ኣደይ ዘምዘም ብኻልእ ዕዮ ገዛ ወሓለ'ኳ እንተዀና፡ ሕንባሻ ኣብ ምሕንባሽ ግን ኢደእግሪ ኣይነበረንን፡፡ ወትሩ ንሰን ዝሕንብሸኦ ሕንባሻ ገለ መንቅብ ከይተረኽቦ ይሓልፍ ኣይነበረን፤ ማለት፥ ወይ ይመጽጽ፣ወይ ኣይቦክዕን፣ ወይ ጨው ይዝጋሕ፣ወይ  ኣይበስልን፣ ወይ ከኣ ይሓርር ስለ ዝነበረ፡  በዓል ቤተን ኣቦይ ጀማል ንሰን ዝሓበሸኦ ሕንባሻ  ሞት-ተዀነ ልኽፍ ኣይበልዎን ኢዩም ኔርም።  በዓልቲ ቤቶም ኣደይ ዘምዘም ግን ምሕልፎ፡ ሕንባሻ ኣብ ዝሓንበሻሉ ቀዲመን ንዖኦም "ኣቦይ ጀማል !  ጆባእ" ኢለን ምዕዳል ብአኦም'ኳ ዝጅምራ እንተነበራ፡ ንሶም "ደሓን ኣነ መዓስ ሕንባሻ ይፈቱ ኰይነ !" ብዝብል ምኽኒት ስምዒተን ከይትንከፍ ሕማቕ ቃል ከየውጽኡ (ከምዛ ንሕባሸአን ዘይጸለእዎ) ልሳኖም እናጥዓሙ ይቕበልዎን ኣይነበሩን። ብልቦም ግን "እንታይ ወረድዋ'ዩ ንጥቅዋት ደቃ ኣርእያኒ ኢላ ምሕንባሽ ዘይትመሃር?  ወረግ ክሳብ መዓስ'ያ ሓቲታ ከይትመሃር ትምክሕቲ ኣሕድራ እኽለ-ማይ ከተበላሹ ትነበር ! ወይ ጉድ !!"  እናበሉ የስተንትኑ።   ሓደ መዓልቲ ናይ ፈጅር ሰላት (ናይ ወጋሕታ ስግደት) ሰጊዶም ምስ መጽኡ፡ ኣብ ናይ መስጊድ ተርቲብ (ኣብ መስጊድ  ብቐንዱ ንዝሓደሩ ኣጋይሽን ድኻታትን ዝዕደል ቊርሲ) ዝተዋህቦም ንቕያ ዘብል ሕንባሽ ንገዝኦም ተማሊኦም፡ ንኣዝዮም ዝፈትውዎ ሕሳስልደ ወዶም "ጆባእ ዝወደይ!" ኢሎም ይህብዎ። ኣደይ ዘምዘም ክዕዘበኦም ጸኒሐን፡ ነገራቱ ጋን ኰንወን ንወደን "ንዓስከ ዝወደይ!" ብምባል ጸዊዐን ካብቲ ዝተዎህቦ ሕንባሻ ቆሪሰን ይጥዕመኦ። ብኡንብኡ ከይተፈለጠን ግልብጥ ኢለን  ከኣ ናብ ኣቦይ ጀማል ብምጥማት፡ "ስምዑስኪ! -- እዚ ሕንባሻ ኣብዚ ገዛ እንታይ ክገብርን ካበይን'ዩ መጸኡ? ኢለን ድቦላዊ ሕቶ የቕርባሎም። ንሶም ከኣ  ኣጋውል ሕቶ በዓልቲቤቶም ናበይ ዘምርሕ ምዃኑ ዘየምልጦም በሊሕ ሰብኣይ ስለ ዝዀኑ፡ ብቋሕ-ሰም "ነቲ ዝሓመመ ሕንባሻኺ ክበጽሖ ካብ መስጊድ መጽኡ ኣጅሪ  (ጽድቂ) ክረክብ" ኢሎም መለሱለን። ንሰን ድማ ትቕብል ኣቢለን "ንሱኽም ድኣ  ተረካብ መልሲ መዓስ ይጠፍኣኩም ኰይኑ! ዋሎ እንደኹም!" ብለኦም ኰርፈፍ ኢለን። ንሶም ከኣ ኣስዕብ ኣቢሎም፡ " ኣብ ልሳን ዋሎ ኣሎ ወለሎ፣ ዝፍውስ ናይቲ ሕሙም ሕምባሻኺ ሰልሎ ! " ኢሎም  ንዝቐደመ ባጫኦም ባጫ ወሲኾም መለሲን ስጕድም ከም ዝብላ ገበርወን።

ያሲን ዑመር

(This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...