ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ሕሱም ረጋማይ ኣይትብዝሑ ኣይብልን እንታይ ደኣ ኣይትርብሑ። ካብ ኣርብዓታት ዘንቀደ ሓብሎቕሎቕ ጣቃ ዘይብሉ ፖለቲካ  ዛጊት ዝፍውሱ ለባማት ስለ ዘይኣፍረየ እንሆ ንህዝቢ ኤርትራ መድረኽ መጸ ጥርዝታቱ እናቐየረ ዳር-ትርኢት የርእዮ። ተመኩሮኡ ብግቡእ ዘይመዝን ህዝቢ ንጹር ክሳዳዊ-ቅዲ ክእምት ተኽእሎ ኣለዎ ማለት ዘበት እዩ።  መርትዖኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎን ጌና ዘሕልፎ ዘሎን ዘስካሕክሕ ወጥሪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝምስክሮ ሓቂታት እዩ።

ብዘይንጹር ክሳዳዊ-ቅዲ ብሃቦ ተረከቦ ብእዋናዊ ስምዒታት ዝተገተረ፣ ብሻራይ ሻራኻ ዝኸሓነ፣ ብቒምን ቅርሕንትን ዝተዋደደ ሃልኪ ዝዕወት ስጡም ማሕበራዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝኣደደ መስርሕ  ኣይክህሉን፡ ብመንጽሩ ክረኤ ከሎ ግን እናሓደረ ዝፍረኽ ብኻልኦት ወይ ብኢደወነናውያን ንሕስያ ዘይብሎም መላገጽቲ ዝዝወር እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምስክርነቱ ከኣ እንሆ ኣብ ምድረ-ኤርትራ ይዛረብ ። ንኽውንነት ብቀዛሕታዊ ስምዒት ዝተበሰወ ፈርካሽ ውጥን ክትገጥሞ ምፍታን ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ከም ማለት እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ብሳላ ሕሰም  ባዕዳውያን ወረርትን ገዛእትን ንሰባኣዊ መሰላት ክብሪታትካ ንምክልኻል  ኣረመናዊ ተግባራቶም ምሂሩ እዩ። ዝሓስብ ኣእምሮ ዝተዓደለ ወዲ-ሰብ ካብ ከምኡ ዝኣምሰሉ ደቂ-ሰባት ዘጋጥሞ ውርደት ንምግልጋል ስኑ ነኺሱ ከም ዝረጋረግ ታሪኽ ህዝብታት ዓለም  ዝምስክሮ ክውንነት እዩ።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ንኹነታትና ብጽሞና ኣዳቒቕና ክንምርምሮ ንሕተት ኣለና። ወትሩ ብስምዒት ጥራሕ ንሂወትና እናተዓሻሽናያ ክንነብር ኣይግባእን። ስለምታይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ኩሉ ሽግረ-መከራ ወዲቑ፤ ብሓቂ ብድልየቱ ድዩ ተቓሊሱ ወይስ ተገዲዱ፤ ብድልየቱ ዝተቓለሰ፣ ዝፈትዎም ጨላቕዕ ደቁ በጃ ዝኸፈለ፣ ብዋጋ ዘይትመን ጉልበቱ ኮነ ንብረቱ ዘወፈየ ህዝቢ ነዚ ዘጋጥሞ ዘሎ ክርፋሕ  ውርደት ካብ ዝሓለፉ ገዛእቱ ብዝኸፍኤ መልክዑ እናተነጸየ ኣምየን ኢሉ ክቕበሎስ የምሕረሉዶ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎስ ሕራይ ብታንክታት ከይርገጽ ፈሪሑ ንበል፣ እቲ ኣብ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ሕግን ድጊን ኣንቀልዒጡ  ዝነብሮ ዘሎ ህዝቢ ኸ እንታይ ወረዶ፤ ካብ ዝቐተለንስ ኣትሒዙ ዘቕተለኒ ይኸፍእ እዩ ነገራቱ። ስለ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ብዙሕ ተጻሒፉን ተዘሪቡን፣ ኢሰያስን ጭፍራኡን ግን ካብቲ ልሙድ ብደም ዝላደየ ተግባራቶም ኣየቃረጹን። ንብድሕሪ ሕጂውን ብዝኸፍኤ ኣገባብ ክቕጽልዎ ምበር ደው ከብልዎ ተኽእሎ ዘለዎም ኣይመስሉን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦም`ውን`ኣይፈቕደሎምን። ኢሰያስ ኣንጊሁ ዘውፈሮ ነገራት ንምፍጻም ሰጋእ ኣይበለን ኣይክብልን ከኣ።

ከፊኡ ዘሎ ናይዞም ብስም ብቱን ተቓውሞ  ብወጽዓ ህዝቢ ብምቁር ቃላት ዝቕንዘዉ ዘለዉ እዩ። ብዘይተግባር ላዕሊ-ላዕሊ ብስም ህዝቢ ዓንገረር ምባል ፋይዳ የብሉን። ክንዲ ዝኾነ ከኣ ናብ ክንፍታት ተቓውሞ ዝውሕዝ መንእሰይ የለን ብኣንጻሩ ረግጽዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይሃድም ኣሎ። ስሕበት መንእሰይ ዘይብሉ ተቓውሞ ግጅለ(Sect) ኮይኑ ኮታ ብቶም ዝተኸልዎ ጥራሕ ኣልቦ ፍረ ጠጀው ክብል ይነብር። ሓቅን ሓሶትን ንምምማይ  ንመንበብትን ንእካዋውናኦምን እገድፎ።

ስማ-ዝሃገርኩም መንበብቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንተሉ ዘሎ ወቕቲ ኮታ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኮነ ካብ ሃገሩ  ኣምሊጡ ዝሃደመ  ኣብ ፈቖዶ  ዶባት ዓዲ-ማቱ  ከም ቆጽሊ እናረገፈ ቁሩብ ዘይስቆሮም ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ካብ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ነጺልካ ከተቕርቦም ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ሃገር እንዳማቶም ሰፊሮም ተላዚቦም ፍልልያቶም ክሰርዑ ዘይክእሉስ ከም ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ኣብ ሃገር እንተዝህልዉ ኸ እንታይ ኮን ምደገሙ፤ ስራሖም ደፊርካ ስራሕ(Sect) እዩ  እትብለሉ ይደሀ ኣሎ። (Sect) ሰክት ጥራሕ እዩ ጻድቕ ክመስል ሙቁር ቅላት እናኣዘውተረ ብዛዕባ ጉጅለኡ ጥራሕ ዝምድምድ`ምበር ፖለቲከኛ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝቕልቀለሉ እዋን በቲ ከሳማምዖ ዝኽእል ጉዳያት ተላዚቡ ዋኒን ህዝቡ እዩ ዝፈትሕ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ዕጹው ጽምዋ ጎቦታት ኮነ ጎላጉል ኤርትራ ኣይኮኑን ተሓቢኦም  ዝነብሩ ዘለዉ፣ ኣበይ ደኣ ንዝብል ለባም፡ ኣብ ቃልዕ ኣይኮነንዶ ደቂ ሓንቲ ሃገርስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኣህዛብ ሓቢሮም ንኽነብሩ ዝሻመውላ ዓለም እዮም ዝዘሩ ዘለዉ። ካብዚ ተርእዮታትዚ ቁሩብ ብመጠኑ ክልቅሑ ዘይምኽኣሎም ክንየው ኢሰያስ ኣበይ ክስርዑ ይከኣል፤ ህዝቢ ክስዕበካ እኮ ደሃይ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ክትሰምዕ ምስ እትኽእል ጥራሕ እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ሕማቕ ሓረስታይ መነደሪ ተሓግ(ሮማዲ) እዩ ነገራቱ። ሕመቕ ክንፊ ተቓውሞ ከኣ መበርገጊ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ስሕበት መንእሰይ`ውን ዘምከነ  ምኻኑ ብተግባር ንርእዮ ኣለና። ክንዲ ዝኾነ መርገም ሑሱም ረጋማይ ማለት ኣይትብዝሑ ዘይኮነስ ኣይትርብሑ  ኮይኑ እንሆ ሃለዋትና ኣብ ክንዲ ተላዚብና ሽግራትና ፍታሕ ንረኽበሉ ተንጻጺልና በቢመንግድና ኣልቦ ቅዲ ደርገፍገፍ ክንብል ከለና ሃየንታ እዩ። እዚ ኮነ እቲ ኣብ ዝቕጽል ካብ ኣኸባ ብሩክስል(በልጅም ) ጀሚሩ ዛጊት ዘኹድድ ዘሎ ኣኸባታት ዝጸፈዮ ጽልግልግ ኮነ ብርሃውታ ብመጠኑ ወስ ከብል ክፍትን እየ።

ይቕጽል....

ገብረሂወት ወልደሚካኤል

2011-10-24

ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...