ዳዊት ይስሓቕ ይፈታሕ

ሰብ ኣብዛ ዓለም ይውለድ፡ ይዓቢ፡ ይመውት፡ ታሪኽ ድማ ይፍጽም። ታሪኽ ግን ከከምግብርካን መትከላትካን እዩ ዝዝክረካ። ሰብ በቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣብ ሓደ ገጽ ናይ ታሪኽ እምበር ኣብ ክልተ ማህደር ክምዝገብ ኣይክእልን። እዚ ድማ እቲ ቅቡል ሓቂ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ኣባሃህላ ብዛዕባ ታሪክ ንምትንታን ኢለ ዘምጽኦ ዘለኹ ዘይኮንኩስ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብዛ ተዓቒበ ዝነብረላ ዘለኹ፣ ሃገረ ሽወደን ኣብ መንጎ ሓደ ስድራ ክልተ ዓይነት ታሪኽ ክስራሕ ከሎ ይምስክር ኣለኹ። ብምግራም እየ ኣጠማምታይ ጦብላሕታይ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ሰማዕትን ተዓዘብትን ንክኻፍሎ ዝመረጽኹ። ትዕዝብተይ ኣብቲ ጉዳይ ኣበር ዘይወጾ እዩ ዝብል ርእይቶ የብለይን። ግን ከም መበገሲ ክከውን ስለዝክእል፣ ስቕ ካብ ምባል ነቲ ንነዊሕ እዋን ዓጂቡኒ ዝጸንሐ ጉዳይ ከካፍለኩም መሪጸ።

እቲ ጉዳይ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ከዛርብ ዝጸንሐ ኾይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መጀመርታ ክልተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ድማ ናብ ዝላዓለ ጥርዙ በጺሑ ዝርከብ እዩ። ቅድሚ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ኣቢሉ፣ ኣብ ዮተበሪ ዘጋጠመ ፍጻሜ ክሓስቦ ከለኹ፣ ከም ሰብ ንነብሰይ ሓቲተያ። ኣብቲ ፍጻሜ የእትየ ክርእያ ምስ ፈተንኩ፣ ነገራት ድንግርግርን ሕውስውስን ኢሉኒ። ካብቲ ቀንዲ መልዓሊ ኣርእሰተይ ዝኾነት ቤተሰብ ኣነ ነይረ እንተዝኸውን፣ ምስ መኖም ምወገንኹ ክብል ንነብሰይ ሓተትኩ። እቲ ጉዳይ ዘመኽሕን ንሓንቲ ቤተሰብ ክፈላሊ ዝኽኣለ ተረኽቦ ስለዝኾነ፣ ሕማቕ ዕድል እታ ስድራ ብምዃኑ ሓዚነ። ንዝኾነ ቤተሰብ ከምዚ ዓይነት ዕጫ ከየጋጥም ድማ ጸልየ። ሰብ ከም ምዃነይ መጠን እቲ ዝተዋህበኒ ድሩት ዓቕሚ ተጠቒመ ድማ ፍርደይ ክህብ ምስ ጀመርኩ ሓደ ጉዳይ ተረዲኤ። ወይ ጉድ፣ ከብዲ ኣደ ጉራምራ ክብልዎስ ሓቂ’ዩ! ድሕሪ ምባል ነቶም ክልተ ደቐይ፣ ኣብቲ ኩነታት’የ እትየ ክርእዮም ምስ ፈተንኩስ ከም ስርዓት እቲ ጉዳይ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ክግንዘብ ኪኢለ። ፈሪሐ ድማ ብሓቂ ንደቐይ ካብ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ኣምላኽ ክሕልወለይ ዋላኳ፣ ብወግዒ ተምበርኪኸ ጸሎተይ እንተዘይገበርኩ፣ ኣብ ከቢድ ስቕታ ተወሒጠ ብውሽጠይ ጸለኹ።

ድሕሪ ነዊሕ ምጉት ምስ ነብሰይ፣ ኣብዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ፣ ብዛዕባ እታ ዕድለኛ ዘይኮነት ስደራቤት ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝርከብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቅ ዝምልከት እዩ። ነታ ስድራ ዝምልከት ጽሑፍ ከውጽእ ኣይምደለኹን። ኣብታ ስድራ ዘሎ ጉዳይ ካብ ምትንታን እንተዝቑጠብን ኣደበይ ሒዘ ትም እንተዝብል ደስ ምበለኒ። እቲ ጉዳይ ግን ትም ንክትብል ዘይዕድምን፣ ካብ ናይ ስድራቤት ጉዳይ ሓሊፉ ጉዳይ ፍትሕን ርትዕን ስለዝኾነ ርድኢተይ ክዝርዝር ተደሪኸ። እወ። እቲ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ። እቲ እሱር ወዲ ህዝቢ። ግዳይ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሐዝናን እዩ። ዓለምን ሰብን ዝፈልጦ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቅ ክሱ ብወግዒ ከይተፈልጠ ኣብ ማሕዩር ይርከብ ኣሎ። ብዘይፍትሕን ርትዕን ኣብ ቐይዲ ካብ ዝኣቱ ጥራይ ናብ ትሽዓተ ዓመቱ ይገማገም ኣሎ። ዓለም ብዓለሙ’ውን ንዳዊትን ብጾቱን ዝምልከት ጥርዓን ድምጺ የስምዕ ኣሎ። እዚ ኸምዚ እንዳኾነ ኸሎ እምብኣር፣ እቲ ጉዳይ ካብ ናይ ሓንቲ ሃገር ውሽጣዊ ኹነታት ወጻኢ ብምዃን ዓለምለኻዊ ኣድህቦ ኣብ ዝረኽበሉ ዘሎ እዋን፣ ሓደ ዘስደምም ዜና ካብ ፈለጥቲ ስድራ-ቤቱ ሰሚዔ። ደንጺዩኒ ድማ።

ዝገርመኩም፣ የሕዋት ዳዊት፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዮተበሪ እዮም ዝቕመጡ። ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝወጹ የሕዋት ድማ እዮም። ንሳቶም ድማ እፍሬም ይስሓቅ፡ ቴድሮስ ይስሓቅ፡ ሚክእል ይስሓቅ ዮርዳኖስ ይስሓቅ ከምኡ’ውን ኢሳይያስ ይስሓቅ ይበሃሉ። ኣብ ሓጎስን ሓዘንን እንዳተሳተፉ ብሓባር ዝነብሩ ምኻኖም’ውን ኵሉ ዝፈልጦ’ዩ። ብሓቂ’ውን የሕዋት ክገብርዎ ዝግባእ ተግባር’ዩ ድማ። እቲ ዘስደምም ነገር ግን እዚ ግሩም ስድራ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዓቢ ፍልልይ ከምዘለዎ ምግንዛበይ እዩ። እቲ ምንታይሲ እዞም ስድራቤት ኣብ ልዕሊ ኩነታት ማእሰርቲ ፍቁር ሓዎም ዳዊት ዘለዎም ርእይቶ ግና ዝተፈላለየ ብምዃኑ፡ እቲ ፍልልያት ድማ ከምቲ ሰሜን ካብ ደቡብ ዘለዎ ርሕቀት ዓይነት ክምሰል ይካአል።

እቲ ካብ ኵሉ ዘስደምም ኣቶ ቴድሮስ ይስሃቅ፡ ንመንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ይድግፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓደ ካብቶም ናይ ከተማ ዮተበሪ መኸተ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣሳሰይቲ ምዃኑ’ዩ። ምድጋፍን ዘይምድጋፍን ንፖለቲካውን ስነሓሳባውን መትከላት ዝምልከት ስለዝኾነ፣ ኣቶ ቴድሮስ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ምድጋፍ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። እቲ ዘሕዝን ክፋል ናይቲ ጉዳይ ግና ብዛዕባ ናይ ዳዊት ድሃይ ክሓትት ዘይምክኣሉ እዩ። እዚ’ውን ምስ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ኣብ ግምት ኣእቲካ ሸለል ክብሃል ዘለዎ ጉዳይ እዃ እንተኾነ፣ ነቲ ስርዓት ብገንዘብን ሞራልን ከደልድል ላዕለን ታሕትን ክብል ምርኣይ ግን ኣይግድን። ካልእስ ይትረፍ እቲ ምሕታትን ተቓውሞኻ ምስማዕን እንተተረፈካስ፣ ኣፍካን እግርኻን ኣጣሚርካ ትም ምባልውን ተቓውሞኻ ምግልጽ እዩ። ንስድራካ ምሕላቅ ክቡር ባህሊ ኣቦታት ምዃኑ ምዝንጋዕውን ከም ሰብ ዘለካ ክብሪ ኣብ ዘ’ታሓታትት ሚዛን የእትወካውን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 6 የካቲት 2010፣ ኣምባሳደር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ኣቶ ግርማ ኣስመሮም፣ ኣብ ዮተበሪ ተረኪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብማሕበረሰብ ዓለም ተወሲዱ ዘሎ እገዳ ኣመልኪቱ መደረ ከስምዕ ኣብ ዝተረክበሉ እዋን፣ ኣቶ ቴድሮስ ይስሃቅ፣ ንመደረ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ንምክትታል ስድራቤቱ ሒዙ ናብ ኣዳራሽ ክኣቱ ከሎ፣ ብዓይኒ ካሜራ ጋዜጠኛታት ሽወደን ተሳኢሉ ኣሎ። እቲ ዘገርም ኣቶ ቴድሮስ ምስ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ምንባሩ እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘስደመመኒ ጉዳይ እንተሃልዩ፣ ኣቶ ቴድሮስ ንብዘይ ፍትሒ ንሓዉ ዝኣሰሩ ሰባት ደጊፉ ኣንጻር ሓዉ ደው ከምዝበለ ዝዕዘቡ ዘለዉ ናእሽቱ ደቑ፣ ፍትሒን ርትዕን ዘለዎም ርድኢትን ኣብ ሓድ ሕዶም ክህልዎም ዝግብኦ ሞራላዊ ሓላፍነት ብኸመይ ከምዝርድእዎ ብከመይ ዓይነት ሞራላዊ ኣምር ይኹስከሱ ከምዘለዉ ክትዕዘብ ከሎካ ይድንጽወካ። እምበር’ዶ እዞም ቖልዑ ጽባሕ ስድርኦም ዓመጽ ምስ ዝወርዶም ዶው ክብሉ እዮም? ኢድ ሸናሒት ጸናሒት እዩ እሞ፣ እዚ ንግዜ ዝግደፍ ጉዳይ ጥራሕ እዩ።

እቲ ምድንጻው ኣብዚ ኣየኽተመን። ንእገዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተቓውሞኦም ንምስማዕ፣ ሸበድበድ ኣብ ዝበልሉ እዋን ኣቶ ቴድሮስ ከም መርኣያ ደገፉ 2 ሽሕ ክሮነር መዊሉ። ቕድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ነቲ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት ብምምጓስ ናይ 100 ሽሕ ናቕፋ ወፈያ ብምግባር ተግባራቱ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣስመራ ወደሳ ወሲዱ እዩ።  ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር እንተኔሩ ግና፣ እቲ ሕጂ ቴድሮስ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ንጥፈታት ዳዊት ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ንህዝባዊ ግንባር ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈት ምዃኑ እዩ። ዳዊት ድሕሪ ናጽነት፣ ኵሉ ናብራ ሽወደን ንድሕሪት ገዲፉ ናብ ኣስመራ ክነቅል ከሎ፣ ንመንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ብዓይኒ ኣድናቆትን መርኣያ ጽቡቅ ኣብነትን ብምውሳድ’ዩ ናብ ኣስመራ ኣትዩ ብሞያ ጋዜጣ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኮይኑ ግና አዚ ንጥፈታት ብኹሎም ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. እንዳተፈልጠ ኸሎ፣ ሎም ዳዊት ከም ከዳዕ ተቆጺሩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዘይተፈልጠ ማእሰርቲ ተዳጉኑ ሃለዋት ጥዕንኡ ኣብ ኣስጋኢ ኹነታት እንዳሃለወ፣ ተግባራት ኣቶ ቴድሮስን ብዙሓት ኣዝማድ ዳዊት ምስ ምንታይ ይቑጸር። እዚ ከይኣክል ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ኣፎም ዓጽዮም ትም ኣብ ክንዲ ምባል፣ ንማእሰርቲ ሓዎም ብግልጺ ደገፎም ብምግላጽ፡ ዳዊት ኣብ ዘይምልከቶ ኢዱ ብምእታዉ ከም ዝተኣሰረ ጌሮም ዓው ኢሎም ክዛረቡ ምስማዕ ግና ዘሕፍርን ዘሕዝንን’ዩ።

እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዝተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ዝፈጥረልካ። እዞም ሰባት ካንዶ ናይ ብሓቖም እዮም ትብል እሞ ሕቶታት ተልዕል። እዞም ሰባት ማለት ቴድሮስ ይስሓቅን መቅርብን ዳዊት ይሳሓቅ በቲ ዘርእይዎ ምእዙዝነት ተጠቂሞም ሓዎም ንምድሓን ዝጥቐምሉ ዘለዉ ሜላ’ዶ ይኸውን ትብል። ንግርህነትካ ኣብ ሕቶ ምልክት ተእትዋ፧ ወይ’ሲ ዕርክነት ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ወይ ሞጎሰ ኢሳይያስ ልዕሊ ስድራቤት እዮም ሰሪዐሞ፧ ክትበል ድማ ናብቲ ሓደ ጫፍ ብምኻድ ትሓትት። ወይ’ሲ ናይ ብሓቂ እዞም ሰባት ዳዊት ገበነኛ እዩ ኢሎም እዮም ፍርዲ ሂቦም እዮም፧ እዚ ድማ ኣንጻር ባህሪ ዝኾነ ፍጡር እዩ። እቲ ምንታይሲ ብተፈጥርኡ ሰብ ኣብ ክንዲ መቕርቡ ምሕላቕ እዩ ዝጅምር ክሳብ መርትዖ ቐሪብሉ ንሓው ወይ ሓብቱ ዝግስጽ። እሞ እዚ ባህርያት ናይዞም ሰባት እንታይ ኢና ክንብሎ። ወይ’ሲ ኣነ ኣይተንከፍ እምበር ሓዊ ሓፍቲ ዝብሃል ነገር ኣይግድሰንን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለዝዓብለሎም እዩ ትብል። ግና ንሕና ክንበጽሖ ዘይኸኣልና ነገር እንተሎ ድማ እንድዒ፤ ወይ ውን ምስ ዳዊት ውልቓዊ ጽልኢ ነይርዎም’ዶ ይኸውን ትብል። ማዓት ነገር ተውጽእን ተውርድን ድማ።

ኣብቲ ጉዳይ ቴድሮስን ገለ ኣዝማድ ዳዊትን ዕቃበታት ነይርዎም ክኸውን ይኽእል ይኸውን ትብል። ግን ሓደ ክስገር ዘይክእል ሓቂ ግን ኣሎ። ነቲ ፍጻሜ ብሓቂ እንታአሚኖምሉ ድማ ሓዎም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፣ ፍርዲ ክቕበል ክዛረቡ ዝግብኦም ንሶም እዮም ነሮም። እንተዀነ ግን ምጾታት ግዲ ኣኺሉ ዀይኑስ ወይ ዘበነ ኣካሒዳ ደጊሱና ግዲ ኾይኑስ፤ ንሓዎም ጠሊሞም፡ ብሓላፊ ፖለቲካ ክልውጥዎ ምርኣይ፡ ምስ ምንታይ ይግለጽ፧ እዚ ንሰማዕቲ ጥራይ እየ ዝገድፎ፧

ኣብ ልዕሊ ዳዊትን ብቤተሰቡን መቕርቡን ዝበጽሕ ዘሎ በደል እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ገለ ካብ ቤተሰቡ ንነዊሕ ዓመታት ደገፍቲ እቲ ስርዓት ኮይኖም፣ ንሞራላዊ ደገፍ እዃ ትኩን ኣብ እንዳ ሻሂ ብዛዕባ ዳዊት ክሕለቁስ ይትረፍ ብጩቕ ኢሎም ተዛሪቦም ዘይፈልጡ፣ ንናይ ስደት ወረቐቶም ብዝምልከት ኣብ ክፍሊ ምግረሺን እቲ ዘቕረብዎ ጉዳይ ቅቡል ኾይኑ ስለዘይተረኽበ ንዓድኹም ክትምለሱ ኢኹም ዝብል ውሳነ ምስ ተዋህቦም፣ ስም ዳዊት ከም ናይ መልኣኽ ስም በሪህሎም ኣዝማዱ ብምዃኖም እንተተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምዃኑ፣ ስም ዳዊት ይጽውዑ ክትሰምዕ ከሎካስ ወይ ግዜ ትብል። ሓንቲ መዓልቲ ን’ይምሰል እዃ ስእሊ ዳዊት ዘለዎ ታቤላ ክሕዙ ዝሓንኩስ፣ ንስም ዳዊት ከም መጣልዒ ካርታ ክጥቐምሉ ምርኣይ ግን ዘሕፍር እዩ። እቲ ዘሕዝን ስም ዳዊት ይስሓቅ በቶም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ዝዝንጠል ዘሎ። ገለ ብዘይካ ስሞም ካልእ ዘየገድሶም፣ ዝናን ናይ ፐለቲካ ሽውሓቶም ንምርዋይ ኣብ ፈቐዶ ናይ ሜድያን ማዕኸናትን ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ እንዳ ተጠቐሙ ዘኸሻምሽዎ’ውን ኣለዉ። ሰለዚ ክቡር ስም ንክቡር ነገር ንጠቐመሉ። በዚ ኣጋጣሚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝጥቀሙ ውልቀ-ሰባት ከነሰተባህልሎምን ክንእርሞምን ይግባእ።

ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ጉዳይ እንተሃልዩ፤ በዓልቲ ቤት ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቅ ወ/ሮ ሶፍያ ብርሃነ ምስ 3 ደቃ ማለት ዮራን ዳዊት፡ ቤትልሄም ዳዊት ከምኡውን ዳናይት ዳዊትን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ እዩ። እቲ ቓንዛ ንማንም ሰብ ንክርድኦ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣይኮነን’ዶ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ንክልተ ለይቲ ኣቦዃ ተፈሊዩካ ክትሓድር ኣይትደሊን ኢኻ። እታ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመት ሰብኣያ ስኢና ተኾርምያ ዘላ ብዓልቲ ቤቱ ንዳዊት ይስሓቅ ዝኾነት ወ/ሮ ሶፍያ፡ እትሓልፎ ዘላ ድርብ ስቓይ ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ኣዝዩ እዩ ዝትንክፈኒ። ኵሉ ግዜ ውን ብዓይኒ ርህራሄን እየ ዝርእያ። ፈጣሪ ካብቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ፡ ኣዋጽኡ ክህባ ይምነየላን። ብዛዕባኣ ኣብ ዝሓስበሉ እዋን ግን ሓደ ኵሉ ግዜ ከም ሕቶ ዘልዕሎ ጉዳይ ግን ኣሎ። ስለምንታይ እያ ብዓውታ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ዘይትፈልጥ፧ ስለምንታይ’ከ ኣብ ንዳዊት ን’ኽፍታሕ ዝጠልቡ ሰለማዊ ሰልፍታት ተራእያ ዘይትፈልጥ፧ ዘብሉ እዮም። እቲ ዘደንጸወኒ ጉዳይ ወ/ሮ ሶፍያ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ናይ ስቕታ ዝመልኦ ህይወት፣ ሃንደበት ንጋዜጠኛ ቶማስ  ማትሶን (Thomas Mattsson) “ማእሰርቲ ሰብኣየይ ምስ ፖለቲካዊ ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉ፣ ብኣንጻሩ ግና ሰብኣዊ ምዃኑ”  ምግላጻ እዩ።


እቲ ዝሃበቶ መግለጺ ምስ እትዕዘብ እምበር’ዶ፣ ዳዊት ብዘይፍትሒ ተኣሲሩ ከምዘሎ ትርድኦ እያ ትብል፧ ወይሲ ነቲ ንእሽቶ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ እንተላስ ከየ’ጸልምታ ዝብል ስግኣት ስለዘለዋ፧ ወይ ውን ካብቶም ኣዝማድ ዳዊት ክመጽእ ዝኽእል ዘየድሊ ጸርፍን ዘለፋን ፈሪሓ እያ ትብል። ግን ድማ ወ/ሮ ሶፍያ ሽልማት ናይ ዳዊት ንምቕባል ካብ ዩቶበሪ ናብ ስቶኮልም፣ ካብ ዩቶበሪ ናብ ኦስሎ ኖርወይ ክትጓዓዝ ክኢላ። ስለምንታይ ብኣማኢት ዝቑጸር ሰላማዊ ሰልፍታት እንዳተገብረ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን መረረ’ኣ ከተስምዕ ዘይወጸት ትብል። እቲ ምንታይስ ህግደፋውያን ይትረፍ፣ ዓለም ብዓለሙ ሽልማት ትቕበል ከምዘላ ይርኢ ኣሎ። ስለዚስ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ መርገጺ ክህልወካ ኣይክእልን። እቲ ንዳዊት ንኽፍታሕ እትገብርዎ ጻዕርታት ንፖለቲካኹም እዩ እቲ ገንዘብ ግና ደሓን ሃቡና እንታይ ከይብለና ዝብል ርድኢት እዩ። እዚ’ውን ዘደንጹ ጉዳይ እዩ። 

ናብቲ ካልኣይ ገጽ ናይ ኣርእስተይ ክኣቱ። ከብዲ ኣደ ጉራ ምራ ብምዃኑ ድማ፣ ገለ ካብቶም ብዙሓት ደቂ ኣቦይ ይስሃቅ ዝኾኑ የሕዋት ጋዜጠኛ ዳዊት፡ ንማእሰርቲ ሓዎም ብስቕታን ከምዘየለ ዓይኖም ዓሚቶም ክሓልፍዎ ወይ ድማ ምስ ዓመጸኛታት ተሓባቢሮም ነቲ ካብ ሓንቲ ማህጸን ኣዲኦም ዝወጸ ሓዎም ክርስዑ ዘይከኣሉ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ሚክእል ይስሃቅ፣ ዮርዳኖስ ይስሃቅ፣ ብሕልፊ ኢሳይያስ ይስሃቅን ኢዮም። ለይቲ ምስ መዓልቲ ድማ ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ጓኖት ኤርትራውያን መቓልስቶም ኮይኖም፣ ኣንጻር ማእሰርቲ ሓዎምን ካልኦት ብጾቱን፣ ምእንቲ ፍትሒ ላዕልን ታሕትን ይበሉ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ 6 ለካቲት 2010፣ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣብ ዩቶቦሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ክልተ ኣሕዋት ዳዊት ማለት ኢሳይያስ ይስሓቅን፣ ሚክእል ይስሓቅን፣ ኣብቲ ቀጽሪ እቲ ኣዳራሽ ኮይኖም “ዳዊት ይፈታሕ” “Free Dawit” ዝብል ጭርሖ የስምዑ ምንባሮም እዩ። የሕዋት ዳዊት ነዚ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ብብዙሓት ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኣዝማዶምን ተነጽሎታት ግፍዕታት ይውርዶምን እዩ። ከም ከዳዓት ሸየጥቲ ዓድን ካልእን ይብሃሉ። ግን ንፍትሕን ርትዕን ሓዎምን ካልኦትን ዶው ብምባል ኣንጻር ኵሉ ዓይነት ተጻብኦታት ዶው ኢሎም ኣብነታውያን ዜጋታት ምዃኖም ኣመስኪሮም ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን ግና እቶም ናእሽቱ እዚ ክገብሩ ኸለዉ፣ እቲ ዓቢ ሓዎም ኣብነት ብምዃን ከተባብዖም ዝግብኦ፣ መደረ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ልዕሊ ፍትሕን ርትዕን ሓዉ ስለዝዓበዮ ስድርኡ ሒዙ ሸናዕ እንዳበለ እዩ ንኣደራሽ ዝኣተወ።

እቲ ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፣ ቴድሮስ ምናልባሽ ሃገር ልዕሊ ሓውን ቤተሰብን እያ ዝብል ምስሉይን ግልብጥሽ ርድኢትን ተታሊሉ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግን ሓደ ኣበሃህላ ኣቦታት ኣሎ፡ ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያስ ብእግራ ትወጽእ እዩ። ጉዳይ ዳዊት ይስሓቅ ጉዳይ ነፍሲ ወከፍ ንፍትሒ ዶው ዝበለ ሰብ እምበር፣ ጉዳይ ሓደ ቤተሰብን ሃገርን ምዃኑ ከምዘኽተመ ዝሓለፋ ዓመታት ኣመስኪረን እየን። ዳዊት ሓውን ሓብትን ኣይክስእንን እዩ። ዋለ’ኳ ካብ ሓደ ማህጸን ሃገርን ኣይምጽኡ እምበር፣ ከም ብዓል ለይፍ ኦርብሪንክ (Leif Örbrink) ዝኣመሰሉ ኣድማሳውያን ኣሕዋትን ስድራቤት ኮይኖም ኣብ ክንዲ ዳዊት ዝሕለቁን ዝጣበቑን ኣለዉ።

ታሪኽ ንጻሓፋዩ እዩ ዝመስል ከምዝብሃል፣ ታሪኽ ድማ ነቶም ዝጻሓፍዎ ከም ብዓል ዳዊት ይስሓቕ ዝውርቕ ደብተራት እምበር ንናይ ሕማቓት ታሪኽ ብዓል ቴድሮስ ይስሓቕ ዝኸውን ቀለም የብሉን። ስለዚ ዳዊት ሕጂ ይኹን ጽባሕ ኣድማሳዊ ሰብ እዩ። ታሪኹ ድማ ከም ብዓል ማንዴላ እዩ። ዳዊት ይስሓቅ ኤርትራዊ ማንዴላ ብምዃን ክዝከር እዩ። ቴድሮስ ምስኡ ይወግን ኣይወግን ዘምጽኦ ለውጢ ይለን። እወ ከብዲ ኣደ ጉራጉራ ዝበሃል ከምዚ ዶ ይኸውን። ፈሪሐ ኣደ ስለዝኾንኹ ግና፣ ቃል ድማ ኣትየላ ንነብሰይ ንደቐይ ኣብነታዊት ኣደ ክኾኖም። እቲ ሓቂ እምባአር ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር፣ ዳዊት ሓቁ ሒዙ ደበኽ ዝብለሉ እዋን ክመጽእ’ዩ! እቲ ዘይምሕር ግዜ ድማ እዋኑ ሓሊፉ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ስልጣን ክግለፍ ከርእየና’ዩ። ሽዑ ድማ እቶም መተካእታ ዘለዎም ንሓላፊ ስልጣንን ሽመትን ብስም ልኡላውነት ሃገር ተታሊሎም ዝነበሩ፣ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን እንታይ’ዮም ክብሉ? ተታሊልና! ተዓሺና !ወይስ ሽዑ’ውን ብዘየገድስ ብዝገበርዎ ከይተጣዕሱ ክነብሩ’ዮም፧ እቲ መልሲ ንግዜ ንግደፎ። 

                          ሜሮን እስቲፋኖስ
                          ስቶኮልም ሽወደን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...