... ዝግብረ ጉባኤ ውጽኢቱ እንታይ ኮን ይኸውን …?

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ መን እየ ተጋጊዩ፡ መን ከ ሓቀኛ፡ ኮምሽነር ዳኒኤል ተወልደ ዶስ ዋላ፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣማሃ ዶመኒኮ፡ ንኽፈርድ ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ፡ ፍትሒ ክርገጽ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ክዕመጽ፣ ድምጺ ህዝቢ ክጉዕጸጽ፣ ስቅ ኢለ ክርኢ፡ እቲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘቃልሰኒ ምኽንያት ይኹን፡ ሕልናይን ሞራለይን፡ ስለዘየፍቅደለይ እዩ። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣንበብቲ ጽሑፈይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ፡ ንኮምሽነር ዳኒኤል ተወልደ፡ ብኣቦ መንበር ኮምሽን ኣማሃ ዶመኒክን መሰልቱን፡ መዝነቱ ከም ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝነበሮ ኣባልነት፡ ከም ኮምሽነር መጠን፡ እውን ከይተረፈ፡ ከምዘሕደግዎ ኩላትና ክንከታተሎ ዝቀነና ሓቂ እዩ። ሕጂ እቲ ኣብዚ ክቀርብ ዘለዎ ሕቶ፡ ሕራይ ንኾምሽነር ዳኒኤል ተወልደ ካብ ስልጣኑ ከውርድዎ ይካኣል ይኸውን፡ ከም ኣባል ኮምሽን ኣባልነቱ ክሕድግዎ ግን፡ ሕጋዊ ደዩ ነይሩ …? ዝብል እዩ። እምባኣር ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና ሓቅታት ኣሎ፡ እሞ እስከ እዚ ሓቅታት’ዚ ብሓባር ንፈትሾ። ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ ዝተገብረ ዋዕላ፡ በቶም፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፡ ብህዝቢ ተመሪጾም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ፡ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ብስምምዕ ሓንቲ 53 ዝኣባላታ ኮምሽን መስሪቶም። ድሕሪ’ዚ እዛ ኮምሽን ታኣኪባ ብስምምዕ ካብ ውሽጣ ሓንቲ 7 ሰባት ዝሓዘት ፈጻሚት ሽማግለ ተኺላ። እምባኣር ክንረዳዳእ ምእንቲ፡ ብኻሊእ ኣዘራርባ፡ ብቅልል ዝበለ መንገዲ ክገልጾ።

እቲ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዋዕላ ተኻፊሉ ዝነበረ ህዝቢ፡ ሓንቲ ንእሽተይ ባይቶ ተኺሉ። እዚ ባይቶ እዚ ካኣ፡ ኣብ ውሽጡ ተዛትዩ፡ ኣብ መጨረሻ ሓንቲ ንእስ ዝበለት፡ 7 ሰባት ዝሓዘት፡ ፈጻሚት ሽማግለ ኣቚማ። ሕጂ ኣብዚ ክራኣይ ዘለዎ ሓቂ ኣሎ፡ ንሱ ካኣ፡ ንኮምሽነር ዳኒኤል ተወልድ ይኹን ንኣማሃ ዶመኒክ፡ ኣባላት ናይዚ ባይቶ ክኾኑ ዝመረጾም፡ እቲ ኣብ ዋዕላ ተኻፊሉ ዝነበረ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ፡ ንዳኒኤል ተወልደ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ክፍሊ ዜና፣ ንኣማሃ ዶመኒክ ከም ኣቦ መንበር፣ ኮይኖም ነቲ ንህዝቢ ዝሃቦም ሓደራ ከገልግሉ ዝመረጾም ኣካል ግን፡ እቶም፡ ህዝቢ ኣብ ዋዕላ ዝመረጾም፡ 53 ኣባላት እዚ ባይቶ እዮም። እምባኣርከስ፡ ዳኒኤል ተወልደ ካም ሓደ ካብቶም 7 ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ኮይኑ ከገልግል፡ ኣማሃ ዶመኒክ ካኣ ከም ኣቦ መንበር፡ እታ 53 ዝርእሳ ኣባላት ኮምሽን ካብ መረጸቶም፡ ንዳኒኤል ተወልደ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ክፍሊ ዜና፡ ብመገዲ ኣቦ መንበር ኮምሽን፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ፣ ካብ ስርሑ ጠጠው ከምዝብል ክግበር ከምዝካኣል፡ ብዙሕ ዘካትዕን ዘሳሓሕብን ነትጥቢ ኮይኑ ኣይምተረኸበን፡ ይብል ኣነ። ስለምንታይ …? ንዝብል ለባም። ንኣብነት ኣብዚ ኣነ ዘለኽዎ ሃገር (ጀርመን)፡ ህዝቢ ጀርመን ኣባላት ባይቶ እዩ ዝመርጽ። ድሕሪ’ዚ እቲ ባይቶ ካኣ ፈጻሚት ሽማግለ (executive committee or cabinet) ምስ ኣቦ መንበር (Chancellor) ይተክል። ሕጂ ኣብዚ፡ እቲ ኣቦ/ኣደ መንበር፡ (ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ)፡ ንሓደ ካብቶም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፡ ሓደ ካብቶም (minister)፡ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት፡ ብዘየገድስ፡ ካብ ስርሑ ከሳናብቶ/ክተሰናብቶ ምሉእ መሰል ኣለዎ/ዋ። ካብኡ ሓሊፉ/ፋ ግን፡ እዚ/ዛ ኣቦ/ኣደ መንበር፡ (Chancellor ይኹን Minister President)፡ ነዚ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ፡ (ከም ኣባል cabinet ወይ እውን minister መጠን) ካብ ስራሕ ጠጠው ከብሎ/ክተብሎ፡ ፍጽም መሰል ይሃልዎ/ዋ እምበር፡ ከም ኣባል ናይ ብይቶ መጠን ግን፡ በጀካ እቲ ቅዋም፡ ነዛ ኣባልነት እዚኣ ክሕድጎ፡ ካብ ባይቶ ክሰጎ፡ ዝኽእል ኣካል የሎን። በጀካ ቅዋም፡ ድልየትን ሓደራን ህዝቢ፡ ክዕምጽ ዝኽእል ሓይሊ የለን።

እምባኣር ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ኣንበብቲ ጽሑፈይ፡ ኣነ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘምጻእክዎ ኣብነት ክሕብር ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ሓደ መልእኽቲ ከማሓላልፍ ስለዝደለኹ እየ። ንሱ ኻኣ፡ ንኮምሽነር ዳኒኤል ተወልደ፡ ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ፡ ኣባል ኮምሽን ክኸውን ዝመረጾ እቲ ኣብ ዋዕላ ተኻፊሉ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ክኸውን ግን፡ እታ ኮምሽን እያ መሪጻቶ። እምባኣር እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ፡ እዛ ኮምሽን ንዳኒኤል ተወልደ፡ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ካብ መረጸቶ፡ ኣብ ስርሑ ምስ ዝጋገ ካኣ፡ ካብ ስራሕ ክተሰናብቶ መሰል ኣለዋ፡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘካትዕ እውን ኣይኮነን። ንዳኒኤል ተወልደ ኣባል ኮምሽን ክኽወን ዝመረጾ ግን፡ እቲ ኣብ ዋዕላ ታኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ኣባልነቱ ከም ኮምሽን ክሕደግ ከይሕደግ፡ ዝምልከቶ እቲ ዝመረጾ ህዝቢ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብዚ እንርእዮ ዘሎና ስእሊ፡ ኣማሃ ዶመኒኮን መሰልቱን ንዳኒኤል ተወልደ፡ ኣባልነቱ ካብ ኮምሽን ምሕዳጎም፡ መሰል ናይቲ ዘድመጸሉ ህዝቢ እዮም ዓሚጾም። ብኻሊእ ኣዘራርባ፡ ድልየት ናይ ህዝቢ ረጊጾም፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዮም መንዚዖም። „እዚ ዝወሰድክሞ ስጉምቲ፡ ሕጋዊ ኣገባብ ኣይኮነን፡ ምስተባሃሉ፡ ኣማሃን መሻርኽቱን ካኣ፡ መን ሕጋዊ ኣገባብ እዩ ኢሉኩም፡ እዚ ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ“፡ ዝብል መልሲ ሂቦም። እምባኣር እቲ ኣብዚ እንርእዮ ዘሎና ንጹር ስእሊ፡ ኣማሃ ዶመኒኮን መሻርኽቱን፡ መሰልን፣ ሓደራን፣ ህዝቢ ጨፍሊቖም፡ ልዕሊ ድልየት ህዝቢ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዘቐመጡ ሰባት እዮም። እሞ’ኸ ዳኣ፡ እቲ ንኩላትና፡ ነቶም ኣንጻር ስርዓት ወልቀ-መላኺ፡ እንቃለስ ዘሎና ደቂ ሃገር፡ „ዘቃልሰና ዘሎ ምኽንያት፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ እዚ ስልጣን እዚ ናብ ዋንኡ ክምለስ ኣለዎ“፡ ዝብል ጭርሖ ትርጉም የብሉን ማለት ድዩ …? ፖለቲካዊ ውሳኔ ልዕሊ መሰል ህዝቢ ክነቐምጦ እንተኾይኑ፡ ከይተረዳኣና፡ ምልኪ ኣሊካ፡ ብሓደሽቲ መልኽቲ፡ ከም ምትካእ ዶ ኣይስምዕን …?

ኣማሃ ዶመኒኮን መሰልቱ፡ ስለምንታይ ዳኒኤል ተወልደ ኣብ ጉባኤ ክሳተፍ ኣይደለዩን ከመኽንዩ እንከለዉ፡ „ንድሕነት ናይዚ ክሳብ 600 ኤርትራውያን ዝካፈልዎ ጉባኤ እዩ“፡ ይብሉ። ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቅን መሻርኽቱን ካኣ፡ ን-ጉጅለ 15 (G-15) ድምጾም፣ ክሶም ኣንጻር ምሕደራ ኢሳያስን መሻርኽቱን፣ ከይስማዕ፡ ኣብ ማሕይር የእትይዎም። ስለምንታይ፡ ዝብል ሕቶ ብህዝቢ ምስ ቀረበ ካኣ፡ „ንድሕነት ሃገርን ህዝብን እዩ“፡ ዝብል ምኽንያት ሂቡ። እሞ ኣብዚ ሕጂ፡ ኣማሃ ዶመኒኮን መሻርኽቱን፡ ምእንቲ እቲ ክሳብ 600 ዝኣኽሉ ደቂ ሃገር ዝሳተፍዎ ጉባኤ ክብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዳኒኤል ተወልደ ዝወሰድዎ ውሳኔ፡ ቁኑዕ እዩ ነይሩ፡ ዝብል ኣረዳድኣ ኣሎና ኮይኑ፡ እቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ መእሰሪ G-15 ዝህቦ ምኽንያት፡ „ምእንቲ ሃገርን ህዝብን እዩ“፡ ዝብል ስለ ዝኾነ፡ ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይና እምባኣር፡ ካብዚ ጉባኤ እዝን ካብቲ ኣብዚ ጉባኤ ዝሳተፍ፡ ክሳብ 600 ዝኸውን ኤርትራውን፡ ህዝብን ሃገርን ስለዝዓቢ፡ እቲ ስርዓት ኢሳያስን መሰልቱን ኣብ ልዕሊ G-15-ን ዝወሰዶ፡ ክሳብ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዘተግብሮ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ውሳኔታት፡ ሓቅነት ኣለዎ ማለት እዩ …? ናዓይ ከምዝርዳኣኒ፡ ንስርዓት ኢሳያስን መሻርኽቱን ንኸሶም ዘሎና፡ ንኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝውስድዎ ስጉምቲ፡ ኣብ ክንዲ ንሕጊ ዝውከሱ፡ ንሕጊ ጥሒሶም፣ ካብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ተበጊሶም፣ ፍትሒ ጨፍሊቖም፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ወንጀል ይፍጽሙ ስለዘለዉ እዩ። እሞ ኣማሃ ዶመኒኮን መሻርኽቱን፡ ኣብ ክንዲ ሕጋዊ ኣገባብ ዝጥቀሙ፡ ካብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ተበጊሶም፡ ድምጺ ዳኒኤል ተወልደ ህዝቢ ከይስምዖ፡ ኣብ ጉባኤ ከምዘይሳተፍ ካብ ገበሩ፡ ልዕሊ ሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ከምዘቀድሙ፣ ኣረጋጊጽና። ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ፡ ሕጊ ረጊጾም ፍትሒ ዓሚጾም፡ ፖለቲካዊ ዕግበታቶም ከዔውቱ፡ ድልዋት ምዃኖም፡ ካብ ተግባራቶም ተማሂርና።

እምባኣር፡ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣንበብቲ ጽሑፈይ፣ ኣብዚ ኣነ፡ ብፍላይ ካኣ፡ ንተኻፈልቲ ጉባኤ፡ ንእሽተይ ለበዋ ከማሓላልፍ ኣፍቅዱለይ። እቶም፡ ውድብ ወይ ሰልፊ፣ ወይ እውን ውልቀ-ሰባት፣ ኣብ ስልጣን ንኽመጽኡ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሳያስን መሻርኽቱን፡ ህዝቢ ስልጣኑ ኣብ ኢዱ ክርከብ፣ ግዝኣት ሕጊ ክነግስ፣ ፍትሒ ክረጋግጽ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብሩን፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ድሞክራሲ ውሕስነት ክለብስ፣ እንቃልስ ዘሎና ደቂ ሃገር፡ ብምኽንያት እቲ፡ ብሓዊ ኣማሃ ዶመኒኮን መሻርኽቱን፡ ኣብ ልዕሊ ዳኒኤል ተወልዲ ዝተወሰደ፡ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን፡ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ፡ ካብዚ ጉባኤ’ዚ፡ ዝነበረና ትጽቢታትን ስምዒታትን ስንብራት ገዲፉ እዩ። ምንም እኳ እዚ ይኹን እቲ ሓቂ፣ ማለት ኣብ መፈለምታ ግባኤ ዘይሕጋውን ፍትሓዊን ገበን ኣብ ልዕሊ ኣባል ኮምሽን ይፈጸም፣ እምበር፡ ከምቲ ስድራና፡ „ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዓውን“፡ ዝብልዎ፡ እዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ መወዳእታ ብዓወት ክዛዘም ክንርእዮ፡ ኣብ ልዕሊኡ እዚ ጉባኤ’ዚ ዝነበረናን ዘሎናን እምነት ገና ኣይተሰበረን። እዚ ጉባኤ’ዚ፡ ብዓወት እዩ ተዛዚሙ ከብሎ ዝኽእል ነገር ግን፡ ብናተይ ዕግበት፡ ኣብቲ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝትከል ባይቶ፡ ምእንቲ ስልጣን ክብሉ፡ ኣብ ብልሽው ኣሰራርሓ ዝተኻፈሉ፣ ሕጋዊ ኣሰራርሓን ፍትሓዊ ኣገባብን ረጊጾም፡ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዘቀደሙ፣ ኣባላት ኮምሽን ነበር ገዲፉ፡ ኣብ ክንዲ ንስልጣን፡ ንሕጋዊ ፍትሓውን ኣሰራርሓን ዘቀድሙ፣ መሰረታዊ መሰላት ደቂ-ሰብ ዝሕልዉን ዘኽብሩን፣ ኣብ ዝላዓለ ባይታ ምስ ዘየምጽእ፡ ባሃላይ እየ። እሞ፡ ኦ ኤርትራዊ ተኻፋሊ ናይዚ ጉባኤ’ዚ …! እምባኣር ሃየ፡ ሓቀኛ ባህግታትካን ድልየትካን፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣሊኻ፡ ሕግን ፍትሕን ዝነግሰላ፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተከለላ፣ ሃገር ክትፍጠር፣ እንተኾይኑ፣ ኣብ መጨረሻ ናይዚ ጉባኤ’ዚ፡ ባይቶ ክትተክል እንከላኸ፡ ኣብ ምሕራይ ኣባላት ባይቶ፡ ንብድሕሪኡ ዘሎ ቀጻሊ ስራሕ፡ ዕንቅፋት ኮይኮኑና ምእንቲ፡ ካብዞም፡ ንስልጣን ክብሉ፡ ካብ ሕጋዊ ኣገባብ ብልሽውና ዘቀድሙ፣ ምእንቲ ፖለቲካዊ ውሳኔ፡ ፍትሒ ረጊጾም መሰል ሰብ ዝዕምጹ፣ ድምጽን ጠለባትን ህዝቢ ዝረግጹ፣ ሽፉናት ተዃሉ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝላዓለ ቦታ ንኽመጽኡ፡ ከይትመርጾም፡ ይላቦ፡ እንዳበልኩ፡ መልእክተይ ኣብዚ ያዓጹ። ካብ ኩሉ ካኣ፡ ዝነበርት መሪሕነት ኮምሽን፡ ነቲ ዝነበረ ኮምሽን ኣብ ናይ ዋህዮ ኣሰራርሓ ቀይራቶ ስለዝነበረት፡ ኣብ ኣመራርሓን ምእላይን ሓደ ትካል፡ ብቅዓት (competency) ከምዘይብላ ኣመስኪራ እያ። ስለዚ ጉባኤኛ፡ ዝትከል ባይቶ ኣብ ከምኡ ዓይነት ሃዋህው ከየእትው ምእንቲ፡ ዓይኒኻ ክትከፍት፡ ንቃልስና ዘዔውቱ ዓይነት ሰባት ክትመርጽ፡ ደጊመ ደጋጊመ ይላበወካ።

 

ዘላኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ዓወት ንኤርትራዊ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ውደቀት ንስርዓት ኢሳያስን መሻርኽቱን

 

ካብ ኣስፋሃ ተስፋሚካኤል

29. 11. 2011 ዓ.ም.ፈ.

Germany

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...