ዓመታዊ ኣድማሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያናት ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ሕዳር, 2013 ዓ.ም. ኣብ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ተኻይዱ። ብኣቶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ብኣሸበሸብ ንደቡብ ኮርያ እኳ እንተምርሐ ድኻም ጥራይ ኮይኑ ኣብቲ ኣድማሳዊ ጉባኤ ከይተሳተፈ ከምዝተሰጐጐ ተፈሊጡ።

 

ብመሠረት እቲ ዝወጸ መምርሒ፣ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ሓደ ሓባራዊ መግለጺ ሒዘን ክቐርባ ይእዘዛ እየን። እቲ ብኣቶ ዮፍታሀ ዝምራሕ ምምሕዳር ድማ “ንሕና ኦርቶዶክስ ኢና” ብምባል፣ ኣብቲ ጉባኤ ኦርቶዶክሳውያን (confessional meeting) ክሳተፍ ፈቲኑ። እንተኾነ፣ ሕብረት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ሓደ ቃል ብምዃን "ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ? መን ልኢኽኩም? ንመን ወኪልኩም መጺኹም?" ዚብል በዳሂ ሕቶታት ምስ ኣቕረበሎም፣ ኣቶ ዮፍታሀ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ብፖለቲካዊን ሃይማኖታውን ክሕደት ከጸልሞም ፈቲኑ:: ቀጺሉ ኣቶ ዮፍታሀ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ከምዘይተኣይተኣስሩ፣ "ሕክምናኦምን መነባብሮኦምን ባዕለይ ይከታተሎ እየ" ዚብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምስክርነት ሂቡ።

ኣቶ ዮፍታሀ ዝሃቦ ምስክርነት ግና ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይቃዶ፡ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተማህዘ ሓሶት ምዃኑስ መራሒ እቲ ጉባኤ ሊቀ ጳጳስ (Metropolitan Gennady) ኣይሰሓትዎን።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣቶ ዮፍታሀን ሰዓብቱን ካብቲ ጉባኤ ብህጹጽ ክወጹ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ፣ እቲ ብዮፍታሀ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣብ ዝኾነ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ጉባኤ ከይሳተፍ፣ ካብ ሕብረት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ምሉእ ብምሉእ ክንጸል ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ። ብተወሳኺ፡ ጉዳይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዕቱብ ምክትታል ክገብረሉ፡ ሕብረት ኦርቶዶክሳውያን ናብ ኣድማሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያናት ለበዋ ኣቕሪቡ።

እቲ ዝተዘርበ ኩሉ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ብምንባሩ፣ እቶም ምስ ዮፍታሀ ዝመጹ ጳጳሳት እንታይ ይበሃል ኣሎ ምንም ኣፍልጦ ብዘይምንባሮም ነቲ ጉባኤ ኣሕዚንዎ እዩ። ብስሞም ናይ ፖለቲካ ሰባት ይብለጹሎም ከም ዘለዉ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ንጹር ነይሩ።

ሎሚ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ብዛዕባ እቶም ካብ እምነት ሓላፊ ሽመት፡ ካብ ሓቂ ሓሶት መሪጾም ኣብ ጌጋ መገዲ ዘለዉ ‘’ኣምላኽ ዕርቂ ንብኡሳት፡ ንስሓ ንጥፉኣት’’ ሰሪዑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ዝወረስዋ እቶም ጽኑዕ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ካሌብን ኢያሱን ምዃኖም ዘኪሮም፡ ምድራዊ ህይወቶም ከየብቅዐ እንከሎ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክእዘዙን ክሰምዑን ሓደራ እብል።

ጸጋ መድኃኔ ዓለምን ጸሎት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኩልና ይኹን።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...