ገፋፍ ዓሳ መርበቡ ክውርውር እንኮሎ ፡ ተስፍኡ ኣርባሒ ዝኾነ ዓቀን ዓሳ ንኽትገፈሉ  ኢዩ ። እዚ ማለት ግና ኩሉ ጊዜ ዘዝተስፈውካዮ  ትረክብ ማለት ስለ ዘይኮነ ሓንሳእ ቁንጣሮ ሓንሳእ ብዙሕ ሓንሳእ`ውን መርበብ ዝበጣጥስ ዓሳ ኣትዩ ነቲ ዝተገፈን መግፈፊኡን ከም ዝስእን ይገብሮ እዩ።

እቲ ዝበዘሔ ክፋል ኤርትራዊ ተቃዋማይ ሓይሊ ንግድን`ዩ ዝብሎ ንረብሓ ህዝቢ ዘረጋግጽ ቁምነገራት ንምግፋፍ መርበቡ ንጉባኤ ገጹ ክውርውር እንከሎ ፡ጉባኤ`ውን ከም ባሕሪ ሓንሳእ ከም ዝሓሰብካዮ ሓንሳእ ቁንጣሮ ሓንሳእ ከኣ መርበብ ዝበጣጥስ ዓሳ ሒዙልካ ከም ዝጸንሕ እናኣመነ እዩ፡ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ባሕሪ ኣዋሳ ሰኪዔት ዝበጣጥስ ዓሳ ስለዘይነበረ ድዩ?ወይ`ስ ዕድል ዘይረኸበ ኮይኑ እቲ መርበብ ገፊፍዎ ዝወጸ ትሕዝቶ ክውሕድ ክበዝሕ፡ክጽብቅ ክሓምቅ፡ ብዘየገድስ ናይቲ መርበብ ብሰላም ምትራፍ ንባዕሉ ዕጉብን ዘይዕጉብን፡ግዜ ሓልዮም ዳግማይ ፈተነ ንምግባር ዝሕግዝ`ዩ።

ካብ ባሕሪ ዝርከብ ውጽኢት ዓይነቱ ርእይ ኣቢልካ ክብደቱ ኸኣ መዚንካ ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ ።ካብ ጉባኤ ዝርከብ ውጽኢት ግና፡ብሓደ ዓይኒ ዘይረኣይን ብሓደ መዔቀኒ ዘይምዘንን ኢዩ፡ስለዚ ጉባኤ ጽቡቅ ነይሩ ሕማቅ ነይሩ ምባል ዝምድናዊ ኣዘራርባ ደኣምበር፡ፍጹም ኣይኮነን።ነዚ ዘሐጉሶ ነቲ ዘየሐጉሶ እቲ ዝተቀበሎ ነዚ ዘይቁቡል ክኸውን ይኽእል`ዩ።እቲ ዘገድስ፡ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ፡ደሞክራስያዊ ባህሊ፡ዘይከምሪኢቶኻ ዝኾነ ርእይቶ ከምዘሎ ምእማንን ምኽባርን`ዩ፡፡

ኣብቲ መርበብ ጉባኤ ሃሰው ካብ እትብሎ ጉዳያት እቲ ኣገዳሲ፡ ጉዳይ`ቶም ካብ ጉባኤ ክሳብ`ቲ ዝስዕብ ጉባኤ( ካብ  ሓደ ምርጫ ክሳብ ካልእ ምርጫ) ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኾይኖም ንሂወትካን ሂወት ደቅኻን ናይ ዝመርሑ ሰባት ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ ዝወሰንካ እንተወሰንካ ዘጽደቅካ እንተጽደቅካ ንዑኡ ዝገጥም መርሕነት ምስ ዘይትመርጽ ከም ኣብ ባሕሪ ስርናይ ምዝራእ`ዩ።

ኣብተን ደሞክራሲ ዒቅ ዝበለን፡መራሕተን ዕድመ ስልጣኖም ጸብጺቦም ባልጀኦም ሒዞም መሰስ ኢሎም ዝወጹለን ሃገራት ህዝበን ሑሉፍ ሓሊፍዎም፡መራሒኦም ብዝበልዖ ዝኽደኖ፡ ብምስ ስድርኡ ዘለዎ ዝምድና፡ ብዝብህጎን ዝጸልኦን፡በኣረጋግጽኡን ኣከዳድንኡን ካልእ ግላዊ ህይወቱን ከይተረፈ ክግደስ እንከሎ እቲ ንዓና ማዕረናን ዘገድሰናን ግና እዚ ዝስዕብ ጥራሕ`ዩ።

1- እቶም እንመርጾም ሰባት ክሳብ ክንደይ ክብሪ ወዲ-ሰብ ዘገድሰሙን፡ብማዕርነት ደቂ-ሰብ ኣሚኖም ንዝኾነ ይኹን ሌላን ጉሌላን፡ኣሰራርሓ ዘይኣምኑ ክኾኑ ከምዘለዎም።

2- ምግዳስን እምነትን ቅንዕናን ምስቲ ኩሉ ኣገዳስነተን ንበይነን ከም ፈረስ ዝጎደሎ ዓረቢያ ስለ ዝቁጸራ ነቲ ክትመርጾም ዝገበረካ እምነቶም` ዕዉት ንምግባር፡ ከም ፈረስ ኮይኑ ዝመርሕ ብቁዕ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ።

3- ምእንቲ`ዚ እምነቶም`ዚ ክስውኡ ድሉዋት ምዃኖም ኣንፈት ዝረኣናሎም ፡ ብበለጽ ዘይፍለጡ ክኾኑ ከምዘለዎም እዩ።

ንመራጺ ምስ ሓቂ እናኣላለየ ኣቅጣጫ መረጽቲ ዘነጽር ኸኣ ሓላፍነታዊ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን  (ተነባቢ፡ ተራኣይ፡ ተሰማዒ) ኢዩ ።

ጉባኤ ኣዋሳ ዝመዘዞ መሪሕነት ብዝምልከት፡ገለ መርበብ ሓበሬታ  ንዝርዝር ኣስማት ብምሃብ ጥራሕ ምስ ባይቶ ከላልዩና እንከለው መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ግና 79 ኣስላም 48 ክርስትያን ብምባል ጥራሕ ከይኣክል ንኸይንዳናገር ነስላም ብዝተፈልየ ሕብሪ ንክርስትያን ከኣ ብዝተፈልየ ሕብሪ ጽሒፎም ኣቅሪበሙልና
ኣበይ ንምብጻሕ`ዩ ብዘየገድስ ዝኾነ ጌጋ መልእኽቲ ናብ ፍርቂ ጎንና በጺሑ ዘንባላት ንኸይንኸውን ምእንቲ በዚ ዝስዕብ ተጻይ መልእኽቲ ኣቢለ ንክልተ ጎንና ከማዓራሪ ክፍትን`የ።

1- ንኣብነት እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነዚ ናይ ሎሚ ጉባኤ ዝተሓሰሙ ጽባሕ ምስ ተሳተፉ እዚ ኣሃዝ`ዚ ክቅየር ይኽእል`ዩ( እቲ ጉዳይ ጉዳይ ናይ ኣሃዛት እንተኾይኑ)

2- ብዕብላሌ ኣስላም ዝተበገሰን ዝተሰርዔን ዝተመርሐን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ውሱን ግዜ ኸኣ ናይ ክርስትያንን ኣስላምን ቁጽሪ ዝመዛዘነሉ ምናልባት`ውን ክርስትያናዊ ሸነኽ ዝበዝሓሉ መድረኽ በጺሑ ነይሩ`ዩ፡

3- ክርስትያናዊ ዕብለላ ዝነበሮ  ፓሎቲካዊ ካድር ጀብሃ፡ኣስላማይ ክስታናይ ዝሕበኑሉ ክሳብ ሕጂ ንጀብሃ ከም ሃገራዊ ደሞክራስያዊ መስመር ከም ኣተሓሳስባ ከም ውድብ(ብዝተፈላለየ ሸነኽ) ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ህልውቲ ክገብር ክኢሉ እዩ።

4- ኣብ በዓል ካምፖድያ፡ሊብያ ዝነበሩ ወጻዕትን ተወጻዕትን ሃይማኖቶም ሓደ ዓይነት`ዩ ነይሩ፡

5- እቲ ቁምነገር ኣስላማይ ወይ ክስታናይ ክገዝኣና ኣይኮነን፡ብሕጊ ንግዛእ ክንከውን፡እንከለና ጥራሕ`ዩ፡

ኣብ ደረጃታት ሜዳ ኩዑሶ  እግሪ  ኮይና እነጣቅዕ  ትፎዞ ኣይኮንናን ፡ ህዝቢ ኢና!

ኣወልኼር


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...