ከመይ ቀኒኹም ደቂ ሩባይ መረባይ አብ ዘዘለኹምዎ ክፍለ ዓለማት ዘለኹም!  አነ በጅካ እቲ ኩላትና እንቓለሰሉን ብተስፋ እንጽበዮ ዘሎናን፡ ማለት እዚ አብ እንግድዓ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ „ፂእ መንድዓት!“ አብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ዝድርበየሉ፣ አብዚ ሕጂ እዋናት ሐደ ክልተ ኢልካ አብ ዝቑጸረሉ ዘሎ መዓልትታቱ በጺሕዎ ዘሎን፡ ምድረ ሰማይ ወጊሑ ከብዲ አድጊ  ኮይኑ አብ ዝርኣየሉ ዘሎ ወቕቲ፣ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓላሳይ ነዚ ፀሓይ ሀገርና በጣዕጥእ ኢላ ከተብርህ፣ ንምርኣያ ዘሎኒ ንሁር ባህጊ እንተዘይ ኮይኮይኑ፣ልዑል እግዚኣቢሔር አምላኽና ይመስገን ጽቡቕ አለኹ ምስቶም ርእሰማለይ፤

ርግጽ’ዩ ኩሉ እቲ አብዝሓ ህዝቢ ገደብ አልቦ ሐድነታዊን ደሞክራስያዊ ሥርዓት አብ ሀገሩ ንከንግሥ ኢሉ፣ አላሽ ከየለ ዝቃለስ ዘሎ ተቓላሳይ፣ ተሰናቢዱስ ምስቲ በቶም ወይጦታትን! ውሻላትን! ናይ የእዳዉ መሔበሲ እስትራሾ፣ ሰብ ቅልውላው ማንነት እኽብካብ ሐፋሹን፣ አኽላበቱን ከምበዓል መስከረም ኔት፣ በቲ ዝጽሕፍዎ  ሐርፋፍ ዝይለመጸ ብርዖምን፣ ዘይተኣደበ አተሓሳስቦም፣ አዳዕዲዖም ካብ ዝጅምርዎ ሕጅስ’ኳ ልዕሊ ዓመት ግዜ በሊዑ አብ ዘለወሉ እዋን፣ ምስቲ ሀገር ዘጥፍእን ዘርኢ ዘጽንትን ዘሎ ፂእ መንደዓት መስገደል ህዝብና አጣቓዕትን ተሓባበርትን ብሙኻን፣ ነዚ ማዕበል ብስም’ቲ አፉ ተሎጊሙ ዘሎ አብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብናን፣ እዚ አብ ደገ ዝርከብ መላስ መቓልሑ ብሙኻን፣ ናይ ግዛእ ርእሱ አውያት ብአካል ደሚሩ ዘቃልሕ ዘሎን ዝተደገፈ፣ ወከልቱ ብደሞክራስያዊ አገባብ መሪጹ አብ ዝሳተፎ „ሀገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ ንምዕዋት ብንዋቱን ጉልበቱን ከይበቐቐ ተጠቒሙ ንምዕዋት፣ አብ ርእሲ ርእሲ እናተራባረበ ከሎ፣ ብአንጻሩ ከም አበው ዝብልዎ „ዐሻ ከመይ አሎ፣ ዐሻ ደሓን አሎ፣ ዘመድ ዐሻ ከፊእዎ አሎ!“ ንሳቶም ብዘለዎም ሐይሊ ነዚ ከእጉሉን፣ ከንቱ ንኽገብሩን ብዝገብርዎ ዝነበሩን፣ ዘለውን ጠቐነታትን ፀለመታትን ተድሚሩ፣ደኾን እቶም ንዐና ዝመስሉ ግን ከማና ዘይኮኑ ፀረ-ህዝቢ ሐይልታት አብ ውሽጥና ተሰግሲጎም ዘለው፣ ንዐታቶም ዐወት ንዐና ግን ግዝያዊ ዕንቅፋት ብምፍጣር ተስፋ ህዝቢ የፀልምትዎ ይኾኑ? ዝብል ስግኣት እቲ ቀዳማይን ዋናን ኮይኑ፣እቲ ካልኣይን ተወሳኽን ከኣ አብ አፉን ዕርበቱን አብ ውሽጢ እቲ ሽማግለ ( ኮምሽን!) ሥራሕ’ቲ መንድዓት ተጸፍዩ ምጽንሑ ኢዩ።

እዞም ክልተ ሰፍ ዘይብሉ ዕንቅፋታት ማለት፥

1ይ.በታ ዝነበርት ሽማግለ (ኮምሽን) መዓልቲ ጉባኤ ተቖሪጹ፣ ንህዝቢ ዕላዊ

ምስ ተነግረ፣ እቶም ሽዱሽተ ውድባት ኢና በሃልቲ ነቲ ዕለተ ጉባኤ ንሐደ

ወርሒ እንተዘይተሳሒቡ አይንካፈሎን ኢና! ብምባል አብ ልዕሊ እታ

ሽማግለ ጸቕጢ ብምግባር ነቲ መዓልቲ ጉባኤ ብሕላሶም ንሐደ ወርሒ

ክዳናጒ ገበርዎ! እዚ ከኣ እቲ ፀሊም ታሪኾም ክሕከኽ ዘይክእል ምሥክር

ዘየድልዮ ናይ ወርሒ 10/2011ዓ.ም. ዘይርሳዕ ታሪኾም ኢዩ።

2ይ. ሥራሕ መንድዓት አብቲ ውሽጢ ኮምሽን አቦ ወምበርነት ቦት ብምሐዝ፣

ነቲ ዝተመጠ ጉባኤ ንኽጋባእ ገለ ሐደ ሰሙን አቢሉ ክተርፎ ከሎ ባዕላ

ንባዕላ ዝተበለለትሉ ወይ ዝተገልጸትሉ ግዜ ኢዩ።

እዞም ተጻብኦታት በጀካ ካብቶም ፍሉጣት ኩሉ ዝፈልጦም ልሙዳት „ነጸላታት!“ መጋበርያ „መንድዓት!“ ተጻባእቱ ዝውርወሩ ፀለመታትን ጠቐነታትን፣ ከምዘለውዎ ኾይኖም ምፍርራሕ ናይ እዞም ሽዱሽተ ክውሰኾ ከሎ ዘይተጸበናዮ አብ ርእሲ ሙኻኑ፣  ካብ ውሽጢ ዝነቐለ አፍራሲ ነገር ሐደገኛነቱ ሠራውሩን ስለዘይፍለጥ፣ ነቲ ወገን ህዝቢ አብ ዐቕሊ ጽበት ይእትይዎ እዩ፣

ምኽንያቱ እዞም ተጻብኦታት እዚኣቶም ከም አብ ጭቃ ተሐዊሶም ዝተባዕጡ እሾኽ ኮይኖም አመጻጽእኦም ዘይፍሉጥ አቕጣጫ ዝሐዘ ስለዝኾነ ኢዩ፤ማለት ደሐን አለኹ ኢልካ ነቲ ጭቃ ኢድካ ሰዲድካ ከተላውሶ ወይ ብእግርኻ ክትረግጾ ምስ ትፍትን ዘይሓሰብካዮ በቲ አብቲ ውሽጢ ተለዊሶም ዘለዉ እሾኻት ትውጋእ፣ አወጋግእኡ ግን ይፋላለ ኢዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ሐደ ጽቡቕ ገይሩ ተመሪጉ አብ ከብዲ እግርኻ ብምእታው ሕርሕራይ ገይሩ ብምህሳይ ከድምዓልካ ስለዝክእል ክኸውን ከሎ፣ ነዚ ካብ ሱሩ ሚሒኻ ንምውጻእ ብዙሕ ስቓይ ይሐተካ፣ እዚ ማለት መስዋእተን ግዜን ክበልዓልካ ይኽእል፤ እቲ ምውግኡ አብ ቀረባ ዝኾነ ኸኣ እናአሳቐየካ ሥርሑ ይቕጽል፣ እንተደኣ ነዚ አለሊኻ ብእዋኑ መድሃኒት ዘይረኸብካሉ፤ ስለዚ እዚ ነቲ ፀረ-ሐድነት ንሥልጣኑ ጥርሕ ዝቃለስ ምውት ሕልና ግዝያዊ ዐወቱ ክኸውን ከሎ፣ ነቲ ወገን ህዝቢ ተቓላሳይ ግን ግዝያዊ ዕንቅፋትን፣ ናይ ግዜ ምምጣጥን አስዒቡ ናይ ሐሳብ ክሳራ የስዕበሉ፣ ነቲ „ቀንዲ ጸላኢ መጻጉእ ህዝብና!“ ኸኣ ተኺልዎ ዘሎ ባርነታዊ ሥርዓቱን ደም ዕሸላት ክሰትን፣ ኮላሊቶም እናጠብሔ አውጺኡ ንዓለም ዕዳጋ ብበሽበሽ ከቕርብ ዶላራቱ እናአግበሰበሰ ክእክብን ከኻዕብትን መታን ዕድሚኡ የነዋሓሉ።

እቲ ነቲ አብ ውሽቲ  ምረት አርዑት ባርነት ተሸኪሙዎ ዘሎ፣ „ስቡሕ አእዛን!“ ህዝብናን፣ ነዞም አብ ደገ ዘሎና ተቓለስትን ግን፣ አብ ሀገርና ዋላ በርብዓታት ዘይተዐወትሉ፣ ንሕና ደቆም ብሐይልና ዘይኮነ እንታይ ደኣ ብሐይሊ በቲ ሰማይኒ መሬትን ኩሉ ፍጥረታት ብዐይኒ ዝርኤን ዘይረኤን ዝገበረ፣ ዋላሐደ ነገር እኳ ብዘይብእኡ ዘይኮነ ዘየለ ፈጣርዬ ኩሉ ዓለም መድኃኒ-አለም አቦና፣ ንህዝብና ይኣኽለካ ክብሎ ግዲ ኾይኑ? እቲ ዝፈራህናዮ ከብድና የሕቁፍና ዝነበረ ኩሉ ጥቕልል ኣቢሉ ናብ መዓሙቕ  „ቀላይ አዋሳ፤“  ክጥሕል ገይሩስ፣ ጠሊ ናይ ሕዳረ ጥሪ ዝረሓሰ ብሥራት አበሲሩና፣ „ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፣ ንሐመድ ዱግሪ የውጽኦ፣“ እንድዩ፤ ብዛዕባ ከተማ አዋሳ ካብ እተላዕለ፣ ቁሩብ ብዛዓባ አደዃኹንኣ ኣስኪ ክትርኽ፣ አብ መጀመርያ 60ሳታት አቢሉ ይኸውን ብዘበነ ኃፀይ ኃይለ-ሥላሴ ካብቶም ሕቡባት ጀነራላት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ኤርትራዊ ጀነራል በዐል ጣላ ነፍስ-ሄር ኢሳያስ ግብረ-ሥላሴ ናይ ሲዳሞ ጠቅላይ ግዛት እንደራሴ ኮይኖም ምስተሾሙ፣ ነቲ በቲ እዋን እቲ ናይ’ቲ ጠቅላይ ግዛት ዋና ርእሰ ከተማ ዝነበረ „ይርጋ-አለም፤“ አትሪፎም „ንከተማ አዋሳ፤“ ብምዱኳን ነቲ ናይቲ ጠቅላይ ግዛት ዋና ከተማ ናብኣ አጉዓዝዎ።

ስለሲ እዚ ርሑስ ብሥራት’ምበኣር ብኸምኡ ዝመጸ ዘይኮነስ ናይቶም ደቂ መሬት በረኸት ስሕበት ዘለዎ ኢዩ፤ ብአንጻሩ ከኣ ነቶም ማንነት ቅልውላው ዘለዎም እኽብካብ እንዳ ሐፋሽ ምስቲ መንድዓት ሐለቕኦም መቓብሮም ተዃዒቱ ይጽበዮም ከምዘሎ ሕርሕራይ ገይሮም ዝተበሠርሉ ጉባኤ ሙካኑ አጠንቂቕዎም፤ እዚ ኸኣ ብሐይልና ዘይኮነ እንታይ ደኣ ብሐይሊ እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ዐብን ሐያን ሰብኣይ ስለዝኾነ፣ በዚ አጋጣሚ ንሕና ኤርትራውያን ክርስትያንና አስላምና ናይቶም አብ እግዚኣቢሔሮም ብምሉእ ልቦም ዝአምንዎን ዘምልኽዎን ህዝቢ፣ ውጺኢት ፍሪኦም ስለዝኾና፣ እሞ በዚ ዘበን አምጽኦ ፖለቲካዊ ፋሽን ብስም ሀይማኖታትን፣ ማሕበረ-ሰባትን ዘርእን፣ መበቆልን፣ ንፀጉሪ ሰንጥቕ ፍልስፍናና ወጊድ ኢልና ነዚ አብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ሀገርና ተፈጺሙ ዘይፈልጥ ፍጻሜ፣ ብአና ግዜ እግዚኣቢሔር ክፍጸም ዝገበረልና በብእምነትና ናብኡ ብምስጋድ ከነመስግኖን፣ እዚ ከይዘንጋዕና ብዝሐጸረ ግዜ አብ ሸቶና ዘብጽሕ መገዲ ነቶም ክመርሑና መሪጽናዮም ዘሎና ሰባት ቅንዑ መገዲ ከብርሃሎምን፣  ብትዕግስትን፣ ብልሓትን ንምምራሕ ክኽእሉ ድማ ጥበብ ክዕድሎም አብ ጸሎትና ንዘክሮም።

እቲ አብ ዝሐለፈ እዋናት ዘርኣናዮ ክሕደት እግዚኣቢሔርን፣ አበይ ዘለው መላእኽቲ ኢዮም እናበልና ዐበይትን ወራዙትን ወለዲ ሰቡትን አንስትን፣ አቕሽሽትን መሻይኽን፣እናአነኣኣስናን አናሾናን ንኽልቲኡ ሀይምኖታትና መቐለዲና ዝገበርናዮም፣ ውጺኢቱ እዚ ሕጂ አብ ሀገርና አብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ድቕድቕ ፀልማት ባርነታዊ ሥርዓት አስዒቡልና ኢዩ’ሞ፣ ብዘይብእኡ ብሐይልና ጥራሕ ዋላ ሐንቲ ስግምቲ’ኳ ክንስጉም ከምዘይንኽእል ፈሊጥናን አሚናን፣ አብዚ ሕጂ ገጹ ናብ ህዝብና ክምልስ ከምዝደላየ በዚ „ሀገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ!“ አቢሉ ምልክት ሂቡና እንሆ’ሞ፣ ካብ ውሽጢ ልብና ብዝመንጨወ ብዝሐለፈ ትግባራትና እቕርታ ካብኡ ብምሕታት ናብኡ ገጽና እንተአንቃዕረርና ይሕሸና፤ ባዕሉ ይስምዓናን ይትዓረቐናን፣ አሜን።

ይቕጽል፤

„እቲ አብ ልዕሊ ኩሉ በረኸትን ምስጋናን

ክብ ዝበለ ክቡር ስምካ ይባረኽ። ንስኻ እወ

ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚአቢሔር፥ ሰማይን

ሰማዬ ሰማያትን ኲሉ ከዋክብትን ፈጠርካ፥

ምድርን አብ ልዕሊኣ ዘሎ ኲሉን፥ ባሕርን

አባኡ ዘሎ ኲሉን ፈጠርካ። ነዚ ኹሉ

ብሕይወት እተንብሮ ኸኣ እስኻ ኢኻ። ሠራዊት

መላእኽቲ ይሰግዱልካ።

መጽ፡ ነህ፣ 9፤ 4-6፤

 

 

ካብ ሻም/ ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ

በሄረ ጀርመን

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...