ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት ልባዊ ሰላምታይ ንኹልኹም፡ ቀጺለ ነዚ ህዝብና ዘጨንቕን ከይተፈትሐ ዝነብር ዘሎን ዘይውዳእ ሓሳረ መከራ፡ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ

እንገብሮ ዘለና ቃልሲ፡ ንምቅልጣፍን ንህዝብና ካብ ዘሎዎ ስቓይ ንምድሓንን፡ ኣብ እዚ ኣፈርክቡ ክብሃሎ ዝግባእ ጽንኩር ኩነታት ኤርትራ ብዝላዓለን ምስትውዓል ብዝመልኦን ሓድነትና ኣትሪርና ክንቃለሶ ኣብ ዝግባእ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ፡ ንምፍትሑ ድማ፡ ኩሉ  ዓይነት ኣፍልጦን ስምምፅን፡ ብምክብባር ሓድሕዳዊ ምምኽኻርን ዝሓትት ኢዩ።

ኩልና ከም ንርድኦ እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ብጽሑፍ ይኹን ብምዝራብ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ሓሳብ ዝልግስ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ልክዑ ዝሓለፈ ሽግር ህዝብን ኩነታት ሃገርን ኣብ ንቡር ንምምላሰ ብሓባር ክንደኽመሉ ከም ዘለና ንምብርባር ዳኣ እምበር ጽሑፍ ይኹን ምኽሪ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ንሱስ ሓደ ኴናን እናተማኸርናን ኣብ ሓደ ናይ ሓቂን ኩሉ ዝሕጎሰሉን መላእ ህዝቢ ዝቐስነሉን ፍታሕ ንምብጻሕ ጻፅሪ ከነካይድን ንኡ ዝሕግዝ ብግብሪ ክስነ ዘለዎ መገድታት ንምርካብ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝብገስ ጥራይ'ዩ፡፡

እዚ ማለት ካኣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ሓላፍነት ናይ ዝተወሰኑ ጽሓፍቲ ወይ ተዛረብቲ ጥራይ ስለ ዘይኮነ እቲ ብኽልቲኡ ኣገባብ ዝውሃብ መግለጺታት ከም ናውቲ ፅዮ ሃገራዊ ፍታሕ ንምስልሳል ከገልግል ኣብ ህዝብና ንዝርግሖ ዘለና ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ጥራይ ዳኣ እምበር ዘለና ሽግር ጽሒፍካን ተዛሪብካን ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኮነን፡ ታሓላሊኹን ኣዝዩ ንምፍትሑ ዘሸግር ኮይኑን ስለ ዘሎ ኩሉ ምብልሓት ኤርትራውያን ይሕተት ኣሎ።

ኩሉ ዝቃለስ ዘሎ፡ እዚ ውጹፅ ህዝቢ እዚ ብኣንጻር ናይቲ ንኽብረቱን መሰሉን ዝኽፈሎ ከቢድ ቃልስን ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትን፡ እዚ'ዩ ክትብሎን ክትጽመሞን ዘይትኽእል ስቓይን መከራን የሕልፍ ስለ ዘሎ ፡ ህዝቢ ንኽርህዎ ዳኣ እምበር ሃገር ሓለፋ ካልኦት ንበይኑ ትብጽሖ ስለ ዝኾነት ኣይኮነን፡ እቲ ፍረ ውጽኢትስ ንኹልና ኤርትራውያን ኢዩ።

ስምዑስከ ኣሕዋት በዚ ሎሚስ ብዛፅባ ሰላም ዝፈጥር ኩነታት እንተ ሓሲብካስ መን ኢዩ ሰላም ዘይደሊ፡ ብዛፅባ ቁጠባ ሃገር እንተ ሓሲብካስ መን ኢዩ ነዚ ፅብየት እዚ ዘይጽበ ብዛፅባ ልምዓት እንተ ሓሲብካኸ መን ኢዩ ኤርትራ ክትለምፅ የብላን ዝብል፡ ግን እዚ ዝመስል ኣታሓሳስባ ወይ ተግባር ኣብ ሃገርና ስለ ዘየለ ብሓባር ክንቃለስ ንግደድ።

እዚ መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋፅ ዘሎ ከም ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ብሓቂ መንግስቲ እንተ ዝኸውን ብእገዳ ሰሙን ክጸንሕ ኣይኽእልን ኢዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣድማ ናይ ሰራሕተኛታት እንተ ተጌሩ እውን ሰሙን ክጸንሕ ኣይኽእልን ኢዩ፡ ግን ንነብሱ ጥራይ እምበር ህዝቢ ይኹን ሃገር ዘይግድሶን፡ ምእንቲ ህዝቢ ይኹን ሃገር ዝኾነ ይኹን ናይ ገንዘብ ወጻኢ ዘይገብር ስለ ዝኾነ፡ ክንቕነቕ ዘይኽእል ሓያል ይመስል ኣንጻር ጥሙር ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከነብርስ ይትረፍ ሳልስቲ ዘቐኒ ሓይሊ የብሉን፡፡

ሓደ መንግስቲ ዝብሃል ከማልኦ ካብ ዘለዎ ሓንቲ እኳ ትኹን ኣየማልእን ኢዩ፡ ድሕነት ሰብ ኣብ ክንዲ ዝሕሉ ሰብ ዝቐትል ኢዩ፡ ሓላው ህዝቢ ዘይኮነስ መጥፍእ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ግን ካኣ ጌና ሽግርና ክንድ'ዚ ገዚፍ ከሎ በታሓሳስባ ድሕሪት ኣለና፡ ህዝቢ ክቐስነሉ ዝኽእል ኩነታት ከነምጽእ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ካብ ናትካ ወጻኢ ዝሓስቡ ንዒቕካ ወይ ንናትካ ጥራይ ዝበለጸ ሓሲብካ ዘይኮነስ ብእንካን ሃባን ነቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝቐረበ ሞጎት ወይ ሓሳብ ኣቃቲልካ ማለት ዝሓሸ ተቐቢልካ ኢዩ ዲሞክራሲያዊ ኣታሓሳስባ ዝምፅብልን መሰረት ዝሕዝን፡ እምበር ኣብ ሓሓሳብካ እንተ ደሪቕካ ኣብ ውግእ ኢኻ ትነብር፡ ምሉእ ዓለም ነታሓሳስባ ብእንካን ሃባን ክፈትሕን፡ ጽኑፅ ሕግን ንእኡ ዝሕሉ ጽኑፅ ትካላትን ምስ ገበረ ኢዩ ሰላም ረኺቡ፡ ንኡ የማስለና ጥራይ ኢዩ ዝብሃል።

ተኻፋፊልካን ወገናት ብምፍጣር ነናትካ ከተዐውት እንተዳኣ ጽዒርካን ግን እቲ ዝተዓወተ ኣካል ንርእሱ ኣይቐስን ህዝቢ ኣየቕስን ሃገር ኣየርግእ ስለ እዚ ብልቦና ክንሓስብ ኢዩ ዘለና፡ ድሓርካኣ እቲ ጊዜ ምስ ነውሐን፡ እቲ ነገር እውን ኣዝዩ ምስተሓላለኸን እቲ ሓደ ኮንካ ምቅላስ ኣይክተርፍን ኢዩ ግን ስለምንታይ ክሳፅ ሽዑ።

ንሕና ተቓለስቲ ተባሂልና እቲ ኣነ ዝኣምኖ ዘይትኣምን እቲ ኣነ ዝብሎ ካኣ ዘይትብል እንተኾንካ ካብ ዝብል ንዝኾነ ኤርትራዊ ንጸልእ እንተዄና ፡ ኢሳያስ ዳኣ እሞ እንታይ ዘይገበረ ንብሎ፡ ንሱ ዝበለና ስለ ዘይገበርናን እቲ ንሱ ዝኣምኖ ካኣ ስለ ዘይኣመንናን'ዩ እኮ ዝኣስርን ዝቐትልን ዘሎ፡ ግን ኩሉ ድልየታትካ ከልኪሉ ዝበልኩኹም ጥራይ ኩኑ ዝብል ስርዓት ተቐባልነት የብሉን።

ክቡራት ኣሕዋት ኩልና ነዚ ዘሎ ከቢድ ሽግር ሓሊፉ ክርኢ ዘይደሊ የለን፡ ግን ሃወኽና ካብ ልክፅ ዝሓለፈ እንተኾይኑ ኣብ ጉፅዞ ንዘጋጥም ግጉይ ይኹን ጥዑይ መገዲ ልክፅ ዝኾነ ሚዛን ክንበሉ ስለ ዘይንኽእል፡ ብሃወኽ ሓድሓደ ጊዜ ንጥዑይ ከነፍርስ፡ ሓድሓደ ጊዜ ካኣ ንሕማቕ ህሩግ ክንብሎ እሞ ኣብ ክንወጾ ዘይንኽእል ካልእ ሽግር ክንወድቕ ስለ እንኽእል፡ ንሑሉፍ ጸገምና ንጠምትን ተሞክሮና ካኣ ብግቡእ ንጠቐመሉን፡ ከም ኤርትራውያን ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ መሪር ቃልሲ እዚ ዘሎ ሽግር ክገጥመና ኣይነበሮን።

ብኽፉኣትን ብኽፍኣትን ተመስሪቱ ሱር ዝሰደደ ነገር፡ ብሃወኽ ዘይኮነ ብርግኣትን ብልቦናን ብፅሙር ዘየቃሽሽ ባይቶን ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ፡ ስለ'ዚ ንኹሉ ብትፅግስቲ ክንርእዮን ውሑዳት ንስልጣን ህዝቢ ከይብሕትዎን ካኣ ኣቓልቦ ንግበር እምበር ንዝኾነ ብኤርትራውያን ዝተጀመረ በልማማ ኣይንህረሞ፡ ነንዝመጸ ከይተቐልቀለ እንተዳኣ ብኣሉታ ርኢናዮ ኣየናይ ኢዩ እቲ ዘዋጽእ ኣየናይ እዩኸ ዘየዋጽእ ኣቐዲምካ ምልላይ ዝካኣል ኣይኮነን፡ እቲ ቅዋም ንኹልኻ ብማፅረ ዝውክል ምዃኑን፡ ንእኡ ዝሕሉ ሰፊሕን  ብልቦና ዝልለየን ርሑቕ ዝጥምቱ ኣካላት ዝሓቖፈን ባይቶ ምትካል ኢዩ እቲ ወሳኒ።

ሰናይ ቅነ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...