ለ) ኣሕዋት ዝተባእሱሉ መኣዲ ኣየ’ህርፈናን’ዩ።
 ኣብ እዋን ምብራዕ ኲናት (1998 - 2000)፣ ናይ ጂቡቲ መራሒ ዝነበሩ ክቡር ፕረሲደንት ሓሰን ጉለድ፣  ክዓርቁን ክሽምግሉን ናብ ኣዲስ ኣበባን - ኣስመራን ተመላሊሶም ከምዝነበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ወዮ ቅዱስ ሓሳቦም ምስላጥ ምስኣበዮም፣ ክቡር ፕረሲደንት ሓሰን ጉለድ “ኣሕዋት ዝተባእሱሉ መኣዲ ኣየ’ህርፈናን’ዩ” ኢሎም ይበሃል። ብርግጽ ግን ናይ ጂቡቲ መራሕቲ በቲ ሓደ ወገን፣ ነ’ቲ ብሃንደበት ከም ማና ካብ ሰማይ ዝዘነመ ሽሻይ ሓንጎፋይ ኢሎም እንኪቕበሉ፣ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ነቶም ጉራደኦም ዝስሕሉ ዝነበሩ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዓርቁ፣ እንተሰሊጥዎም ድማ እቲ ንቡር ኩነታት ከም’ቲ ልማዱ ክቕጽል ተጓይዮም’ዮም። ነ’ቲ ጽቡቕ ግብሮም ምስጋና ይብጽሓዮም፣ መኣዶም ድማ የሰስነሎም። ንኣና ድማ ዝሓይሽ ይፍጠረልና።

ኣብ’ዚ እቲ ቐንዲ ዛዕባ እምበኣርከስ ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎት ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ተሓሲማ ስለምንታይ’ያ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ጂቡቲ ቀይራ ዝብል ሕቶ ኢዩ። ከምርኢቶይ እዚ ሕቶ’ዚ እኹል-ትሩፍ መልሲ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ።  ስለዝኾነ ድማ እንተተዛረብናሉ መልሱ ጥራይ ዘይኮነ መን ብሓላፍነት ከምዝሕተተሉ ዝእንፍት ሚዛን’ውን ክርከብ’ዩ። ካብኡ ብምብጋስ ድማ ንሓዋሩ ዝኸውን፣ መኣድና ዝመሓየሸሉ ሜላ ምቕያስ ክቐልል’ዩ።  

ብፍላይ ብዛዕባ ጂቡቲ ዘልዓልኩሉ ምኽንያት ድማ ኣቶ ሳልሕ “ጋዲ” ጆሃር  ኣብ ዓዋተ.ኮም ኣውጺእዎ ዘሎ ጽሑፍ ምሰንበብኩ ኢየ። ኣቶ ሳልሕ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጂቡቲ ከይዱ ብዓይኑ ዝረኣዮ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ምስ ህሉው ኩነታት ናይ ወደብ ዓሰብ ብንጽጽር ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪቡዎ’ሎ።

ክቡር ኣቶ ሳልሕ ርሑቕ መንገዲ፣ መሪር ጸሓይ፣ ከምኡ ድማ ተመለስ-ተፈተሽ ናይ ኣኽበርቲ ጸጥታ፣ ተጸሚሙ ዝኣከቦን ናብ ኣንበብቲ ዘቕረቦን ጽሑፍ እዋናዊ ሓበሬታ መሊእዎ’ሎ። ካብ’ቲ ምስ ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ሰፊኑ ዘሎ ትኽስ ዘበራብር፣ ካብ ድኽነት ዘናግፍ መንገዲ ሃሰስ ዝበሃለሉ ኣርእስቲ’ዩ ከፊቱ ኣቶ ሳልሕ። ሓቁ ኢዩ። ንሕማም-ተሃውጾ ዝወሃብ መድሃኒት’ኮ መደቀሲ’ይኮነን!  መበራበሪ’ዩ። (Attention Deficit Disorder responds to stimulants not sedatives.) ንሱ ኸማን ምሕረት የውርድ መሊእካ እንተተኻኢሉ’ኳ።

ካብኡ ተበጊሰ ድማ  እዚ ኣቶ ሳልሕ ብዝርዝር ዘንጸባረቖ ህሉው ኩነታት ስለምንታይ ክፍጠር ክኢሉ? ንዝብል ሕቶ መልሲ ሃሰስ ንምባል’ዩ። ዘዕግብ መልሲ እንተተረኺቡዎስ። 
ዝሓሸ መልሲ ክሳብ ዝርከቦ ድማ ምፍታን እንታይ በሃላይ። ምናልባት ከም’ቲ ዝሓለፈ ገና ንመጻኢ’ውን፣ ንወራሲ-ይጭነቆ ተባሂሉ፣ ምእንቲ ዝናን ባህታን ዕሽሽ  ምባል እንተዘይተመሪጹ፣ እዚ ዛዕባ’ዚ ዘየዛረበ’ሲ እንታይ የዛርብ ደቀይ። ምእንቲ ሰላምን ራህዋን፣  ምእንቲ ስራሕን መጻኢ ዕድልን ደጋጊምካ ክፍተሽን ክበርህን፣ ከምኡ’ውን ክእረም ዝግብኦ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚዶ’ይኮነን። ስለ’ዚ ንኣቶ ሳልሕ መኣድና ንኽስስን ዝሓሸ ሜላ ሃሰስ ምባል ንዝጀመሮ፣  መበራበሪ-ጻዕሪ ምስጋናይ እገልጸሉ “ዓቢ እንጌራ ተዓደል ወደይ!” ትብል ምርቓ ኣበው ድማ እደግመሉ። 
ሃየ በሉ እምበርከስ ትሕዝቶ ጽሑፍ ናይ ኣቶ ሳልሕ፣
 http://awate.com/unusual-imagining-asseb-through-djibouti/ ምምልካት ይከኣል’ዩ።
 
እሞ’ኸ ደኣ! ስለምንታይ እዚ ኹሉ ክሳራ ወሪዱና? ኣብ’ዚ ሕቶ’ዚኸ ዝሕባእ ምስጢር ወይ ድማ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝግመት ኩነታት ኣሎ ድዩ? ምናልባትከ ነውሪ’ዩ ወይ ድማ ከምኡ ኣይበሃልን’ዩ ተባሂሉ ዝሕለፍ ጉድ ኣለዎ ድዩ? …… ኣይመስለንን።

ምናልባት ምእንቲ ዝናን-ባህታን ደረት ናጽነትን-ሱቕታን ኣይጠሓስን’ዩ። ትም በል። እንተዘይተባሂሉ ዝሕባእ ምስጢር ኣይኮነን። እኳ ደኣ ክጽናዕን ክእረምን ዝግብኦ ህጹጽ ጸገም’ዩ። እሞ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፣ ዕዳጋ ዝዛሕተሎ ነጋዳይ እምበኣርከስ ምስ ኩነታት ክተዓጻጸፍን፣ ማዕረ እዋን ክበራበርን እንተዘይበቒዑ፣ ንዕድሉ ካብ’ቲ ናይ ውድድር ዕዳጋ ክሳብ ትስጎግ ከም ብጽሕቲ-ወርሒ፣ መዓልታ ክትፈቅድ ጥራይ ፈሪዱዋ’ሎ ማለት’ዩ። ይኽደነና!  “ዝሓለፈ ሕሰምና ዝመጽእ ድማ ድማዕና” (ምስላ) ይግበረልና።  

 “ሜስ ብብሩለ ዘረባ ብምሳሌ” ይብል ምስላ ዓድና።
1. ኣስታት ክልተ-ሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣቢሉ’ሲ፣ መንግስቲ ሰሜን ሶማልያ ልኡኻቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዱ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሰሜን-ሶማልያን ሕብረት ዝፍጠረሉ ዕድል ሓቲቱ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይመስለንን። ሽዑ ብወገን ኢትዮጵያ ንመንግስቶም ወኪሎም መልሲ ዝሃቡ በዓል ስልጣን ዶክቶር ዓብደል መጂድ ሑሴን፣ “ቅድሚ ሕጂ ምስ ኤርትራ ዝተፈተነ ሕብረት’ኳ  ኣይጠቐመናን። ሕጂ ድማ ዕርቅን ሕብረትን ናይ ሶማል ኢና ንጽበ’ምበር፣ ኣብ ከምኡ ዓይነት ውዕል ኣይንኣቱን ኢና።” ዝዓይነቱ መልሲ ከምዝሃብዎም ዝገልጽ ዜና ብመጽሔትን ብጋዜጣን ተሓቲሙ ናብ ኣንበብቲ ቀሪቡ ኔሩ። ስለ’ዚ፣ ሶማላውያን ነቲ ካብ ርሑቕ ዝረኣይዎ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፍጠር ይኽእል’ዩ ኢሎም ዝገመትዎ ጋግ ናይ ዕዳጋ ፣ መሲሉ ብዝተራእዮም ሜላ ኣንጊሆም ክጥቀሙሉ’ሞ መጻኢ ዕድሎም ከመኣዛዝዩሉ  ፈቲኖም። ኣይሰለጦምን ግን።

2. ኲናት-ባድመ ብሃንደበት ምስተባርዐ ድማ፣ ናይ ጂቡቲ መራሒ ዝነበሩ “ኣሕዋት ዝተባእሱሉ መኣዲ ኣየህርፈናን’ዩ” ብምባል፣ እቲ ሶማላውያን ካብ ርሑቕ ዝረኣይዎ ጋግ ንኸይፍጠር ክዓርቁ ፈቲኖም። ካብኡ ቀጺሎም ድማ መሸንቆቛ ናይ ስረኦም ቀጥ ኣቢሎም ለይትን ቀትርን ስርሖም ይሰርሑ’ለዉ። ከም ስረኦም የዕጥቐና።

3. “የኣፍሪቃ ቁንጮ ይሆናሉ ብለን ስንገምታቸው፣ እነሱ ግን እግር ሆነው ነው የተገኙት።”
 ከምኡ’ውን ሻዕብያን ወያነን ብሃንደበት ኣነ ወይ ንስኻ ኢና ነዛ ዓለም ንነብረላ ዝዓይነቱ ኲናት ምስጀመሩ፣ ካብ ናይ ኣመሪካ ዩኒቨርሲታት ዝተበገሱ ኢትዮጵያውያን ምሁራት ከም በዓል ፕሮፈሶር አፍረም ይስሓቕ (ፕሪንስቶን ዩኒቨርሲቲ) ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብምኻድ ብፍሉይ ኣገባብ ክዓርቁ ፈቲኖም ኔሮም። 
እወ ብናይ ሊቃውንቲ ወይ ድማ ብናይ ዓለም-መራሕቲ ናይ ዲፕሎማሲ ምውርዛይ  ዘይኮነ’ሲ ከም ባህሊ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ኣብ ብርኮም ወዲቖም ከምዝለመንዎም፣ ሓደ ካብኣቶም ገሊጾሙለይ። ዝኾነ ኾይኑ እዞም ሰባት እቲ ጉዳይ ናይ ሰላም ተስፋ ከምዘይብሉ ምስቀበጹ  “እኛ የኣፍሪቃ ቁንጮ ይሆናሉ ብለን ስንገምታቸው፣ እነሱ ግን እግር ሆነው ነው የተገኙት።” (ካብ ኣፍሪቃ ዝለዓሉ’ዮም ኢልና’ኳ እንተገመትናዮም፣ ዝተሓቱ ኮይኖም’ዮም ተረኺቦም።) ክብሉ ንዑደቶም ብተስፋ ቁርጸት ደምዲሞሞ።

4. “ካልእስ ይትረፍ ኣነ’ኳ! ኣነ’የ ዝብለካ ዘለኹ! ነዛ መንገዲ’ዚኣ ምፍላጠይ ነዚ መንግስትና ዓባይ ክሳራ ኢያ።”
 ናይ ሓደ ኣቦ ትዕዝብቲ ክውስኸልኩም። ኣውቲስታ ናይ ዓባይ መኪና’ዮም ኔሮም። ዕድመኦም ድማ፣ ሽዑስ ኣብ ከባቢ ስሳታት ይግመት። ዓሰርተ ግዜ ትቐራጥሞምን ትኣሳስሮምን ሕማም ሪሕ ስለዝነበረቶም ድማ፣ ግዜ እና’ክረኽቡስ መዓልልተይ’ዮም ኔሮም።  ከም ኣመሎም ሓደ መዓልቲ እምበኣርከስ ንእግረ-መንገዶም ዘድልዮም ክዕድጉ ናብ ስርሐይ ተኣልዩ። 

ዝዕደግ ዓዲጎም ምስወድኡ ግን ኣይከዱን። እቶም ካልኦት ዓማዊል ክሳብ ዝወጽኡ ኣብ ዝነበርዎ ደው ኢሎም ተጸበዩ’ሞ፣ በይንና ምስተረፍና እስኪ ቡን ኣዝዘልና ኢሎም ኮፍ በሉ። ቡንን ኣምቦ ውሃን ድማ ኣዘዝና። እቲ ዝኣዘዝናዮ ምስመጽአ ከኣ ናይ ግድን ባዕለይ ክኸፍሎ’ለኒ ኢሎም በተን ብሓያል ሪሕ ድምብውብው ኢለን ዝነበራ ጉምቦ ኢዶም፣ ካብ ውሽጣዊ ጁባ ናይ ጃኬቶም ብፕላስቲክ ዝተጠምረ ጥቕሉል  ገንዘብ ኣውጽኡ’ሞ፣ ካብ መንጎ’ቲ ጥቕሉል ኣቕራሽ ምንሽት ኣቢሎም ምስ ሞቕሺሹ ከፈልዎ። ዘይውዳእ ይሃቦም።

ዝኾነ ኾይኑ ጽምው ምስበለልና፣ ስምዓኒ’ሞ ኣነ’ሲ ኣብ’ዛ መስመር ዓሰብ ኣዲስ ኣበባ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኤነ-ትረ ሒዘ ተመላሊሰ። ክብሉ ዘረብኦም ጀመሩ። ቀጺሎም ድማ እዛ ሕጂ ዝኸድኩዋ ቪያጆ ግን ናብ ጂቡቲ’ያ ኔራ። ብኡነት እብለካ’ሎኹ ዶቶረ!፣ ክሳብ ሎሚ ጂቡቲ ክበሃል ከሎ፣ ካን!! ኣዝዩ ርሑቕ ዓዲ-ወጻኢ! ብዘይካ ቪዛን ፓስፖርቶን ዘይእቶ መሲሉ’ዩ ዝረኣየኒ ዝነበረ። እንተ ረኣኹዋ ግን ገለ’ኳ ዘይብላ!! ኣይክንድ’ዛ  መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ዓሰብ እንዳኣላ ወደይ።  በል ካልእስ ይትረፍ ኣነ’ኳ ኣነ’የ ዝብለካ ዘለኹ! ነዛ መንገዲ’ዚኣ ምፍላጠይ ነዚ መንግስትና ዓባይ ክሳራ ኢያ። ክብሉ ኣምሪሮም ትዕዝብቶም ገሊጾሙለይ። ጻዕሮምን ጥዕንኦምን ጥራይ ዘይኮነ ሻቕሎቶም’ውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ድቅን ኢሉ ይረኣየኒ’ሎ። ኣብ ዘለ’ዎ ቦታ ርሓት ይፍጠረሎም።

ዝኾነ ኾይኑ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት፣ ማለት መኽሰብን ክሳራን ናይ ንግዲ ኣብ ወደባት  ዓሰብን ጂቡትን እንተ’ልዒልካ፣ ምስኡ ብሓባር ዝተደርቆሱ ናይ ንግዲ መሓውራት፣ ንሕና’ውን ኣለና’ኮ ክብሉን ክበራበሩን  ናይ ግድን’ዩ። ገለ ካብኦም ከምኣብነት ንምጥቃስ፣

ሀ) ምዕጻው ሪፋይነሪ ናይ ዓሰብ።
ሁ) ምብታኽ ዝምድና አሪስታስ-ኤርትራ ምስ ማሪታይም-ኢትዮጵያ።
ሂ) ጽባሕ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጽላል “ብር” ዝቐጸለ ናይ ኤርትራ ናይ ሸርፊ ፖሊሲ፣ ኣብ ልዕሊ  ኢትዮጵያ ዘሕደሮ ስግኣት።
ሃ) ውልዕ-ጥፍእ ናይ ሆርን ባንክ።    ሄ) ዕዳጋ ናይ ጨው።
ህ) ምጅማር ገንዘብ ናይ ኤርትራ “ናቕፋ”  ምስ ምእካብ ናይ’ቲ ንናይ ኤርትራ አኮኖሚ ከንቀሳቕስ ዝጸንሐ ኣረጊት ብር።
ሆ) ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ።

ኣንቱም ሰባት ምእንቲ ንግድን ዕዳጋን ዝግበር ኲናት’ምበር ካብ ንግድን ዕዳጋን ንምህዳም ዝግበር ኲናት ተራእዩን ተሰሚዑን ይፈልጥ ድዩ?

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኸለጊዮርጊስ (06/28/2011)
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...