ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ ኣብ ዝሓለፈ  መልእኽተይ ብኽንፊ ተቓውሞ ዝተኻየደ ጉባኤ  ኣዋሳ(ኢትዮጵያ) ኣውኪኤልኩም ምንባረይ ዝዝከር እዩ። ኣይኮነንዶ ዋኒን ሃገርስ ካልእ’ውን እንተኾነ ተሃዊኽካ ወይ ተረቢጽካ እትፍጽሞ ነገራት ካብ ረብሓታቱ ጉድኣቱ ይበዝሕ። ልቢ በል ህዝበይ ጉዳይ ሃገር ኣበላልዓ ሓኸለ ወይ’ውን ኣውለልቶ ኣይኮነን። ሃገር መቖምያታት ኣለውዎ። እዚ ኣምር’ዚ ጠፊኡዎም ዘይኮነስ  ዕጭ-ይበኣዮ መን ሓታቲ ኣለና ብማለት ንኽብሪ ዘዕበየካ ባይቶኣዊ ዓዲታት ኮነ ወርዳታት ረጊጽካ ሃገራዊ ጉባኤ ኢልካ ምዝንጣል ሃገር ጽባሕ ዘሕትት እዩ። ስማዝሃገርኩም ካብ ዝኾነት ትኹን ዓዲ፡ ወረዳ ወይ’ውን ኣውራጃ መሪጻ ወካሊና ኢላ ዝለኣኸትሎም ባእታ ኣሎ፤ በየናይ መዓቀኒ’ዩ ሃገራዊ ጉባኤ ክበሃል ዝከኣል። ውክልና ህዝቢ ዘይብልካ ብዘይዕላዊ ውክልናኡ ክትዋገይሉ ድርብ በደል እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ብብኣፈ-መዝ ሻምብቆ ብረት ደቁ ኮነ ንብረቱ ብሓይሊ ደም እናነብዐ ዕረ እናጠዓሞ ተመንዚዑ ነዚ ሎሚ ኣጋጥምዎ ዘሎ ውርደት ከርፋሕ ማሕበራዊ መነባብ ገቢርሉ እዩ። ካልእ ይትረፍ ደም ኤርትራዊ መድረ-በዳ ኣተርኪሱ፡ ብሂወቱ ከሎ ክፋል ኣካላቱ ብሓይሊ ተመንዚዑ ንዕዳጋ ዝወርደሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ። ወዲ-ሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልዮ ሓሲቡ ክመሚ  ዝኽእል ኣእምሮ ስለ ዝተዓደለ እዩ። ኤርትራውያን ግን ካብ እንስሳ ንሓይሽ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። ዳርጋ መብዛሕትና ከም እንስሳ ተጎጃጅልና ብውልቀታት ተኾብኩብና ብዝሃቡና መምርሒ ተቓኒና ነንሕድሕድና ንመናጨት ዘለና ህዝቢ ኢና። ዝሓስብ ኣእምሮ ዝተዓደለ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ክፍውስ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ክውግን ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ። ኤርትራውያን ግን ብመንጽሩ ኢና ክበሃል ይከኣል። ነንሕድሕድካ ምንጽጻግ ከም ጸጋ ተቐቢሉ ኣብ ሻራይ ሻራኻ ዝእለኽ ተቓውሞ ብስም ህዝቢ ዝቖዘመ እንተቖዘመ ሰሚዒ እዝኒ ኣይረክብን። ብመንጽሩ እናተሰሓገ ንሓድሽ ወለዶ ኣልሚሱ ምናምን ይጠፍእ። ኤርትራዊ መንእሰይ  ካብዚ ነጥቢ መበግሶ’ዚ ነቒሉ ንኹነታቱ ከመዓራሪ መድረኽ ይጠልቦ ምህላዉ ከቕልበሉ ግደታ እዩ። እንተዘይኮይኑ ማሕበራዊ መነባብሮ ህዝቢ ድግማ-ሱማ እዩ ክኸውን።

ንህሉው ኩነታት ልክዑን መልክዑን ብግቡእ መምዩ ጥርዝታቱ ኣዋዲዱ ክምልስ ዘይኽእል ኣካል መዋእሉ ኣብ ሰንፈለል’ዩ ዝነብር። ኣመራርሓ ክንፊ ተቓውሞ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ይውሓዱ ይብዝሑ ኣባላቶም ብዘየገድስ ብተግባር ብተንኮላዊ ህልኽ ላድዮም ስለ ዝሰንከሉ ፍታሕ ከምጽኡ ኢልካ ምጽባይ በቕሊ ክትወልድ ኢያ ኢልካ ምንቅዕራር ማለት እዩ። ብባህልና ሰብ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ሕድገታት እናገበረ ከም ዝኸይድ ንፈልጥ። እዚኣቶም ግን ብኣንጻሩ ጽብጽባሕ መመሊሱም ዝራግሑ ግደ ደቅና ዘይፈልጡ ብዘይወከሎም ህዝቢ ዝቕንዘዉ ንበሃሎ ዘይፈልጡ ኢዮም።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ ኤርትራዊ መንእሰይ ብጨፈቓ ደሙ ተመሪጉ ኣብቲ ዘይረግኤ ሰልሚ ድሙ ተሸሚሙ መዋጽኡ ስኢኑ ትልኽ ካብ ዝብል ውሑድ ዓመታት ኣየቑጸረን። ባህሪ ዝፈጠሮ ወቕታዊ ሰልሚ መዓልቱ ጸብጺቡ ይነቅጽ እዩ። ደም ኤርትራዊ መንእሰይ ዝፈጠሮ ሰልሚ ግን ካብ ዶባት ኤርትራ ሰጊሩ ኣብ ፈቖዶኡ በረኻታት ዓዲ-ማቱ ዝዒጉ ይነዝዕ ምህላዉ መሳኹቲ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ዝዛረበሉ ዘሎ ክውንነት እዩ። ነዚ ዋሕዚ ደም’ዚ ክዓግት ዘይቀራረብ ክንፊ ተቓውሞ ብምንታይ ይገለጽ፤ ኣራዊት እካ ንውላዱ ዝከላኸ።

ኣብ ውዕሎ ቃልቲ ንዲመማ ምድንጋር ከነጽሒ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ንብለሉ ዝነበርና እዋን መጋፈርቲ ኮት ተሓለቕትን ሓለይትን ውዕሎ ኮይኖም ዘውደኽድኹ ዝነበሩ ባእታታት ሎሚ ኮር ተገልበጥ ብመፍተል ሓበረታ ክራገሙን ክቕዘውን ክትርኢ ከለኻ እንታይ ንበሎም፤ ኢሰያስ’ኮ ዝበዝሑ ስለ ዘጣቕዕሉ እዩ ኣብዚ ዘለናሉ ሲኦል ክጠብሰና ዝኸአል’ምበር ዝቃወሙ ባእታታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ፍግም በለ’ምበር ኣይተኻዕወን ተባሂሉ ዝስገር ኩነታት ኣይኮነን። ንፋስ ነናብ ዝነፈሶ ዝብቆጹ ኣካላት ሓደገኛታት ወይ መሐኾልቲ ህዝባዊ መስርሕ ምኻኖም ከነቃልዖም ይግባእ።

ጉባኤ ኣዋሳ ብሰሪ ዘይብቑዕ ኣመራርሓ ኣመሃን መሻርኽቱን ብእንኮ ዳኒኤል ተወልደ ተመዲሑ። ኣቶ ኣመሃ ከምቲ ዝንገረሉ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ከም ዘለዎ እዩ። ብሓቂ ናይ ሕጊ ትምህርቲ እንተደኣ ቀሲሙ ኮይኑ ንዳኒኤልን ነቲ ጉባኤን ጥራሕ ዘይኮነ በዲሉስ ንሕጊን ዘጽናዕኩም ሰባት’ውን ለኪሙኩም ምህላይ ኣይትዘንግዑ። ዋላካ ኣብ ውዕሎ ቃልቲ ከምኡ ንኸይድገም ኣእዊና እንተነበርና ብላህመት ቂምን ቅርሕንትን ዝቐርዓነ ኣእምሮ ዋናኡ ኮታ በዓልቤት ክሳብ ብሽብጢ ሓጺቡ ዘይተናዘዘ እናሓደረ ስል ዝስርስሮ ካብ ህልኻዊ ተግባራት ኣይቑጠብን። ኮይኑ ከኣ። ነቲ ከጋብእዎ ዝሓለኑ ጉባኤ ካብቲ ኣውያት ቃልቲ ሰሚዖም ንዓኡ ክውክል ዝኽእል ስም መሪጾም ብጽፈት ከካይድዎ  ክንዲ ዝቃለሱ፡ ካብ ዓቑሙ ንላዕሊ ስም፡ ኢደወነናዊ  ውልቀ-ሰባት እናመረጽካ ኮታ ብሕርያ፡ ሳልሳይን ሒጎኖ ጉባኤም ዘይምፍላጦም፡ ንሱ ከኣ ንዓመትን ፈረቓን ዝለዓለ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዝኣመነሉ ጉባኤ ንምዕዋት ዘለዎ ዓቑሙ ጸንቂቑ ዝተረጋረገ ውልዶ መንእሰይ ኣብ ድሮን ዕርበቱን ጉባኤ ካብ ሓላፍነቱ ኣውሪዶም ካብቲ ደኺመ ከይበለ ዘዋደዶ ጉባኤ ንበሃሎ ዘይብሉ ክገትእዎ ከለዉ እዩ። እዚ’ዩ ሓውላልስ መጠመቲኣ ትኮሓል ዝበሃል። ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዘካየድዎ ጉባኤ መዛረቢ ዝኸውን ብዛዕባ ንዳኒኤል ዘጋጠሞ ቀውፊ ተዓብሊኹ ይርከብ። ዝኾነ ኾይኑ ህዝቢ ንኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝረግም ዘሎ ንኹሎም በደልቱ ኣልሚሙ ይረግም ምህላዉ ካብዚ በቢእዋኑ ዘጋጥም ዘሎ ሓልፈ-ዘብጢ ርሙስ ተርእዮታት ክትግንዘብ ይከኣል።

እዚ ከኣ በደልን ኣብ ልዕሊ ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ብምኻኑ ከይቀተለ የዕነኒ ምህላዉ ክዝንጋዕ ዘይበኦ ዓብይ ብድሆ እዩ።

 

ዘይበሊ ምድንጋር ዘይኸውን ምቅማም

ውትሩ ዕንክሊል የእቱ ደቕደቕ ጸላም

ግናይ ውርሻ ጭልቅዕ መንእሰይ ምስማም

እናሓደረ ዝረክስ ዘይሓዊ ሕዱር ሕማም

ትርግታ ውጹዓት ዘየጻናቱ ዳዋይ ጠላም

ትዕግስቲ ህዝቢ ተወዲኡ ኣኽቲሙ ምጽማም

 

ብውልቀ ሕርያስ ዓንዲ-ሕጊ ሃገር

ትዕብተኛ ንዕቀት ትኾልኪልካስ ፈንጠርጠር

ብዘይዳንጋዶ ሓኽረ-መኽሪ ክድየብ ክሕከር

ግርም’ባ ኢሰያስ እናበልካ ወትሩ ዓንገረር

ሓደገኛ’ዩ ተሓዚልካ ጋሻ ውሕጅ ክስገር

 

ዋኒን ሃገር ኣይኮነን መላገጫ

ሕዛእቲ ብዕራይ ያኢ ኮይኑ መጋሃጫ

ምህርቲ ኣይኮነን ጉርዲ ድፋጫ

ኣበር ኣለዎ ዘይበሰለ ቅጫ

ዓውዲ ኣይኮነን ህዝቢ መራጋጫ

ናታትኩም ንዕቀትስ ሓለፋ’ለዎ ብልጫ

ብኢሰያስ እናቖዘምካስ ብህዝቢ ባጭ

ዝሓለፈ ይኣክል በዓል ዕቡይ ግራጫ

 

መላቐስቲ ዛንታ ሲናይ ሰሚዕኩምዶ

እንታይ ነበረ መልቀስኩም ብማዕዶ

ጭልቅዕ መንእሰይ ረኺቡ ጋዶ

ኩሊቱ ተመንዚዑ ብበዓል መሓመዶ

ኣየወ እዞም ሓረዲ ርጉማት ፈራዶ

ሕሱማት ጎረበት ኣረመን ነጋዶ

ርህራሀ ዘይብሎም ኣራዊት ወጋሚዶ

ንምሓር ዘይፈልጡ ጨካናት ሓራዶ

ሂወት ጨላቕዕ ዘጥፍኡ ብጎዲም ጋሊሀዶ

 

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ኣብ ዝጥዕሞ ቦታ ኮነ ሃገር ዛዕባታት ህዝቡን ሃገሩ ኣልዒሉ ክዝትን ክመክረን ተቓውሞ የብለን። መሰሉ’ዩ ከኣ። መሰለይ ኢዩ ኢልካ ግን ብዘይውክልናኡ ክትውስነሉ ፍጹም ዘይግባእ ኣነዋሪ ድፍረት ህዝቢ እዩ። ምልኪ ኮ ምልኪ ዘብሎ ዝበልኩኻ ስማዕ፡ ናተይ ዝኑብ ምእዙዝ ኩን፡ ኩነታትካ ብኣይ’ዩ ዝቕየስ ብማለት ብጽላል ራዕድን ሽበራን እናፈራረሐ ስለ ዝድህከካ እዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ከኣ ብዓይኒብለይ ስኒኣይብለይ ኣብ ግዳም ኮና ዝሓጸጽናልካ ሕግታት ከይሓየኽካ ወሓጦ ማለት እዩ ዘስምዕ’ሞ ካብ ኢስያስ ምስ ጭፍራኡ ዝፈላለየኩም ብዙሕ ኣይክህሉን ተቐባልነት’ውን ክስብ ክንዲት ኣይክህልዎን እዩ።

 

ገብረሂወት ወልደሚካኤል

2011-12-05 ስቶክሆልም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...