ስነ ፍልጠታውን ናይ ኖበል ናይ ሰላም ሽልማት ተቐባሊ ኖርማን ቦርላውግ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 12 ኣብ ተክሳስ ኣሜሪካ ኣብ 95 ዕድሚኡ ዓሪፉ። እቲ ንሓደ ቢልዮን ዝኸውን ሕዝቢ መጊቡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዩኒቨርስቲ ፕሮፈሰር፤ ሓደ ፍሉይ ዓይነት ስርናይ ብምምሃዝ ንሓምላይ ምንቅስቓስ ኣበግሶ ከምዝሃበ ይንገረሉ። ሓደ ካብቶም “ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝያዳ ህይወት ሰብ ዘድሓኑ” እዩ ክትብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዓለም ናይ መግቢ ፕሮግራም ጆዘት ሺራን ፍልይቲ ድረክተር ገሊጻ። ፕሮፈሰር ቦርላውግ ናይ ኖበል ናይ ሰላም ሽልማት ዝተቐበለሉ ምኽንያት ናይ ዓለም ጥሜት ኣብ ምብዳህ ብዝተጻወቶ ተራ እዩ።

ሃገረ ህንዲ ንፕሮፈሰር ቦርላውግ ብኣኽብሮትን ምስጋና ክትዝክሮ ቐንያ። ሻራድ ፓዋር ዝተባህለ ናይ ህንዲ ናይ ሕርሻ ሚኒስተር “ሃገሩን ካልኦት ድኻ ሃገራት ዓቢ ምስጋና ንፕሮፈሰር ቦርላውግ ከምዘለዎም ኣብ ታይምስ ኦንላይን ዝተባህለ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ። “ምስ ሞት ፕሮፈሰር ቦርላውግ፣ ዓለም ሎሚ ሓደ ዝና ዝመልኦ ናይ ሕርሻ ስነ ፍልጠታዊ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ህላወ ደቅሰብ ኣዝዩ ዝግደስ ሰብ እውን እያ ሲኢና” ክብል ፕሮፈሰር ቦርላውግ ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእ ኣስተዋጽኦ ስለዝገበረን ኣብ ናይ 245 ሚልዮን ሕዝቢ ህይወት ብምድሓን ተራ ከምዝተጻወተን ብተወሳኺ ኣመልኪቱ። ህንዲ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ካልኣይ ክፋል ናይ ሓምላይ ሰውራ ትቋመት ከምዘላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። 

ፕሮፈሰር ቦርላውግ ኣቦ “ሓምላይ ሰውራ” ተባሂሉ ዝፍለጠሉ ምኽንያት ንናይ ሕርሻ ስነ ፍልጠት ዝያዳ ምህርቲ ከምዘፍሪ ብምግባር ኣዝዩ ንኽቕየር ብዝሰዓቦ ለውጢ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ናይ ዓለም ናይ መግቢ ፍርያት ካብ 1960 ክሳብ 1990 ዕጽፊ ከምዝበዝሕ ጌርዎ እዩ። ብዙሓት ኪኢላታት ነዚ ሰውራ እዚ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ 21 ዘመን ዓለማዊ ጥሜት ንኸይህሉ ብምግባር ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ህይወት ክድሕን ኪኢሉ ኢሎም ይኣምኑ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...