አቐዲመ ንአመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ ሉጓም ፈትሓልኩም፣ ከምኡ‘ውን ብሠላም ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ አብጽሓኩም እናበልኩ፣ ጽቡቕ ልባዊ ምንዮተይ ድሕሪ ምግላጸይ፤ ንብሙሉኡ ህዝብና ድማ እዚ አብ ልዕሊኡ ተሸኪምዎ ዘሎ አስካሕካሒ ድከት ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ፣ ካብ ህልዋት ንታሕቲ ዝኾነ ባርነታዊ መነባብሮኡ ተቐንጢጡ፣ ንዓመታ እዚ እዋን‘ዚ፣ እዚን ካልኦት ሀይማኖታውያን በዐላቱን አብ ሠላም፣ ሐጎስን፣ ራህዋን ፍቕርን አብ ውሽጢ ሀገና አብ ዝነገሠሉ ንምቕባሎም የብቅዓና፤ አሜን!!!

እዚ አብ ዝሐለፈ ቅንያት ንመላእ ህዝብና አብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ( በጀካ ነቶም ናይቲ መንድዓት መስገደል ህዝብና አእሙራዊ ምግዱር ናይ ዬእዳዉ ብላይ ጨርቂ ( እስትራሾ) መሔሰሲ ዝኾኑ መጋበርያኡ፣ ገዲፍካ፤)  ዘንቀጥቀጠ‘ሞ ከምዝብሃል ዘሎ አብ ውሽጢ ብሀይማኖት ይኹን ብመቦቆል ከይተፈላለየ፣ ካብቲ ዕዋላ ምግዱር ትእዛዝ ወጻኢ  ሐባራዊ ዳስ እናሰርሔ ብሐባአር ከይተፈላለዬ  ይሐዝንን ጸሎቱ ይገብር ከምዘሎ ይስማዕ፤ ከምኡ‘ውን አብ‘ዚ ወጻኢ በብሀገራቱ ናይ ሐባር ጸሎት እናገበረ፣ ጥዋፋት እናብርሄ ሐዘናቱ ይገልጽ አሎ።

ንእግረ መገደይ ነቶም ክቡር ብጹእን ቅዱስን አቦና አብ አትላንታ ሕ.መ.አ.  ዘብጽሕሎም ፍትሐተ ፀሎትን፣ አብ አእምሮና ሠርሲሩ ዝአተወ ሐያል ተባዕን አባታዊ ምዕዶን ምኽርን ለበዋ ሐዘል ብዘስምዕዎ መደረ ከየመስገንክዎም ክሐልፍ አይደልን፣ ምኽንያቱ ከምዚ ዝዓይነቱ ማለት እታ አደ ዝኾነት ተወሃዶ ቤተ-ክርስትያን ምስ ህዝቢ ወጊና ጸሎትን ለበዋኣን ከተተሓላልፍ፣ እዚ ናይ መጀመርይኣ‘ዩ። እወ አቦና ከምዝተላበውዎ  ፖለቲካዊ ጠርናፊ ዝኾነ የድልየና አሎ።

 እቶም ንፀለማ ዝኸዱ መንእሰያትና ከም ሐንቲ ሥድራ ቤት ኮይኖም ብሀይማኖትን መቦቆልን ከይተፈላለዩ፣ ማለት እስኻ/ኺ ሰዓቢ/ት እዚ ሀይማኖት ኢኻ/ኺ ወይ እስኻ/ኺ ናይ‘ዚ መቦቆል‘ዚ ኢኻ/ኺ ከይተበሃሃሉ ብሐንሳብ
አብቲ ዳርጋ 100 ዓመት አቢሉ ክኸውን ዝተቓረበ ንአቦሓጎታቶም  ዝበጽሖም ጽዋዕ፣ ማለት መግቢ ዐሰታት ነበሪ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዝኾኑ፣ ሎሚ‘ኣ ነዞም ደቅናን የሐትናን/የሕዋትናን፣ ቅድሚኦም ብዝሐለፈ ዓመት ወርሒ ሐምለ 8/2010 ዓ.ም. 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ተብዕትዮን/ አንስትዮን ብቢቢሲን ካልኦት ዓለም  ለኻውይን ናይ ወረ ማዕከናት ዘቃለሓሎምን፣ ካልኦት ብዘርጠብጠብ ወሲካ፣ ሕጂ‘ኣ ብድጋሚ ብጃምላ ነዞም ሕጂ ዕጫ ዝበጺሖም ወስኽካ፤ ደቂ ደቂ ናይ እቶም ሥጋ  አቦሓጎታቶም ዝበልዑ፣ ነዚኦምን  ፍታሕ እንተዛይተረኺብዎ፣ ክሳብ እዚ መንደዓት አብቲ ወንበር ዘሎ ዘይነጽፍ ምንጪ ቀለቦም ረኺቦም አለው።

ስለዚ አቱም ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኢና ኢልኩም ከም „ማእሠር ዘይብሉ ማእዶ ወግሔ ፀብሔ ሐድሽ አስማት እናኣጠመቕኩም ፋሕ ጭንግራሕ ትመልሱልና ዘለኹም፣ ስለምንታይ ኢኹም ካብዚ ሕጂ አጋጢሙና ዘሎ ዝኸፍኤ ማለት አብ ክዕረየሉ ዘይክእለሉ ደረጃ ከይበጽሔ ከሎ፣ ናይ ዘበን እንእኒ ጽልእኹምን፣ ቅርሕንትኹምን ሒዝኩም፣ እዚኣዶ! ፅናሕ ጥራሕ!! እዚኣ‘ስ!! እናተባሃሃልኩም እናተሓነሓንክምን ነዚ መንእሰይ አብ ዘይፈልጦን ዘይነበረሉን ባሕሪ ጽልኢ ተሔምብስዎ?“ በጃኻትኩም ህዝቢ ሕጂ ካባኻትኩም ዝደልያ  ሐንቲ ነገር ጥራሕ‘ያ! ተዓረቑ አይብለኩምን፣ ከምቲ ባህልናን ያታናን  ወዲ ሰብ እናዐበየን ዕድመ እናወሰኸን ክኸይድ ከሎ፣ እናለበመን ወርዘየን፣ ነገር እናሐደገን ይኸይድ፣ እቲ ምንታይ ፍጻምዬ መገሽኡ ናይዚ ዐለም እናተቓረበ ስለዝኸይድ‘ዩ፤ ንዐኻትኩም ግን እዚ ፀጋ ናይ አቦታትኩምን አቦሓጎታትኩምን አይተዓደልኩምን፣ „ሸያብ አይትጸውዕ ለባም ጸውዕ!! እዩ።“ እቕርታ ደኣ ግበሩለይ‘ምበር፣ እዚ ትዕድልትኹም ኮይኑ  ፀጉሪ ርእስኹም ደኣ‘ዩ ሸይቡ‘ምበር ልብኹምስ እቲ ናይ ቅድሚ ሱሳታትን ሰባዓታትን ዝነበረ ለውጢ ከይገበረ ክሳብ ለይተሎሚ ተሸኪምኩሞ አለኹም።

እንኮላይ ልብኹም ሸይቡ ነይሩ እንተዝኸዉን ግን፣ አሽንኳይዶ እዚ ኩነታት እናተደጋገመ ኮሎ ከም ዘይምልከተኩም፣ የእምሮኹም አብ ሕልሚ ሥልጣን ድሕሪ‘ዚ ጽሉል ከመይ ገርኩም አብታ እሱ ትቐሚጥዋ ዘሎ ወንበር ከም ትመጹ ናይ ሕልሚ እጀት (አብ አፍ ዝተርፍ ርፍራፍ እንጀራ አብ ሕልምኻ) ካብ ተኳማስዑ! እንተወሓደ ደም እንተዝህልወኩም‘ዚ  መሪር ሐዘን ምስ ተስምዔ፣ ከይወዓልኩም ከይሐደርኩም፣ አቱም ሰባት እንታይ ንገብር አሎና? ክሳብ ሎሚ ብሰንክና ምኽንያት ህዝብና ከይጥርነፍ ብውሕዱ ን20 ዓመታት ዝአክል በብዓቕምና ፋሕ ብትንን የእቲናሉ ኢና፣ ሕጂ ግን ዝሐለለፈ ሐሊፉ ኢዩ፣ ንዝመጽእ ግን ተጥርኒፍና ንዛተ‘ሞ ቅርሕንትታትና ንጎድኒ ገዲፍና ሕቶ ህዝብና ብምድማጽ ነዞም መንእሰያት ደቅና ከምቲ ኣቦታትና ሠላም ዝሰፈና ዐዲ አረኪቦሙና ዝሐለፉ፣ ንሕና‘ኣ ከምኡ ሠላምን ፍቕርን እምነትን ዝመልኣ ኤርትራ ነረክቦም፤ ብምባል ሐይልኹም አብ ሐደ ብምፍጥርናፍ ነዚ ፅሉል ዕዋላ  ምገጠምኩም‘ሞ? አሸኒፍኩም ምስ አተኹም አብታ መሰል ኩሉ ወዲ ሀገር ዝሕለወላ ኤርትራ ምስ ተሠረተት ከም ሠልፍታት ኮንኩም አብ ህዝቢ ንምርጫ ትቐርቡ፣  ተወዳዲርኩም እንተደኣ አሸኒፍኩም ነቲ ብሕጊ ዝጸደቐ ዐመታት ክሰብ ትፍጽሙ አብ ስልጣን ምተቐመጥኩም።

ናይ‘ዚ መንእሰይ ሐሞት ምፍሳስ መሬት ዝዘበጠ ህላዌ አልቦ ሀገራውነት፣ ማንነት ምጥፋእ፣ ነፍሰ ፍትወት ንካልእ ባዕሉ ይፈልጥ ንዐይ ይጥዓመኒ በሃልነት፣ ነዚ ብሐላፍነት ተጠያቒ ብዐቢኡ እቲ ዕሉል ዘሪጋ‘ኳ እንተኾነ፣ እስኻትኩም‘ውን ማዕሪኡ ተሐተትቲ ከምዝኾንኩም ክትዝግዕዎ የብልኩምን፣ ስለዝኾነ‘ኣ እቲ ትሓልምዎ ሥልጣን ቅድም ብዕድሜኹም፣ ካልኣይ ካብ ብጊሓቱ ክሳብ ለይተሎሚ አብ ዝተጻወትክምዎን ትጻወትዎ ዘለኹም ፀረ ሥምረት፣ ማዕሪኡ ተሐተቲ ከም ዝኾንኩም አይትዘንግዑ፣ ብአንጻሩ ግን ዉዓል ሕደር ከየልኩም ብዝሐለፈ ተግባራትኩም ተጣዒስኩም ሐይልኹም አብ ሐደ ጥርኒፍኩም ህዝብኹም ብምትሕብባር አንጻር‘ዚ ፀረ ሽፍታ እንተአቃሊስኩሙዎ ህዝቢ ይቕረ ይብለልኩም ይኸውን።

አንታ መንእሰይ እቲ ዝኸፍኤን አደራዕ አርዑት ባርነት ዕጫኻ ኮይኑ እስኻ ኢኻ ተሸኪምካዮ ዘሎኻ፣ ስለ ዝኾነ‘ኣ አብቲ ባዶ ሀገረዊነት ስሚዒትካን፣ ማንነት ዘይብልካን፣ ፍትወት ገዛእ ርእስኻ ተወሲኽዎ፣ መፍቲሒ ኾይኑ ዝረኸብካዮ ገዛእ ርእስኻ አብ ናይ ሞት ሐደጋ የእቲኻ፣ እንተሰለጠካ ከርታት ናብራ ስደት ንምምራሕ፣ ንሀገራት ኤሮጳን አሜሪካን ምግስጋስ‘ዩ፣ ኢልካ ገዛእ ርእስካ ስለ ዘዕገብካዮ፣ ልብኻ ንስደት  ስለዝሸፈተ እንሆ እዚ ንሰምዖ ዘሎና የጋጥመካ አሎ።

ሐቂ ክንዛረብ እንትኾና ግን ስደት መፍትሒ ናይቲ ሽግርካ አይኮነን፣ እቶም ሕቖኻ ሂብካዮም ዝመጻእካ ህዝብኻ‘ኸ? እስኻስ እዛ ሐሳዊትን መኤሸዊትን ጽባሕ ንጉሆ አብዛ ሐሳዊት ዓለም ርሕርሕ አቢላትካ/ኪ ንትኸይድ ንእስነት ተኣማሚንካ ነቶም ንሳ ርሕሪሓቶም ዝኸደት ህዝብኻ ሰብኡትን አንስቲን ወለድኻን ሕጻናት የሐትካ/ክን የሕዋትካን/ክን አብ ትሕቲ መን ገዲፍካዮም ወጺእካ? ረሲዕካዮም፣ ስለ‘ዚ ክብረትካ ሀገርካ እታ ናይ ክንደይ ከማኻ\ኺ መንእሰያት አወዳትን አዋልድን ደም ሰትያ ዝተረኽበት፣ ሽሕ‘ኳ እቲ ዕላምኦም እዚ መንደዓት መስገደል ጨውዩ ንግዚኡ አብ ጥቕሚ ነብሱ እንተኣውዓሎ ሕጂ‘ውን ክብርኻ\ኺ ንሳ እያ፤  ስለዝኾነ‘ኣ ካብዚኣቶም አቦታትካ ከይተጸበኻ፣ አብነት ናይቶም ደሞም አፍሲሶም፣ እዛ ሐሳዊት ምስኻ ዘላ ከይመነውዋ፣ ሐደራ ኢሎሙኻ ዝሐለፉ አዴታትን አቦታትን፣ ከምኡ‘ውን ናይቶም ምእንታኻ ክብሉ አብ ዓራ-ዒሮን ካልኦት ጎዳጉዲ ተዳጒኖም ዘለዉን አብኡ ምስ አተዉ ዝሐለፉን አዴታትካን፣ አቦሓጎታትካ አብነት ብምስዓብ ተጠርኒፍካ፣ ንገዛእ ርእስኻ እዚ ዝስዕብ ክውንነት ዘለዎ ሕቶታት ብፍላይ አብ ሀገርና ክምለስ ዘለዎን፣  ሥልጣን አብ ኢድ መን‘ዩ ዘሎ? ብኸመይከ አብ ኢድ ህዝቢ ይአቱ? ካልኦትን ዝብሉ ሕቶታት አልዒልካ ንነብስኻ ተወከሳ::

እዚ ሕቶ‘ዚ ብዘይ ጥርጥር ምስቶም  ዐሰርተታት ዓመታት ተቓወምቲ ውድባት ክመርሑ ዕድሚኦም ዘሕለፍዎ ሐደ ዓይነት‘ዩ፣ እንተኾነ ግን ንአብ ውሽጢ ሀገርና ዘሎ ህዝብና ነቲ ምረት ብዘይ ንሕስያ ከም ሬሳ አብ ልዕሊዑ ዘፈጥ ኢሉ ተሸኪምዎ ዘሎን፣ ነቲ እዚ መሪርዎ ዐይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኢሉ ንቕድሚኡ ሀጽ ኢሉ ዝጠፍእ ዘሎ ካብዚ ዝተረፈ ቢሂወት ተሪፉ፣ ገለ አብ ቦታ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳኒ፣ ከምኡ‘ውን አብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ግን መልሱ ነዚኦምን ካብዞም መራሒቲ ኢና ኢሎም ዝበታትንዎ ዘለውን፣ ርሕብ ይኾነ ዘይተኣደነ ፍልልይ አለዎ፣ ምኽንያቱ ነቲ ምረቱ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎ ዝስሕኖ ዘሎን፣ አብኡ  ዘሎን ዝነበረን፣ እቲ ሕቶ ንጹር‘ዩ፣ ኩነታት ግሊያዊ መነባብሩኡ ዘቃጽልን፣ ዘሳቕን ንስደት ምውሐዝን ጥራሕ ዝኾነ፣ እዚ ስለምንታይ? ብኸመይ? ካልኦት መስቀላዊ ሕቶታት ንምቕራብ ምልክት ከትርፈሎም ናይ ግድን‘ዩ፤ እዚ‘ኣ እቲ ሕቶ ሥልጣን አብ ኢድ መን አሎ? አብኡ ንምብጻሕ‘ከ  በየናይ መገዲ አቢልካ‘ዩ? ናብኡ ንምብጻሕ ቀጻልነት ክሕልዎ ምእንቲ እንታይ ክግበር አለዎ? ከምዚ ክትብሉ ከሎኹም ግን ንገዛእ ርእስኹም አይትፈትዉን ማለት አየስምዕን‘ዩ! እንታይ ደኣ እቶም ነዛ ሀገር ንኸምጽኡ ኢሎም እታ ክብርቲ ሂወቶም በጃ ዝወፈዩ ሰማእታት ብምዝካር አሰሮም ብምስዓብ በብዘልኽሙዎ ተጥርንፍኩም ብሓንሳ ብምትሳእ ጥራሕ‘ዩ።

አብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ „ነዊት በረኽኡ ከሎ፣ ብዕራይ አብ ዋንኡ ከሎ፣ ንደቀይ የናቑቶም አሎ፤“ ከም ዝብልዎ ብያታ፣ ውሽጣዊ ሸውሃትኩም ቅቢርኩም፣ ንይምሰል ጓል ዘረባ አብ ዘይእዋኑ አልዒልኩም እስኻ ከምዚ ኢኻ! እስኻ‘ባ! እናተባሃሃልኩም ብጽሑፋት ይኹን ብኻልእ ነገር ካብ ምጽልላምን፣ አብ ዘልኻዮ ሽግር ኩነታት ምስ ክትሓባበረካ ዝኽእል ካብ ፀዊዕካ ትጻላእ፣ „ምእንቲ ድሕነት ህዝብኻን ሀገርካን ክትብል ነዚ ዝመጽእ „ሀገራዊ ጒባኤ፤“ ንምዕዋት ዐቢ ምስ ንእሽቶይ፣ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፣ ብሙሉኡ ሕብረተ-ሰብና እንኮላይ እቶም አብቲ ዝቐደመ ዋዕላ ዘይተኻፈሉ፣ ከም ሐደ ሰብ እጂጌና ጠቕሊልና  ብምትሳእ ንህዝብና ካብዘለዎ ፀልማት ናብራ ልዑል አምላኽ ብምእማን ንኸነገላግሎ ንተስእ፤ ሠራዊት‘ኣ አብ ኢድካ ሐዊ ዐቲርካ ኢኻ ዘሎኻ‘ሞ ናብቶም ፀረ ህዝብኻ ዝኾኑ ጃንዳ ምስ ጎይትኦም ገጽካ ብሙዛር አብ ጎኒ ህዝብኻ ክተት።

„ድኅርዚ እኽልኹም ንጸላእትኹም
መግቢ ክኾኖም ኢለ አይክህቦምን እየ፣
ነት ዝጸዐርክሙሉ ወይንኹም ከኣ
ጓኖት አይክሰትይዎን እዮም።
እኳ ደኣ ንስኻትኩም እዞም እኽሊ
ዘሪእኩም ዝኣከብኩም ክትበልዕዎ፣
ንእግዚኣቢሔር ከተመስግንዎ ኢኹም።
እዞም ወይኒ ተኺልኩም ዘእተኹም
ድማ
አብ ዐጸድ መቕደሰይ ኲንኩም
ክትሰትይዎ ኢኹም።“
ትን፡ኢሣ፡ 62፡8-9፤

ካብ ሻም/ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ፡
በሄረ ጀርመን፤        

  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...