ሃይለ ቢዘን “ሰባር ስቕታ”፣ ናይ “ሕድሪ” ኣሰናዳኢ፣ ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ሓቲቱ

ሃይለ ቢዘን፤ እቲ ውሩይ ኤርትራዊ ገጣምን፣ ጋዜጠኛን፣ ጸሓፍን ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ሓቲቱ።

ሃይለ ብመንግስቲ ኤርትራ ብዘጋጠሞ ተኸታታሊ ጸቕጥን ምክትታልን ብተወሳኺ ምርመራዊ ሕቶታት ብዛዕባ እታ “ድሕሪ’ቲ ማዕጾ” ትብል መጽሓፍ ድሕሪ ምውጽኡን ስለዝረኸበን እዩ ኣብዚ ኩነት እዚ በጺሑ ዘሎ። ናይ ሃይለ ቢዘን መጻሕፍትን ጽሑፋትን ግጥምን ኣብቲ ሃገር ዝረእ ዝተዓብሰ ሕብረተ ሰብ ስለዘንጸባርቕ ሃይለ፣  “ሰባር ስቕታ”፣ ዝብል ሳጓ ወጺእዎ። እዚ ስም እዚ ኣውራ እዛ ናይ “ድሕሪ’ቲ ማዕጾ” እትብል መጽሓፉ ድሕሪ ምውጽኣ እያ ተዘርጊሓ።

ሃይለ ቢዘን ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ፖለቲካዊ ጉዳይ ጋዜጠኛን ኣሰናዳኢ ናይ “ሕድሪ” መጽሔት ማለት እታ ወግዓዊት ስነ ሓሳባዊት መጽሔት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነይሩ።

ብተወሳኺ ሃይለ ቢዘን ኣብ ናይ “ሕውየት” ዝተባህለ ብግሊ እትሕተም ዝነበረት መጽሔት ናይ ቦርድ ኣባል ነይሩ። ሕይወት መጽሔት ብ2001 ካብ ምሕታም ተኺልኪላ። እዚ ማለት ነጻ ጋዜጣታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኸልከላሉ እዋን እዩ። ቅድሚ ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ምሕታቱ፣ ሃይለ ኣብ ናይ ሚኒስትሪ ዜናን ሓቤረታን፣ ከም ናይ ሕዝባዊ ርክባት ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ሃይለ ድሕሪ ነጻነት ሰለስተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዘሰናድአን እዩ። ከምኡ እውን ተዋስኦን ስነ ጽሑፋዊ ሓተታትን ካልእ ጽሑፋት ብምብርካት ኣብ ናይ ኤርትራ ባህላዊን ጹሕፋዊን ታሪኽ ኣበርክቶ ዝገበረ ሰብ እዩ።

ኣብዚ መወዳእታ እዋን ምስ  ሳሚ ሳሊነን  ዝተባህለ ሰኣላይ “ፍቕርቲ ኣስመራ” እትብል መጻሓፍ ኣውጺኡ ነይሩ።

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...