ትውልዲ “ኣለና”፡ ኣሎ ከይትብሎ የልቦን: የልቦን ከይትብሎ ኣሎ። 1ይ ክፋል

“በብሓደ ሰብ ወሓደ”

ዝተወልደ ክመውት ክሓልፍ ግድነት እካ እንተኾነ ክትቅበሎ ዘሸግረሉ ኩነት ኣሎ። ኣብ ምንቲ ምንታይ ሰብ ኣብ ዓለም ልሙድ ናብራ ነቢሩ: መዓልቱ ኣኺሉ ብቤተ ሰቡን ፈተውትን መቕርብን ተኸቢቡ ክፍለ ዘይምኖ ሰብ የለን። ሓደ ክፋል ናይዚ ንዝሓሸ ናብራን ውልቃዊ ነጻነትን ንምርካብ ኣብ ናይ ስደተኛ መስርሕ ዝኣተወ ትውልዲ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ ተራ ይዝክርን፡ ኣብ እንታይ እንተገበርኩ ይሓይሽ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ይረአ። ምኽንያቱ ካብ ልቢ ክርአ እንከሎ ካብቲ ዝተመነኻዮ ኣዝዩ ዝረሓቐን ኣሰቃቂ ናይ ናብራ ለውጥን ዝገበረት ሃገር ንመን ገዲፍካ እዩሞ ዝኽየድ?

ተረጊምና ዲና? ሓሚቕና? ከመይ ጌርና ኢና ምስነብስና ብሰላም ክንድቅስ? ኣይፋል ኣይፋል ዝብል ትውልዲ “ኣለና” ኣብ ዝተሓተ ናይ ሞራል መሳልል እንከሎ እንተወሓደ ኣብ ስደት “ኣለና” ይብል ኣሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ግን እታ “ኣለና” ናይ 70ታት፡ 80ታት፡ መፈልምታ 90ታት፡ ዝነበረ ስሚዒት ከመይ ጌሩ እዩሞ ምስዚ ናይ ሕጂ ጉዱ ዝወጽእ ዘሎ መስርሕ ከላግቦ?

ኣርእስቲ “ኣለና” ካብ መጽሓፍ ናይ ረድኢ መሓሪ ዝተወሰደት ትኹን። ንባዕሉን ንመሰልቱን “ኣለና” ይብል ስለዘሎ። እታ ስሚዒትን ስራሕን ግን ዘይርሳዕ ትውልዲ ንታሪኽ ዝገደፈት መንፈስ እያ። እዚ ሎሚ ብባህሪ ካብታ ዘይትህደመላ ኣፍደገ ሞት ዝርከብ ዘሎ ትውልዲ: ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ ክተሓቓቖፍን ክተሓላለይን ክተኣሳስርን ይርአ ኣሎ። ምኽንያቱ ሰብ ድኣ እዩ ቅድሚ ሃገር መጺኡ እምበር ሃገር ቅድሚ ሰብ ኣይመጸትን። እዚ ማለት ሕይወት ደቅሰብ ሓጺር፡ ሕይወት ሃገር ነዊሕን ነባርን ስለዝኾነ። ስለዚ እታ ሃገር ብዘላ ሃልያ ክትህሉ እያ። ዕድመ ደቅሰብ ግን ሓጺር ስለዝኾነ ናይ ማሕበረ ሰባዊ ምትሕብባርን ምቅርራብን ክቕድም ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ ድማ፡ ብዛዕባ ናይ ሃገር ምሕሳብ ናይ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ሓድሕዳዊ ምቅራራብ ግን ህጹጽን ግዜያውን ኣድላዪን ስለዝኾነ እዩ እቲ ሰብ ነዚ ዝጸቕጠሉ ዘሎ።


“ከምድላየይ ኣነ ከምድላየይ….”

ትውልዲ “ኣለና” ብኣብታ ርእሰ ከተማ ኣስመራ እትድረፍ ዝነበረት ደርፊ ናይ ነፍሰ ሔር ተኽለ ተስፋዝጊ ዝተመርሐ እዩ ዝመስል። ነዚ ናይ “ከምድላየይ” መንፈስ ክተኣታቶን ክጥጥዕን ዝኸኣለሉ፡ ድሕሪ ፈደረሽን ምፍራስ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኃይለ ሥላሴ ንሕዝቢ ከበሳ ብፍላይ ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ዝተወልደን ዝዓበየን ትውልዲ፡ ንገለ ዓሰርታት ዓማውትስ ህድኣትን ሰላምን ረኺቡ ኔሩ። እቲ ኣብያ ግን ኣይተረፈን። ብማሕበር ትያትር ኣስመራ ማለት ማ.ት.ኣ. ናይ ተዋስኦን ደፍርታትን ዘመን እዩ ከፊቱ። ብተዛማዲ ሎሚ ንድሕሪት ክጥመት እንከሎ፡ ንምቅዋም እውን ግዜን ዓቕልን ናይ ቦታ ፍሉይነት ዘድልዮ ኮይኑ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ግን ኣብ መነባብሮኡ እዩ ተጽሚዱ ዝርአ ዝነበረ። ምስዚ ኩሉ ግን ለውጢ ናይ ዓለም ስለዝጸለዎ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስመራ፡ ናይ ሞራል ረኣርማመንት ወይካኣ ሞራላዊ ምብርባር ዝሰብኩ ኣሜሪካውያንን ይመጹ ኔሮም። ጸኒሑ እውን  ኣመንቲ ብሃይ ዕድል ተዋሂብዎም ይሰብኩ ነበሩ። ናይ ኃይለ ሥላሴ መንግስቲ ሞደርኒቲ (ምዕባል ግዜ) ስለዝኣመነ፡ ሕድገታትን ጽገናታት በብቁሩብ ንዜጋታት ናይ ፍርድን ጠበቓን ዕድል ምሃብን ከምኡ እውን ናይ ጥዕናን ትምህርትን ነቶም ናይ መንግስቲ ድማ ናይ ጡረታ፡ (ኤርትራውያን ከምሰቦምማለት ከሞቶም ኢትዮጵያውያን) ማዕረ ዕድል ይወሃቦም ነበረ። ናይዚ ውርሻ ከኣ እዩ ዳሕራይ ህቡብነት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓበን ሕጅውን እንተኾነ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ብሰላም ዝነብሩሉ ኩነት ክፍጠር ዘኽኣለ።

እዚ ማለት ናይ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ምስዳድ ከም “ጽቡቕ” ዘይኮነስ ሓደ ካብቲ ባህርያት ናይ ንጉሳዊ ድፊኢት ማለት ሓይልን ስልጣንን ልዕልናን ናብ ሽዋ ጥራሕ ክኸውን ይጽዕር ስለዝነበረ ተዓዊቱሉ እዩ። ማለት ንኤርትራ ኣዳኺምካ ግንከ እቶም ዜጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ክምዕቡሉን ክስስኑን ስለዝተደልየን ከምኡ እውን ናብ ኢትዮጵያ ክስርቱን ክተሓዋወሱን ዝዓለመ መድረኽ ጉዳይ ይስርሓሉ ኔሩ እዩ። እዚ ማለት ብዙሓት ኤርትራውያን (ብተዛማዲ በቲ ዋሕዶም) ኣብ ኢትዮጵያ ክህብትሙን ክምዕቡሉን ኪኢሎም እዮም። እዚ ነቲ “ኤርትራ” ከም ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ዝሪኦ ኣካል ከም ጎዳኢ ክስምዖ ግድነት እዩ። በቲ ሓደ ወገን ግን፡ ሓድ ምዕቡልን ጽቡቕ ዝሰርሕን ዘስርሕን ዜጋ ኣብ ኢትዮጵያ ክስርት እንከሎ እታ ሃገር “ኢትዮጵያ” ዝሕመረቱ ትርዲእት ድማ፡ ከም ጽቡቕን ጠቓምን ይርእዮ። ደቅሰብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ጠቕምን ጉዳይን ስለዝዕዝዞም። እዚ ፖለቲካዊ ዓቕመ ኣዳም ናይ ምብጻሕ ክስተት ይደሊ። ማለት ንዓኻን ንጉጅለኻን መንግስትኻን ዝጠቅም ጉዳይ ብኸመይ ተሳላስሎ ዝብል ትዕዝብቲ የኸተል።

ኣብዚ ክስተት እምበኣር እዩ እቲ ናይ “ኣለና” ትውልዲ ተወሊዱን ዓብዩን። እንድዒ ንገለ እምበር ኩሉ እቲ ታሪኽ ናይ ቃልሲ ጥራይ ኣይነበረን። ደቂ ኣንስትዮ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ በብቑሩብ ቁጽረን እናዛየደ መጽአ። መንግስቲ ጃንሆይ ከም ዝበዝሑ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ናይ ኣፍሪቃ መንግስታት፡ ንሕዝቢ ነጻ ናይ ጥዕናን ትምህርትን ዕድል ይህብ ነበረ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥንስን ሕርስን ዝወርደን ዝነበረ ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነጻ ናይ ሕክምና ዕድል ኣብተን ዉሑዳት ከተማታት ንክህብ ምእንቲ ተመሃሮ ኣሰልጢኑን ወዚዑን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኣስመራ፡ መደብ ስድራ ቤት ዝኣልን ዝምህርን ቤት ጽሕፈት ከምዝኽፈት ጌሩ (Planned Parenthood)። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ስድራ ቤት ኣብ ዓዓመት ብብዝሒ ቆልዑ ምውላድ እትህሰ ዝነበረት ስድራ ቤት ምእንቲ ክትምዕብልን፡ እታ ጋል ኣንስተይቲ ድማ ካብ ሞትን ማህሰይትን ክትድሕን ምእንቲ፡ ምርዑዋት ክልተ ደቅሰብ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ከኒና ካብ ሆስፒታላት ብዝተሓተ ዋጋ ሽዑ 2.00 ብር ንወርሒ ክወስዱ ከምዝኽእሉ ይንገሮም ነበረ። እቶም “ዘይተመርዓዉ” እንታይ ይገብሩ እንተበልካ፡ ንሳቶም ድማ ብግዲኦም ኣብ ፋርማሲ ከይዶም ነቲ ከኒና በቲ ግቡእ ዋግኡ ከፊሎም ክወስዱ ይኽእሉ ኔሮም። እዚ ጉዳይ እዚ ብዓይኒ ናይቲ ሽዑ ዓለም ክርአ እንከሎ ናይ ኃይለ ሥላሴ መንግስቲ ኣዝዩ ምዕቡል ከምዝነበረ እዩ ዘረድእ። ኣብቲ እዋን እቲ ሕጅውን ኣብ ቀረባ ኣብ ኣውሮጳ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ንምርዑዋት ከይተረፈ ይኽልክል ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ጽገና ክርአ ኣብቲ እዋን እቲ ኣድንቖት እንተረኸበ ክገርመና የብሉን። እዚ ኣብ ከተማ ኣስመራ “የኣደባባይ ምስጢር” ስለዝነበረ ዝያዳ መብርሂ ኣየድልዮን እዩ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ብበዓመቱ ነቶም ዝበለጹ ተማህሮታት ካብ ናይ ቀዳማዊ ኃይለ ስላሴን ልዑል መኮንንን 2ይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ እናመረጸ፡ ናይ ኃይለ ስላሴ መንግስቲ ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናብ ወጻእን ይልእኽ ነበረ። እዚኣቶም እምበኣር እዮም “ተመሊሶም ንዘምሃሮም ኢድ” ዝነኸሱ ትውልዲ “ኣለና”። ንኹሉ ነገር ብክልቲኡ ወገን ክርአ እንከሎ ማለት እዩ። ንሶም እውን ሓቆም። ክንድዚ ኣምሂራቶም ከትብቕዕ፡ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ክትገፍፍን ባንዴራ ይኹን መንነት ኤርትራ ከተጥፍእን እንከላ ኣይፋል ዝበለዋ። እዚኣቶም ግዳ ካብ ማእከላ ኣዝዮም ርሒቖም ዝነብሩ ዜጋታት። እታ ባዕላ ዘምሃረቶምን ዝለዓለ ስልጣን ዝሃበቶምን ደቃ ከም በዓል መንግስቱ ንዋይን ደበበ ንዋይን ኣብ 1960 ዕልዋ ክገብሩ ፈቲኖም ፈሺሎም እዮም። ስለዚ እቲ ግዜ ናይ ለውጢ እዋን እዩ ኔሩ። ቺናውያን ከም መርገም ከምዝምስልዎ “ኣብ ኣገዳስን ናይ ለውጥን ግዜ ኣይትወለድ” ይብሉ። (This is a curse. May you not be born in interesting times)።

ትውልዲ “ኣለና” እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት እዩ ተበራቢሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዓለም ብፍላይ ምዕራባዊ ክፋል፡ ዲቕ ዝበለ ናይ ተመሃሮ ምንቅስቓስን ናይ ጸጋም ኣረኣእያ ዝዓዘዘሉ እዋን ስለዝነበረ እዚ እውን ነዚ ትውልዲ ጸልይዎ እዩ። ብደቂቕ ክንርኢ እንከለና ድማ፡ ቅድሚኡ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፍለጥ ማሕበራዊ ክትዓት ክካየድ ጀሚሩ። ብዛዕባ ኣብ ተዝካርን ኣብ መርዓን ዝወጽእ ወጻእን፡ ብተዛማዲ ድኽነት ናይታ ሃገር ብምርኣይ ክሳብ ተዝካር ብዝወሓደ፡ መርዓ እውን ብ”ሻህን ባንን” ክግበር ኣለዎ ዝብል ርእይቶታት ክዕለለሉን ኣብ ጋዜጣ “ሕብረት” ክወጽእን ዝተራእየሉ እዋን እዩ ኔሩ። ሓጺር ይኹን እምበር ኣብ ኣስመራ ሓደ ገለ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾና መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ (ንሰብኡት ንቡር ተወሲዱ) ኣቦታተን ብዝሃበተሙሉ ናይ ግሊ ንግድን ንብረትን ባዕለን መኪና ክዝውራ ምርኣይ ኣዝዩ ኣደናቕን ከምኡ እውን ትስፍው ናይ መጻኢ ሃዋህው የርኢ ነበረ።

እዚ በዚ ሎሚ ክርአ እንከሎ ቀሊል ይመስል። ግንከ ኣይኮነን። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ናይ ለውጢ ማዕበል በብቑሩብ ናብ ናይ ጸረ መግዛእታዊ መስመር ክመጽእ ዝኸኣለሉ ምኽንያት መበገሲ እዩ። ኣብ 40ታት፡ 50ታትን 60ታትን ዝተወለደ ወለዶ፡ ኣብ ናይ ዓለም ዝያዳ ለውጢ ከምጽእን፡ ካብቲ ልሙድ መስመር ምውጻእ መበገሲ ኣብያ ጌሩ እዩ ወሲድዎ። ስለዚ ድማ እቲ ናይ ጸጋም ምንቅስቓስ ንሙሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃ ጸልይዋ እዩ።  ኣብዚ እዋን እዚ እዮም በዓል ፓትሪስ ሉሙምባ ኣብ ኮንጎ ተቐቲሎም። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ኣካል ዝኾነትሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። ብዙሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ኣባል ሕቡራት መንግስታት ብኣህጉራዊ ሕጊ ጣልቃ ኣተወት። ስለዚ ድማ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኮንጎ ብዝተገበረሎም ጻዊዒት ዘኸተሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሕሳብን ደሞዝን ሃብቲሞም ንዓዶም ዝተመልሱ። እዚ ኩሉ ውዕውዕ ኣህጉራውን ሃገራውን ኩነት ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታውነትን ናይ ነልስን ማንደላ ምእሳርን ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ክጸሉ እንከሎ ሎሚ ዝተረስዐ ዝመስል፡ ግንከ ዝነበረ ናይ ጸጋም ፖርፓጋንዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኔሩ እዩ።

እዚ በዝን ክንድዝን ዝተጸልወ ትውልዲ ከኣ እዩ ነቲ ቃልሲ ከመርሖ ዝወጠነ። ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ መሪሕነት ነዚ ፍሉይ ናይ ከበሳን ናይ ዓለምን ጉዳይ ዝተዋሕጠሉ ኣይመስልን። ቅድሚ ተ.ሓ.ኤ. ማሕበር ሾውዓተ እዩ ብ1958 ብምሁራንን ካብ መታሕትን ከበሳን ዜጋታት ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተመረተ። ቀጺሉ ተ.ሓ.ኤ. ብመሪሕነት ዓዋተ ብ1960 ኣብ ካይሮ ተመስረተ። ማሕበር ሽውዓተ፡ ንቃልሲ ከም ጸረ መግዛእትን ጸረ ሃጸይነትን ከምእ እውን ኣባል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃን ኣስያን ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓሳት እዩ ኢሉ ዝኣምን ዝነበረ። ግንከ ናብ ሜዳስ ዲሒሩ እዩ ኣትዩ። ስለዚ ድማ ነዞም ተማሂሮምን ብዛዕባ ሃገር ተገዲሶምን ናብ ገድሊ ዝወረዱ ኣብኡ ድማ ጽገናታት ክገብሩ ምስ ካልኦት ተቓለሰቲ ክሕወሱን ኣካላት ክጻወሮም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ ኣብ ዒላ ጻዕዳ ብ1965 ነዚ ምሁራትን ተማሃሮን ገስገስትን ዝነበሩዎ ናይ ኤርትራ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ብሓይሊ ክኣሊ ዝኸኣለ። ብከምዚ ድማ ኣብ ክልቲአን ውድባት ንፍልልያት “ብሓይሊ ናይ ምልጋስ” ባህሊ ዘተኣታተወ። ስለዚ “ኣነ ከምድላየይ” ንክልቲኡ ወገናት መንእሰይ ክጸልዎ እንከሎ ናይ ንእስነት ዋዒን ጽልዋ ናይ ወጻኢ ባእታታትን ናይ ስልጣን ህርፋንን ሽዑ ዘጥረዮ ጠባይ እዩ።

ሰለስተ ናይ “ኣነ ከምድላየይ” ዘምጽኦ ናይ “ዘይምምሓርን”፡ ንሓያላት ካባኻ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብን ኣብነታት እስኪ ንተዓዘብ።

  1. ደጃ. ባህታ ሓጎስ ከምዝተጋገዩ ምስተረድኦም፡ ነቶም ናብ ዓሰም ዘእሰርዎም ሹማምንቲን ቤተ ሰብን “በጃኹም ተረድኡለይ” ተጋገየ እየ እሞ ሓግዙኒ” ኢሎም ዝብል ናይ ስነ ቃል ዛንታ ኣሎ። እቶም ኣንጻሮም ዝነበሩ ሹማምንትን ቤተ ሰቦምን፡ በቲ ዝወረዶም በደል ተቐይሞም ኣንጻር ጥልያን ክቃለሱ ምስ ወሰኑ ኣይሓገዝዎምን ይበሃል። ባህታ ሓጎስ ናይ መሪሕነት ባህርይን ክእለትን ተበግሶን ከምእ እዉን ተወፋይነትን ዝነበሮም ሰብ እዮም ኔሮም። ንስኻ/ንስኺ ክትገብሮ ዘይትኽእል ስጉምቲ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ክገብርዎ እናኸኣሉ ግን ኣብ ናይ “ግዳይነት” መንፈስ ኣቲኻ/ኣቲኺ ንዖዖም ሓገዝ ምንፋግ፡ ንኩልኻ ናብ ምጥፋእ ስጉምቲ የምርሕ።
     
  2. ራእሲ ወልደሚኪኤል ሰለሙን ኣብ ክንዲ ብራእሲ ኣሉላ ምትላል፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሹማምንትን ሕዝብን ተሰማሚዖም ዝነበሮም ስልጣን ከደልድሉን ክነብሩን ይኽእሉ ኔሮም። እዚኦም እውን ኣብ መንጎ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ዲቕ ዝበለ ኩናትን ምትፍናንን ምስ ናይ ከባቢኦም ዝነብሩ ኣሕዛብ ስለዝገበሩ፡ እቲ ሕዝቢ ኣብታ ውስንቲ እዋን ክሕግዞም ኣይተላዕለን። እቲ ጥፍኣት ናይ ጠባዮም ስለዝኾነ ድማ እታ ፍልጥቲ ደርፊ፡ “እገለ ዶ ኣብዩካ…………….” ወዘተ ትብል ተደሪፉሎም። እዚኦም  እውን ናይ መሪሕነት ጠባይ ዝነበሮም ሰብ ክነሶም ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ናይ ሰብ ሓይልን ድሌትን ስለዘይተጠቐሙሉ፡ ኣብ መውዳእትኡ ኣየጸበቐሎምን፡ ኣብ ስደትን ማእሰርትን ማሕዩርን ተሪፎም።
     
  3.  ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ከም ኣባል ማሕበር ኣንድነት መጠን ንጃንሆይ ኣገልጊልዎም እዩ። ናይ 1960 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፈሸለ፡ ኃይለ ሥላሴ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ እንከሎ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ እዩ ዓሪፉን ካብኡ ንኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ። ኣብ ኣስመራ ባዕሉ ተድላ ዑቕቢት እዩ ተቐቢልዎ። ሽዑ ዝሃቡዎ ገጸ በረከት ሽጉጥ ክሳብ ዝመውት ኣብ ኢዱ ኔራ ይበሃል። ንሱ እውን ብግዲኡ ንብዙሓት ሰባት ከም ሓላፊ ናይ ፖሊስ መጠን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉኑን ኣሳቕዩን እዩ። ግንከ ኩነታት ሃገር ናበይ የምርሕ ከምዘሎ ምስተረድኦ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሓገዝን ምርዳእን ናይቲ ኩነት ምስሓተተ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ “በዲልካና ኢኻ” ብሱቕ ምባልን ምግላልን ንናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ንበይኑ ጠፍአ። እዚ ሰብ እዚ ግን ካብቶም ካልኦት ዝፈልዮ እንተኔሩ ብቑዕ ሓይልን፡ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ክእለትን፡ ወሳንነትን ዝኣመሰሉ ናይ መሪሕነት ጠባያት ዝነበሮ ውልቀ ሰብ እዩ። ደቅሰብ እንተዝሕግዝዎ ኔሮም እቲ ኩነታት ኣበይ ምበጽሐ ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ኣብ ዓለም እምበኣር እቶም ናይ መሪሕነት ጠባይ ዘለዎም ሰባት ክጠፍኡ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ እዩ ዝህሰ። ንኣብነት እዚ ክሳብ ሎሚ ወሪዱ ዘሎ ርግኣት ግብጽን እስራኤልን እቶም ዲቕ ዝበሉ ወተሃደራት ነበር መራሕቲ፡ ኣንዋር ሳዳትን ይስሓቕ ራቢንን ዝገበርዎ ናይ ሰላም ስምምዕ እዩ ንክልቲኡ ኣሕዛብ ጠቒምዎም። እዚኣቶም ክንደይ ረጽምን ዝረኣዩ ግንከ ሕብረተ ሰቦም ምስ ድኽመታቶምን ዝገበርዎን ከይረስዐ፡ ግንከ ናይ መሪሕነት ጠባያቶም ደጊፉ ሰላም ኸምጽኡ ዝኣክል ደገፍ ስለዝገበረሎም ኣብ መወዳእታኡ ክልቲአን ሃገራት ብሰላም ክነብራ ኣኽኢልወን። ስለዚ ንንፉዓት ሰባት ምድላው ዝጠቅም ኣይኮነን።

ኣለኹ እናበልካ ከምዘይትህሉ ዝገብር ውድባት ምፍጣር ንባዕሉ ታሪኽ ክሳብ ክንደይ ዝተኣሳሰረን ናይ “ንእስነት ዕዳ” ዘብል ኩነት ከምዝነበረ ይግልጽ። ንእስነት ዕዳ ማለት ኣብዚ ፍሉይ ጉዳይ እዚ፡ ካብቶም ናይ ኣሽሓት ዓመታት ፍልጠትን ታሪኽን ተመኩሮን ዝነበሮም ወለዲ ኣብ ኣስታት 17 ክሳብ 20 ዝኸውን ዕድመ ተፈሊኻ፡ እሞ ኣብ በረኻ፡ ሰብ ዘይፈልጠካ እዝግ’ውን ዝረሳዓካ ቦታ፡ ናይ ባርካን ሳሕልን መሪጽካ ክትነብር እንከለኻ፡ ሓደ ፉሉይ ጠባይ ክትሕዝ ይድርኸካ። እረ እግዚሔር እውን ኔሩ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሓደ ናይ ትሕቲ ዕድመ ኣወዳት ኣብ ሓንቲ ደሴት ንበይኖም ምስተረፉ ዝሰረትዎ ናይ ጭካኔን ስነ ሰርዓት ኣልቦ ኩነት እንተዝረኽቦም እንታይ ምበልና? (The Lord of the Flies) እዚ ዛንታ እዚ ብሓቂ ሓደ መንእሰይ ወይ ቆልዓ ካብ ሕብረተ ሰብ ወጻኢ ምስዝርከብን ምስዝዓብን ስርዓተ ኣልቦ ክኸውንን፡ ንቡር ክስእንን ናይ ሕውነት መንፈስ ከጥፍእን ከምዝኽእል ተመራመርትን ሓኻይምን በጺሖሞ እዮም። ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ ሓደ ጉጅለ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓንቲ ደሴት ንበይኖም ይድሕኑ። ኣብኡ ብዘይ ናይ ወለድን ሕብረተሰብኣዊ ተዓዘብነትን ሓልዮትን ኣመልክቶን፡ ነንሕድሕዶም ክባልዑን ክቃተሉን ክወዳደሩን ክጫኻኸኑን ዘርኢ ናይ ሓደ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኸደ ጉጅለ ክስተት የርኢ።

ትውልዲ “ኣለና” እምበኣር ምእንቲ ዝለዓለ ሽቶ ማለት ነጻነት ኤርትራ ክብል ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ማለት ናይ ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ሕይወት ክጠፍእ እንከሎ ሸለል ብምባሉ ኣብ ተሓታትነት ይወድቕ። ግንከ ንባዕሉ ክከላኸል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከምዝበጽሐን ናይ ምንቅስቓስ ተኽእሎኡ ድኹም ከምዝኾነ ዝሕብሩ ክስተታት ከጋጥሙ እንከለዉ ገለ ገለ ሰባት ክገርሞም ይኽእል። ግንከ ካብ ሓደ ናይ መንእሰይ ዕድመ ከይዓኾኸ፡ ትኽ ኢሉ ናብ እርጋን ዝኸደ ኣካል እሞ፡ ብዘይ ናይ ዕብየትን ፍልጠትን ተርድኦን ናይ ግዜን ዕድመ ዝህበካ ጸጋን ዘይረኸበ ትውልዲ በዚ ኩነት ኣዝዩ ከምዝተሃሰየ ንርዳእ። እዚ ክፋል እዚ እቲ ሕብረተ ሰብ ብልሙድ ዝሓዞም ነገራት ከምዘለዉ ንኽርድኦ ግዜ ይወስደሉ እዩ። ምኽንያቱ ትውልዲ “ኣለና” ብድልድል ናይ “ገድሊ” ነቲ ንቡር ናይ ደቅሰብ ዕድመ ሰጊሩ እዩ ወይ ኣብ ስልጣን ወይ ኣብ ስደት ዝርከብ ዘሎ።

ስለዚ ትውልዲ “ኣለና” ንባዕሉ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ “ኖርማል” ሕብረተ ሰብ ንኽርዳእን ንከረድእን ባዕሉ ንባዕሉ ክመራመር ይግባእ። “ዝገብርስ ነዲኡ ነይነግር” ከምዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ሞት፡ ሕይወት፡ ኣብ ክንዲ ግዳይነት ንጡፍነት፡ ኣብ ክንዲ ብድዐ፡ ትሕትና፡ ኣብ ክንዲ “ኣነ እፈልጥ”፡ መን ኣሎ ካባይ ንላዕሊ እሞ ካብኡ ክፈልጥን ክመሃርን፡ ኣብ ክንዲ ንጽባሕ፡ ንሎሚ፡ ኣብ ክንዲ ንወጻኢ ንውሽጢ፡ ኣብ ክንዲ ንዕቐት ሃገር፡ ክብሪ ንኣቦታትን ኣደታትን፡ ዝኣመሰለ ሱር ነቀል ለውጢ ኣብ ኣመለኻኽታ እንተድኣ ኣምጺኡ፡ እቲ ሕይወት ናብ እንግድዑ ክስቀልን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ክርከብን ይኽእል እዩ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...