ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ንምርካብን ንሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ሕድሕድ ልዝባት ንምግባርን ካብ ዘለዎ ድልዱል እምነት ብምብጋስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕን ኣገዳስን ኣኼባ ኣዳልዩ ምህላዉ ይገልጽ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ’ዚ ብዛዕባ’ቲ  ብዓወት ዝተዛዘመ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ኮምሽንን ሰፊሕ መብርሂ ንምሃብ’ዩ። ከምኡ'ውን ንመስርሕ ምስንዳእ ሃገራዊ ጉባኤ ብዓወት ንምስልሳል ሃነጽቲ ርእይቶታት፡  ሓሳባትን ለበዋታትን ንምስማዕን፡ ንዝቐርቡ ሕቶታት ንምምላስን ዝዓለመ ኣኼባ’ውን ክኸውን’ዩ።
ስለዚ ዕዙዝነት ናይዚ ኣኼባ'ዚ ብምግንዛብ፡ ኩሎም ብጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ ኤርትራውያን፡ ኣብቲ ተወሲኑ ዘሎ ቦታን ግዜን ተረኺቦም ቀጥታዊ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ክኾኑ ብትሕትና ይዕድም።
ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታን ግዜን፡
ዕለት፡ ረቡዕ 09 መጋቢት 2011
ግዜ፡ ሰዓት 5.00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ፡ ኣዳራሽ ማእከል መንእሰያት ( የወጣቶች ማእከል)
ጨርቆስ ኽፍለ ከተማ  -  ቀበሌ 20/21
ከባቢ፡ ኦሎምፒያ ብድሕሪ ደንበል ሰንተር ኣብ ጥቓ ህንጻ ኣድማስ ኮሎጅ ዝርከብ ምዃኑ
      ንሕብር።
ብደሓን ምጹ
ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
    06 መጋቢት 2011   
WWW.ENCDC.COM


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...