ኣብ ኣዋሳ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ናይ 8 መዕልታት  ኣኼባታት ኮሚሽን  ተዓዚብና  ኣብዚ ኣኼባ ተዓዊቶም ወጺኦምዶ ኣይወጹን ዝፍለጥ ቅድም እቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዳኒኤል ዝወሰድዎ ስጉምቲ  ሓቅታቱ ክረጋገጽ ኣሎዎ ። እንተዘይ ኮይኑ  ገና ከይተበገሱን ከይሰደሩን  ከለዉ ንመጻኢ ባህሪያቶም  ከመይ ከምዝተቓለዐ ሪኢናዮ ኣሎና ማለትዩ ፡፡  ሓደገኛነት ናይዚ ጉባኤ እስከ ንታዓዘብ ።

ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ ከምዝባሃል : ምኽልካል ዳኒኤል  ተወልደ ካብ ጉባኤ ኮሚሽን  ዳኒኤል ዝበሎ ሰሚዕና ከምኡ‘ውን  ኣማሃ ዝበሎ ።ንዓይ ግን   ቃለ መጠየቕ ናይ ኣመሃ  ደሞኒኮ ምስ ኣሰና ዝገበሮ ዘይሙኽኑይ ኮይኑ ረኺበዮ ኣሎኹ ። ካብቲ ገለ ቃለመጠየቕ ናይ ኣማሃ ዝረኸብክዎ ጌጋታት

1. ኣማሃ ባዕሉ ካብ ዝተኣመነሉ ዳኒኤል ኣቦመንበር ናይ ሜድያ ምንባሩ ጠቒሱ …

ስለዚ ዳኒኤል ምሉእ መሰል ኣሎዎ ክቐርጽን ክስንድን , ክኽልከል‘ውን ኣይግባእን ጥራሕ ዘይኮነ ኣይሕሰብን‘ውን

ብኣንጻሩ‘ኳ ዳኣ ንሱ ነቲ ናይ ሜድያ ኣማእኪሉ ክኽልክልን ከፍቅድን ዝግባእ ኔሩ ።

እዚ ምምቅራሕ ሓላፍነት ኣብ ኤርትራ ኔሩ እንተዝኸውን ሓውና ዳኒኤል “ ናይ ዜና ሚኒስተር „ ኔሩ ማለት‘ዩ  ኣማሃ ድማ ፕረሲደንት  ስለዚ ምትእትታው ኣማሃ  ኣብ ስራሕ ዳኒኤል  ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ሕጂ እውን ንርእዮ ዘሎና ምትእትታው ኢሰያስ ፈወርቂ ኣብ ስራሕ ዓሊ ዓብዱ ማለት‘ዩ  ። ስለዚ ቀጥታዊ ቅዳሕ ናይ ሕግደፍ  ሪኢና።

2. ኣማሃ ባዕሉ ካብ ዝተኣመነሉ ዳኒኤል ኣብ መስከረም ዳት ኮም ጽሑፋት ኣውጺኡ ኢሉ….

እቲ ንህንጠዮ ዘለና ናጽነት ፕረስ ደኣ ኣበይ ኣሎ ? ኣንኳይ ዶ ዳኒኤል ሓላፊን ኣቦመንበርን ሜድያ ኣነ ተራ ውልቀ ሰብ‘ውን ሙሉእ መሰል ኣሎኒ ኣብ ቃሕ ዝበለኒ መደብር ማዕከን ሓበሬታ ክዝርግሕ:: ኣብዚ ሰብ ኣበይ ይጽሕፍ ክኽልከል ዘይኮነስ  በቲ ዝጻሓፎ ጥራሕ ኢዩ ክሕተት ዝግባእ ። ነዚ‘ውን  ቀጻዒ ሕጊ እንተ ተሓጊጉ ጥራሕ ኢዩ ። እንተዘይ ኮይኑ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ዝተሓረዩ ኣፈኛታት ጥራሕ ዓዲምካ  ዝፍኖ ዘሎ ናይ ሓደ ትካል ፈናዊ  ዜና ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ይህልዎ ? እዚ ድማ ልክዕ ከም ናይ ኢሰያስ ኣብ ቲቪ ኤረ ጥራይ ዝብል ኣምር ዘሎዎ ይመስል ።

3. ኣማሃ  ክምዝተኣመነሉ ዳኒኤል ኣብ ፓል ቶክ ብዙሕ ይዛረብ ኔሩ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ኢሉ……

ዳኒኤል ኣብ ፓልቶክ ስለምንታይ ከይዱ ? ብናተይ ተረዶኦን ዳኒኤል ከምዝተኸታተልክዎን  ድማ ኣብ ፓልቶክን ፌይስ ቡክን ኢዩ ሓበሬታቱ  ዘርጊሑ ።  ኣበይ ደኣሞ ቲቪ ኤረ ህግደፍ ሂዝዋ ኣሰና ድማ ንስኹም ሒዝኩማ  ኣቲ ቅኑዕ ህዝቢ ኣበይ ኮይኑ ዳኣ ሕቅነትኩም ክከታተል ?  ከምኡ‘ውን እዚ ሰብ‘ዚ ከምዚ ናታትኩም ዝዳናገጻሉ ወይ ድማ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሚኒስትሪ ዜና ክኾኑ ዝደልዩ  ጽግዕግዕ ዝብሉ ሰብ ትካል ዜናን ተዘረብትን ኣብ ጎኑ የብሉን ። በታ ዘላቶ ዓቕሚ ንህዝቡ ካባኹም ዘይተረኸበ  ሓበሬታ ኩነታት  ኮምሽን ካብኡ ካብ ዳኒኤል ተረኺቡ ብሳላ ንጹር ሓበሬታቱ ድማ ብዙሓት መንእሰያት መሲጡ ይርከብ ። እዚ ንጎኒ ገዲፍና ግን , ኣቶ ኣማሃ እቶም 6 ኣባላት ፈጻሚት ጥቡቕ ምቅርራብ ስራሕ ከምዝነበረኩም ክትገልጽ ከለኻ  ወላ‘ኳ እቲ ሻብዓይኩምከ ዝብል ሕቶ እንተዘይ ተሓተትካ  , 7 ክንስኹም  6 ጥራሕ  ብሓባር ትሰርሑ ከምዝነበርኩም ገሊጽካ ። እዚ ድማ  ገና ብኣጋ  ቅድሚ ነዊሕ ኣዋርሕ ንዳኒኤል ገሊልክሞ ከምዘነበርኩም‘ዩ ዝእምት …ስለምንታይ…..? !ስለምንታይከ ክሳብ እዚ ጉባኤ  ዓቢጥክሞ  ጸኒሕኩም ?  ስለምንታይከ  ንምእጋዱ ንሱ ኣብዘይብሉ ብሙሉእ ድምጺ ከምዝጸደቐ ሓቢርኩም  ? መሰል ነጻ ፕረስ ሕጂ  ዘይፈለመ ደኣ መዓስ ?

4. እቶም  ናይ ሎሚ ናዕቢ ኣበጊሶም ዘለዉን ናይ ጽባሕ ተረከብቲ ሃገርን ዝኾኑ ጀጋኑ መንእሰያት 2011  ከይሓወስካ  እዞም  ኣብዚ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘሎው  እቶም ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ጢሒሎም ዘለው  ብናይ ጸቢብ ወገናውነትን ዝጸመሙ , ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ሕነ ክፈድዩ‘ምበር ህዝቢ ከመይ ይገላገል ካብ ህግደፍ ዘይዓጦም ሰባት, ናይ ሃይማኖት ጥሩፍነት ሕማም ዘለዎም  ዝኣመሰሉ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቆም ዘይሓስቡ ብጀካ መደብ እቲ ዝወከሎም ውድብ ወይ ትካል ሃይማኖት ንምትግባር እምበር ጉዳይ ህዝቢ ዘየቐድሙ  ሰባት ዝተጋበአ ጉባኤ እንታይ ዓወት ከምጽእ ይኽእል ?

5. ኣቶ ኣማሃ ክሳብ 150 ዝኾኑ ባዕሉን መሻርኽቱን ዝዓደምዎም ዘይተወከሉ ሰባት ከምዝመጹ ሓቢሩ … ነዚ ዝሃቦ ምኽንያት ምእንታን ንኹሉ ከነሳትፍ ኢሉ …. ንምዃኑ እዚ ጉባኤ ካብኩሉ ዓይነታት ወይ ሕብርታት ኤርትራ ዘአንገደ ዲ‘ዩ ኔሩ ? ርሑቅ ከይከድና ኣብ እምነት ጥራሕ እንተ ኣቶኪርና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራውያን ኣመንቲ ጴንጠ , ዮሆዋ ,  ኣሕመድያ ,  ይሁድ  ወዘተ…  ከምዘለው ትፈልጡ ዶ ? ገለ ሓደ ወይ ክልተ ካብዚኦም ዓዲምኩም ዶ ? ኣይመስለንን … ዝኾነ ኮያኑ ንምንታዩ ኣዚ ጉባኤ  ብምስጢር ክከይድ ተደልዩ ? ምናልባት ህግደፍ ምስጢርኩም ፈሊጡ ኣክይድኡ ከይቅይር ድዩ ? ሰይጣን ኩሉ ጊዜ ሰይጣን ስለዝኾነ ህግደፍ ኣይቅየርን‘ዩ ። ወያነ ክሳብ ዘላ ምሳኹም ህግደፍ ምስጢርኩም  ከይፈለጦ ክሓድር ማለት ዘበት‘ዩ ። ስለዚ ምስጢርኩም ክዕቀብ ካብ ዳኒኤል ዘፍራሃኩም  ዘሎ ህግደፍ ምስጢርኩም ከይፈልጥ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኣዳናጊርኩም ብሕቡእ ሰላሕ ኢልኩም ኣብ ስልጣን መጺኹም ንህዝቢ

ክትበታትኑን ሃገር ክትዘርጉን መደብ ስለዘለኩም ጥራሕ‘ዩ ። ነዚታት ድማ ዳኒኤል ንዓኻትኩም ሓደገኛ‘ዩ ።

እቲምንታይ ዳኒኤል ጃሱስ ወይ ሰላሊ ናይ ህግደፍ ኔሩ እንተዝኸውን  ካባኹም ንላዕሊ ወያነ ምተሻቐለት ኔራ ጥራሕ ዘይኮነ ንዳኒኤል‘ውን ኣይምፈነዉዎን ። ንዳኒኤል ክኣስሩ ዝተጸውዑ ኣባላት  ጸጥታ  ናይ ወያነ  ናይ  ኣቶ ኣማሃን  ዓብዱልራሕማንን መሻርኽቶምን  ወታሃደራት ኔሮም እንተዝኾኑ ዳኒኤል ሕጂ ኣብ ዔረዔሮ ወይ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ምሰፈረ ። ብእዋኑ ዝነቀወ ዝብኢስ ነየሕደረ ዝባሃል እምባኣር ከምዚ ምስተረኸበ‘ዩ ።

እቲ እዋን ናይ ለውጢ‘ዩ ክንብል ከሎና ንህግደፍ ኣሊኻ ከም ህግደፍ ምዃን ኣይኮነን ። ኣንጻር ናቱ‘ዩ ክኸውን ዘሎዎ ። ለውጢ ንሓድሽ መንፈስ  ብሓድሽ ወለዶ…. ።

ክቡራት ኣንበብቲ ሎሚ ኤርትራ ዘድልያ ዘሎ

 

…ስልጣን  ምብሓት ዘይኮነስ  ምምቕራሕን መሰል ዜጋታት ምርግጋጽን‘ዩ……….

…መሳግጊድን ቤት መቕደስን ንምስራሕ ምጉያይ ዘይኮነስ ኣብያተ ትምህርት ምህናጽ ምጉያይ…………..

… መሰል ሓደ ዜጋ ዘየኽበርካ መሰል ህዝቢ ከተኽብር  ስለዘይካኣል  መሰል ነብሲ ወከፍ ዜጋ ምኽባር ……

 

*** ዴሞክራሲ መጀመርታ ኣሎዋ  መወዳኣታ ግን የብላን  ። ስለዚ እቲ መሰል ዴሞክራሲ „ሀ“ ኢልና ንፈልሞ  ።

ልዕልና ሕጊ ይንገስ !!!!

ክብሪ ሰብ ኣይንግሃስ !!!!

ዴሞክራሲ ብግብሪ ይተግበር !!!

ሓ,ባ              02.12.11

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...