ዝሓይሽ ተበልክዎስ ዝገደደ!!!!!!!!!
ባይቶ ቖይሙ ብእግሩ ከይከደ
ታተ ከይበለ ከሎ ዝኸርደደ
ደበና ዘይብሉ ዘንጎድጎደ
መዓንጣኡ ፍቱሕ ዝተቐደ።
ኣደቡሓዶ! ኣዋሳ! ኩሉ ሓደ
ሹዱሽተ ሚእቲ ኣባል ዘኤንገድ
ጉዳይ ሃገር ክመክር ዝተሰደ
ኣብ ኣዋሳ ኣንጸላለወ ዝኸበደ
ብዉሑዳት ዓመጽቲ ዝኸድከድ
ብተግባሮም ጉባኤኛ ሓዘነ ዓበደ
ተስፋ ኣይትቑረጽ ኢልካ ተኣበደ
ዘምጽኦ ከይፈጸመ ነንዓዱ ከደ።
ተበላጺ ዝኾነ ኩሉ ተዛመደ
ኣደቡሓ ዝዓበየ ኩሉ ተኣንገደ
ብጽሒቱ ዝረኸበ እናሰገደ
ንህዝቢ ዘይኮነስ ናትና ግደ
ኣቐዲምና ንሓዝ በብ ሓደ
ርኢናዮ ኩሉ ዘሸበድ በደ
ብኽረምቲዶ ጨው! ይንገደ
ማይ ምስ ኣተዎ ፈሲሱ ኸደ
ክጅምር ከሎ እዩ ዝሓንገደ።
ህዝበይ ኣበይ እዩ ናትካ ግደ
ናይ ኪዳን ባይቶ ፍሹል ዝገደድ
ንህዝቢ ዘይሓስብ ዝዓበደ
ንኸይጥርንፍ ህዝቢ ዝሓንገደ
ብቂምን ቅርሕንትን ዝበድበደ
መንእሰይ ንኸይቀርቦ ዝሰወድ
ሙሁር ንኽርኢ ይብል ሸበድበደ
ሙሁር ጸሊኡ ኣብ ጸጋይ ሰገደ
ብተዳሙን ሳግምን ዝተጸምደ
ከይጀመረ ብምድስካል ዘሳድደ
ንኩናማ ንዒቑ ደጊሙ ኣሳደድ
ናይ ዮሱፍሞ! ሕጂስ ንኹሉ ኣዕብደ
ብብሽኮቲ እንግሊዝ ዝሰወደ
ህዝቢ ተበራበረ ኣርኢ ናትካ ግደ።
ኣየድልን ጉባኤ ናይ እዚኦም
እምበርዶ ሓልፍነት ህዝቢ ይርዶም
ህዝቦም እናተቅዝፈ ኣብ ቅድሚኦም
ዘይሰርሑሉ እናተመገቡ ጸጊባቶም
ኣኺሉ እዩ ተጸንቂቑ ዓቕሞም
ይግደፉዎ ስልጣን ጠቓሊሎም
ብቕዓቶም ተወዲኡ ምስቲ ዕድሚኦም
ኣብ ሙዝዩም እዩ ነይሩ ስፍራኦም
ኣኸቲሙ እዩ ቃልሲ ኮነ ታሪኾም።
መንእሰይ ተበራበር ብሓበራ
ሓልፍነት ሓገርካ ተሰኪምካ ጹራ
ተልዓል ተኾልኮል ጭማራ
ክሳድካ ንየማን ንጸጋም ኣዙራ
ወለድኻ ነይሮም ደቂ ዕስራ
ይዘሉ ይነጥሩ ከም ዛግራ
ሃገርካ ክትመርሕ ጋማኻ እሰራ
ድልየትካ ክትረክብ ብረትካ ዕተራ
ግዜ የልቦን ተቓላጠፍ ዛሓጹር ስገራ
ኣሕዋትካ ኣብ ፈቐዱ እናተደፍራ
ሃገርና ኤርትራ ብድኽነት ተጻዒራ
ጸነተት ከይበሉኻ ከድካ ዙራ
ኣድሕና ከይበረሰት ሃገርካ ኤርትራ።
ዉድቀት ንኹሎም ተጻባእቲ ህዝቢ
ኣብደገን ኣብ ዉሽጥን ኤርትራ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
2 ነሓሰ 2013

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...