለት ምስክነይቲ ናይ ጥዕና ጽግምቲ ብምዕዛብ ዝተለምደት ምዃና ዘርከቡላ የዕልሉ። በዚ መሰረት እውን ነተን ድሕሪ ብዙሕ ኮለል ናብ ቦታኻ ዘብጽሓኻ ገለ ኣውቶቡሳት ከተማ፡ ንኣብነት ንከም ቁጽሪ 11 ኣኽርያ-ማይጭሆት፡"ምንያ ኮለል"፤ ብዘይስራሕን ሞያን ፍረን ኮለል ክብል ንዝውዕል ወይ ንትውዕል ሰብ እውን "ምንያ ኮለል"፤ ዝብል ቅጽል ይጠብቆም። በዚ እውን ብዙሓት ምንያ ኮለላት ርኢናን ሰሚዕናን ኢና እሞ ኣይከም ኣይተ ኢሰያስን።
ጆሜትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ "ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምዕዛብ"፤ "ዲጋ ገርሰት ንምብጻሕ"፤ "ድንድል(ቢንቶ) ዘጢጣ ከይትህሉ ንምዕቃን" ወ.ዘ.ተ....."ናይ ስራሕ ዑደት ፈጺሙ" እናተባህለ ጥሩምባ ክንፋሕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ድሮ ጎቢዞምሲ ብረት’ኳ ዓጢቖም። እንተኾነ ጆሜ ኢሱ ብዝተዓዘብዎ ወይ ብዝሃብዎ መምርሒ ዝፈረየ ኣይረኣናን። እኳ ደኣ ንሶም ዘዝረገጽዎ መሬትሲ መመሊሱ ደኣ ከውሐ። ንሶም ኮለል እናከብዝሑ ድማ ጥሜት፡ ሽግርን ዓጸቦን መመሊሱ ገደደ። ብዓንተብኡ’ኸ ብሓቂ ንቁምነገር ድዮም ዝኾሉ፧ ተውሳኾም! እቲ ሓቂ ግዳ ከነዕልለኩም፤

እዚ ትርእይዎ ዘለኹም፡ ኣነ እንተዘይህሉ ኣምበይምሃለወን........
ኣብዚ ሰሙን፡ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ "ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ" ክበሃል ቀንዩ። እዚ እውን መቐጸልታ ናይ ንፍጾ ዑደታቱ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊኡ ዝተሃቀነ ወስታ፡ ግብረመልሲ ንምሃብ'ውን ኢዩ ነይሩ። "ኣለኹ" ንምባል ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ከም መንግስቱ ሃይለማርያም ኢዱ ብፋሻ ጠቕሊሉ፡ "ኣልሞትኩም ኣለሁ፡ እናሸንፋለን" ምባል ጥራይ ድማ ኢዩ ተሪፍዎ። "ናይ ተቓውሞ ስምዒት የርእዩን ቁሩብ ፍኒሕኒሕ ይብሉን ኣለዉ" ንዝበሃለሎም ከም በዓል ሚኒስተር ወልደሚካኤል ገብረማርያም፡ ኣብዚ ናይ ሎምቅነ ናይ ንፍጾ ዑደቱ ሒዝዎም ምኻዱ፡ ማዕረ ክንደይ ነፍሰምትእምማን ኣጥፊኡ ከምዘሎ ዘብርህ ምዃኑን፡ ከም ጅሆ ወይ መከላኸሊ ድርዒ ካብ ክወርዶ ዝኽእል መጥቃዕቲ ከምዝተጠቕመሎምን፡ ተንተንቲ ይእምቱ። ኣየ ምንያ ኮለል!

ተዓዘብ