ኣብ ሩሑቕን ቀረባን ዘለኹም ኤርትራውያን ሰላምታይ ይብጻሕኩም

እዚ ዝስዕብ ጽሑፈይ ነቶም ብቕድሚ ትማሊ ሎቕማጻት ትማሊ ሎቕማጻት ሎሚ ሎቕማጻት ተበለጽቲ  ኣሳሰይቲ መግዛእቲ ሸየጥቲ ሃገር ዝኾኑ ክርስቲያን ኤርትራ እምበር ነቲ ዝበዝሐ ክርስቲያን ኤርትራ ከምዘይምልከት ኣቐዲመ ኣነጺረ ይሕብር።

ብንጽህና ክዛረብ፡ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ካብትጅምር፡ ኣበርኩቶኣ ኣዝዩ ውሱን ይኹን እምበር በቲ ውሱን ናብ ህዝቢ ተቕርቦ ትሕዝቶ ዝከታተሎን ዘንብቦን ዝነበርኩ ኣንጻር ህግደፍን ንስለ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራን ትቃለስ መርበብ ኢያ ብምባል ኢየ ዝፈልጣ ዝነበርኩ። ነቲ መሰረት ሃገር ዓዲ ዝብል ስነ ሓሳብ ውን ይኣምነሉ ኢየ።

ከምቲ ንሰብ ዘይናቱ ኣይትሃቦ ናቱ ድማ ኣይትኽላኣዮ ዝብል ፍትሓዊ ምስላ ቀዳሞት፡ እተን ኣብ 2006 መሰረት ሃገር ዓዲ ዝብል ኣርእስቲ ዘለወን ካብ ቀዳማይ ክፋል ክሳብ ታሽዓይ ክፋላት በብእዋኑ ዝተጻሕፋ ጽሑፋት እቲ 80% ንዝሓለፈን ዘሎን ኩነታት ሃገርና ኣስተምህሮ ዝህብ ታሪኻዊ ሓቅን ጭብጥን ዘለዎ ዝናኣድ ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት  ኣንቢበ ኢየ። እቲ ጹሑፍ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ድማ፡ ነቶም ዝጻሓፉዎ ክብረትን ምስጋናን ነበረኒ።

ከምቲ ከይሞተን ከይደቀሰን ዘምሰየ ቡዙሕ ኢዩ ዝርእን ዝሰምዕን ዝብል ምስላ ለባማት፡ እነሆ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ቡኩራት፡ ኣብ ዓስራይ ክፋል መሰረት ሃገር ዓዲ፡ ሃንደበት ካብ ኣእሙሮ ሰኽራናት እምበር ካብ ምስ ሙሉእ ኣእሙሩኡ ዘሎ ሰብ ዝተጻሕፈ ዘይመስል ዱውይ ትሕዝቶ ምስ ኣንበብኩ ብጣዕሚ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ኣጸሓሕፋን ኣባሃህላን ሃላልን ዑውርን፡ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ጥራይ ኢየ ዝፈልጦ፡ ማለት ሸየጥቲ ሃገር ማሕበር ኣንድነት ነቶም ሃገር ንሃገራውያን ብምባል ኣብ ቅድመ ግንባር ኣትኪሎም ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝተበጀው ኣቦታትና ኣስላምን ክርስቲያንን ኣብ ከተማታት ሃገርና ዝፈጸሙዎ ቅትለትን ፈተነ ቅትለትን ዕንወትን ጥራይ ኣይነበረን።

ዓባየይ ከተዘንትወልና ኮላ፡ ኣብተን ዝተፋላለያ ብሄራት ኤርትራ ኣስላምን ክርስቲያንን  ዝነብሩለን ገጠራት ከበሳ፡ ተበለጽቲ ዑሱባት ፈጠርቲ ራዕዲ ማሕበር ኣንድነት፡ ካብ ኢትዮጵያ ብረት ዓጢቖም ን ደቀባት ኣስላም፡ ኢትዮጵያ በል ብሹመል ከይትሕመል ብምባል ለይቲ ማዕጾ ሰቢሮም ብምእታው፡ ክርቢት ሸርጢጦም ኣብ ከብሒ ዝጸንሖም ቁዱስ ቁርኣን ከም መብርሂ እንዳ ኣንደዱ ቆፎታት ኣናህብ እንዳ ኣባሓጎይ ብሰለፍ ጠበናጁ እንዳ ሰበሩ ማዓር ብምዝማትን ሕብረት ተዘይ ኢልኩም ኣብኣ ትረኽቡዋ ብምባል ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣስላም ገበናት ከምዝፈጸሙ ብጓሂ ኢያ ተዘንትወልና ዝነበረት።

እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ዘሎ ጽሑፍ መበል ዓስራይ ክፋል መሰረት ሃገር ዓዲ ዘርእስቱ: ካብ ናይ ተስፋ ዝቖረጹን ዝስዕቦም ዝሳኣኑን ወይ ድማ ህግደፍ ኣብ ባራት ወሲዱ ሓደ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ጠራሙዝ ቢራ ኣምዒጉ ዶላራት ኣዕሚኹ ዝገዝኦም ናብ ህግደፍ ዝተመልሱ ዝተጨነቑን ማኣዝኖም ዘጥፍኡን ሰኽራናትን ዝጻሓፍዎ ዝመስል ዱውይ ትሕዝቶ፡ ኣብ 2011 ይጻሓፍ ምህላው ተዘይኮይኑ፡ ኣብ ትሕዝቶ ካብቲ ኣብ ሓምሳታት ብሸየጥቲ ሃገር መጣፋፋእቲ ማሓዙት ገዛእቲ ባዓል ቀሺ ዲ-መጥሮት ሓላፊ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ፡ ኣብ ቤተክርስቲያናትን ኣደባባያትን ንህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ በታቲንካ ንረብሓ መግዛእቲ ንምውዓል፡ ንእምነት ክርስትና ከም ጠበንጃ ብምጥቃም ዝተፍእዎ ዝነበሩ መርዚ ዝፈልዮ ወላ ሓንቲ የብሉን።

ነታ ብኣምላኽ ዝተዓደለቶ ክርስትና ሃይማኖቱ ነቲ ን ኣብ ክርስትና ዘይኣምን ሰብ፡ ኣብ ክርስትና እመን ኢሉ ኣገዲዱ ኣይፈልጥን። ንእምነቱ ንኽደፍሩ ዝመጹ ጸላእትን ወረርትን ግን፡ ብትብዓት ተኸላኺሉ ከፍሽሎም ጸኒሑ ኢዩ። ሕጂ ውን እንተመጹዎ ከፍሽሎም ኢዩ ዝተባህለ ምስ ኩውንነት ኤርትራ ዘይዛመድ ህውተታ።

ኢስላም ውን ንሰባት ኣብ ኢስላም ክኣምኑ ኣገዲዱ ኣይፈልጥን ጥራይ ዘይኮነስ ምግዳድ ኣብ ኢስላም ሓራም ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን ንእምነት ኢስላም ከዳኽም ይኹን ክብክል ወይ ከዕኑ ዝፍትን ሓይሉ ይኹን ብዝሑ ብዘየገድስ፡ ክሳብ ሓደ ሰብ ውን ኣይትረፍ ብ ትውንኖ ኣጽዋርን ዓቕምን ብትብዓት ግጠሞ ንእምነትካ ሙት ተበጆ ኢዩ ዝብለና ቁዱስ ቁርኣን። ማለት ሕጊ ኦሪት ማለት’ዩ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ኢስላም ሓላል ኢዩ፡ ምፍራህ  ዘልሓጥሓጥ ምባል ግን ሓራም ኢዩ።

ካብ ኣብ ዘይትፈልጦ ጉዳይ ምፍታን ደርገፍገፍ ምባል ዝኸፍእ ግስርጥና የለን። ማለት ጻሓፍቲ መርበብ ደቀባት፡ 21 ክፍለ ዘመን ዶ ጃሃድ ዶ ነቢ ሙሓመድ ዶ ዱርቡሽ ዶ መንግስቲ ጃሃድ ዶ ሸሪዓ ዶ ሃጸይ ዮውሃንስ ዶ ብምባል ኣእዳው ኣይፍለጥ ኣእጋሩ ትንተና እንታይ ኣምጸኦ፡ መጀመርታ ጃሃድ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ። ጃሃድ ማለት፡ ሓርኮትኮት ወይ ጻዕሪ ማለት ኢዩ። በቲ ካልእ ገጹ ድማ ንከምዚ ከማኹም፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘፍሰስኩሞ ንጹህ ደም ናይ ኣስላም ኤርትራውያን፡ ዳግማይ ንኸይድገም፡  ወስ ንዘዝበላ ኣእዳውኩም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ምቕንጣብ ሙቕራጽ ታርኽ ዳግማይ ንኸይድገም ምግባር ምርግጋጽ ማለት’ዩ።   

ነቲ ዘመናውያን ጫሓማት ንትግረ እንታይ ግበር ይብሉዎ ኣለው ዝተባህለ ውን ነቶም ጫሓማት እቶም  ትግረ ኢዮም ክምልስሎም ዝግባእ። እንተ ን ዶክተር ጀላኒን ነቶም ጫሓማትን ንኤርትራ ዘይፈልጡዋ ዝተባህለ ውን፡ ይፍለጡዋ ኣይፍለጡዋ ሃገሮም ኢያ። ነቲ ዶክተር ጀላኒ ኤርትራ ምድረ ስብከት ጃሃድ ኢያ ኢሉ ዝተባህለ ውን፡ ን ኣስላም ኤርትራ እምነቶም ዲኖም ኣጸቢቖም ከምዝፈልጡ ምግባር ካብ ሙዃን ሓሊፉ ካልእ ዝኾነ ትርጉም የብሉን።

ቁሩብ እባ ልብም በሉ፡ ምእንቲ ሎቕመጽመጽኩም ብጠራሙዝ ቢራን ብትሑት ሽመትን ተዓሲብኩም ሃገር ኣሕሊፍኩም ምሃብ ጥራይ ከይኣኽለኩም ሃይለ’የ ኣታ ባዓል ጾለተ ሳላኻ ወጊሓ መሬት ኣስዕብ ኣቢልኩም ድማ ጃንሆይ መጺኦም ብሰማ’የ ወይልኻ ኣስላማይ ብምባል ዓጽምናን ስጋናን ንሃይለ ብምባል ብፉሉይ ዝሰልጠነ ንደቀባት ሓርበኛታት ኣስላም ዝሃድን ኣብ ኮማንዲስ ዓጢቕኩም፡ ነቲ ብጀበርቲን ብ ካልኦት ውሑዳት ኤርትራውያን ኣስላም ኣብ ካይሮ ግብጺ ተማሂዙ ዝተፈጠረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕሸሉ ክትሓንቁ ተጓይኹምን ኩሉ ዝካኣለኩም ንገዛእቲ ኣወፊኹምን ኢኹም ንሎቕመጽመጽኩም ክትብሉ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ዝኻኣለት እኮ ኢትዮጵያ ሓያል ስለ ዝነበረት ኣይኮነትን፡ እንታይ ዳኣ፡ ከም ጻሓፍቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባትን መሰልቱኹምን ንኤርትራ ኣሕሊፍኩም ስለ ዝሃብኩም ኢዩ። ካልእ ነቲ ኣብ 1965 ድሕሪኡን ኣብ መታሕት ኤርትራን ኣብ ሚስያምን ዓድታት ጀበርትን በኒ ዓምርን ዘቃጸለን ህዝቢ ዘህለቐን ህጻናት ካብ ማህጸናት ኣዴታቶም ብኻራ ዘልዚሉ ዘውጸኣን ክሳብ 100,000 ዝኸውን ኤርትራዊ ኣስላማይ ናብ ሱዳን ናብ ስደት ክብተን ዝገበረ፡ ንደቂ ሳሆ ኣበሳቢሱን ኣህሊቑን ጥሪቱ ዘሚቱ ንላም ንብዕራይ ብ 2 - ብ 5 ቅርሺ ከምዝሽየጣ ዝገበረ መን ዲዩ፡ ካብ ሹዋን ካብ ጎጃምን ዝመጹ ኣምሓሩ እኳ ኣይኮኑን፡ መን ዳኣ ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባትን ኣሕዋትኩምን ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ሓወቦታትኩምን እኳ’ዮም።

ናይ ኣገልግሎትኩም ጻማ ድማ ጉኑዖታት ረኺብኩሙሉ ኢኹም። ናይ መንግስቲ ስራሕ ብሒትኩም፡ ደቅኹም ናብ ወጻእ ሰዲድኩም ከተምህሩ ፍሉይ ዕድል ተዋሂቡኩም ኢዩ። ንነብሲ ወከፍ ሓርበኛ ኣስላማይ ኣብ ኲናት ዝተሰወኣ ሬሳ ናብ ጎይቶቱ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዘቕረበ ኣብ፡ ሰምበል መርየትን ገንዘብን ተሰሊምኩሙሉ ኢኹም። እነሆ ድማ ኣብ 2011 እቲ ሎቕመጽመጽ ኣብ ሕልሚኹም ግዲ ተራእይኩም ናፊቕኩሞ ኣመል ምስ መግነዝ ስለዝኾነ፡ መተማ ዶ ዱርቡሽ ዶ ሃገር ክርስቲያን ዶ ብምባል ኣብ ሃተፍተፍ ኣድሂቡልኩም።

ስልዚ ነቶም ጫሓማት ዶ ጃሃድ ዶ ዝበልኩሞም፡ ደይ ልቢ ኣዕቢና ወይ ሓሚቕና እምበር ዝግበር ቡዙሕ ነገር ኔሩ ኢዩ። እወ ከም ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዘለኹም፡ ጃሃድ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዘለዎ ዘይኮነስ ብዓይነቱን ብቑጽሩን ዝሓየለን ዝበዝሐን ክኸውን ኣድላይን ኣገዳስን ኢዩ። ምኽንያቱ ሓቀኛ ሰላምን ምክብባርን ክህሉ ዘይክእል ከምዚ ዘለናዮ ሓደ ሓይሉ ዘዋሃሃደ እቲ ካልእ ድማ ሓይሉ ዘየዋሃሃደ ምስዝኸውን ጥራይ ኢዩ።

ዶክተር ጀላኒ ክሰብኽ ኮሎ ነቢ ሙሓመድ ንክርስቲያን ተመርዓውወን ምስተመርዓኹመን ግን ጽቡቕ ጌርኩም ተኸናኸንወን መሰለን ውን ኣይትኽልእወን ወ.ዘ.ተ. ነቲ ማህጸን ክርስቲያን ደቂ ኣንስቲዮ መራብሒ ኣመንቲ ምስልምና ያኢ ይኸውን ማለት’ዩ ብምባል ነውራም ዝኾነ ንሓቂ ጠምዚዝካ ብምቕራብ ሉሙስ ትንተናኹም፡ ናይ ፍቕርን ናይ ሓዳርን ናይ ምውላድን፡ ነቶም ክልተ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ተጻመድቲ ጾታ ዝምልከት ጥራይ ኢዩ። ኣበየናይ እምነት ይኣምኑ ብዘየገድስ፡ ብናይ ክልቲኦም ሙሉእ ድሌትን ፍቓድን ክሳብ ዝኾነ፡ ንዝኾነ ካልእ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን። መርበብ ሓበሬታ ደቀባት፡ ባሓቂ ደቀባት እንተኾንኩም’ሲ ግና ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ንቁሸታትን ዓድታትን ደቀባት ጀበርቲ ካብ ተንከፍኩምሲ ኣፍልጦ ቁሸትን ዓድን ዘለኩም ኣይትመስሉን ኢኹም።

ካብ ቶሞኩሮ ከምንፈልጦ ከምዚ ናታትኩም ካብ ሓቂ ዝራሓቐን ስድን ዝጽሕፉን ዝዛረቡን ኣብ ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ዝፍትኑ፡ እቶም ካብ ኮማሮ ጾሞቕቲ ስዋ ዝተወልዱ ኣዴታቶም እምበር ኣቦታቶም ዘይፈልጡ፡ ኣተዓባብያ ዝበደሎም፡ ብውሽማታት ኣደታቶም እንዳተጨልገሙ ዝዓበዩ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ብቕርሕንትን ብሕነ ናይ ምፍዳይን ቂም ዝተጠርነቐት ልቢ ሒዞም ዝዓበዩ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዊወቶም ውን ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸሉ እቲ ሶሎሎ ስለ ዘይወጸሎም ወላ ንባዓል ጹቡቖም ኩፉእ ካብ ምፍዳይ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም።

ከም ኣብነት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተላኢኹን ተንኮል ተኾልኲሉን ናብቲ ብ ኣስላም ኤርትራ ተፈጢሩን ኩቡር ዋጋ ተኸፊሉዎን ታተ ዝብል ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስተሓወሰ፡ ብኣጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ብሸየጥቲ ሃገር ሎቕማጻት ኮማንዲስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣስላም ዘውርድዎ ዝነበሩ ህልቂት፡ ካብቲ ነጻን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ዝነበረና እምነት ብምብጋስ፡ ንኢሳይያስ ናብ ቻይና ልኢኽና ኣምሂርናን ኣሰልጢናን መልሚልናን ቋንቋ ዓረብ ሚሂርናን ኣዕጢቕናን ከነብቅዕ፡ ክንዲ ጽቡቕ ዝገበርኩ ኢደይ ተነኸስኩ ኮይኑ፡ ክሳብ ዝደልዎን ዝዓጥቕን ርግቢት ብምምሳል ምስ ኣስላም ሕግብግብ ብምባልን ብምምስሳልን፡ ብምስጢር ግና ናይ ክርስቲያን ውድብ ክንምስርት ኢና ኢሉ ኣወጀ። ኣብ መወዳእታ ድማ በባትርና ተሃሪምና ግዳይ ናይ ጽቡቕ ድሌትናን ግርህናናን ኰና።

ሓንቲ ነገር ክነግረኩም፡ ኣነ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኣብዝነበርኩሉ፡ ምስቶም ኣሕዋተይ ክርስቲያን ይኹኑ ኣስላም ተጋደልቲ ሉዑል ፍቕርን ዕርክነትን ስለ ዝነበረኒ፡ ሓደ ማዓልቲ፡ መራሕ ሓይለይ ዳዊት ወዲ ኣብራሃ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ፡ ሳልሕ ሎሚ ን ኣገዳሲ ጉዳይ ኢየ ጸዊዐካ፡ ስለዚ በቲ ዘለካ ምስ ኩሎም ተጋደልቲ ኣስላሞም ክርስቲያኖም ኮምኡ ውን ዝተፋላለዩ ብሄራት ተጋደልትና ሉዑል እምነትን ዕርክነትን፡ ብፍላይ ንባዓል እከለን እከለን እንታይ ይዛረቡን የዕልሉን ንኽትካታተሎም ኢየ ይብለኒ።

ኣነ ድማ እ ዘይብላ ጸገም የለን ዝሕበር ተሊዩ ክሕብረካ ኢየ ይብሎ፡ ወደብርሃ ሽዑ ንሽዑ ገጹ በሪሃ መንኮበይ እንዳ ጠብጠበ ኣፍነወኒ። ኣብ ሰሙና መጋቦ ወጺእና ኮለና፡ ሓደ ኣዝዩ ዱልዱል ጎበዝ የማነ ዝተባህለ ማይ ከምጽእ’የ ኢሉኒ፡ ምሳሕ ጋንታ ከይተሰርሐ፡ ጠንጢኑኒ ጉዕዞ ህድማ ንሱዳን ይታሓሓዞ፡ ግና ድሕሪ ክልተ ለይትን ሓደ ማዓልትን ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳን ኣብ ደቂሳ ዝነበረት ሓይሊ ስለዝኣተወ ተታሒዙ ኣብ ሰሙኑ ናብ ጋንቱኡ ይምለስ። ቅድሚኡ ግና ኣግሂዱ ሳልሕ ኣነስ መዋጽእቲ ዳኣ ይፍጠረለይ ብምባል ኣብቶም ሓለፍቲ ዝነበሮ ጽልኢ ኣግሂዱ ይነግረኒ ኔሩ። እንታይ ንምባል’የ ኣነ ከም ብሄር ጀበርቲ፡ ቀዳምነት ንሰብ ብእምነት እምበር ብሃሱሳትን ብግዴታን ክትዓግቶ ከምዘይካኣል ስለ ዝኣምን፡ ነቲ ዝኣመነኒ የማነ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩዎን። እቲ ቀንዲ ግን፡ ከምቲ ኣታዓባብያይ ኣብ ጀበርቲ ንዝኣመነካ ሂወትካ ውን ክትከፍለሉ ቁቡል ስለዝኾነ፡ እዚ እዩ ድማ መንነት ጀበርቲ።

እቲ ዝነበርኩዎ ኣሃዱ ስርሑ ኣብ ባርካን ዶባት ሱዳንን፡ ድሕሪ ተ.ሓ.ኤ. ካብ ሜዳ ምውጻኣ፡ ነቲ ብ እንዳ ዓብደላ ዝጽውዑዎ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሜዳ እግሪ ንኸይተክል ዝሃድን ኣሃዱ ነበርኩ። ሓደ ማዓልቲ ኣብ ከባቢ ሃወሻይት ሓንቲ ካብ ብሄር በኒዓምር ዝኾነት ነብሰጾር ክትሓርስ ትመዉት እሞ፡ ነቶም ስድራ ዝፈልጡዎም ዝነበሩ ብጾትና ሒዞሙና ናብቲ ገዛ  ክንበጽሖም ንኸይድ፡ ኣብኡ ካልኦት ገባር ውን ይጸንሑና እሞ፡  ሽዑ በቶም ገለ ተጋደልቲ ካብ ኑቡር ንላዕሊ ምኽንያት ዘይብሉ ሽመይ ሳልሕ ሳልሕ ሳልሕ ናዓ ናብዚ እንታይዶስ ኣበይዶስ ብምባል ሽመይ ይጽዋዕ። ድሒሩ ሓደ ካብቶም መራሕቲ፡ ሳልሕ ኪታብ ቁርኣን ኣለኩም ዶ በሎም እሞ ኣንብበሎም ዳኣ ይብለኒ። ኣነ ወላ እኳ ዕድመይ ንእሽቶ እንተነበረ፡ ኣነ ነቶም ገባር ቁርኣን ብምቕራኣይ፡ ነቲ ህዝቢ ንምኽሳብ፡ ኣስላም ኢና ዝብል መታለሊ መልእኽቲ ይታሓላለፍ ምንባሩ ፉጹም ኣይሳሓትኩዎን።

ድሕሪ ምቕራኣይ ወዮ ህዝቢ ማሽኣላህ ብምባል ብታሕጓስ ተፈንጪሖም ነበሩ።  በዝን ወዲ ከምዝን ድማ ብምትላል ይጥቀሙ ነበሩ። ገለ ካብኡ ሰበኽ ሳግም ህዝቢ መንዩ መን ክፈልዮ ብዘይምኽኣሉ፡ ናብ እንዳ ዓብደላ ማለት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩዎ ቦታታት ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ህዝባዊ ግንባር ጉድኣት የውርዱ ነበሩ።

እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ ንሕና ብሄር ጀበርቲ ከም ደቂ ከበሳ ምስ ኣሕዋትና ክርስቲያን ምስራሕ ምግዳል ጌጋ ኣይኮነን። እቲ ጌጋ ግና ንዓና ንጀበርቲ ኣብቲ መርየት ክጽልምተካን ዕድላት ክዕጸወካን ብኻልኦት ብሄራት ክትንጸግን ኮለኻ ናባና ናብ ጀበርቲ ሕግብግብ ምባል፡ ምስ ተላለኻን ምስ ደልደልካ ድማ ዝሓለፈ ክሒድካን ጠሊምካን ናብ ምብላልና ምዕንዳር። ነቲ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት መብራህቲ ዝኾነካ ብሄር ጀበርቲ ምጥላም ኢዩ እቲ ጸገም።

ነቲ ጉዕዞን ዝርዝርን ቃልሲ ንጎኒ ገዲፈ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ 1991 ብተግባር

ዘይሕጋዊ ናይ ክርስቲያን መንግስቲ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ይመቅረና ይምረረና። እሞ እቲ ናይ ህዝቢ ክርስቲያን ሓላይ ብምምሳል ንተጋደልትን ንህዝብን ክርስቲያን ኤርትራ ምእንታኹም’የ ሃየ ተሰለፉ በስላም ከይትግዝኡ፡ ናይ ክርስቲያን መንግስቲ ኢና ክንተክል ኢሉ ዝተመባጸዖ ምስጢረ ካህናት መብጽዕኡ ፈጺሙ’ዶ? ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ’ዶ፡መሰል ክርስቲያን ተኸቢሩ ዶ ቀሲኖም ዝነብሩላ ሃገር ተመስሪታ’ዶ? ንዝብል ሕቶታት፡ እቲ መልሲ ኣይፋል ኢዩ።

ከምቲ ሮኬት ንሞንኮርኮር ናብ ህዋ ጠፈር (space) ወንጪፉ ኣብቲ ዝብጻሕ ኣብጺሑ ናብ ባሕሪ ይኹን ናብ በረኻ ከምዝወድቕ ዝግበር፡ እቲ ዝበዝሐ ክርስቲያን ከበሳ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕድል ናይ ሮኰት ኢዩ ኮይኑ ዕድሉ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዝሰርሓላን ዝደመየላን ውሑዳት ግና ዝረብሑላ ሕጊ ኣልቦ ናይ ዓዋሉ ኣብ እንዳ ስዋ ዝተወለዱ ካካይ ምሕደራ ኢዩ ተተኺሉ። ምኽንያቱ ካብ ሽርሒ ጥራይ ዝሓስብ ሓንጎል ጽቡቕ ክርከብ ስለ ዘይክእልን እዚ ጉጅለ እዚ ክብገስ ኮሎ ቁኑዕ ስለ ዘይነበረን። ቁሩብ ካብ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ይወጽእ ስለ ዘለኹ ክምለስ። ስለዚ ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ምናልባት ኢሳይያስ ተበለጽትን ሎቕማጻትን ኣሳሰይቲ ስለዝበዝሕዎ ቦታ ብዘይምርካብኩም ወይ ውን ኣብ ኤርትራ ዓዲ ስለ ዘይብልኩም ትኾኑ፡ እዚ ኩሉ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ብስጭትኩም ናብቲ መንነት ኤርትራ ዝኾነ ጀበርቲ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ ዝመኸነ ዓጀውጀው ኣንጻር ጀበርቲ ዝፈተንኩም።

ብሄር ጀበርቲ ማለት ከምቲ ንቡዙሓት ዝመስሎም፡ ከም ኣሕዋትና ኩናማ ሓደ ዘርኢ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝነብር ወይ ውን ከም ሕሾ ጨቢጥካ ዝኹለስ ኣይኮነን። ጀበርቲ ህዝቢ ኢዩ ካብ ኤርትራ ክሳብ ሶማል  ህዝቢ ጀበርቲ ከምዘለዉ ብሕጽር ዝበለ ንሶማላውያን ኣብ ሶማል ጀበርቲ ዝባሃል ህዝቢ ኣሎዶ ኢልኩም ሕተቱ። ብሄር ጀበርቲ ንባዕሉ ጥንቲ ኢዩ፡ ዝተዋህቦ ሽም ድማ ቅድሚ ልዕሊ 1400 ዓመታት ኢዩ። ስለዚ ንሕና ብሄር ጀበርቲ ንጻሓፍቲ መርበብ ደቀባት ይኹን ንኻልእ ፍለጡና ኣይበልናን ኣይክንብልን ውን ኢና፡ ምኽንያቱ ናይ ልዕሊ 1400 ዓመታት ዘኹርዕ ዘሐብን ታሪኽን መንነትን ርስትን ስለ ንውንን። ብሄር ጀበርትና ንልዕሊ 1400 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ፡ ኣሎ ነባሪ’ዩ ድማ። ኣብ ኤርትራ እንተወሲድና ድማ ካባይ ጀሚርካ ካብ ካልእ ብሄራት ኤርትራ ዘይውለድ ብሄር ጀበርቲ ዳርጋ የለን፡ ብተማሳሳሊ ድማ፡ ካብ ጀበርቲ ዘይውለድ ብሄር ኣብ ኤርትራ ዳርጋ የለን።

ጀበርቲ ብ ጥንታዊ ገረብ ዳዕሮ ክምሰል ይካኣል። ዳዕሮ ሱሩ ኣዝዩ ነዊሕ፡ ጉንዱ ረጒድ ዱልዱል ኣዕኑዱን ጨናፍሩን ኣዝዩ ሰፊሕ፡ ብንፋስ ዘይወድቕ ብውሕጅ ዘይቡሕጎግ፡ ብፍረኡ ዘዐንግል ብጽላሉ ዘጽልል ዘዕቅል ዘይድፈር ግርማ ሃገር ኢዩ።

 

ዓውዲ ታሪኽ ጀበርቲ ክርዳድ የብሉ ገፈል

ንሃገሩ ውፉይ ባዓል ዝና ባዓል ሓበን

ሓየት መስተውዓሊ ጽኑዕ ባዓል መተከል

ሓሊፉ ዝጸንሖም ብሓሳብ ብሓንጎል

ፈውሲ ምብትታን ዓንዲ ማእከል

ንኤርትራ ኣሕሊፉ ዘይህብ ብሽመት ብሞቕነን

ኡሙን ቡኹሉ ካብ ጥንቲ ካብ ቀደም

ኣንታ ገረብ ዳዕሮ መስመር

ይቐንኡልካ ግና ኮይኖም እንታይ’ሞ ይገበር

 

ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት፡ ነቲ ኣብ ግብጺ ብረታዊ ቃልሲ ፈጢሩ ብዘይሕለል ሃገርኩም ኤርትራ ኢያ ንዑ ተመለሱ ንገበናትኩም እቕረ ክንገብረሉ ኢና ኢሉ ብምዕዳም ኣብ 1975 ዘእመነኩም ናብ ቃልሲ ክትሳተፉ ዝገበረ ብሄር ጀበርቲ፡ ክብረትን ምስጋናን እምበር ዘለፋስ ኣይኢዱን ኢዩ። ነቲ ዓሊ ሰይድ ኢልዎ ዝበልኩሞ ድማ ኢልዎ እንተኾይኑ፡ ብሂወት ስለዘየለ ኣብ ባህልና ሙዉት ስለ ዘይክሰስ ን ዓሊ ዝብሎ የብለይን። ዝብሎ እንተ ሃልዩ ኢሳይያስ ኮምኡ በል ኢሉዎ ይኸውን ደይ ኩሎም ሰብ ሽመት ኤርትራ ዝበሎም ኢዮም ዝፍጽሙ ወይ ውን ኣፍልጦ ብዛዕባ ጀበርቲ የብሉን ብንእሽቱኡ ካብ ደንከል ናብ ቃልሲ ስለዝተሰለፈ።

እቲ ዘገርም ነቶም ኣብ ዓድታትን ቁሸታትን ዝነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣስላም እንተኾኑ ውን፡ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ቅድመ ኩነት ዜግነት ካብ ኣማልኡ፡ ኤርትራውያን ኢዮም ኢልኩም።

እንታይ ቅድሚ ረፈረንደም ዳኣ፡ ባዓል ዋናታት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምምጻእኩም እምበር። ወላኳ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኤርትራዊ ዜጋ ዝብል ወግዓዊ ጭራም ወረቐት ተዘይነበረ፡ ኤርትራዊ መንነትና ብናይ ኣሽሓት ዓመታትን ብወለዶናን በቲ ኣብ ግዜ ጽልምን ዴሳን ንውንኖ ርስትን መሬትን፡ በቲ ንጓስየሉ ኣኽራናትን ስንጭሮን እምበር ከማኻትኩም ናይ ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ካርድ ግና ስለ ዝነጸግናዮ ኣይነበረናን።

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ፁሑፈይ ንራኸብ ሰላም ቅነ

ንዝዘልል ኣብ መሬት ኮንካ ተጸበዮ

 

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...