ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትና ቀንጠብጠብ -  ተቖጠብ!!

ህግደፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንነጀው ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካዊ ትካላትና  ብህግደፍ ተባሒቱ ከምዝጸንሐ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ እቶም ናይዚ ተርእዮ ግዳያት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራ እናበኸዩ ዘልዕልዎ ሓቂ ኮይኑ፡ ህግደፍ ግን እናኣሽካዕለለ ዘስሕቀሉ ጉዳይ እዩ። ንህዝቢ ስለ ዝጨቖነን ኣብ ትሕቲ ጫምኡ ስለ ዝረገጸን ሓበን ዝስመዖ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ከምኡ ኢሉ እናቐጸለ ክነብር እምበር ከመሓይሽ እዩ ኢልካ ተስፋ ትገብረሉ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ብጽቡቕ ባህልን ስነ-ስርዓትን ዝልለ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ዕልሊኡ ክወርድ ዝጸንሐ በደላት ኩሉ ብትዕግስቲ ክሓልፎ ጸኒሑዩ። ጥሜትን ጽምእን ዕርቃንን ኩሉ ተጻዊሩ እቲ ካብ መንግስቲ ክረኽቦ ዘይከኣለ ካብ እዝግሔር ክረኽቦ ክልምንን ክምህለልን ጸኒሑዩ። እዚ ሰራም መንግስቲ ግን ካብ ዝብላዕን ዝስተን ሓሊፉ ህዝብና ምስ ፈጣሪኡ ዝራኸበሉ ናይ እምነት ትካላቱ ከራኽስ ካብ ዝጅመር ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። እዚ ብሃይማኖታዊ እምነቱ ዝልለ ህዝብና ከኣ ብኻልእ ኩሉ ክጻወር ዝኽእል እኳ እንተኾነ ብሃይማኖቱ ዝመጾ ግን ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ከኣ ብህግደፍ ዘይተተንከፈት ሃይማኖት የላን።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ዝወሰዶ ማእሰርትን መቕተልትን ቀሊል ኣይኮነን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ጎንጺ ክለዓል ከሎውን፡ እዚ ሓደ ክልተ እስላም ዘልዓልዎ ጸገም እዩ ኣናበለ ብክርስትያን ንከይድገፍ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ጸኒሑዩ። ኣብ ክርስታያን እውን እንተኾነ ካብ ናይ ተዋህዶ ፓትሪያርክን መሳርሕቶምን ምእሳር ጀሚርካ ክሳብ ኣቕሽሽቲን ዲያቆናትን ካብ ተደፊሩ ዘይፈልጥ ኣድባራት እናጎተትካ ናብ ሳዋ ምውሳድ ብዙሕ ክስራሓሉ ጸኒሑዩ። ሕጂ ግን በዚሑ!!

ሎሚ ቅነ ክልተ ብዓበይቲ ሃይማኖታትና እስልምናን ክርስትናን ናብ ህዝቢ ዘቕረብዎ እምቢታ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ሕብረተሰብ ዓለም ክስማዓልናን ብኡ ደረጃ ብውሽጥን ብደገን ዝተዋደደ ናይ እምቢታ መቓልሕ ኣቃሊሕና ሓንሳብን ንሓዋውሩን ህግደፍ ካብ ዝባን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርደሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና።

 ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስ ተኣሲሮም ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብካድራት ህግደፍ ክትምራሕ ጸኒሓን ኣላን። እቶም ገሊኦም ብድንቁርና እቶም ገሊኦም ብፍርሒ ተዋሒጦም ክሳብ ሕጂ ኣፎም ሒዞም እኳ እንተጸንሑ፡ እቲ ጉልባቡ ዝቐልዐ ጸረ ሃይማኖታዊ ተግባራት ህግደፍ ግን ኲኖዚ ዓቕሊ ዘግብር ስለ ዘይኮነ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና ጸረ ተግባራት ህግደፍ ዓው ኢሎም ክዛርቡ ጀሚሮም  ኣለዉ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ኣቦታት ገዳም ደብረቢዘን ኣብ ልዕሊ እቶም ብስርዓት ህግደፍ ተላኢኹም ጸረ ሃይማኖት ተዋህዶ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ውግዘትን ኩነኔን ኣቕሪቦም ኔሮም እዮም። ብዘይካዚ ነቶም ትሕቲ 60 ዓመት ዘለዉ ኩሎም ኣቕሺሽትን ዲያቆናትን ብረት ክዓጥቁ ዝወረደ ትእዛዝ እውን ብኹሉ ኣድባራት ተቐባልነት ከይረክብ ጎስጓስ ክግበረሉ ጸኒሑዩ። እዚ ኩሉ ጸረ ህዝብን ጸረ ሃይማኖትን ተግባራት ዝመረሮ ህዝቢ ድማ ኣብ ጎደና ኣስመራ እዝግዮ እናበለ ክምህለል ከምዝወዓለ ኣብ ኩሉ መራከቢ ብዙሃን ተቓሊሑ ኔሩ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣብ ሃይማኖት እስልምና እውን ጦብሎቕሎቕ ምባል ስለ ዘይሓደገ ንቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላሚያ እውን ክህግራ ዘውጸኦ ውሳኔ ህዝቢ ምስልምና ነዚ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞኡ ክገልጽ ድሕሪ ምውዓል፡ ህግደፍ ድማ ከም ኣመሉ ብጠያዪት ከዝሕሎ ፈቲኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓዊን ዓረርን ግርጭት ብዙሓት ዜጋታትና  ክጉድኡ ከምዝኽእሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዘይካ ጎንጺ ካልእ ብልሓት ዘይብሉ ስርዓት ካብኡ ሓሊፉ ራህዋን እፎይታን ክፈጥር ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉን ዝግበኦ ጉዳይ ኣሎ ኢልና ንርኢ። ብሃይማኖት እስልምና ዝተላዕለ ተቓውሞ እዞ ጸገም ዝፈጥሩ ዘለዉ እዞም እስላምዮም ኣናበለ ብክርስትያን ዜጋታትና ከምዘይድገፍ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ድማ እዞም ጸገም ኮይኖም ዘለዉ ሓደ ክልተ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተላእኩ ክርስትያን እዮም ተባሂሎም ብኣሕዋቶም እስላም ከምዘይድገፉ ክገብር ጸኑሑዩ። እዚ ሎሚ መዓልቲ ዝተራእየ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ናይ ኣመንቲ ምስልምና ጥራሕ ጌርካ ክውሰድ ኣይግበኦን፡ እቲ ኣብ ልዕሊዞም ዜጋታትና ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝወረደ ጌርና ብሓደ ድምጺ ክንኩንኖን ኣብ ሓደ ቃል ጸኒዕና ክንቃለሶን ይግበኣና። ህግደፍ ዘውርዶ ዘሎ በደል ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሃይማኖታትና ዝወርድ ዘሎ በደል እምበር ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሃይማኖት ወይ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ውልቀሰባት ዝወርድ ዘሎ በደል ከምዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ።  

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታትና ቀንጠብጠብ - ጠቖጠብ

ህዝብና ኣብ ቅዱስ ሃይማኖታቱ ጸኒዑ ክነበርዩ!!

ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር - ኤስደለ - 31 – 10 - 17 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...