ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ሓደ ዓቢ ገዛ ገበን ክፍጽም ዝደለየ ዓማጺ ኣቐዲሙ ነቲ ኣብ ሓለዋ ዘሎ ብርቱዕ ከልቢ ቀቲሉ ክሓልፎ ስለ ዘለዎ እቲ ዝመርጾ ስልቲ ስሚ ዝተወተፎ ስጋ (ጮማ) ብምቕራብ ኢዩ።

የቐንየልና መርበብ ሓበሬታ “ደቀባት”፡

እቲ ጮማ እቲ ካብ 1ይ ክሳ 9ይ (መሰረት ሃገር ዓዲ…) ብ2006 ክጽሓፍ ዝጸንሐ ንህግደፍ ዝገርፍ ንተቓወምቲ ውድባት ዝነቅፍን ከምዘየለዉ ዝቆጽርን ህዝበይ ተበራበር ዝብል ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ዘይተራእየ ዝጸዋዕኩሞ “ዓዲ” ዝመሰረቱ መተካእታ ቃልሲ ዝትሕዝትኡ ኮይኑ እቲ ስሚ ኻኣ እቲ ዕለት ይኹን ዓ.ም. ዘይተገብሮ ብጽርየት ኣጸሓሕፍኡ ይኹን ኣሰዃኹዓ ቃላቱ ከምተን ዝቐደማ ክፋላት ዘይኮነ ብሃታ-ሃታ ዝተጻሕፈ ዝመስል 10ይ ክፋል ጽሑፍኩም እዩ።

ኩቡር ኣንባቢ ምግናን ኢዩ ዝብል ሚዛን ኣርሒቕካ ነቲ ዝጽሕፎ ክትከታተል ምእንቲ ፍቓድካ እንተኾይኑ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደቀ-ባት ኣቲኻ ን10ይ ክፋል ከተንብብ እንተኺኢልካ ካብ ምክትታል ነቲ ጽሑፋት ንላዕሊ ነቲ ስሚ ኣብ ከርሲ ሓድነት ህዝብና ከይበጽሕ ኣብ ምግባር ታሪኻዊ እጃምካ ንምብርካት ከብቅዓካ ኢዩ።

(ብዶክቶር ጀላኒ ኣማኻኒኻስ ንጀበርቲ) ዝብል ከምናይ መጀመርታ ክፋል ኮይኑ ንምክትታሉ ክጥዕም ካኣ ነቲ ኣርእስትና ዝምልከት ጽሑፋት “ደቀባት” ከምዘለዎ ብምቕራብ ክጅምር ኢየ። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ክሳብ ዘለና እቲ መብዛሕትኡ ብዛዕባ ጀበርቲ ተባሂሉ ዘሎ ብዙሓት ዝደጋገምዎን ዝተለምደን ኮይኑ ዘይቀትል ስሚ ምዃኑ ስለ ዝተመስከረሉ ኣይትሻቐሉ። እቲ ዘስግእ ስሚ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ብዘይ ገለ ሓያ ብዓይኒ ኣንቁር መንገዲ ዝቐረበ ኣብ “ብዶክቶር ጀላኒ ኣማኻኒኻስ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ምጽሕታር” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከምኡ’ውን “ብዶክቶር ጀላኒ ኣማኻኒኻስ ISLAM PHOBIA (ንምስልምና ምፍራህን ምጽላእን) ኣብ ኤርትራ ምትእትታው” ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ወይ ብንጽል እነቕርቦ ጽሑፋት “ደቀባት” ኢዩ። ክሳብ ሽዑ ደምበ ነጻነት እቲ ሉሙድ ንናይ ሕድ ሕድ ጎንጺ ስሚ ዝዝርዝር (ዘድክም) ኣብ 1949  ዘርኣኹሞ ፍቱን መሳሪሒኹም ሒዝኩም ክትጸንሑ ተስፋ ኣሎኒ።

ኣብ ኣርእስትና ክንምለስ፡

ኩቡር ኣንባቢ፡ እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ጽሑፍ ካብ “መሰረት ሃገር ዓዲ” ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት መበል 10ይ ክፋል 3ይ ገጽ 3ይ ምዕራፍ ከም ዘለዎ ቃል ብቃሉ ኢዩ፡

“ከም ኣብነት ዝኾነናውን ንኣመንቲ ምስልምና ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣብ ኤርትራ ነበርቲ ድኣዮም ዝተባህሉ እንበር “ጀበርቲ“ ኣይተባህሉን። ሕጂውን ኣይንብሎምን ኢና። እቲ “ጀበርቲ“ ዝብሃል መጸዊዒኦም ኣብ ትግራይ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕቲኦም ድማ ኣዴታቶም ክርስትያን ኢየን ነይረን። ስለዚ ኤርትራ ብማህጸን ደቃ ድያ ክትምስልም? ንብሔርነት ንዝምልከት እንተኾይኑውን እቶም ተዛረብቲ ትግሪኛ ነበርቲ ኣብ ኤርትራ ዝኾኑ ኣስላም ካብ ምስልምና መታሕት ስለዘይፍለዩ ፍሉይ ብሔርነት ንተዛረብቲ ትግሪኛ ኣስላም ኣብ ከበሳ ካብ ጥንቲ ከቶ ጠሊቦም ኣይፈልጡን። እንተድኣ ተዛረብቲ ትግሪኛ ጀበርቲ “ንብሔር ትግሪኛ ኣይንቅበሎን ኢና ንሕናስ ፍሉያት ብሔር ኢና“ ዝብሉ ኮይኖም ግን፣ ብሔራዊ መሰሎም ኣብ ትግራይ ከይዶም ይሕተቱ።” ወዳጀ!

ኩቡር ኣንባቢ፡ እዚ’ዩ ጽሑፍ ደቀባት፡-

“ደቀባት” ቅድሚ’ቲ ዝግባኣኩም መልሲ ጆባእ ምባል፡ ኣብቲ ዶክቶር ጀላኒ ኢልዎ እትብልዎ ጉዳያት ኣትየ ርእይቶይ ክገልጽ ደልየ ነይረ። ኮይኑ ግን ካብ 1ይ ክሳብ 10ይ ጹሑፋትኩም ደጋጊመ ምስ ኣንበብኩዎ ዋላ ኣብቲ ጥንቅቕ ኢልኩም ዝጸሓፍኩሞ ካብ 1-9 ክፋላት ብዙሕ ናይ ታሪኽ ምጥምዛዝን ሓሶትን ምትላልን ከምዘለዎ ምስ ተዓዘብኩ ክሳብ ናይ ዶክቶር ጀላኒ መደረ ብቐንዱ ረኺበ ዝርእዮ ኣወጊነዮ ኣለኹ። እቲ ዘይውገን ግን እቲ ሕጂ ሓደ ክልተ እናበልኩ ክምልሰልኩም ተዳልየ ዘለኹ ብዛዕባ ጀበርቲ ዝተጋገኹሞ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ታሪኻውን ጠቀስ ጉዳያት ኢዩ። ንደቂ ጀበርቲ ብትብዓት ይቕሬታ ክሳብ ዘይሓተትኩም ካኣ ነዚ ብዓይኒ ስልጣኔ ድሑር ብዓይኒ ፖሎቲካ ረሳሕ ብዓይኒ ታሪኽ ቅጥፈት ዝሓቆፈ ጹሑፍኩም ብጭብጥታት ምቕልዑ ብዘይ ደው ክቕጽል’ዩ።
 
ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኩሎም ኣንጻር ጀበርቲ ዝጽሕፉ ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝባሃል ብጀካ ብመበቆል ጀበርቲ ንጀበርቲ ብሃገራዊ ገበን ዝኸሰሶም ዋላ ሓደ የለን። እዚ ከኣ ዘሒብን እምበር ዘሕፍር ኣይኮነን። ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ብዝፈጽምዎ ጥልመት ሞት ዝፍረዱን ዜግነቶም ዝሕደጉን ግለ ሰባት እምበር ብሰንኪ መበቆሎም ዝተቀጽዑ የለውን። (ኣብ ጥዕና ዘሎዎ ሃገር)።
ብዛዕባ መቦቆል ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሰኩም እንተኾይኑ ብፍላይ ንዓና (ጀበርቲ) ብዝምልከት ድሮ ወዲእኩሞ ስለዝኾንኩም ብዝቀልጠፈ ግዜ በየናይ ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኩነታት ተሰዲድና ከምዝመጻእና ንነብረለን ዝነበርና ዓድታት መን መን ከምዝባሃላ እንተገሊጽኩምልና ንነብስና ኣስልና ተጋሩ ዝኾና ኤርትራውያን ኢልና ከነፍልጣ ኢና ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ንኣለክስ ሂል ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ዝኣክል መበቆሎም ንኸጻሪ ገንዘቡን ጉልበቱን ኣወፍዮ፡ መሰረት መበቆሎም ምስ ኣፍለጦም ዘመስገንዎ ንላዕሊ ከነመስግነኩም ኢና። ሃየ በሉ ኣይትዶንጉዩና።

ብግምተይ ጸሓፍቲ ናይዚ ጉዳይ “ደቀባት” ኣብተን ዝሰልጠና ሃገራት ትነብሩ ዘለኹም ሰባት ኢኹም ዝብል ግምት ኣለኒ። ናይ ሽወደን ኖርወይ ሑሉፍ ታሪኽ ጌርኩም ክትምህሩና ምፍታንኩም’ውን እተንብቡን ዝተማሃርኩምን ኢኹም ዝብል ካልኣይ ግምት ኣሎኒ። 21 ክፍለ ዘመን እናዘከርኩም ብዙሕ ጉዳያት ስለዝጠቐስኩም’ውን እትነብሩሉ ዘለኹም ዘመን ሕረ ሕራይ ጌርኩም ዝተረዳእኩም ክትኮኑ ሳልሳይ ግምት ኣሎኒ። ምስዚ ኩሉ ግምታተይ ግን “ብዓዳዊ” ስርርዕ ቃልሲ ከተካይዱ ምጽዋዕኩም እቲ 21 ክፍለ ዘመን ዳኣ ኣበይ ኣሎ ዘብል ኢዩ። (ዳርጋ ሓደ ሲሶ ህዝባ ኣብ ፍቐድኡ ፋሕ ኢሉ ኣብ ዘላ ሃገር) ንዝጸነሐ ናይ ጥንቲ ናይ ቀዳሞት ሕግን ኣማሓዳድራን ጸጽቡቑ ምዝካር ምስቲ ሓድሽ ዘመን ከምዝሳማማዕ ጌርካ ምምዕባሉ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ታሪኽ ምዕባለ ስነ-ሞጎት ኢዩ። ብዝተረፈ ኣብ ነበረያ ነበረ ከተንብሩና ምጽዓርኩም በቲ ኻልእ ሸነኽ ካኣ ን21 ክፍለ ዘመን ብልክዑ ትነብረዋ ዘለኹም ፈላጣት ኮንኩም ኣላዩ ጊደ ክትጻወቱ ምድላይ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ ጼርካ ከም ምንባር ኢዩ።
“ደቀባት” ካብ ንሃገርካ እተበርክቶ ቁምነገር ንላዕሊ መበቆልካ ኢዩ ዘገድስ ባሃልቲ እንተኾንኩም ኣብዚ’ውን ክትስዕሩ ዲኹም ክትሳዓሩ ን21 ክፍለ ዘመን ብገለ ኣቅጣጭኡ ክንርእዮ ንፈትን።

እታ ዝሓሰበት ሓሲባ ንነጻነትና ዝተጻረረት ዳሓር ካኣ ዝሓሰበት ሓሲባ ንነጻነትና ዝተማወተት ብዘለዋ ምጣኔ ሃብታውን ብረታውን ሓይሊ ንዓለም ንየማን በሉ ንጸጋም በሉ ትብል ዘላ ኣሜሪካ ዝመርሓ ዘሎ ገና ዓባዩ ኣብ ኬንያ ኣብ ዓዲ ኣቡኡ ኢየን ዝነብራ ዘለዋ። ኣርጀንቲና’ውን ኣብ  ዝሓለፈ ዓመታት ብሓደ ገና ስድራ-ቤቱ ሱርያዊ ዓረባዊ ልሳኖም ዘይተቐየረ ባእታ ተመሪሓ ኢያ። እዚ’ዩ 21 ክፍለ ዘመን ብሕጽር ዝበለ መንገዲ። ንሓበሬታ ዝኣክል፡ ኣብ ጉዳይና ክንምለስ፡

               ኣብ ኤርትራ ስሞም “ነበርቲ”
               ኣብ ትግራይ ስሞም “ጀበርቲ”

(ነበርቲ) (ጀበርቲ)፡ ንደርፊ ዝኸውን ግጥሚ ትምስርቱ ዘለኹም ኢኹም ትመስሉ’ሞ ከም ጓል ዝናር ሃራሚት መሰንቆ ኣንድነት ትመስል ደራፊት ቀርቡ። ጓል ዝናር መን’ያ ከይትብሉ፡ ንደርፋ ዘኪርኩም እንተፈለጥኩማ፡ ወይ ሓቲትኩም፡

               ደጊያት ሓሰን ዕማመቱ ክሻ
               ትመጸካ’ላ ባንዴራ ሓበሻ
               ደጊያት ሓሰን ሸያጢ ሽጉርቲ
               ቅበጻ ሎሚ ባንዴራ ጀበርቲ

ደጊያት ሓሰን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ እንተኾይኖም ብምምጻእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጌርካ ንምንታይ ንምስንባዶም ተደልዩ? ንጓል ዝናር ኣይኮነን ንዓኹም “ደቀባት” ኢዩ እቲ ሕቶ። ኣንድነት ሑሉፍ ሓሊፍዎም ሰማያዊት ባንዴራና ናይ ጀበርቲ ባንዴራ ገይሮም ምግላጾም (ምድራፎም) እታ ሕጋዊት ሃገራዊት ባንዴራ ናይ ጀበርቲ ናይ በይኖም ባንዴራ ኮይና ዘይኮነስ ጀበርቲ ኣብ ምኽልኻል ልዑላውነት ኤርትራ መሪሕ ግደ ይጻወቱ ስለ ዝነበሩ ኢዩ።

እዞም ብጓል ዝናር (ማሕበር ኣንድነት) ዝተዘልፉ ዓቢ ኤርትራዊ ብ1883 ዓ.ም. ኣብ መራጉዝ (ዓዲ ሃንሱ) ሰራየ ኢዮም ተወሊዶም። ንኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዝና ከተትርፍ ዝገበሩ ስልጣኔኦም ኤርትራውያን ሱልጡን ዝኾነ ኣመካኽታ መግዛእቲ ክህሉዎም ዝገበረ። ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ 30ታት ዝተፈጥረ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ኣብ ምፍታሕ ከም ኣህጉራዊ ሉኡኽ ዓቢ ግደ ስለ ዝተጻወቱ እዚ ተሞክሮኦም’ዚ ነቲ ኮነ ኢሉ ብገዛእትን ማሕበር ኣንድነትን ዝተኣግደ ሃይማኖታዊ ጎንጺ (1949) ኣብ ኤርትራ ቀልጢፉ ዝቅህም ሓዊ ክኾውን ካብ ዝገበሩ ሮቛሒታት ሓደ ዓቢ ሮቛሒ ክኸውን ከምዝኸኣለ ሩዱእ ኢዩ።

ደጊያት ሓሰን ክሳብ ኣብ 1964 ዓ.ም. ካብዛ ዓለም ዝፍለዩ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዑቱብ ግደ ክጻወቱ ጸኒሖም ኢዮም።

ይቕጽል……

ብቐትሩ ዓይንኹም ኣዔሚትኩም
ኣብ ጸላም ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም
ጸሓይ የላን ኢልኩም ከተእሙኑና ግን ፍጹም ዘበት ኢዩ።

ኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...